top of page
  • emdhrorg

ሰብኣውን ማሕበራዊን ቁጠባዊን ሳዕቤን ኩናት ትግራይ

መእተዊ

ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኩናት መበገሲኡ እንታይ እዩ እንተኢልና፡ ዳርጋ ከምቶም ኩሎም ካልኦት ናይ ዓለምና ውግኣት፡ ፖለቲካ እዩ። ፖለቲካ ክንብል ከሎና፡ ኣብ ሞንጎ ፖለቲካውያን ሓይልታት ዝግበር ናይ ስልጣን ቁርቁስ፡ ሓደ ነቲ ሓደ ክዕብልል ካብ ዘለዎ ደረት ኣልቦ ድልየት፡ ብፖለቲካ ገዲፉ፡ ብሓይሊ ብረት ከተግብሮ ክፍትን ከሎ እዩ። እዚ ናይ ትግራይ ኩናት ከኣ፡ ኣብ ሞንጎ ኣብይ ዝመርሖን፡ ህወሓት ዝመርሕዎን ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካውያን ሓይልታትን፡ ኢሰያስ ዝመራሒኡ ናይ ኤርትራ ፖለቲካዊ ሓይልን ከም ቀንዲ ተዋሳእቲ ዝዋስእሉ ዘለዉ እዩ። ኩሎም እዞም ፖለቲካውያን ሓይልታት፡ ነቲ ኩናት ተገዲዶም ከምዝኣተውዎ፡ ኮይኖም እዮም ዝገልጽዎ። ኣብይ ሕጊ ከነኽብር ይብል፡ ሕወሓት ናይ ህላወ ሕቶ እዩ ይብሉ፡ ኢሰያስ ከኣ - Game Over! - ወያነ ከይጠፍአት ሰላም የብልናን ይብል። ኩላቶም ነቲ ንውክሎ ኢና ዝብልዎ ህዝቢ፡ ሓቂ ዝሓዙ ኰይኖም ክቐርቡ ይፍትኑ።

ፖለቲካዊ ትንተና ንፖለቲከኛታት ገዲፍና፡ ሳዕቤን ኩናት ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኢትዮጵያን፡ ትግራይን ኤርትራን፡ ብመንጽር ሰብኣዊን፡ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ጽልውኡ ክንርኢ ክንፍትን ኢና።


ሰብኣዊ ክሳራ

ኩናት ዕንወት እዩ፡ እቲ ቀዳማይን መተካእታ ዘይርከቦን ህይወት ሰብ ዝቐዝፍ ሕሱም ኣራዊት እዩ። እዚ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዝተባርዐ ካልኣይ ዙር ከይጸብጸብካ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳማይ ዙር ጥራሕ ክንደይ ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያት ሕይወቶም ስኢኖም፧ ክንደይ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቁጸሩ ሰንኪሎም ኣለዉ፧

ሓደ መንእሰይ ክመውት ከሎ፡ ኣቦኡ፡ ኣዲኡ፡ ኣሕዋቱ፡ ሰበይቱ፡ ደቁ፡ ብሓፈሻ ኩሎም መቕርቡ ይጉድኡ። ደቂ እንተኔሮሞ ይዝኽትሙ፡ ብዘይ ኣቦ ይዓብዩ፡ ናይ ኣቦ ዘይምህላዉ በሰላ (emotional trauma) ንምሉእ ህይወቶም ክሳቕዮም ይነብር። ሰበይቱ ንኣሽቱ ዘኻትም ቆልዑ ከተዕቢ፡ ሃንደበት እትጾሮ ከቢድ ጾር፡ እትሓልፎ ከርፋሕ ናብራ እዚ ኢልካ ክትግምቶ ዝከኣል ኣይኮነን።

ድሕሪ ንናጽነትን ኤርትራን ኣብ ናይ 1998-2000 ውግእ ዶብን፡ መስዋእቲ ደቆም ብምንጋሮም፡ ክንደይ ወለዲ፡ ብሓዘን ተደኒሶም ኣብ ሞት ዘይበጽሑ፧ ኣብ እርጋኖም ጠወርቲ ዝሰኣኑ ክንደይ እዮም፧

እቶም ዝዓወሩ፡ ኣእጋሮም ዝተቆርጹ፡ ካልእ ስንክልና ዝበጽሖም፡ ንስድራቤቶም ክጾሩን፡ ክጠውሩን ዝግብኦም ዝነበሩ፡ ተመሊሶም ጾር ስድራቤቶምን ህዝቦምን ሃገሮምን ይኾኑ።

ሰብኣዊ ክሳራ ኩናት ብኣሃዝ ክትገልጾ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ንወለዶታት ዝኸይድ በሰልኡ መዳርግቲ የብሉን።


ማሕበራዊ ክሳራ

ኩናት ንኹሉ ዝተንከፎ ዝልብል ሓዊ እዩ! ብሰንኪ እዚ ኩናት ክንደይ ስድራቤታት ምዉቕ ቤተን ሓዲገን ተበታቲነን፡ ኣደዳ ስደት ኮይነን ኣለዋ። ክንደይ ደቀንስትዮ ተዓሚጸን ኣለዋ፧ እዚ ዓመጽ ንምሉእ ህይወተን ዘይሃስስ ስምብራት ዝገድፍ፡ ኣካላውን ስነኣእምሮኣዊን ቁስሊ ተሸኪመን ክኸዳ ዝገብር፡ ካብ ርእሰንን ስድራቤተን ሓሊፉ ንምሉእ ሕብረተሰብ ዝሳቒን፡ ብቀሊሉ ዘይፍወስ ሃስያ ዘለዎን እዩ።

ብሰንኪ እዚ ኩናት፡ ንዘበናት ተኸባቢሮም ዝኸዱ ዝነበሩ ህዝብታት ኣብ ምትፍናንን፡ ሕነ ኣብ ምፍድዳይን፡ ኣብ ምቅትታልን በጺሖም ኣለዉ። ኣብ ቃድራ ዝበሃል ዓዲ፡ ዓሌት ዝመበገሲኡ ዝተፈጸመ ህልቂት ንኹሉ ሰብ ዘሰንበደን፡ ሰብ፡ ሰብኣውነቱ ኣጥፊኡ ናብ ኣራዊት ክቕየር ከምዝኽእል ዝገልጽ ህሞት እዩ ነይሩ።

ኣብ መወዳእታ እዚ ኩናት ደው ምስበለ፡ ፖለቲከኛታት ሰላም-ሰላም ምስተበሃሃሉ፡ እቶም ካብ ሞት ዝተረፉ ዕድለኛታት ወተሃደራት ናብ ቤቶም ምስ ተመልሱ፡ ክንደይ ካብኦም ብድሕሪ ኩናት ዝስዕብ ስነኣምሮኣዊ ነውጺ (Post-traumatic stress disorder (PTSD)) ክጥቕዑ እዮም፧

ዝተናውሐ ኩናት ኣብቲ ሕብረተሰብ ዘይተደልየ ምዝንባል ይፈጥር። እዞም ኣብዚ ኩናት ዝሞቱ ዘለዉ መንእሰያት፡ ክመሃሩሉን፡ ክሰርሑሉን፡ ሓዳር ጌሮም ደቆም ከዕብዩሉ ዝግብኦም ዝነበረ ግዜ እዮም ዝኸስሩ ዘለዉ። እተን ክምርዓውወን ዝግብኦም ዝነበራ ደቀንስትዮ፡ ሓዳር ከይገበራ ዕድሜአን ይሓልፍ፡ ክውለዱ ዝግብኦም ዝነበሩ ቆልዑት ኣይውለዱን፡ እቶም ዝተወልዱ’ውን ኣብ ርጉእ ኣቦን ኣደን ዘለዉዎ ስድራቤት ኣይዓብዩን። እዚ ኩሉ ተደማሚሩ፡ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዓቢ ምዝንባዕ ይፈጥር።


ቁጠባዊ ክሳራ

ኣብ ማዕከናት ዜና ንከታተሎ ከምዘሎና፡ ኩናት ዩክሬይን ብዓይንና ከተማታት ናብ ድኹዒ ክቅየራ ንዕዘበን ኣሎና። ፍረ ኩናት ንሱ እዩ። ኣብ ኩናት ትግራይከ ክንደይ ህንጻታት፡ ሆስፒታላት፡ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ዓበይቲ ቢንቶታት፡ ፋብሪካታት ዓንዩ ኣሎ፧ ሎሚ እቲ ዕንወት ኣብ ትግራይ ወይ ካልእ ከባቢታት ኢትዮጵያ ይኸውን ይኸውን፡ ጽባሕ ኣብ ኤርትራ እንተኣትዩ፡ ካብኡ ዝፍለ ዕጫ የብልናን። እዚ ዕንወት ብኣሃዝ እንተዝግመት፡ ክንደይ ሚልዮናት፡ ቢልዮናት ዶላራት ይኸውን፧

ውግእ ከተካይድ ዘይተኣደነ ገንዘብ የድልየካ። ዘመናዊ ኣጽዋር፡ ነፈርቲ ኩናት፡ ድሮናት፡ ሮኬታት፡ ታንክታት፡ ተተኮስቲ፡ ካልእ ዕጥቂ፡ ስንቂ፡ ነዳዲ ወዘተረፈ። ከም ሳልሳይ ሃገራት መጠን፡ እዚ ዘመናዊ ኣጽዋር፡ ዕጥቂ፡ ነዳድን ካልእን፡ ኣብ ሃገርና ስለዘይነፍርዮም፡ ብዶላራት (Hard currency) እዩ ካብ ደገ ክግዛእ ዘለዎ። ንህዝብና መሰረታዊ ቀረብ ከነማልእ ዘይከኣልና፡ ዝተቐመጠ ዶላራት ክህልወና ዘይሕሰብ እዩ። ስለዚ ኩሉ ብለቓሕ እዩ ክግዛእ። እዚ ለቃሕ፡ መዓስ እዩ ክኽፈል፧ መን እዩ ክኸፍሎ፧ እቶም ነቲ ውግእ ዝወልዑ ፖለቲከኛታት ምስተኣልዩ፡ ኣብ መወዳእታ ጾር ናይታ ሃገርን ህዝብን ኮይኑ እዩ ክተርፍ።

ነቲ ኩናት ንምክያድ ዝወጽእ ዘሎ ዘይተኣደነ ገንዘብ ካብቲ ሃገር ንምልማዕን፡ ሆስፒታላት፡ ቤትምህርታት፡ ጽርግያታትን፡ ሕርሻታት፡ ፋብሪካታት፡ ዩኒቨርሲታት፡ ንግዳዊ ትካላት፡ ካልእ ትሕተ ቅርጽታትን ንምስራሕ ክወጽእ ዝነበሮ ገንዘብ እዩ። እዞም ዝተባህሉ ትሕተ-ቅርጽታት እንተዘይተሰሪሖም፡ ተመሃሮ ቤት-ትምህርቲ ኣይክህልዎምን እዩ፡ ህዝቢ መሰረታዊ ሕክምና ዝረኽበሉ ኣገልግሎት ሕክምና ኣይክረክብን እዩ፡ ዝስተ ማይን፡ ኤለትሪክን ኣይክረክብን እዩ። ትሕተ-ቅርጺ እንተዓንዩ፡ ቁጠባ ይዓኑ። ቁጠባ እንተዓንዩ፡ ህዝቢ ናብ ወሎዶታት ዝሰጋገር ክቱር ድኽነት ይሽመም።

እዚ ትንክፍ ትንክፍ ዘበልናዮ ሳዕቤን ኩናት ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ጥራሕ እዩ። ናይ ማሕበራዊ መጽናዕቲ ምሁራት ሳዕቤን ናይዚ ኩናት ብዝርዝር ክጽሕፍሉን ክምህሩናን ተስፋ ንገብር።


ግብረ-መልሲ ህዝቢ እንታይ እዩ ክኸውን ዘለዎ

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ፡ እዚ ኩናት ብሰንኪ ውሑዳት ስልጣን ዘስከሮም ፖለቲከኛታት ዝተባርዐ እዩ። እዞም ፖለቲከኛታት ብኸንቱ ናይ ዝሞቱ ዘለዉ ህይወት ኣሽሓት ዜጋታት ብገበን ተሓተትቲ እዮም። ሕዝብታት ኢትዮጵያ፡ ትግራይ፡ ኤርትራከ እንታይ እዩ ግብረ መልስና፧ ተረካቢ ይዓድዮ ከምዝበሃል፡ ናይዚ ኩናት ኣደራዕ፡ እቲ ህዝቢ እዩ ዝስከሞ ዘሎ። እቲ ክሳራን ዕንወትን ጾር ናይቲ ህዝቢ እንተዀይኑ፡ ነቲ ኩነታት ፖለቲከኛታት ክቅይርሉ ከይተጸበየ ህዝቢ ባዕሉ ፍታሕ ከናዲ ኣለዎ።

መጀመርያ፡ ኩናት መፍትሒ ከምዘይኮነ ክኣምን ኣለዎ። ብፕሮፓጋንዳ ናይ ፖለቲከኛታት ክታለል የብሉን። ፈትዩ ጸሊኡ እቲ ህዝቢ ነንሕድሕዱ ብሰላም ምንባር ጥራሕ እዩ ዘዋጽኦ። ጽልኢ መፍትሒ ኣይኮነን።

ህዝቢ እንተሓቢሩ ዓጋቲ የብሉን። “ድር ቢያብር፡ ኣንበሳ ያስር” ይብሉ ኣምሓሩ ክምስሉ፡ ዝሓበረ ፈትሊ፡ ኣንበሳ ይኣስር። ህዝቢ ኤርትራን፡ ኢትዮጵያን ትግራይን፡ ንኹሎም ፖለቲካውያን መራሕቲ፡ “እምቢ ንውግእ! ደቕና ንሞት ኣይንህብን! ዝሓለፈ ይኣክል!” ክብልዎም ኣለዎም።


መደምደምታ

ብሰንኪ ኩናት ትግራይ ዞባና ተሓሚሱ፡ ህዝብና ኣብ ድነ ሞትን ጥፍኣትን ይርከብ። ማሕበረሰባዊ ቀጸላታትና ይዓንዉ ኣለዉ፡ ቁጠባና ይባድም፡ ህዝብና ኣደዳ ድኽነትን፡ ሕሰምን፡ ስደትን፡ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ውግእ፡ ንወለዶታት ክቕጽል ዝኽእል ጽልኢ ከይተኽለልና ንፈርህ። ረብሓ ህዝቦምን ሃገሮምን ቀዳምነት ዝሰርዑ ለባማት ፖለቲካውያን መራሕቲ ኣይተዓደልናን። ህዝቢታት እዚ ዞባ፡ መጻኢ ዕድሎምን፡ ዕድል ደቆምን ክወሓስ፡ ነዘን ድኻታት ሃገራትና ዘጽንት ዘሎ ኩናት፡ ፖለቲከኛታት ደው ክሳብ ዘብልዎ ከይተጸበየ፡ ውግእ ደው ይበል! ይኣክል! ክብልን መድረኹ ዝጠልቦ ዘሎ እዩ። ህዝቢ ምስ ህዝቢ ክዘራረብ፡ መገዲ ዕርቅን ሰላምን ከናዲ ውዓል ሕደር ዘይበሃሎ እዩ። ብፕሮፓጋንዳ ፖለቲከተኛታ ከይታለል፡ ህዝቢ ኣዕይንቱ ቋሕ ከብልን፡ ጽንተትን ብርሰትን መንእሰያቱ ደው ከብልን ይግባእ። ነዞም ፖለቲከኛታት ከኣ ብደም እቶም ዝሃልቁ ዘለዉ ኣሽሓት ክሓቶም ይግባእ።


ሰላም ንህዝብታት ኢትዮጵያ፡ ትግራይን ኤርትራን!

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ)

መስከረም 2022

PHOTO: The Associated Press


596 views0 comments
bottom of page