top of page

ናይ ህጹጽ – ህጹጽ እዋን

  • emdhrorg
  • Dec 10, 2020
  • 3 min read

መእተዊ

ኤርትራ ኣብ ናይ ህጹጽ ግዜ ካብ ትኣቱ ነዉሕ ኣቑጹሩ ኣሎ። ካብ 2001 ጀሚራ ኣብ ናይ ህጹጽ እዋን ትርከብ። ወዮ ድኣ ኤርትራውያን ንኹሉ ነገር ለሚድናዮ ንኸይድ ኰይና እምበር ኣብ ዘይንቡር ኩነታት ኢና ንነብር ዘሎና። ካብ መፋርቅ 2018 ድሕሪ ውዕል ሰላም ኢሰያስን ኣቢይ ኣሕመድን ግና ኣብ ናይ ህጹጽ-ህጹጽ እዋን ተሰጋጊርና ኣሎና። እዚ ናይ ህጹጽ-ህጹጽ ግዜ ድሕሪ ምውላዕ ውግእ ትግራይ መሊሱ ሃጺጹ ኣሎ። ኣብዚ ናይ ህጹጽ-ህጹጽ እዋን ኤርትራውያን ሃገርናን ህዝብናን ንምድሓን እንታይ ተራ ክንጻወት ንኽእል፧ ኮይንዎ ዲዩ መዓልቦ ጉዳይ ሃገርና ካብ ቁጽጽርና ወጻኢ ኮይኑ፧ ኣብ ጉዳይ ሃገርና ተዓዘብቲ ካብ ምዃን ሓሊፍና ተዋሳእቲ ክንከውን ንኽእል ዶ፧ ዝብል ሕቶታት ኣዝዩ እዋናውን ብዕትበት ክንሓስበሉን ዘሎና እዩ።


ዘበነ 50ታት

ኣብ 1950ታት ዝነበረ ታሪኽ ናይ ኤርትራ ምልስ ኢልና እንተርኢና ምስዚ ናይ ዝሓለፈ 2 ዓመታት ኩነታት ኣዝዩ ዝመሳሰል ኮይኑ ትረኽቦ። ሃጸይ ሃይለስላሴ ነታ ከም እንኮ ዕድል ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ንኽረክብ እተኽእሎ ኤርትራ ብህርፋን ዓዊሩ ንድሌት ህዝባ ጓዕጺጹ ናቱ ክገብራ ንኤርትራውያን እንዳታለለስ ይኹን እንዳፈራርሐ፡ ገርሀይናታትን ኣብ ኣንድነት ዝኣምኑ ዕሱባት ኤርትራውያን ኣዋፊሩ ንኤርትራ ዝጎበጠላ እዋን እዩ ነይሩ። እቲ ናይ ሽዑ ምስዚ ናይዚ ሕጂ እዋን ብዙሕ ዘዛምድ ኩነታት ትዕዘብ፡ ገለ ኣብነታት ንምጥቃስ፥

  • ኤርትራ ብቑጠባ ብኽልተ እግራ በይና ደው ክትብል ኣይትኽእልን እያ ዝብል ብሂል፡ ሕጂ'ውን ብኢሰያስ ኣንዳዕዲዑ ዝደጋገም ዘረባ እዩ፡

  • መራሒ መንግስቲ ኤርትራ ዝነበረ ኣስፍሃ ወልደሚካኤል ኣብ ኣንድነት ብምሉእ ልቡ ዝኣምን መራሒ መንግስቲ፡ ኢሰያስ'ውን ከምኡ ብቓላቱ "ቅድሚ 25 ዓመት ዕድል ተኸፊቱልና ኣብ ዝበልናሉ...” ካብ 1993 ካብቲ ረፈረንደም ዝተኻየደሉ ግዜ እዩ ዝጽብጽ ዘሎ ኢሰያስ፡ ኤርትራ ናጻ ክትወጽ ድላይ ኣይነበሮን። ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ንበረኻ ክወፍር ከሎ ንናጽነት ኤርትራ ኢሉ ኣይተቃለሰን ማለት እዩ፡ ኣብ ኣንድነት ኢትዮጵያ ዝኣምን መራሒ መንግስቲ፡

  • ኤርትራውያን ማሕበር ኣንድነት፥ ናይ ሕጂ ሕሉፋት ኣባላት ህግደፍ

  • ንናጽነት ኤርትራ ደው ዝበሉ ዝወርዶም ዝነበረ ምስዳድን፡ ናይ ቅትለት ፈተታትን፡ ስርዓት ኢሰያስ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ 15ን፡ ጋዜጠኛታትን ካልኦት ሓርበኛታት ኤርትራውያን ዘውረዶ ማእሰርትን ቅትለትን

ኣብ 50ታት እቲ ኩሉ ሃጸይ ሃይለስላሴ ዝገብሮ ዝነበረ ንናይ ኤርትራ ርእሰ ምሕደራ ኣዳኺምካ፡ ብናትካ ዕሱባት እንዳተካእካ፡ ፈደረሽን ኣፍሪስካ ኤርትራ ኣካል "እናት ሃገር" ንምግባር ዝዓለመ እዩ ነይሩ። እዚ ሕጂ ኢሰያስ ለይትን መዓልትን ከይደቀሰ ዝሰርሓሉ ዘሎ ከኣ፡ ንኤርትራን ህዝባን ብኹሉ ሸነኻት ብቑጠባ፡ ህዝባ ብምፍልላይን ከይተኣማመን ብምግባርን፡ ሉኣላውነታ ከምዝድፈር ብምግባርን፡ ኣዳኺምካ ፈደረሽ ንምትካል ዝዓለመ እዩ። ከምቲ ሃጸይ ሃይለስላሴ ዝሰሓሉ፡ "መዀርመዩ ዝረኸበ መሳፍሒ ኣይስእንን" ኢሰያስ'ውን ብፈደረሽ ጀሚርካ ጸኒሕካ ፈደረሽን ኣፍሪስካ ንኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ንምግባር እዩ።


እሞ እንታይ ንግበር፧

ሓቆም እዮም ታሪኽ ይደጋገም እዩ ክብሉ (History repeats itself)። ካብ ናይ 50ታት ታሪኽ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ከም ኤርትራውያን እንታይ ጉድለታት ጌርና ብኸመይ ከ ንሃገርናን ህዝብናን ንምድሓን ንእርሞም ኢልና ርእስና ክንሓትት ኣገዳሲ ይኸውን ማለት እዩ። ገለ ገለ ኣገደስቲ ዝበልናዮም ነጥብታት ክንጠቅስ፥


ኣብ ሓደ ናይ ሓባር ዓላማ ምዕሳል፥ ብዙሕ ግዜ ንሰምዖ ኣበሃህላ ኣሎ፡ እዞም ደለይቲ ፍትሒ እንታይ ኮይኖም እዮም ዘይሓብሩ፧ እቶም ደለይቲ ፍትሒ ባዕልና ክንሓብር ኣለና፡ ሓደ ክንከውን ኣለና፡ ንብል። ምሕባር ወይ ሓደ ምዃን ብግብሪ ኣይከኣልን፡ ኣድላዪነት'ውን የብሉን። ሓድነት ከተተግብሮ እንተዀንካ ከኣ ከም ናይ ህዝባዊ ግንባር ብሓይሊ ብረት ጥራሕ እዩ ክኸውን ዝኽእል፡ ናቱ ሳዕቤን ከኣ እዚ ንርእዮ ዘለና እዩ። ዘድልየና፡ ምስ ኩሉ ፍልልያትካ ኣብ ናይ ሓባር ዓላማ ኣሚንካ ምስራሕ፡፡ ናይ ሓባር ዓላማና፡ ቀዳማይ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ኢሰያስ ምዃኑ ኣሚንካ ንምእላዩ ሓቢርካ ምስራሕ እዩ። እዚ ንምግባር ውድብ ምግባር ኣይድልየና፡ ትካል ምስራሕ ኣየድልየና። ዘድልየና፡ ንኢሰያስ ንምእላይ ክንገብሮም ዘሎና ስራሓት ኣለሊና፡ ነቶም ስራሓት ዘወሃህዱን ዘተግብሩን ሰባት መሪጽካ ኩሉኻ ኣብ ስራሕ ምጽማድ እዩ።


ነፍሰ ምትእምማን / Confidence፥ ብውልቂ ይኹን ብሕብረት ኣብ ትገብሮ ስራሕ፡ ክትዕወት እንተዀይካ ኣብ ነብስኻ ክትተኣማመን ኣሎካ። ነብሰ-ምትእምማን ማለት ትዕቢት ኣይኮነን፡ ንናይ ካልኦት ሓገዝ ምንጻግ ማለት'ውን ኣይኮነ። ነብሰ-ምትእምማን ዘይብሉ ካልእ ሰብ ኣሚኑ ክስዕቦ'ውን ኣይክእልን እዩ። ኤርትራውያን ንሽግራትና ብናይ ኤርትራውያን ዓቕሚ ክንገጥሞ ከም ንኽእል ክንኣምን ኣሎና። እዚ ማለት ደገፍ ናይ ካልኦት ኣየድልየናን፡ ወይ ኣይንደልን ማለት ኣይኮነን።ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ተሓባቢሩ ንኢሰያስ ክኣልዮ ዓቕምን ክእለትን ከምዘለዎ ምእማን ማለት እዩ። ዓቕምታትና ምብርባርን ምውህሃድን ጥራሕ እዩ ጎዲሉና ዘሎ።


ማዕበል ይኣክል፥ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተፈተኑንን ዝተራእዩን ምጥርናፋት ኤርትራውያን እቲ ዝሓሽ ምንቅስቓስ ይኣክል እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ዝሓለፎን ዝሓልፎ ዘሎን ሓጎጽጎጽ ኣብ ግምት ኣእቲካ ማለት እዩ። ብዓለምለኸ'ውን ኣብ ምጥርናፍ ይርከብ። ምንቅስቓስ ይኣክል ክዕወት ከም ትካል ዘይኮነስ ከምቲ ኣጀማምራኡ ከም ምንቅስቓስ እንተቀጺሉን ናብ ዓርሞሸሻዊ ማዕበል እንተተሰጋጊሩን እዩ። እቲ ናይ ምንቅስቓስ ባህርያቱ እዩ ሰብ ከዕስል ዘኽኣሎ፡ ናይ ኩሉን ብኹሉን፡ ንኹሉ ክፉት ዝኾነን ንኹሉ ዝሓቁፍን፡ ንሕናን ንሶምን ዘይብሉ ማለት እዩ። ምንቅስቓስ ይኣክል ሕጂ ናይ ህጹጽ ግዜ መሪሕነት መሪጹ ኣሎ። እዞም ዝተመርጹ መሪሕነት ክገብርዎ ዘለዎም ነገር እንተልዩ፡ ሓንቲ ኩሉ ሰብ ዝቕበላን ዝርድኣን ናይ ሓባር ዓላማ ኣዊጆም፡ ነዛ ሸቶ ክትህረም ዘድልዩ ስራሓት ኣለልዮም፡ ንኹሉ ሰብ ኣብ ስራሕ ክዋፈር ክገብሩ እንተኽኢሎም ኩሉ ሰብ ከም ዝዓስሎም ኣይንጠራጠርን።


መደምደምታ

እዚ ዘሎናዮ ግዜ ናይ ህጹጽ-ህጹጽ እዋን እዩ። ከምቲ ናይ 50ታት ኤርትራ ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ትሕወስዶ ኣይትሕወስን እንዳበልና እንሻቀለሉን ከብድና ሓቚፍና እንዕዘበሉን ግዜ እዩ። ኣብ ጉዳይ ሃገርናን ህዝብናን ህይወትናን ተዓዘብቲ ካብ ምዃን ናብ ተዋሳእቲ ምዃን ክንሰጋገር ኣሎና። ኣነ ንሃገረይን ህዝበይን እንተዘይሰሪሐ መን ክሰርሕ፧ እንታይ ገደሰኒ እንብለሉ ግዜ ኣይኮነን። ድሓር ዘየጣዕሰና ስራሕ ንስራሕ። ዓቕምና እንተሪሕና እግዚኣብሔር'ውን ከምዝድግፈና ኣይንጠራጠርን። ከምቲ ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም "ህዝቢ ኤርትራ ብናቱ ጻዕሪ እዩ ዘውዲ ደፊኡ ዘሎ፡ እግዚኣብሔር ከኣ ባሪኹሉ እዩ። ነዛ ዘውዲ ዝተንከፋ ወይልኡ” ዝበልዎ፡ እዛ ዘውዲ ተተንኪፋ ኣላ፡ እሞ ግደይ፡ ግደኻ፡ ግዴኺ እንታይ ክኸውን እዩ፧


ዓወት ንዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!


ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ)

ፕሪቶርያ

ታሕሳስ 2020


Comments


bottom of page