- emdhrorg
መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት፡ ‘ሕሳብና እንገብረሉ’ ኣጋጣሚ
ዓመተ 2022 ዓበይቲ ኣሉታውን እወታውን ክስተታት ኣአእንጊዳ ሓሊፋ’ላ።
ንህዝቢ ኤርትራ ግን መዳርግቲ ዘይነበራ ናይ ‘ምጾታት’ እዋን’ያ ነይራ።
ህዝቢ ኤርትራ ብሕሱማት ናይ ውሽጢ ገዛእቲ ተኸላቢቱ፡ ነተን በይነን ኣብቲ ሕልምልም ዝብል ገዛውቲ ዝተረፋ ኣዴታት ምስ ህጻናት ደቀን ብጭካነ ካብ ገዝአን ብምውጻእ ኣብ ደገ ዝተደርበያላ ዓመት።
ኣዴታት ስውኣት፡ ንዝተረፉ ብጹሓት ደቀን ኣረክባ ተባሂለን፡ ተዘሊፈን፡ ተጸሪፈን፡ ተሰራጥየን፡ ኣብ ፈቐዶ መዳጎኒታት ተሓይረን። ገዛውተን ተዓሺጉ፡ ትልኽ ዝብል ናኣሽቱ ትካላተን ተረጊጡ።
ይወግሕ ‘ዶኾን እናበለ ዝተማህለለ ህዝብና፡ መሊሱ ናብ መዓሙቚ ደልሃመት ተሸሚሙ።
ደም ዕሸላት ሰትዮም ዝገርገሩ መራሕቲ ህግደፍ ንሽማግለታት ዓዲ ከይተረፉ ናብ ዓውደ-ውግኣት ብምጥባስ፡ ስድራቤታት ኣብሪሶም፡ ሃገር ረሚሶም፡ ኣብ ልዕሊ ስቓይና ነጊሶም።
“ዘመነ ኣካሒዳ” ደጊሱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ታሪኹ መዳርግቲ ዘይብሉ ምረትን ሕስረትን ኣጋጢምዎ- ‘ዘመነ-ኣካሒዳ’’ኳ ከቢድ ደርቂ ዘስዓቦ’ዩ ዝነበረ።
መከረኦም ክውዳእ ዝተመነዩ መንእሰያትና ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት ብግፋን መግረፍትን መሃነቶም ጠፊእዎም፡ ተስፍኦም ማህሚኑ፡ መጻኢኦም ጸልሚቱ’ዩ።
ዕሸላት ቆልዑ፡ ኣቦታትን ኣቦሓጎታትን ኣብቲ ከም ብሓድሽ ዝተወልዐ ውግኣት ኲናት ትግራይ ተጠቢሶም ዝተቐዝፉላ ዓመት’ያ።
ኣብዚ ናይ ዕንደራ ኲናት ኣትዮም ኣብ ፈቐዶ ስንጭሮታት ክልላት ትግራይ፡ ዓፋርን ኣምሓራን ዝተረፉ ንጹሃት ኤርትራውያን መንእሰያት ንቡር ክብሪ ተሓሪምዎም።
ነቲ ኩሉ ኣደራዕ ዝተቐበሉ ስድራቤታቶም፡ ሃለዋት ደቆም፡ ወለዶምን ኣሕዋቶምን ንምርካብ ጭትም ይብሉ ኣለዉ. . .።
ኣበይ ኣለዉ? ኤርትራ ክንደይ ዋጋ’ያ ከፊላ ኣብዚ ናይ ዕብዳን ኲናት? መን’ዩ ሓላፍነት ዝወስድ?
እቶም ገፊፎም ዝወሰድዎም ምምሕዳራት፡ ኣዘዝቲን ሰበስልጣንን ክሕተቱ ኣለዎም። ደቆም ኣብ ውሑስ ቦታ ዓቂቦም፡ ብደም ንጹሃት ክጎስዑ ክግደፉ የብሎምን- ሕሳብ ክግበር ኣለዎ።
ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ስምምዕ ሰላም ዝፈረሙ መራሕቲ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ ድሮ ኲናት ደው ኣቢሎም ክተሓቛቖፉን ሕሳባት ክዓጽዉን ተዓዚብና ኣለና። ዋላ’ኳ ሂወት ኣማኢት ኣሽሓት ከይጠፍአ ክኸውን ዝነበሮ እንተኾነ- ንዝወሰድዎ ናይ ሰላም ስጉምቲ ንንእድን ሰናይ ትምኒትና ንገልጽን።
ህዝቢ ኤርትራ’ውን፡ ተቢዑ ‘ሕሳብና ንግበር’ ክብል ኣለዎ። እንተወሓደ ንዝሞቱ ደቁ ንቡር ሓዘን ክገብረሎም ይግባእ። ዘዝተወልደ ዕሸል እናገበርካ ዝቐውም ሃገርን ዝቕጽል ሕብረተሰብን የለን።
ህዝቢ ኤርትራ ተዂላ ከምዝኣተወን ኣባጊዕ ፋሕ ኢሉ ናብ ፍጹም ብርሰት ብናህሪ የንቆልቁል ኣሎ።
እዚ ናይ ድሕረትን ድንቁርናን ስርዓት፡ ንማሕበራዊ፡ ቁጠባውን ፖለቲካዊን ምዕባለና ኮሊፉ፡ ሃገርና ኣልሚሱ፡ ህዝብና ረሚሱ ኣብ ልዕሊ ስቓይና ነጊሱ ይርከብ። ሃገር ብቆይቊን ኹምራ ቃላት ኣይህነጽን’ዩ- ምትላል የብቅዕ።
ኣብዚ ሓድሽ ዓመት፡ ይኣክል- ደጊም ዝተረፈና የለን ብምባል ብትብዓት ንለዓል፡ ነዚ ከም መንድዓት ተጻዒኑና ዘሎ ዝኣረገ ስርዓት ወጊድ ንበሎ።
ዝሓሸ ሓድሽ ዓመትን መጻኢን ንመላእ ህዝብና
ርሑስ ሓድሽ ዓመት 2023
ኤምዲሰመ
31 ታሕሳስ 2022
Comentários