top of page
emdhrorg

ጋዜጣዊ መግለጺ

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ) ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብመራኸቢ ብዙሓን ዝተዘርግሐ፡ ኣብ እስራኤል ኣብ ቀጽሪ ቤተክርስትያን ብሰለስተ ኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ ሓደ ኤርትራዊ ብኻራ ዝተፈጸመ ናይ ቅትለት ፈተነ ሓዘኑን ቁጥዐኡን ብምግላጽ ብትሪ ይኹንን።


ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያን ናይ ፖለቲካን ሓሳብን ፍልልይ ክህሉ ባህርያዊ እኳ እንተዀነ፡ ንፍልልያትካ ብሓይሊ ክትፈትሕ ምፍታን ግን ብፍጹም ዘይቅቡልን፡ ካብ ባህልናን ልምድና ወጻኢ ምዃኑን እንዳገንዘብና፡ ነቲ ናይ ቅትለት ፈተነ ንዝፈጸሙ ገበነኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎምን ኣብ ሕጊ ቀሪቦምን ዝግብኦም ግቡእ መቕጻዕቲ ክረኽቡ ኩሉ ኣብ እስራኤል ዝርከብ ኤርትራዊ ምስ ፖሊስ እስራኤል ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ክተሓባበር ጻዊዕትና ነቕርብ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣጽናቲ ስርዓት ንዓና ኤርትራውያን እንተስ ብዓዲ፡ እንተስ ብኣውራጃ፡ እንተስ ብሃይማኖት ክፈላልየና ዓዲ ከምዘይውዕል ፍሉጥ እዩ። ናይ ፓትሪያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ማእሰርትን ብሰንኩ ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያን ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ዝተኸስተ ምፍልላይን፡ ምፍሕፋሕን ምንጪ ናይዚ ገበን ምዃኑ ኣይንስሕቶን። የግዳስ ንሕና ኤርትራውያን ነዚ ኣረመናዊ ተንኮላት ክነቕሓሉን ናብ ዘየድሊ ጎነጽ ከየምርሕ ክንጥንቀቐሉን ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ትኩርነትና ከነዛይድ ይግባእ።


ነዚ ዝተፈጸመ ኣስካሕካሒ ገበን ሕነ ብምፍዳይ ዘይኮነስ፡ ብሕጊን ብዕርቅን ጥራሕ ክፍታሕ ከምዝኽእል ብምግንዛብ፡ መሰረታዊ ጠንቂ ናይዚ ባእሲ ተለልዩ ግቡእ መፍትሒ ክርከበሉ ሓላፍነት ናይ ኩሉ ኤርትራዊ እዩ። ብፍላይ ኣብ እስራኤል ትርከቡ ለባማት ኤርትራውያን ነዚ ጉዳይ ብዕቱብ ብምሓዝ ግቡእ መፍትሒ ከትረኽቡሉ ዝያዳ ሓላፍነት ከምዘለኩም ተረዲእኩም መዓልቦ ክትረኽቡሉ ብስም ኩሉ ኤርትራዊ ለበዋና ነመሓላልፍ።

ብኻልእ መዳይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ድምጻዊ ተኽለ ነጋሲን፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣማኑኤል ኢያሱን ዘጋጠመ ዝተፈላለየ መጥቃዕትታት ኤምዲሰመ ብትሪ ይኹንን። ገበነኛታት ኣብ ፍርዲ ቀሪቦም ግቡእ መቕጻዕቶም ክቕበሉ ዝምልከቶም ናይተን ሃገራት ኣኽበርቲ ሕጊ ንጉዳዮም ብዕቱብ ክሕዝዎ ምሕጽንታና ነቕርብ። ናይዚ ባርባራዊ ገበን ግዳይ ንዝኾኑ ኤርትራውያን ድማ እግዚኣብሔር ኢዱ ከንብረሎምን ክፍውሶምን ኣብ ጸሎትና ንዘክሮም። ግቡእ ሕክምናን ካልእ ኣድላዩ ዝበሃል ደገፍን ክረኽቡ ከኣ ኩሉ ኤርትራዊ ዓቕሙ ዘፍቕዶ ሓገዝ ከበርክት በዚ ኣጋጣሚ ብትሕትና ንምሕጸን።

ሰላም ንህዝቢ ኤርትራ! ኤምዲሰመ 6 ታሕሳስ 2019 ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ

11 views0 comments

Commentaires


bottom of page