top of page
  • emdhrorg

ኣይፋል ንውግእ!

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣብ ሞንጎ ማእከላይ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ክጎሃሃር ዝጸንሐ ምስሕሓብ ናብ ጥርዙ በጺሑ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ብረታዊ ጎንጺ ኣምሪሑ ኣብ ትግራይ ውግእ ከምዝተወልዐ ምስ ሰማዕና ዝተሰምዓና ከቢድ ሓዘን ንገልጽ። እዚ ምዕባለ እዚ ብመጀመርያ ንህዝቢ ትግራይን ኢትዮጵያን ኣብ ክወጽዎ ዘይክእሉ ናይ ሰብ፡ ንዋትን ንብረትን ዕንወት ኣስዒቡ ቁስሉን በሰልኡን ንነዊሕ ዝኸይድ መጻኢ ወለዶታት ንስቓይን መከራን ዘቓልዕ ብምዃኑ ብዘይ ውዓል ሕደር ደው ክብል ሕውነታዊ ጻውዒትና ነመሓላልፍ።

ካብ ውግእ ዕንወት እምበር ዝሕፈስ ዓወት የለን። ካብ ውግእ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ባእታታት እዮም ዝኸስሩ። ነዚ ሓቂ እዚ ካብ ህዝታት ኢትዮጵያን ትግራይን ንላዕሊ ዝግንዘቦ ኣሎ ኣይንብልን፡ ምኽንያቱ ብቐረባ ብውግእ ዝሓለፉን በሰላኦም ዘየሕወዩ ብምዃኖም።

እዚ ውግእ እዚ ኣብ ትግራይ ተሓጺሩ ዝተርፍ ኣይኮነ። ንመላእ ኢትዮጵያ ክሕምስን፡ ኢትዮጵያ ንክትበታተን ኣፍደገ ዝኸፍትን እዩ። ሳዕቤኑ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሲኑ ዝተርፍ ዘይኮነስ ብፍላይ ንኤርትራን ንቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዘእቱ እዩ። ነቶም ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቁጸሩ ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ናይ ጭንቀት ደበና ከንጸላልዎም ብምግባሩ'ውን ንኹሉ ኤርትራዊ ኣተሓሳሳቢ ኮይኑ ኣሎ።

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ነዞም ዝስዕቡ ምሕጽንታታት ብትሕትና የቕርብ፥

  • ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት (UNHCR) ብህጹጽ ኣብ ትግራይ ተዓቁቦም ንዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብዚ ናይ ውግእ ዞባ ናብ ውሑስ ቦታ ከግዕዞም፡

  • ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ናይ ውግእ ደው ምባል ኣዋጅ ኣዊጆም ፖለቲካዊ ፍልልያቶም ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ክፈትሑ ድልዋት ክኾኑ፡

  • ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ውግእ ደዉ ክብል ዝከኣሎ ክገብር፡

  • ማሕበረሰብ ዓለም ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣባላት ሰኩሪቲ ካውንስል (Security Council) ኣመሪካ፡ ራሻ፡ ቻይና፡ ዓባይ ብሪጣንያን ፈረንሳን ካልኦትን ነዚ ውግእ ደው ክብል ዝከኣሎም ክጽዕሩን ጸቕጢ ክገብሩን፡

  • ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ንዝኾነ ብከሓዲ ሃገር ኢሰያስ ዝግበር ምትእትታው ሰራዊት ኤርትራ ብትሪ ክቓወሙን ክነጽጉን ይምሕጸን።

ሰላም ንህዝቢ ትግራይን ኢትዮጵያን!

ሰላም ንህዝቢ ኤርትራ!

ሰላም ንህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ!

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ)

6 ሕዳር 2020

ፕሪቶርያ

11 views0 comments
bottom of page