- emdhrorg
ጋዜጣዊ መግለጺ
ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ) በቲ መርማሪት ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘውጽኣቶ ጸብጻብ ዕጉብ ምዃኑ ብሓጐስ ይገልጽ። እዛ መርማሪት ኮሚሽን ብቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ብውሳኔ 26/24 ኣብ ዕለት 27 ሰነ 2014 ዝቖመት ኮይና፡ ሓላፍነታ ድማ ንኹነታት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣጻርያ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ጸብጻብ ከተቕርብ ዝብል እዩ ነይሩ። ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረላ ድማ እዛ ኮሚሽን ነቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝግበር ውዱብን ዓቢ ዝርጋሐ ዘለዎን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብዝርዝር ኣቕሪባ።
እቲ ጸብጻብ፡ ልዕልና ሕጊ ብዘይምህላዉ ዜጋታት መሰሎምን ነጻነቶምን ተገፊፉ፡ ብዘይ ሕጊ ይቕየዱ፡ ብኣሰቃቒ ይሳቀዩ፡ ደቀንስትዮ ጾታዊ ስቕያት የጋጥመን፡ ደረት ኣልቦ ግዱድ ዕስክርናን ሸቅሊን ደረጃኡ ክሳብ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ክበጽሕ ከምዝኽእል ዘርዚሩ። ኤርትራውያን ነዚ ኩነታት ክቕይርዎ ከምዘይክእሉ ተስፋ ብምቑራጽ ኣማኢት ኣሽሓት ሃገሮም ራሕሪሖም ይወጹ ኣለዉ። ካብ ምሒር ዓቕሊ ጽበት ድማ ሕይወቶም ንምድሓን ግዳያት ጉዕዞ ምድረበዳን ባሕሪን፡ ግዳያት ጭውያን ይኾኑ ኣለዉ። ኤርትራውያን ብሰንኪ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላቶም ዓዶም ራሕሪሖም ናብ ስደይ የምርሑ ስለዘለዉ፡ ናይ ማሕበረሰብ ዓለም ሓለዋን ዑቕባን የድልዮም።
እዛ መርማሪት ኮሚሽን ዘዳለወቶ ጸብጻብ ብኣካል ዘጋጥሞም ስለዝኾነ ንኤርትራውያን ሓድሽ ኣይኮነን። እንተኾነ ግን ብዓለምለኻዊ ውድብ ዝተመዘዘ ኣካል ዝተዳለወ ናይ መጀመርያ ጸብጻብ ብምዃኑ ዓቢ ኣገዳስነት ኣለዎ። እዚ ጸብጻብ እዚ ነቲ ብኤርትራውያንን ብኻልኦት ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ክበሃል ዝጸንሐ ዘትርር እዩ። ልክዕ ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ጸብጻብ ብሽርሒ ናይ ታሪኽ ጸላእትና ዝተሃንደሰ ብምባል ነጺግዎ ኣሎ። ብሰናይ ድልየት ድማ ነዚ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከመይሓይሾ ዝብል እምነት የብልናን።
ስለዚ ድማ ኤምዲሰመ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ኣብዚ ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ዝሰፈረ ለበዋታት ኣብ ተግባር ክውዕል ዕቱብ ስጉምቲ ክወስድ ምሕጽንታኡ የቕርብ። እዚ ምስዘይግበር ግና እቲ ኩነታት ናብ ዝኸፍአ ዕንወትን ህልቂትን ዜጋታት እታ ሃገር ከኸትል ምዃኑ፡ ካብኡ ሓሊፉ'ውን ንጸጥታ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ዝሸምም እዩ።
ብተወሳኺ ኤምዲሰመ ንጎረባብቲ ሃገራትን፡ ኤውሮፓዊ ሕብረትን፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝን ዑቕባን ክህቡ ይጽውዕ።
ልዕሊ ኹሉ ድማ ኤርትራውያን ነዚ ዕድል እዚ ተጠቒሞም ብዝበለጸ ክጥርነፉን ክውደቡን ይጽውዕ። ማሕበረሰብ ዓለም ደጋፊ ተራ ጥራሕ እዩ ክጻወት ዝኽእል፡ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ምምጻእ ግና ሓላፍነት ኤርትራውያን ጥራሕ እዩ፡ ስለዚ ነዚ ተገንዚቦም ኤርትራውያን ደረኽቲ ለውጢ ክኾኑ ዜግንነታዊ ሓላፍነቶም ክስከሙ ጻውዒት የቅርብ።
በዚ ኣጋጣሚ ድማ ኤምዲሰመ ሞያዊ ብቕዓት ዘለዎ ጸብጻብ ብምቕራብ ሓላፍነቶም ንዝፈጸሙ ኣባላት እታ ኮምሽን ዘለዎ ሞገስን ምስጋናን ይገልጽ። ንኹሉኹም እቶም ነዛ ኮምሽን ክትምስረትን ስርሓ ብዓወት ከተሰላስልን ከይተሓለልኩም ዝጸዓርኩም ኣብነታውያን ኤርትራውያን ድማ እንቛዕ ነዚ ኣርኣየኩም ንብል። ኣጆኹም ኣጆና!!!
11 ሰነ 2015
ፕሪቶርያ - ደቡብ ኣፍሪቃ
Comments