- emdhrorg
ገረብ መንገዲ
ከም ሰዊት ዓተር ደረት ጽርግያ
ኩሉ ዝምሕዋ ሚሕር ዝምነያ
ከም በለስ ድርፎ ዓርበረቡዕ
ሓዛኢ ዘይብሉ ወትሩ ቅሉዕ
ከምታ ማመት ጓል ኣባሻውል
ጎበዝ ከምዊንታኡ ፍጹም ዘይተሻቅል
ከም ዝራብዕ ገና ዘይጸረየ
ብዓንዲ ገመል ኩሉ እና'ተበራረየ
ገለ ንከም ጻህያይ ፍጹም ክኣልያ
ከይትህሉ ካብ ሱራ በብሓደ ክኣርያ
ገለ ንከም ዓውዲ ጸቂጥላ ይሓድር
ርጉዲ ሓይላ ኣሚኑ ከምትጸውር ፡
ገለን ይጽንጽላ ሓጹር ንቃጽዖ
ጉርሁ ማሸላ ኣድገ በቅሊ ከይበልዖ
ገለ ንመምሃሪ ጎበዝ ዓዲ
ምሳር ኣጨቢጡ ነታ ገረብ መንገዲ
ባዕሉ ዝዘርኣ ፈልሲ ኣፍሊሱ
ብሩግዳን ሓይላን ግዲ ታጣዒሱ
ወፈራ ዓዲ ጸዊዑ ጎደቦ
ውራይ ኣዳልዩ ዕዱም ከይክዕቦ
ንዓኣ ነታ ገረብ ቡቅሊ መሬቱ
ምንባራ ዘንጊዑ ጽላል ናቱ
እንተስ ከይትህሉ እንተስ ከይትጭብጭብ
እንተስ ክሓስማ እንተስ ከይትዕንብብ
እንተስ ክትክኣ ብሓድሽ ቡቅሊ
እንተስ ከጥፍኣ ከይትኸውን መጽለሊ
እንሆ ምሳር ዛባ ኣፍራዛ
ነታ ዶማ ኣውሊዕ ዓንዲ ገዛ
ንዘመናት መዋእል ዘገልገለት ጸኒዓ
ተጻዊራ ንዝተሳሕለፋስ ንዝወቅዓ
ኩሉ ከምእዋኑ እንተኾነ ቅውዒ ሓጋይ
ኣብ ልዕሊ ምሳር እንተ ሰኣነትውን ማይ
ግድን'ዩ ክሓስማ ቆጽላ ክረግፍ
ሕሰም ተጻዊራ ወቕቲ ከተሕልፍ
ኣዝመራ ክኾነላ ግንቦተ ሰነ
ትልኽ ተሕልፎ ናይሂወት ፈተነ
በርቂ ነጎዳ መሬት ክጭጉር
ኣፍላጋት ክዛሪ ጋብላ ከዑቁር
ሓምላይ ለምለም ይጭብጭ ብቆጽላ
ጽድያ ሓሊፉ ኽራማት ኣትዩላ
Michael W. 18 January 2014