- emdhrorg
ተራ ምሁራት ኣብ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ
ገለ ሰባት ነቲ ናይ ዘበነ ገድሊ ብፍላይ ድማ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ሕልንኦም ኣዳኺምካ ብነጻ ሓሳባቶም ከይገልጹ ንምሁራት ዝልጠፎም ዝነበረ ግናይ መግለጺ "ምሁር ተበላጺ እዩ፡ ምሁር ንኡስ ብርጅዋ እዩ" ዝብልን ንዕኡ ዝመሰል ኣሉታዊ ሓረጋት ዝዳረግ ዓይነት ኣበሃህላታት ንምሁራት ከቆናጽቡ ይስምዑ እዮም። ኣብ ህዝባዊ ግንባር እዚ ዓይነት ኣገላልጻ ብመደብ ንምሁራት ንምግላልን ነቲ ዲሞክራሲያዊ ባህሊ ንምትእትታው ዝሕግዝ ክገብርዎ ዝኽእሉ ኣወንታዊ ተራን ጽልውኦምን እቲ ኣብ መሪሕነት ዝነበረ ጉጅለ ብግቡእ ተገንዚቡ ስለዝነበረ፡ ነዚ ጽልዋ ንምእላይ ወይ ድማ ንምድኻም ዝተጠቕመሉ ተንኰል እዩ ነይሩ። እዞም ነዚ ዘረባ 'ምሁር ተበላጻይ' ዝብል ዘረባ ዝደግሙ ተስፋ እገብር ብግርህነት ይገብርዎ ክህልዉ። የግዳስ ክንነቅሓሉን ብኣግኡ ክእረም ዘለዎን መርዛም ቃል እዩ። እንታይ ስለዝኾነ እዩ'ሞ ምሁር ተበላጺ ክኸውን ዝኽእል፧ ምናልባት ሓደ ካብቲ ትምህርቲ ዝሕግዘካ ነገር እንተልዩ፡ ነነገራት ብዕሞቆት ብኹሉ ሸነኽ ከተመዛዝን ክትዕዘብን ክትርዳእ ክትፍትንን እዩ። ስለዚ ንዝኾነ ነገር ኣብ ክንዲ ብገርሂ ዝርእዮ ብኹሉ መዳዩ ክርድኦን ከመዛዝንን ስለዝፍትን ዝተማህረ ሰብ ቀልጢፉ ንውሳነ ኣይህወኽን ክበሃል ይክኣል። ኩሎም ዲክታቶርያውያን ስርዓታት ሓደ ካብቲ ቀንዲ ኣብ ስልጣን ክጸንሑ ዝጥቀሙሉ ሜላ ድማ ንኹሉ ሓበሬታ ብምቁጽጻር፡ነቲ ህዝቢ ኣእምሮኡ እቲ ንሶም ዝደልይዎ ዝንቡዕ ሓበሬታ ጥራሕ ከምዝሰምዕ ብምግባር ብነጻ ከይሓስብን ንሓቂ ካብ ሓሶት ፈልዩ መታን ከይፈልጥን ከየመዛዝንን ይከላኸሉ። ስለዚ እቲ ከመዛዝን ዝፍትን ምሁር ኣንጻር ረብሓኦም ደው ስለዝብል እንተስ ተበላጺ፡ ናይ ግዳም ሓይልታት ልኡኽ፡ ንጥቅሙ ጥራሕ ዝሓስብ እንዳበሉ ካብቲ ህዝቢ ከምዝግለል ይገብሩ ማለት እዩ። ተራ ምሁራት ኣብ ቃልሲ ንነጽነት ኤርትራ እንተርኢና ግና ኣዝዩ መወዳድርቲ ዘይርከቦ ኣወንታዊ ከምዝነበረ ንግንዘብ። ካብቶም ቀዳሞት ኣቦታት "ኤርትራዊ መንነት" ብቀዳምነት ክጥቀሱ ዝኽእሉ ድሙቓት ከዋኽብቲ ኣቦና ስታዝ ኢብራሂም ሱልጣንን፡ ወልድኣብ ወልደማርያምን ይርከብዎም። ኣብ ሓድነት ኤርትራን ህዝባን ዝነበሮም ዘየወላውል መርገጺን ራእይን ካብቲ ኣዝዩ ዘኹርዕ ታሪኽ ኤርትራ እዩ። ድሕሪኡ ዝነበረ ናይ ተመሃሮን ሰራሕተኛታትን ምንቅስቓስ፡ ናይ ሓራካ ወይ ማሕበር ሸውዓተ፡ መስረቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ተራ ተምሃሮ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ምድንፋዕ ህዝባዊ ግንባር፡ ተራ ማሕበር ኤርትራውያን ምሁራት ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዘነጽረልና ነገር እንተልዩ ምሁራት ኤርትራውያን ኣብ ናጽነት ታሪኽ ኤርትራ ኣወንታውን መሪሕን ተራ ከምዝተጻውቱ ኣጉሊሑ ዘነጽር እዩ። ኣብ 2000/1 ኣብ ዝነበረ ውዕዉዕ ክትዕ ተራ ናይተን ብምሁራት ኤርትራውያን ዝካየዳ ዝነበራ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ቀሊል ኣይነበረን። ነቲ ዝነበረ ብማሕበር ተመሃሮ ኤርትራ ዝተጎልበበ ናይ ህግደፍ ስለያዊ መሓውር ብምብዳህ ተመሃሮ ኣስመራ ዪኒቨርሲቲ ምስ ክረምታዊ ማእቶት ዝተሓሓዝ ዝሓተትዎ ሕቶን፡ እምቢ ንግዝኣተ ኣልቦነት ዝብል ኣብነታዊ መርኣያ ምሁራት ኤርትራውያን እዩ። ብጂ-13 ዝፍለጡ ኤርትራውያን ምሁራት ትጋገ ኣሎካ ናብ ልብኻ ተመለስ ብምባል ንኢሰያስ ክእርምዎን ክምዕድዎን ዝፈተኑ፡ ኣብ 2002 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክመሃሩ ዝመጹ ንኢሰያስ ብዘይ ፍርሒ ሕቶ ህዝቢ ኣልዒሎም ብሕቶ ዘዋጠርዎን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ) ብምምስራት፡ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ኤርትራ ብምኻድ ሰላማዊ ሰልፊ ብምግባር ነቲ ዝነበረ ናይ ምቅዋም ፍርሒ ኣብ ምስባርን ንህዝቢ ኣብ ምንቃሕን መሪሕ ተራ ከምዝተጻወቱን ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። እዚ ገለ ውሑድ ኣብነታት ንምጥቃስ ጥራሕ እዩ። ኣብ ኩለን ሲቪካዊ ይኹን ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ለውጢ ንምምጻእ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ተራ ምሁራት ሕጂ'ውን ዕዙዝ እዩ። ምናልባት እቲ ክንሓቶ ዝግብኣና ሕቶ እንተሎ፡ እዚ ዝተጠቅሰ ተራ እኹልዶ ነይሩ? ካብኡ ንላዕሊ መሪሕ ተራ ክጻወቱ ይኽእሉዶ ነይሮም? እቲ ዝግብኦም መሪሕ ተራ ከይጻወቱ እንታይ ዕንቅፋት ኣጋጢምዎም? ሕጂኸ እቲ ዝግብኦም ተራ ይጻወቱዶ ኣለዉ ዝብሉን ካልኦትን ይርከብዎም። ብናተይ ገምጋም፡ እዚ ናይ ሕጂ ውልቀ መላኽነት ኣብ ኤርትራ ሳዕቤን እቲ ኣብ መእተዊ ዝጠቐስናዮ ዝተፈላለየ ሓረጋት እንዳጠመቕካ ዝግበር ዝነበረ ምሁራት ብነጻን ብዘይ ፍርሕን ንህዝባዊ ግንባር ዲሞራስያዊ ባህሊ ከማዕብል ክሕግዝዎ ካብ ዝነበሮም ኣበርክቶ ብምግላሎም ብምቕንጻሎምን እዩ ክበሃል ይከኣል። ምሁራት ኣብ ህዝባዊ ግንባር ርእሶም ኣትሒቶም ተመሳሲሎም ከም ካልኣይ ዜጋታት እዮም ኔሮም እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። እዚ ግን ብመደብ ንፖለቲካዊ ኣበርክቶኦምን ኣብ ተጋደልቲ ክህልዎም ዝኸእል ጽልዋ ንምጉዳል ዝተማህዘን ዝተተግበረን እኩይ ሜላ እዩ። ዋላኳኣብ ፖለቲካዊ ሸነኽ እንተተገለሉ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ፡ ቴክኒካዊ፡ ሕክምናዊን ካልእ መዳያትን ኣበርክቶኦም ናጽነት ኤርትራ ኣብ ምርግጋጽ ኣዝዩ ወሳኒ ተራ ተጻዊቱ እዩ። ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፖሳ ኣብ ሰነ 2016 ንምሁራትን ሰብ ሞያን ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝገበሮ መደረ "አይ.ኤን.ሲ ክምስረትን ክዕወትን ምሁራትን ሞያውያንን ኣዝዩ ወሳንን መሪሕን ተራን ከምዝተጻወቱ ዝዝከር ኮይኑ ሕጂ'ውን እንተኾነ ንአይ.ኤን.ሲ ናብቲ ቅኑዕ ኣንፈት ክትድርኽዎ መታን ክትክእሉ ኣብ ውሽጡ ኮይንኩም ተቃለሱ እምበር ገዲፍክሞ ኣይትኺዱ" ብምባል ተሳትፎኦም ከዕዝዙ የተባብዖም። ብርግጽ ኣብ ናይ ካልኦት ሃገራት ናይ ሓርነት ምንቅስቓሳት'ውን ተሳትፎ ምሁራት ወሳኒ ተራ ከምዝህልዎ ዘጠራጥር የብሉን። እዚ ዘርእየና ነገር እንተልዩ፡ ኣብ ዝኾነ ዲሞክራሲ ንምርግጋጽ ዝግበር ቃልሲ ተራ ምሁራትን ሞያውያንን ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ እዩ። ስለዚ ኤርትራውያን ምሁራት እቲ ዝግብኦም መሪሕ ተራ ክጻወቱ ሓላፍነት ኣለዎም። እዚ ክበሃል ከሎ ግና ዝተማህረ ጥራሕ እዩ መሪሕ ተራ ክጻወት ዝኽእል ንምባል'ውን ኣይኮነን። በቲ ካልእ ወገንሕልንኦም ዝሸጡ፡ ውሑዳት ምስቲ ንህዝቦም ዘጽንት ዘሎ ስርዓት ብምውጋን መጋበርያ ዝኾኑ ምሁራት ኤርትራውያን የለዉን ንምባል ኣይኮነን። ኩሉ ሰብ ድማ ዓገብ ክብሎም ክኽዕቦምን ይግባእ። እቶም ኣይምዉቃት ኣይዝሑላት፡ ላንጋላንጋ ብምዃን ነቲ ኣረሜናዊ ስርዓት እንተስ ብፍርሂ እንተስ ብነብሰ ፍትወት ዓገብ ክብሉ ዘይከኣሉ ዘለዉ ምሁራት ኤርትራውያን ድማ ኣብ ጎድኒ ውጹዕ ህዝቦም ደው ክብሉ፡ ኣፍ እቲ ዕቡስ ክኾኑ በቲ ዝረኸብዎ ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝያዳ ዜግንነታዊ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ክዝንግዕዎ ኣይግባእን። "ኣብ መወዳእታ ዘረባ ጸላእትና ዘይኮነስ ስቅታ ፈተውትና ኢና ክንዝክር" ዝብል ረዚን መጠንቀቕታ ማርቲን ሉተር ኪንግ ታሪኽ ክሓቶም ምዃኑ ክዝንግዑ የብሎምን። እቲ እንተስ ብግርህና እንተስ ብፍላጥ "ምሁራት ተበለጽቲ" እዮም እንዳበልካ ዝግበር ምቁንጻብ ግና ኩላትና ኣትሪርና ክንቃወሞ ይግባእ። ካብቲ ምሁራትናን ዓበይትናን ዘኽብር ጽቡቕን ለባምን ባህሊ ኣይነግልስ። ኢያሱ ዓንደማርያም መስከረም 2016 ደቡብ ኣፍሪቃ