top of page
  • emdhrorg

ጋዜጣዊ መግለጺ

ኣብ ዕለት 31 ጥቅምቲ ፡ ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ከባቢ ኣኽርያ እትርከብ ቤትምህርቲ ኣል ዲያዓ ኣብ ምምሕዳራ ጣልቃ ብምእታዉ፡ ነቲ ምትእትታው ብትብዓት ዝተቓወሙ ሽማግለታት እታ ቤትምህርቲ ሓጂ ሙሳን ብጾቶምን ድማ ክኣስር ተረኺቡ። ነዚ ብምቕዋም ኣሽሓት ምእመናን እስልምና ሰላማዊ ሰልፊ ከምዝገበሩ፡ ኣባላት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ድማ ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብወተሃደራዊ ሓይሊን ብጥይትን ክብትኖ ከምዝፈተነ፡ ካብ ኣስመራ ብቪድዮ ዝተሰነየ ዝተቃልሐ ሓበሬታ ተኸታቲልናዮ ኣሎና።

ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት’ውን  ምስዚ ዝመሳሰል፡ ኣካየድቲ ኣብ ኣስመራ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤትምህርቲ ሰሚናርዮ፡ ኣባ ጳውሎስ ሃይለን እናቴ ትንስአን ንናይቲ ስርዓት ኣብቲ ቤትምህቲ ምትእትታው ብምቅዋሞም ከምዝኣሰሮም ፡ ብመራኸቢ ብዙሓን፡ ኣብ ዜና ከም ዝተቓልሐ ዝዝከር እዩ።


እዚ ድማ መቐጸልታ ናይቲ ንዓመታት ስርዓት ህግደፍ  ንኹሉ ሲቪላዊ፡ ማሕበራዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ቁጠባዊ ይኹን ፖለቲካዊ ሕይወት ህዝቢ ኤርትራ፡ ብመንገዲ ናይ ስለያን ጸጥታን መሓውራቱ ገይሩ ንምቁጽጻር ዝገብሮ ቀጻሊ ፈተነ እዩ።

እዚ ኣብ ኣስመራ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ንእሽተይ በጨቕታ ናይቲ ብኹሉ ኩነታት ተዓፊኑ መተንፈሲ ስኢኑ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ብመጀመርታ ነቶም ክጋጥሞም ንዝኽእል ማእሰርትን መጭወይትን እንዳፈለጡ፡ የግዳስ ንማሕበረኮሞም ንምጥባቕን፡ ንስለ ሓቒን፡ ብዘይ ነግፈረግ ደው ንዝበሉ ሓጂ ሙሳ ልዑል ኣኽብሮትን ምስጋናን ይግብኦም። ነቶም ናይ ሓጂ ሙሳ ማእሰርቲ ብምቕዋም፡  ክፍትሑ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፊ ዝወደቡን ዝተሳተፉን’ውን ብተመሳሳሊ ዕዙዝ ሞጎስ ይግብኦም።


ስርዓት ህግደፍ ከም ኣመሉ፡ ነዚ ተቓውሞ ናይ ምስልምና ጥሩፍነት ጌሩ ከቕርቦ ምዃኑ፡ ዋላሓንቲ ዘጠራጥር የለን። እንተኽኢሉ ድማ ንሕዝቢ ፈላልዩ ንምግዛእ፡ ነቲ ሓጂ ሙሳ ዝበልዎ ዘረባ ጠውዩ ክጥቀመሉ ምዃኑ፡ ኣቐዲምና ክንግንዘቦን ክነቅሓሉን ዘሎና እዩ። እቲ ሓቂ ግና እዚ ሰላማዊ ሰልፊ ንጣር ነድሪ ናይቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ተዓብዒቡ ዘሎ፡ ካብ ዓለም ዝኸፍአን መግለጺን መወዳድርትን ዘይርከቦ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይሙቁራጽ ክፍጸም ዝጸነሔን ዘሎን፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት እዩ። ሰለዚ እዚ ንኹሉ ዓፈናዊ መሓውር ስርዓት ህግደፍ ጥሒሱ ወጽዩ ዘሎ ድምጺ፡ ወካሊ ናይ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣስላማይ ይኹን ክስታናይ እዩ። ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ክድግፎ ይግባእ።


በዚ ኣጋጣሚ ነዚ ምልዕዓል ንምቕሃም ተመዚዝኩም ዘሎኹም ኩሉኹም ላዕለዎት ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት፡ መሓውራት ስለያ፡ ፖሊስን ተራ ኣባላት ምክልኻል ሓይልታትን፡ እዚ ተጨቚኑ ዘሎ ህዝቢ ህዝብኹም፡ ሓውኹም ሓፍትኹም ካብ ማህጸኑ ዝወጻእኩም ወላዲኹምን ምዃኑ ኣስተውዒልኩም፡ ኣብ ጎድኑ ደው ክትብሉ፡ ሃገራዊን ሞራላውን ሓላፍነት ከምዘለኩም ከነዘካኽረኩም ንደሊ። የግዳስ እንተስ ብፍርሒ፡ ወይ’ውን ብግዚያዊ ረብሓ ይኹን ስልጣን ተታሊልኩም ንህዝብኹም ኣብ ምግፋዕን፡ ምእሳርን፡ ምቕታልን ምስትርከቡ ግና፡ ከምቲ ምስላ ኣበው “ዓሻስ ዘይወግሕ መሲልዋ ኣብ ቦኽራ ደገ ትወጽእ” ዝብለና እዛ ግናይ እዋን ክትሓልፍ ምዃና፡ ናብ ብርሃን ዘይወጽእ ገበን ድማ ከምዘይሎ ተገንዚብኩም ንዝኾነ ኣብ ልዕሊ ንጹህ ህዝብኹም ትገብርዎ ግፍዒ፡ ተኣዚዝና ኢና ጌርናዮ ብምባል ካብ ተሓታትነን ከተምልጡ ከምዘይኮንኩም ከነተሓሳስበኩም ንደሊ።

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!


ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ)

2 ሕዳር 2017  

ፕሪቶርያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ

3 views0 comments
bottom of page