ግዱድ ዕስክርና ደው ይበል!
- emdhrorg
- Aug 3, 2016
- 2 min read
ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ኤርትራውያን ተማሃሮ 11 ክፍሊ ናብ ሳዋ ከም ዝወረዱ ኣብ ማዕከናት ዜና ክቃላሕ ቀንዩ ኣሎ። እዚ ድማ ብጉልባብ ትምህርቲ ኩሎም ትምህርቶም ዝውድኡ ተመሃሮ ናብ ግዱድ ዕስክርና ዝኽተቡሉን ኣብ ግዱድ ስራሕን ዘመናዊ ግልያነትን ዝኣትውሉ መስርሕ እዩ። እዞም ዓቕሚ ኣዳምን ሄዋንን ዘይበጽሑ ዕሸላት መንእሰያት፡ ካብ ማሙቕ ገዝኦምን ካብ ሓለዋ ስድራቤቶምን ወለዶምን ተመንዚዖም ኣብ ትሕቲ ጽንኩር ኩነታት ወተሃደራዊ ታዕሊም ክወስዱን፡ እሞ ከኣ ንብዙሓት ሕልናን ርህራሄን ዝጎደሎም ዓለምቲ ክቃልዑ ይግደዱ ኣለዉ። ብዙሓት ካብኣቶም ድማ ግዳያት ናይ ዝተፈላለየ ስነኣእምሮዊ፡ ኣካላዊን፡ ጾታዊ በሰላታትን ከምዝኾኑ ዝምስክርዎ ሓቂ እዩ። ሓንቲ ካብዞም ዕሸላት ጓል 17 ዓመት ኣባል 27 ዙርያ "ገንሸል ሳዋ" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ፈይስቡክ ዘውጽኣቶ ምስክርነት፡ ኣብ ሳዋ ብሓደ ኮሎነል ዘጋጠማ ምግሳስን፡ ጥንስን፡ ምንጻል ጥንስን ንኹሉ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ልቢ ዝሰብር እዩ።
እቲ ሓቂ ተማሃሮ 11 ክፍሊ ናብ ሳዋ ክኸዱ ከለዉ ግዱድ ዕስክርና እዩ። በቲ ልክዕ ስሙ ክንጽውዖ ድማ ይግባእ። እወ ግዱድ ዕስክርና!!! የግዳስ ንሕና ኤርትራውያን ነቲ ዘይንቡር ከም ንቡር፡ ነቲ መሪር ከም መዓርለሚድናዮ: ከም ቅቡል ጌርና ወሲድናዮ ስለዝኾና ክንቃወሞን ዓገብ ክንብሎን ከምዘሎና'ውን ሓሲብናሉ ኣይንፈልጥን። እዚ ድማ ኣእምሮና ክሳብ ክንደይ ደንዚዙ ከምዘሎ ዘሰክፍ መርኣያ እዩ።
እንታይ እዩ እቲ ጥቕሙ? እዚ ኣብ ስልጣን ተዀይጡ ዘሎ ስርዓት፡ ስልጣኑ ንኸናውሕ፡ ንዝኾነ ዓይነት ናይ ተማሃሮ ኣብያን ምልዕዓልን ከየጋጥም ከመይ ጌሩ ነዞም ተማሃሮ ክቆጻጸሮምን፡ ምእዙዛት ክገብሮምን ዝመሃዞ ተንኰል ድኣ'ምበር ብዛዕባ እዞም ዕሸላት መንእሰያት ሓልዩ ኣይኮነን።
እዞም መዓንጣ ዘይቆጸሩ ንኣሽቱ ኣሕዋትናን፡ ኣሓትናን፡ ደቅናን፡ እሞ ከኣ ኣብቲ ምሕብሓብን ምእላይን ዘድልዮ ኣዝዩ ተነቃፊ ዕድመኦም ብዝኾነ ምኽንያት ካብ ስድርኦም ክፍለዩ ብፍጹም ኣይግባእን። ንሕና ዓገብ ብዘይምባልና እዮም ድማ ናብዚ ዝቃልዑ ዘለዉ። ስለዚ ድማ ካብዚ ኩነታት ክሃድሙ ኣደዳ ስደትን መከራን ሞትን ይኾኑ ኣለዉ።
ስለዚ ሎሚ ድምጽና ብዓውታ እነስምዓሉ ሰዓት ኣኺሉ እዩ። ይኣክል ሱቕታ! ይኣክል እንታይ ገደሰኒ! እዚ ግዱድ ዕስክርና ግዱድ ስራሕን ዘመናዊ ግልያነትን ደው ክብል ኩላትና ዓቕምና ዘፍቅዶ ክንገብር ውዓል ሕደር ዘይበሃሎ ሞራላዊ ግዴታና እዩ። እምቢ ንግዱድ ዕስክርና! እምቢ ንግዱድ ስራሕ! እምቢ ንዘመናዊ ግልያነት! ኣነ እንተዘይተዛሪበ መን? ሎሚ እንተዘይተዛሪበ መዓስ?
ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ)
3 ነሓሰ 2016
ፕሪቶርያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ
Comments