• emdhrorg

ምንዳፍ ሓድሽ ቅዋም ንምንታይ?

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ውልቀ መላኺ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብምኽንያት 24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ "ንመጻኢ መንግስታዊ መርሓ ፖለቲካዊ ጐደና ዝቕይስ ቅዋም ምንዳፍ ክንጅምር ኢና" ክብል ተዛሪቡ።

እቲ ብባርኾቱ ዝተነድፈን፡ ብተዛማዲ ብዙሕ ህዝቢ ዝተሳተፎን በቲ ዝነበረ ሃራዊ ባይቶ ዝጸደቐን ሕጋዊ ቅዋም 1997 ክሳብ ሕጂ ከየተግብሮ ሓንጊዱ ይርከብ። ንዘይመተግበሪኡ ክዋሃብ ዝጸንሐ ምኽንያት ድማ “ኣብ ናይ ኩናት ሃዋህው ስለዘለና ትግባረ ቅዋምን ምርጫን ግዚኡ ኣይኣኸለን” ዝብል ኢዩ ኔሩ። ሕጂ ድኣ እንታይ ስለተረኽበ እዩ ብዛዕባ ሓዲሽ ምንዳፍ ቅዋም ዝዝረብ ዘሎ?


ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ) እዚ ዝበሃል ዘሎ ሓድሽ ምንዳፍ ቅዋም መቐጸልታ ናይቲ ስርዓት ኢሰያስ ንዓመታት ዝቐጸሎ ንህዝቢ ኤርትራ ናይ ምትላል ስርሑ ምዃኑ ይኣምን። ኤምዲሰመ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ደላዪ ለውጢ ይኹን ደጋፋይ መንግስቲ፡ በዚ መታለሊ ዘረባ ከይተደናገረ ኦቲ ብሕጋዊ አገባብ ዝተነድፈን ዝጸደቀን ቅዋም 1997 ብህጹጽ ክትግበር ክሓትትን ንትግባሪኡ ብሓባር ክቃለስን በዚ ኣጋጣሚ ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ሃገራዊ ጻውዒቱ የመሓላልፍ።


ሎሚ እንተዘይተዛሪብና መዓስ?

ንሕና እንተዘይሓቲትና መን?

ሎሚ ዘይከተተ ብደዉ ከምዝሞተ!

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!

0 views0 comments
  • Facebook
  • Twitter
  • YouTube

© 2020 EMDHR - All Rights Reserved