ጦብላሕታ መስከረም 18 2001
- emdhrorg
- Sep 20, 2016
- 2 min read
እዋኑ ጉጅለ 15 ብቃልዕ ምስተን ብሕታውያን ጋዜጣታት ብዛዕባ ኩነታት ሃገርና ብፍላይ ድማ ካብ ህዝቢ ተሰዊሩ ዝነበረ ውሽጣዊ ምስሕሓብ ገለ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባር ምስ ኢሰያስ ብቓልዕ ክወጽእ ጀሚሩሉ ኣብ ዝነበረ እዋን እዩ። ንሶም ኩነታት ሃገርና ብጽቡቕ ይኸይድ ስለዘየሎ ኣኼባ ግበረልና ክብሉ ከለዉ፡ ኢሰያስ ንስኹም መዓስ ኣኼባ ይጽውዕ ኣይትነግሩንን ኢኹም ክብሎም ከሎን እዩ።
ኣብ ክራማት 2001 ኣብ ኣስመራ ምስ ክልተ ዝፈልጦም ሰባት ኣብ ባር ቪቶርያ ሻሂ እንዳሰተና ሓደ ከምዚ ክብል ሕቶ ይሓትት "እዚ ሰብኣይ እንታይ ዝገብሮም ይመስለኩም፡ ይኣስሮም ዶ ይኸውን? ዋላስ ንህዝቢ ፈሪሑ ሱቅ ይብሎም?" ናይ ብሓቂ ቀላል ሕቶ ኣይነበረትን። ነዞም ኩሎም ክኣስሮም፡ ኣይውዕሎን እባ ይኸውን ክንብል ይዝከረኒ። ንጹር መልሲ ኣይነበረናን። እቲ ነታ ሕቶ ዝሓተተ ግና ከይኣሰሮም ኣይተርፍን ዝብል ገምጋም እዩ ነይርዎ። ማእሰርቶም እንታይ ዓይነት ሰዕቤን ኣብታ ሃገር ከኸትል ከምዝኽእል ንኹላትና ብኸቢድ ኣስጊኡና ከምዝነበረ እዝክር።
ሎሚ ድሕሪ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመታት ኩነታት ኤርትራ ብኸምዚ ክቕጽል ይኽእል እዩ ኢሉ ዝሓሰበ ኤርትራዊ እንተነይሩ ናይ ብሓቂ ነቢይ ክበሃል ይከኣል። መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ኢሰያስ እንተኣሲርዎም ተጋደልቲ ይኹኑ ህዝቢ ሱቕ ኣይክብልን እዩ ዝብል ርድኢት ነይሩና። እዚ ድማ ንኢሰያስ እንታይ ዓይነት ሰብ ከምዝነበረ ኣይተገንዘብናዮን ስለዝነበርና እዩ ክበሃል ይከኣል። ንድኽመት ንቕሓት ህዝብና'ውን ብግቡእ ኣይፈለጥናዮን ኔርና። ኢሰያስ ኣብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ 30 ዓመታት ተሞኩሮኡ ኣብ ቃልሲ፡ ንጹሃት ኤርትራውያን ብምጽናት ተኻሒኑ፡ ኣሎ ዘይብሃል ተሞክሮ ኣጥርዩ ብምንባሩ ካብ ትጽቢትና ወጻኢ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣብ ስልጣን ኮረሻ ተዀይጡ ይቕጽል ኣሎ።
ድሕሪኡ ኣይደንጐየን ምዕጻው ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት፡ ምእሳር ኣዳለውተን፡ ምእሳር ኣብተን ጋዜጣታት ዝጽሕፉ ዝነበሩ ይኹኑ ርእይቶኦም ኣብ ኣኼባታት ዝገለጹ ንጹሃት ኤርትራውያን ቀጸለ። እታ ሰሙን እምበኣር ንኹሉ ዓቅሚ ኣዳም / ሄዋን ዝበጽሐ ኤርትራዊ ዘይሃስስ ጦብላሕታ ኣለዋ። እዚ ድማ እቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ሃዋህው ዲሞክራሲን ትስፉው መጻኢ ኤርትራን ዝቀሃመላ፡ ብቃልዕ ውልቀ ምልክነት ዝተኣወጀላ ሰሙን እያ ነይራ።
ገለ ኤርትራውያን፡ ጉጅለ 15 ውን ብገበን ተሓተቲ እዮም፡ ኢሰያስ ንኻልኦት ከጽንት ይጥቀመሎም ዝነበሩ መጋበርያ እዮም ወዘተ... ይብሉ። እዚ ዋላ ገለ ሓቕነት ክህልዎ ዝኽእል እንተዀነ፡ እቲ ብፍላይ ንጉጅለ 15 ንዝክረሉ ኣብነት እንተልዩ፡ እቲ ንሶም ዝሓተትዎ "ሕቶ ግዝኣተ ሕግን ቅዋማውነትን" ሕቶ ህዝቢ ብምዃኑ ድኣ እምበር ንሶም ንጹሃት እዮም ነይሮም ብምባል ኣይኮነን። እቶም ኣብዚ ሕጂ እዋን መጋበሪ ኢሰያስ ኰይኖም ዘለዉ ጀነራላት፡ ድሕሪ ሕጂ ውልቀ ምልኪ ይትረፍ ብሕጊን ቅዋምን ንገዛእ ዝብል ሕቶ እንተ ዘልዕሉ፡ ነቲ ሕቶኦም ክንድግፎ ምተገብአ። እዚ ማለት ግን ብገበን ክሕተቱ የብሎምን ዝብል ኣየስምዕን። ብኸመይ ይሕተቱ ድማ እቲ ብነጻ ድልየት ህዝቢ ዝምስረት ሕጋዊ መንግስቲ፡ ንህዝቢ ብምውካስ ዝውስኖ ይኸውን ማለት እዩ።
መስከረም 18 ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ዓባይ ነጥበ መቐይሮ እያ። ነዚ ናይ ሎሚ ተረኽቦ ከየጋጥም ኣብዛ ዕለት ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ እንታይ ክንገብር ንኽእል ኔርና፡ እንታይ ጉድለትከ ፈጺምና ኢልና ርእስና እንምርምረላ፡ ነዚ ወሪዱና ዘሎ ኣደራዕ ብኸመይ ኣሊና፡ ፍትሒ ዝነገሳ፡ ነቲ ሰብ፡ ሰብ ብምዃኑ ጥራሕ ክንፈጎ ዘይግባእ መሰረታዊ መሰል ዜጋታታ እተኽብር፡ ምስ ርእሳን ምስ ጎረባብታን ሰላም ዝዓሰላ ብልጽግትን ኣብነታዊትን ኤርትራ ንሃንጽ እንሓስበላ ዕለት እያ። ነዛ እንብህጋ ኤርትራ ክውንቲ ንምግባር ድማ መብጽዓና እንሕድሰላ ረዛን ዕለት ድማ'ውን እያ።
ኢያሱ ዓንደማሪያም
መስከረም 2016
ደቡብ ኣፍሪቃ
Comments