ምብሕጓግ መሰረት-ኤርትራ – ስድራቤት
ብናሆም ኪዳን
(ትርጉም - ኢያሱ ዓንደማርያም)
“ምዕባለ ናይ ዝኾነት ሃገር ኣብታ መሰረት ናይ ሕብረተሰብ ዝኾነት ስድራቤት ክጅምር ኣለዎ”
(ቤጉም ኣጋ ካሃን)
ኣብዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ናይ ህግደፍ ግዝኣት እቲ ኣብ ኤርትራ ዘጋጠመ ዝኸፍአ ዕንወት እንታይ እዩ ኢለ ንሰባት ኣብ ዝሓተትኩሉ፡ ምብትታን ኤርትራዊት ስድራቤት ዝብል ሓሳብ ጎሊሑ ይረአ። ኣብዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት፡ ብሰንኪ ድሑር ፖሊሲ ናይ ህግደፍ ኤርትራዊት ስድራቤት ብኣስገዳድ ክትፈላለን ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ክትናጠርን ተፈሪዳ። ናይ ኤርትራውያን መንእሰያት ስደት፡ ሳዕቤን ናይቲ ወተሃደራዊ ኣተሓሕዛ ስርዓተ ትምህርትን፡ ንባርነት ዝመሳሰል ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን እዩ። ንሱ እዩ ከኣ እቲ ኣውራ ጠንቂ ዕንወት ኤርትራዊት ስድራቤት። ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት እቲ ቀዳማይ መንእሰያት ናብ ስደት ንከምርሑ ደፋኢ ረቛሒ ምዃኑ ብብዙሓት ይጥቀስ። ኣብ ናይ 2018 ጸብጻብ በዓል መዚ ስደተኛታት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት 507,300 ኤርትራውያን፡ እቲ ትካል ብዝፈልጦ ኣብ ትሕቲ ዑቕባ ከምዝርከቡ ይሕብር (UNHCR, 2018)። እቲ ብዝተወደበ ኣገባብ ንኤርትራዊት ስድራቤት ንምድኻም ኣብ ልዕሊኣ ዘነጻጸረ ተበግሶ፡ ብቀንዱ ኣብ ሕመረት ናይ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ዘተኮረ እዩ። እዚ ድማ ነቲ መሰረትና ዝኾነ ባህልና፡ ክብርታትና፡ ሕልምን ባህግን መንእሰያትና ዘበርዕንን ዘዕኑን ስለዝኾነ እዩ።
ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ፡ ተመራመርቲ፡ ፍላስፋታትን መራሕቲ ናይ ዝተፈላለዩ እምነታትን፡ ተራ ናይ ስድራቤት መሰረት ሕብረተሰብ ምዃና ተገንዚቦምን ኣገንዚቦምን እዮም። ክብሪ ናይ ስድራቤት ዓለምለኻዊ ሕጊ'ውን ኣስሚሩሉ እዩ። ኣብ ናይ ዓለምለኻዊ ኪዳን ንሲቪላዊን ፖለቲካዊን መሰላት ደቂሰባት International Covenant on Civil and Political Rights (ICCPR) ከምዚ ይብል፥ "ስድራቤት ባህሪያዊትን መሰረታዊትን ጥምርቲ ኣካል ናይ ሕብረተሰብ ብምዃና ብሕብረተሰብን ብመንግስትን ክትሕሎ መሰል ኣለዋ።”
ከምቲ ናይ ምዕራባውያን ርድኢት፡ ትርጉም ስድራቤት (ወለዲን ደቆምን) ዘስምዕ ዘይኮነስ ኣብ ኤርትራ ስድራቤት ክበሃል ከሎ፡ ኣኮ፡ ሓትነ፡ ሓወቦ፡ ኣሞ፡ ኣቦሓጎን ዓባይን ምስ ደቆም ዝሓቆፈ እዩ። ኣብቲ ናይ ሓደ ቆልዓ ኣእምሮዊን፡ ማሕበራውን፡ ስምዒታውን ምዕባለ ስድራቤት ኣዝዩ ወሳኒ ተራ ይጻወቱ (Seedat, Duncan and Lazarus, 2001)። ፍቕሪን ሓልዮትን ዘለዎ ስድራቤት ጥዑያትን ሚዛኖም ዝሓለዉን ቆልዑት ንምዕባይ ወሳኒ ግደ ኣለዎ። ብተወሳኺ ወለዲ ንደቆም ከም ገዛ፡ ዝተመጣጠነ ምግቢ፡ ኣብ ካልእ ማሕበራውን ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ዝግበሩ ንጥፈታት ክሳተፉ ዘኽእሎም እኹል ንዋታዊ ደገፍ ክገብሩሎም ምስዝኽእሉ ኣብቲ ናይቶም ቆልዑ ማሕበራዊ ዕብየት ወሳኒ ተራ ይጻወት። ብባህልና፡ እቶም ንኣሽቱ ወለዶ ነቶም ሽማግለታት ወለዶም ይኹኑ መቕርቦም ኣብ እርጋኖም ክጠውርዎም ንቡር እዩ።
ምህላው ኣባላት ናይ ኤርትራዊት ስድራቤት፡ እታ ስድራ ዕለታዊ ናብራኣ ከተሰላስል ወሳኒ ተራ ኣለዎም። ልዕሊ 75% ናይ ኤርትራ ኣብ ካብ-ኢድ-ናብ-ኣፍ ሕርሻ ዝምርዀስ ብምዃኑ፡ ጥዑያትን ሰብ ምሉእ ኣካልን መንእሰያት ኣብቲ መዓልታዊ ንጥፈታት ናይ ገጠር ከም ማሕረስ፡ ጻህያይ፡ ዓጺድ፡ ምኹዓት ዔላ፡ እቶት ሕርሻ ናብ ዕዳጋ ምውራድ ኣበርክቶኦም ወሳኒ እዩ። ከም ገፈፍቲ ዓሳ፡ ፈለኛሞ፡ መካኒክ ወዘተ ዝኣመሰሉ ሰብ ሞያ ብሰንኪ ደቆም ናብ ኣገልግሎት ምኻዶም ወይ'ውን ምስዳዶም ኣብ ጸገም ወዲቆም ይርከቡ።
ብዙሓት ኤርትራውያን ስድራቤታት በቶም ኣብ ስደት ዝርከቡ ደቆም ዝሰድዎ ገንዘብ ይጥወሩ። እቲ ካብ ወጻኢ ዝስደድ ሓገዝ ክሳብ 32% ዓመታዊ እቶት (GDP) ናይ ኤርትራ ምዃኑ ይግመት (AfDB, 2020)። ካብ መንግስቲ ዝኾነ ይኹን ማሕበራዊ ውሕስነትን ደገፍን ዘይረኽባ፡ ሰሪሕካ ርእስኻ ክትጠውር ዕድል ኣብ ዝተዓጽወሉ ኩነታትን፡ ብዙሓት ስድራቤታት ኤርትራ ብዘይዚ ካብ ደገ ዝለኣኽ ገንዘብን ደገፍን እንታይ ምኾና ዝብል ሕቶ ክትሓስቦ'ውን የጸግመካ።
ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራውያን ንመሰል ርእሰ-ውሳነን፡ ንሓርነትን ክብረትን ኤርትራ ቀዳምነት ብምሃብ ረብሓ ስድርኦም መስዋእቲ ጌሮም እዮም። ደቂ ስውኣት፡ ኤርትራውያን ስድራቤታት ንናጽነት ኤርትራ ዝኸፈልኦ ሰፍ ዘይብል ክሳራ ህያው ኣብነት እዩ። ኤርትራውያን መስዋእትን ክሳራን እንታይ ምዃኑ ብናይ ታሪኽ መጻሕፍቲ ዝፈለጥናዮ ዘይኮነስ ዝሓለፍናዮ ተሞክሮ እዩ። ኣብ 1995 ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክእወጅ ከሎ ኩሎም ኤርትራውያን 'ሃገራዊ ግቡኦም' ምዃኑ ተገንዚቦም ነቲ ዝተባህለ 18 ኣዋርሕ ኣገልጊሎም ተመሊሶም ሲቪላዊ ናብርኦም ክቅጽሉ እዩ ነይሩ ተስፍኦም። ብተመሳሳሊ እቲ ናይ 1998-2000 ኩናት ዶብ ምስተወልዐ፡ ዶባትን ሉኣላዊ መሬትን ኤርትራ ንምክልኻል ክስውኡ ድልውነቶም ኣረጋጊጾም እዮም። እቲ ውግእ ኣብ 2001 ደው ምስበለ እቶም መንእሰያት ናብ ገዝኦም ተመሊሶም ኩሉ ሰብ ዝገብሮ ንቡር ናብራ፡ ትምህርቶም ክቕጽሉ፡ ሓዳር ክገብሩ፡ ወሊዶም ደቆም ከዕብዩ፡ ከምህሩ፡ ከመርዕዉ ከደርዕዉ ኮታስ ኩሉ እቲ ወዲሰብ ኣብ ሰላም ዝነብሮ ዓይነት ህይወት ክነብሩ እዩ ነይሩ ባህጎም።
እቲ ዘሕዝን ግና፡ እቲ ባህጎም ድሕሪ 2001 ሃጒጉ ምትራፉ እዩ። ኣብ ተዛማዲ ሰላም ዝነበረሉ ኩነታት፡ ከይፈተዉ ልክዕ ከም ኣብ ናይ ውግእ ሃዋህው ነጻነቶም ኣረኪቦም፡ ድላዮምን ባህጎምን ሰዊኦም ንገደብ ኣልቦ ወተሃደራዊ ዕስክርና ተፈሪዶም። ኩሉ ኤርትራዊ፡ ስድርኡ ገዲፉ ወተሃደራዊ ህይወት ኣሜን ኢሉ ክቕበልን ኣብ ትሕቲ ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ተሸቑሪሩ ክነብር ተቀሲቡ ይርከብ።
ወልደሚካኤል ዝተባህለ ጸሓፊ፡ እቲ ኣብ 2002 ዝተኣወጀ ወፍሪ ዋርሳይ-ይከኣሎ፡ ህግደፍ ኣብ ኤርትራውያን መንእሰያት ናይ ውግእ እዋን ኣተሓሳስባ ክሰርጽን፡ ብኡ ኣቢሉ ድማ ምእዙዛት ኮይኖም ንናይ ኢሰያስ ውልቀ-ምልኪ ካብ ስግኣት ምዃን ንምእላዮም ዝተማህዘ ሜላ ምዃኑ ይእምት (Woldemichael 2009)።
“እዚ ሓዲሽ ኩነታት ኤርትራ ንምሉእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምቑጽጻር ህግደፍ ኣእቲኻ፡ ኣተሓሳስብኡ ምስቲ ናይ ህግደፍ ራእይ ከም ዝሳነ ጌርካ፡ እቲ ስርዓት ምሉእ ስልጣን ንምግባት ክሕግዞ ተባሂሉ ዝተማህዘ ምህዞ እዩ። ህግደፍ ክሃንጾ ዝደሊ ዘሎ ዜግንነት ንውልቃዊ ድልየታቶምን፡ ባህሎምን፡ ልምድታቶምን፡ ፖለቲካዊ ዓላማታቶምን፡ ሰብኣዊ መሰላቶምን ዕሽሽ ኢሎም በቲ መንግስቲ ዝበሎም ተማእዚዞም ዝኸዱ ዜጋታት ምፍጣር እዩ ”።
ህግደፍ፡ ንስርዓተ-ትምህርቲ ኤርትራ፡ ንተመሃሮ (ትሕቲ-ዕድመ ከይተረፈ) ናብ ግዱድ ዕስክርና ንምኽታብ ይጥቀመሉ። ካብ 2003 ጀሚሩ ኩሎም 12 ክፍሊ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሳዋ ክመሃሩ ይግደዱ። ነፍሲወከፍ ዓመት ኣሽሓት ተመሃሮ ካብ ወለዶም ከይፈተዉ ተፈልዮም ናብ ሳዋ ይወርዱ። ምስቲ ናይ ማትሪክ መዳለዊ ትምህርቶም፡ 5 ወርሒ ዝኸውን ወተሃደራዊ ታዕሊም ይወስዱ።
ኣብ ሳዋ እቶም ተመሃሮ ዝግበረሎም ኣተሓሕዛ ጽንኩር እዩ። ወተሃደራዊ ዲሲፕሊን፡ ንናኣሽቱ ጉድለታት ብኸቢድ ይቕጽዑ። ማእቶት ግድነት እዩ፡፡ እዚ ድማ ኣብ ትምህርቶም ክዕወቱን፡ ንስነ-ኣእምሮዊን ስምዒታዊ (emotional) ጥዕንኦም ምቹእ ዘይኮነን እዩ። ተመሃሮ "ብበትሪ እንዳተቐጥቀጡ ኣብ ሓመድ ከንፋሕኹ ይግደዱ፡ ንነዊሕ ሰዓታት ኣእዳዎም ተኣሲሮም ኣብ ጸሓይ ይስጥሑ፡ ከቢድ ጀሪካን ተሰኪሞም ማይ ይጓርቱ፡ ንንኣሽቱ ጉድለታት ዘይመጣጠን ከቢድ መቕጻዕቲ ይቕጽዑ” (HRWa, 2019)። ናይ ቀረባ እዋን ጸብጻባት፡ ንደቀንስትዮ ተመሃሮ ጾታዊ ምፍርራሕን ዓመጽን ካብ ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ከም ዘጋጥመን ይሕብሩ (HRWa, 2019)።
ድሕሪ ናይ ሓደ ዓመት ህይወት ኣብ ሳዋ (ማትሪክ ምሕላፎምን ዘይምሕላፎምን ኣብ ግምት ኣእቲኻ) ህይወት ገደብ ኣልቦ ኣገልግሎት ይጅምር ማለት እዩ። ገለ ውሑዳት ኣብ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ክምደቡ ከለዉ፡ መብዛሕትኦም ግና ኣብ ወተሃደራዊ ኣሃዱታት ይምደቡ። ኣብኡ ከኣ ኣብ ግዱድ ናይ መንግስትን ናይ ግሊን ስርሓት ንዘይተወሰነ ግዜን ብዘይ ዝኾነ ደሞዝን ክሰርሑ ይቕሰቡ (HRW, 2019a)። ድሕሪ ወታሃደራዊ ታዕሊም ምዝዛሞም፡ ብዙሓት መንእሰያት ብላዕለዎት ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ብዝውነኑ ሕርሻን፡ ናይ ህግደፍ ናይ ህንጻ ኩባንያታትን ብነጻ ጉልበት ይሰርሑ። እቲ ዝወሃቦም ስማዊ ክፍሊት ንርእሶም ይኹን ንስድርኦም ክጥውሩ ዘየኽእሎም እዩ። ዋላ ኣብ ናይ ሲቪላዊ ስራሕ ክሰርሑ ከለዉ ኣብ ትሕቲ ተሪር ወተሃደራዊ ዲሲፕሊን እዩ።
ቀዳማይ ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት ቁ. 11/1991 ቅድሚ እቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝስርሓሉ ዘሎ ኣዋጅ 82/1995 ከም ሕጋዊ መሰረት ዘንጸፈ ኣዋጅ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ቀዳማይ ኣዋጅ፡ ምርዕዋትን፡ ዝወለዳን / ብውልቀን ስድራ ዝኣልያን፡ ካብ ኣገልግሎት ነጻ ዝገብር እዩ ነይሩ። ኣብቲ ዳሕረዋይ ናይ 1995 ኣዋጅ ግና፡ ነዘን ዝተጠቅሳ ደቀንስትዮ ከምዘይምልከተን ዝገልጽ ዓንቀጽ ብምእላይ ንዝገደደ ምብትታን ስድራቤት ጠንቂ ኮይኑ። ዋላ'ኳ ስርዓት ህግደፍ እዘን ዝተባህላ ደቀንስትዮ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣይምልከተንን እዩ እንተበለ፡ በቲ ኣዋጅ ግና ዋላሓንቲ ሕጋዊ ደገፍ ስለዘይብሉ ኣብ ኣተገባብርኡ ሓላፍ ዘላፍን ኣብቶም ኣተግበርቱን ዝምርኰስን እዩ (HRC, 2015)።
እዞም መንእሰያት ዓዶም ንድሕሪት ገዲፎም ካብ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንምድሓን ናብ ስደት ምስ ኣምርሑ፡ እቲ ጭንቂ ዶብ ምስ ሰገሩ ዝውዳእ ኣይኮነን፡ እግሪ እግሮም እባ ይስዕቦም። እዚ ድማ እቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝጸንሖም ወተሃደራዊ ድፋዓት፡ ምድረበዳን ባሕርን፡ ግፍዒ ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ንጭንቆም ኣዝዩ የብእሶ። ኣብተን ዑቕባ ዝሓቱለን ሃገራት ዘጋጥሞም ዓሌታዊ ናይ ኢምግሬሽን ፖሊሲታት፡ ማሕበራዊ ተንጽሎን ናይ ስድራቤት ደገፍ ዘይምላዉን ኣብ ናይ ኣእምሮ ጥዕንኦምን ሓፈሻዊ ህይወቶምን ዘስዕቦ ጽልዋ ክበዱ በቲ ኣብ ብዙሓት ዘጋጥም ዘሎ ናይ ስነኣእምሮ ቅሉውላውን ሓንጎል ምስሓትን ካብ ባሕሪ ብጭልፋ እዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሱዳን ዝተገብረ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፡ ልዑል መጠን ዘለዎ ሕማም ጭንቀትን ፍርሂን ኣብ ኤርትራውያን ትሕቲ ዕድመ ከምዝርአ የገንዝብ (Badri et al, 2020)። ኣብ ሃገራት ኤውሮፓ ብብዝሒ ዝርአ ዘሎ ነብሰ-ቅትለት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዝዩ ዘሰክፍ እዩ። ኣብ 2018 ምሉእብርሃን ክፍለየሱስ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ካብ ዝኣቱ ኣብ ውሽጢ 16 ኣዋርሕ ዘይመልእ ግዜ፡ መበል ራብዓይ ካብ ብጾቱ ህይወቱ ዘሕለፈ እዩ። ኣብቲ ህይወቱ ዘሕለፈሉ እዋን፡ ምሉእብርሃን ሕማም ኣእምሮ ጌሩ ምንባሩን የግዳስ ደረጃ ሕማሙ ብናይ ዓዲ እንግሊዝ ሰብመዚ ከይተፈልጠ ምጽንሑ Gardian ዝተባህለ ጋዜጣ የረድእ (Guardian, 2021)። እዚ ጸብጻባት ከምቲ ኣቀዲሙ ዝተባህለ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ጥራሕ እዩ። ኣብ ውሑዳት መንእሰያት ዝተሓጽረ ዘይኮነስ፡ ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዎን ንኹሎም እቶም ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም ካብ ስድራቤቶም ተነጺሎም ክረኽብዎ ዝግብኦም ዝነበረ ምሕብሓብ ስድራቤቶም ዝተነፍጎም ወለዶ ዝለኪ ምዃኑን፡ ቅልጡፍ ናይ ስነኣእምሮ ሓገዝ ዘድልዮምን እዮም።
ጽንብል ሰላሳ ዓመታት ናጽነት ኤርትራ ኣብ ነብዕለሉ ዘሎና ወርሓት፡ ኣሽሓት ኤርትራውያን ብዘይ ዝኾነ ፍርዲ ኣብ ማሕዩር ይበልዩን፡ ሕይወቶም ይበላሾን ኣሎ። እዞም ኣብ ፍቖዶ ቤትማእሰርቲ ተዳጒኖም ዘለዉ ኣሽሓት ኤርትራውያን እሱራት ገሊኦም ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት፡ ጋዜጣኛታት፡ ሰዓብቲ ዝተፈላለዩ እምነታትን ካልኦትን ይርከብዎም። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ማእሰርቲ ገደብ የብሉን፡ ዝኾነ ሰብ ክበጽሖም ኣይክእልን፡ ኣካላዊ ስንክልናን፡ ስነኣእምሮኣዊ በሰላን ዝግደፍ ኣሰቓቂ ኣተሓሕዛ እሱራት ዝውቱር እዩ (HRC, 2015)።
ሲሃም ዓሊ ዓብዱ፡ ጓል ሚንስተር ዜና ነበር ዓሊ ዓብዱ፡ ብዘይ ዝኾነ ፍርዲ ንልዕሊ ሸሞንት ዓመታት ተኣሲራ ትርከብ። ሲሃም ኣብ 2012 ክትእሰር ከላ ጓል 15 ዓመት ነይራ፡ ምኽንያት መእሰሪኣ ከኣ ናብ ሱዳን ክትሳገር ስለዝተታሕዘት እያ። ኣቡእ ሓደ ወርሒ ቅድሚኡ ሓላፍነቱ ጠንጢኑ ኣብ ኣውስትራልያ ዑቕባ ሓቲቱ ነይሩ። ሲሃም ክሲ ኣይቀረበላን፡ ናብ ቤትፍርዲ’ውን ኣይቀረበትን፡ ምስ ስድርኣ ይኹን ጠበቓ ክትራኸብ’ውን ኣይተፈቕደላን፡ (Human Rights Watch 2019b) “ንሲሃም ካብ ጓል 15 ዓመት ከላ ብምእሳሩ፡ መንግስቲ ድሃያ ከምዝጠፍእ ጌሩ” ይብሉ።
ኣደ ሰለስተ ኣዋልድ ዝኾነት ወ/ሮ ሰናይት ደበሳይ ካብ ዕለት 15 ሕዳር 2003 ብዘይ ዝኾነ ሓታቲ ኣብ ካርሸሊ ተዳጒና ከም ትርከብ ይዝረብ። በዓል ቤታ ዝነበረ ኣምባሳዶር ኤርትራ ኣብ ኬንያ ዝኾነ በየነ ርእሶም እዩ ኣእሲርዋ ይበሃል። እዚ ድማ ብሰንኪ ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ዝነበረ ናይ ፍትሕ ጉዳዮም ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት። ዝተኣስረትሉ መዓልቲ ከኣ ድሮ ጉዳይ ደቆም ዝርኣየሉ ቆጸራ ቤትፍርዲ ምዃኑ እዩ። ክሳብዛ ዕለት እዚኣ ብርግጽ ኣበይ ከምዘላን ኩነታት ጥዕናኣን ዝፈልጥ ሰብ የለን። የግዳስ ኣብ 2005 ድሕሪ ናይ ኩሊት ኦፐረሽን ምግባራ፡ ኩነታት ጥዕናኣ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝነበረት ጸብጻባት ይሕብሩ (Amnesty International, 2005)። ብሰንኪ ዘይተገርሐ ስልጣን ህግደፍ፡ ኣብ ህይወት ኣሽሓት ኤርትራውያን ስድራቤት ዝወርድ ኣደራዕ ንምጥቃስ ዝኣክል ጥራሕ ኢና ናይ ሲሃምን ሰናይትን ናይ ክልተ ፍሉጣት ኤርትራውያን ኣብነት ኣምጺእና።
ገለ ገለ ሰባት ነዚ ማእሰርትን ጭቆናን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ከመኻንዩሉ ክትሰምዕ ከለኻ ይድንጽወካ። እቲ ዘቕርብዎ ምኽንያት ከኣ፡ ነቲ ንኤርትራ ሲንጋፖር ኣፍሪቃ ንምግባር ክስገር ዘለዎ መሰናኽል እዩ ይብሉ። እቶም መብጽዓ ዝተኣትወሎም ቅልጡፍ ቁጠባዊ ምዕባለ፡ ምርግጋጽ ውሕስነት ምግቢን፡ ርእሰ-ምርኰሳን ሕልሚ ደርሆ ኰይኖም ተሪፎም። ፖሊሲታት ህግደፍ ኣብ ባይታ ዘምጽኦ ነገር እንተልዩ፡ ምንቁልቋል ቁጠባን መነባብሮ ሕብረተሰብን፡ ሰፍ ዘይብል ዘይተኣደነ ዕዳን፡ ተስፋ ዝሰኣኑን ካብ መቃውሕ ጭቆና ክገላገሉ ዝደልዩ ወለዶን ጥራሕ እዩ።
ሽቅለት ኣልቦነት፡ ጉድለት መሰረታዊ ትሕተ-ቅርጺ፡ መሃይምነት፡ ጉድለት ድሕነትን ምምሕዳርን ቀንዲ ዕንቅፋት ምዕባለ ምዃኖም ይፍለጥ። ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም ምዕባለ ጸብጻብ ከምዘመልክቶ፡ ናይ 2019 መለክዒ ምዕባለ ኤርትራ (Human Development Index – HDI) 0.459 ምዃኑ ይነግር። ኤርትራ ምስተን ኣዝዩ ትሑት ምዕባለ ዘለወን ሃገራት ትጽብጸብ። ካብ 189 ሃገራት ኣብ መበል 180 ተሰሪዓ ትርከብ (UNDP, 2020)። ናይ ኤርትራ ሃገራዊ ዕዳ 189.2% ናይ ሓፈሻዊ እቶት (GDP) እታ ሃገር ኮይኑ ኣሎ። ካብቲ ናይቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት 185.8% መሊሱ ኣንቆልቁሉ ኣሎ፡ ስለዚ ኤርትራ ኣብ ናይ ዕዳ ቅልውላ ትርከብ (AfDB, 2020)። ጸብጻብ መኣዛዊ ምግቢ ኣብ ዕብየት ሕጻናት ኤርትራ ከም ዘመልክቶ፡ ድቑሰት ዕብየት (stunting rate)፡ ልዕሊ ፍርቂ ፡ 52% ብምዃኑ ኣዝዩ ልዑል እዩ። ብኽነት ከኣ 15.3% ኮይኑ ኣሎ። ኤርትራውያን ስድራቤታት ብጥምየት እንዳተሳቐያ ብሰንኪ ምዕፋን ሓበሬታ ስርዓት ህግደፍን፡ ዘይምህላው ብሕታውያን መራኸቢ ብዙሓንን፡ ካብ ኣቃልቦ ማሕበረሰብ ዓለም ተኸዊሉ ይርከብ። እዚ ናይ ጥምየት ሓደጋ ብሰንኪ ተደራራቢ ምኽንያታት ድርቂ፡ ኣንበጣ፡ ቁጠባዊ ልጓምን ጉድለት ምሕደራን፡ ንልዕሊ 12 ኣዋርሕ ዝኸደ ምሉእ ዕጽዋን ዘስዓቦ እዩ። እዚ ብምስምስ ሕማም ኮሮና ዝተኣወጀ ምርጋጥ፡ ብዘይ ዝኾነ ቀረብን መንግስታዊ ደገፍን፡ ንኹለን ስድራቤታት ካብ ገዝአን ከይወጽአ ዝዓጹ እዩ ነይሩ።
እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ፈጺሙ ከገርመና የብሉን። ምኽንያቱ ኣብ ኣድላይነታትን ባህግታትን ዜጋታት ዘይተሰረተ ምዕባለ፡ ውሕስነት ዘለዎን፡ ፍትሓውን ምዕሩይን ክኸውን ኣይክእልን። ተሓታትነት ኣብ ዘይብሉን፡ ዜታታት ከም ቀዳሞት ሰብ ብርኪ ዘይሳተፉሉን ጥዑይ ምሕደራ ክህሉ ዘይሕሰብ እዩ። ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነበር፡ ባን ኪሙን፡ ኣብ 2014 ከምዚ ኢሉ ነይሩ "እዞም ናይ ምዕባለ ሸቶታት ብዓንደርእሱ ክህረሙ እንተዀይኖም ስድራቤታት ነዞም ሸቶታት ኣብ ምውቃዕ ምሉእ ተሳትፎ ምስ ዝህልዎም ጥራሕ እዩ።”
ኤርትራ ዲሞክራሲያዊትን ብሕግን ስርዓትን እትግዛእ ሃገር እንተትኸውን፡ ከም ዜጋታት እታ ሃገር ንውሕስነት ስድራቤት ኤርትራ ደው ምበልና ነይርና። ዓንቀጽ 22 ናይቲ ዝጸደቀ ግና ዘይተተግበረ ቅዋም ብዛዕባ ስድራቤት ከምዚ ይብል "ባህርያዊትን መሰረት ሕብረተሰብን ዝኾነት ስድራቤት ናይ መንግስትን ሕብረተሰብን ሓልዮትን ሓለዋን ይግብኣ”። ብምቅጻል "ወለዲ ንደቆም ብፍቅርን ክንክንን ከዕብዩ መሰልን ሓላፍነትን ኣለዎም” ይብል። ስለዚ እምበኣር፡ ንተመሃሮ ወተሃደራት ዝገብር፡ ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ኣብ ውትህድርና ዝኸትብ (ብዘይ ናይ ወለዲ ፍቓድ)፡ ዘይሕጋዊ ምእሳር ዜጋታት፡ እዚ ኩሉ ንቅዋማዊ መሰላት ዜጋታት ዝግህስ እዩ። ኣብ ዝኾነ ምዕቡል ሕብረተሰብ፡ ሓላፍነት መንግስቲ ንዜጋታት ዘሓይል ድኣ እምበር ንዜጋታት ዝደቁስን ዘዋርድን ክኸውን ኣይግባእን።
ብተወሳኺ፡ ኤርትራ፡ ነቲ ዘይግቡእ ምትእትታው ኣብ ስድራቤት ዝኹንን ኣህጉራዊ ውዕል ንሲቪላዊን ፖለቲካዊን መሰል ደቂሰባት፡ ፈሪማትሉ እያ። ኣብ ካልኦት ዓለም-ለኻውያን ውዕላት'ውን ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ሓለዋ ስድራቤትን ኣባላታን የረጋግጽ። ነዚ ኣብነት ዝኾነና ውዕል መሰል ሕጻናት ዓንቀጽ 24 እዩ። ምብኳር ፍርዳዊ ኣካልን፡ ሃገራዊ ባይቶን፡ ንኢሰያስን ህግደፍን ብዘይ ዝኾነ ሓታቲ ንስድራቤት ኤርትራ ኣብ ከምዚ ውርደት ክሸምዋ ኣኽኢልዎም እዩ።
እቲ ኣብ ሓምለ 2018 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሞንጎ ኢሰያስ ኣፎወርቂን ኣቢይ ኣሕመድን ዝተኸተመ ሓባራዊ ኣዋጅ ውዕል ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ፡ ትካላዊ ቅርጺ ክሕዝ ዝተግብረ ዝኾነ ይኹን ጻዕሪ የለን። ህዝቢ ኤርትራ ፍረ እዚ ኣዋጅ ዝኾነ 'ሰላም' ክርእይ ጌና ይጽበ ኣሎ። ህግደፍ፡ ቅዋም ንምትግባር ይኹን ነቶም ንዓመታት ኣብ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተቆሪኖም ዘለዉ ኤርትራውያን መንእሰያት ንምጥያስ ዝምልከት ዝኾነ ዘውጽኦ መግለጺ የለን። ብኣንጻሩ እኳ ድኣ፡ ኣብ ሕዳር 2020፡ ኢሰያስ ብኢደ ዋኒኑ፡ ንኤርትራ ኣብ ዘይደለይቶን ዘይምልከታን ውግእ ሸሚምዋ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ፡ ካብ ክልቲኡ ወገን፡ ኣሽሓት መንእሰያት ብኸንቱ ይጠፍኡ ኣለዉ፡ ማእለያ ዘይብለን ስድራቤታት ይሕምሸሻ ኣለዋ፡ ንወለዶታት ክኸይድ ዝኽእል ናይ ሕነ ምፍዳይ ስምዒት ሕይወት ዘሪኡ ይርከብ።
“ሓደ ዘይተመርጸን፡ ባዕሉ ስልጣን ዝገበተን መራሒ፡ እሞ ከኣ ብዘይ ሓታቲ ንደቅና ብዘይፍቃድ ካብ ኢድና ክምንጥሎም መን ኣፍቂዱሉ” ኢልና ንሓተሉ ግዜ ሕጂ እዩ። ወይ'ውን "ውሑዳት በጻብዕቲ ዝቁጸሩ ሰባት (ዝኾነ ሕጋዊ ይኹን እግዚሄር ዝሃቦም ስልጣን ዘይብሎም ክነሶም)፡ ንኣባላት ስድራቤተይ ኣብ ሕጊ ከየቕረቡ ክኣስርዎም መን ኣፍቂዱሎም፧”
ንስድራቤት ኤርትራ፡ ብተዘዋዋሪ ከኣ ንሕብረተሰብ ኤርትራ ክንከላኸለሎም፡ ነቲ ድሑርን ዘይተመርጸን ስርዓት ኢሰያስን ህግደፍን ያዕ ክንብሎም ይግባእ። ሓደ ናይ ኣፍሪቃ ምስላ ከም ዝብሎ "ንስድራቤት ትኣስር ገመድ ክትልሕልሕ ትኽእል እያ፡ ግና ኣይትብተኽን”። ኣጆና! ተስፋ ከይቆረጽና፡ ርእስና ከየድነንናን፡ ነታ መሰረት ሕብረተሰብና ዝኾነት ስድራቤት ናብቲ ግቡእ ክብራ ክንመልሳ ንቃለስ።
ኣብ መደምደምታ ብቃላት ጳጳስ ፍራንቸስኮ ክፋነወኩም፡ "ስድራቤት እታ ዝበለጸት ሃብቲ ሃገር እያ፡ ነዛ መሰረት ሕብረተሰብ ዝኾነት ስድራቤት ከነደልድላን ክንሕልዋን ንጽዓር።”
African Development Bank (2020) Eritrea Economic Outlook. Available at: Eritrea Economic Outlook | African Development Bank - Building today, a better Africa tomorrow (afdb.org) [Accessed 10 May 2021]
Amnesty.org. (2005) AI Index: AFR 64/013/2005 https://www.amnesty.org/download/Documents/80000/afr640132005en.pdf [Accessed: 09 May 2021];
Badri, A; Eltayeb, S; Mohamed, M. and Verdeli, H. (2020) Mental health and resilience status of Eritrean unaccompanied refugee minors in Sudan. Children and Youth Services Review [Online]. 116 [Accessed 10 May 2021]
Guardian (2021) Teenage refugee killed himself in UK after mental health failings. Available from: Teenage refugee killed himself in UK after mental health care failings | Immigration and asylum | The Guardian [Accessed 09 May 2021]
Seedat, M; Duncan, N. and Lazarus, S. (2001) Community Psychology: Theory, Method and Practice. South African and Other Perspectives. Oxford: Oxford University Press.
UN Human Rights Council, Report of the detailed findings of the Commission of Inquiry on Human Rights in Eritrea, 5 June 2015, A/HRC/29/CRP.1, available at: https://www.refworld.org/docid/55758bab4.html [accessed 3 January 2020];
Human Rights Watch. (2019a). “They are making us into slaves, not educating us”: How indefinite conscription restricts young people’s rights, access to education in Eritrea.. [online] Available at: https://www.hrw.org/report/2019/08/08/they-are-making-us-slaves-not-educating-us/how-indefinite-conscription-restricts [Accessed: 3 Jan, 2020]
Human Rights Watch. (2019b). Eritrea: Another Birthday Behind Bars. [online] Available at: https://www.hrw.org/news/2019/04/03/eritrea-another-birthday-behind-bars [Accessed 2 Jan. 2020].
United Nations High Commissioner for Refugees: “Global Trends: Forced Displacement 2018.”
Woldemikael, T.M. 2009. ‘Pitfalls of nationalism in Eritrea’, in O'Kane, & Redeker- Hepner, Biopolitics, Militarism and Development,1–16.
Proclamation No. 82/1995 – National Service (Current) https://www.refworld.org/docid/3dd8d3af4.html
Proclamation No.11/1991 – national Service (Old)
Ratified Constitution (not implemented) http://confinder.richmond.edu/admin/docs/Eritrea1997English.pdf
International Covenant on Civil and Political Rights
PS: Photo used is from internet
Comments