top of page
  • emdhrorg

ቃንዛ ኤርትራውያን ስድራቤታት

ኣብዚ ሰሙን ሞት ወ/ሮ ጽገወይኒ መኮንን ሃይለ በዓልቲ ቤት ቀሺ ገብረመድህን ገብረጊዮርጊስ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ክቃላሕ ቀንዩ ኣሎ። እዚ ኣዝዩ ዘሕዝን ፍጻመ ንብዙሓት ኤርትራውያን ልብና ተንኪፉ፡ ብውልቂን ከም ሕብረተሰብን ሕቶ ኽንሓትት ዝድርኽ እዩ። እቲ ሕቶ ከኣ፡ ነዘን ማእለያ ዘይብለን ኤርትራውያን ስድራቤታት ወሪድወን ዘሎ ኣደራዕ (tragedy)፡ ቃንዛን፡ ሓዘንን፡ ዝኽትምናን፡ ኣነ፡ ንስኻ፡ ንስኺ በብውልቅናን ከምሕብረተሰብን ንእሽተይ’ውን ትኹን ሓላፍነት ክንስከም ዝጽውዕ እዩ። “ሓውኻ/ሓፍትካ ኣበይ ኣሎ/ላ?” ዝብል ሕቶ ደጋጊሙ ይኹሕኩሓና ኣሎ።


ስድራቤት - መሰረት ሕብረተሰብ

ናይ ዝኾነ ሕብረተሰብ ብዓቢኡ ድማ ሃገር መሰረት ስድራቤት እያ። ስድራቤት እንተ ዓንያ፡ ሕብረተሰብ ይዓኑ፡ ሃገር ትባድም። ነፍስወከፍ ስድራቤት ኣብ ከመይ ኩነታት ኣለዋ ኢልና እንተሓቲትና፡ ሓንቲ ስድራቤት ኤርትራ ብማከላይ ገምጋም ኣብ ሓሙሽተ ሃገራት ተበታቲና ትረኽባ። ደቂ ሓወቦ፡ ደቂ ሓትነ፡ ደቀ’ሞ፡ ደቀ’ኮ እንተወሲኽናሉ እሞ ናብ ልዕሊ ዓሰርተ ሃገራት ፋሕ ኢሎም ትረኽቦም። ብሰንኩ ድማ ወለዲ ዕደመ ደፊኦም ኣላዩ ዘይብሎም ብስቓይ ይሞቱን ቀባሪ ውላድ ኣብ ዘይብሉን ይሓልፉ ኣለዉ።

እቲ ኣዝዩ ዝገደደ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ብማእሰርቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝሳቐያ ኤርትራውያን ስድራቤታት ምህላወን እዩ። እዚ ምፍልላይ ኣብተን ስድራ ዝፈጥሮ፡ ስነኣእምሮኣዊ፡ ኣካላዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ ቅልውላው ክንርድኦ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ክብደት ናይዚ ጽዕነት’ዚ እዩ’ምበኣር ንሓፍትና ወ/ሮ ጽገወይኒ በብቅሩብ ኣድኪሙ ናብ ሞት ዘብጽሓ። ጠንቁ ከኣ ኣብ ልዕሊ ክቡር በዓል ቤታ እተፈጸመ በደል ምዃኑ ንምግማቱ ዘሸግር ኣይኮነን። ኣባላት እዛ ስድራቤት ዘሕለፍዎ ዝኽትምና ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ፍቅሪን፡ ሓልዮትን፡ መሪሕነትን ኣቦኦም ከየስተማቐሩ ዓብዮም፡ ሕጂ ከኣ እታ ክንዲ ኣቦን ኣደን ኰይና ዘዕበየቶም ዝተረፈት እንኮ ተስፋኦም ዝኾነተ ኣዲኦም ስኢኖም - እዚ መዘና ዘይርከቦ ‘ትራጀዲ’ እዩ።


እዚ ኣብዛ ስድራቤት ዘጋጠመ ኩነታት ኣብ ብዙሓት ካልኦት ስድራቤታት ዝኣተወን ዘጋጥምን ዘሎን እዩ። ዕጫ ስድራቤት ዶር ቀሺ ፍጹም ገብረንጉስ ካብኡ ዝፍለ ኣይኮነ። ናይ ዶር ክፍሉ ገብረመስቀል፡ ሃይለ ናይዝጊ፡ ቀሺ ተኽለኣብ መንግስትኣብ፡ ቢትወደድ ኣብርሃ፡ ጴጥሮስ ሰሎሙን: ኣስቴር ዮውሃንስ፡ ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ)፡ ማሕሙድ ኣሕመድ (ሸሪፎ)፡ ዑቕበ ኣብርሃ፡ ሳልሕ ኬክያ፡ ሓሚድ ሕምድ፡ እስቲፋኖስ ስዩም፡ ጀርማኖ ናቲ፡ ብርሃነ ገረዝግሄር፡ ኣስቴር ፍስሃጽዮን፡ በራኺ ገብረስላሴ፡ ሚርያም ሓጎስ፡ ተስፋልደት ስዩም፡ ስዩም ጸሃየ፡ ፍስሃየ ዮሃንስ (ጆስዋ)፡ ኣማኑኤል ኣስራት፡ መድሃኔ ሃይለ፡ ስዒድ ዓብደልቃድር፡ ዳዊት ኢሳቕ፡ ማትዮስ ሃብተኣብ፡ ሳልሕ እድሪስ ሳዓድ፡ ዳዊት ሃብተሚካኤል፡ ጅምዕ ክሜል፡ ተመስገን ገብረየሱስ፡ ፈርዖን ወልዱ፡ ዓሊ ኣልኣሚን፡ ክፍሎም ገብረሚካኤል፡ ሰናይትን ኤርምያስን ደበሳይ፡ ሃብተጽዮን ሓድጉ፡ ብርሃነ ኣብርሀ… እቲ ዝርዝር ዝውዳእ ኣይኮነ።


እቶም ኣብ 1994-96 ካብ ዝተፈላለየ ከተማታትን ገጠራትን ከም ኣቁርደት፡ ዓዲ ቀይሕ፡ ከረን፡ ጊንዳዕን ብምስምስ ጅሃድ እንዳተባህሉ ተኣርዮም ድሃዮም ዝጠፍአ ኣሕዋትና ኣመንቲ ምስልምና ስድራቤቶም ኣብ ከመይ ኩነታት ይህልዉ፧ ዕጭኦም ከም ስድራቤት ቀሺ ገብረመድህን ኮይኑ ምህላዉ ዝስሓት ኣይኮነን። ዝሓልፍዎ ዘለዉ ቃንዛ ድማ ንክትግምቶ ዘጸግም’ዩ። እዚ’ዩ ኣብ ህዝብና ወሪዱ ዘሎ ‘ትራጀዲ’።


ጠንቂ ቃንዛ ኤርትራውያ ስድራቤታት መን እዩ?

እዞም ዋላሓንቲ ገበን ዘይብሎም ኣብ ፍቆዶ ዘይፍለጥ ቤት ማሕቡስ ድሃዮም ዝጠፍአ ኤርትራውያን መን እዩ ዝሕተት፧ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ብቐንዱ ከኣ ኢሰያስን መጋበርያታቱን እዮም። ብዓቢኡ ከኣ ኣብ ኤርትራ ብሕጊ ዝግዛእ ምሕደራ ብዘይምህላዉ እዩ። ዝኾነ ብገበን ዝሕተት ሰብ፡ ኣብ ነጻን ርትዓዊን ቤትፍርዲ ክሲ ቀሪቡሉ ፍርዱ ክቅበል ጥራሕ እዩ ዘለዎ። እዚ ብዘይምዃኑ፡ ስድራቤት እዞም ግዳያት ዘይፍትሓዊ ማእሰርቲ ኣደዳ ዝኽትምንና፡ ጭንቀትን፡ ከልበትበትን፡ ሞትን ኮይኖም።

ኣነ ንስኻ ንስኺከ ብውልቂ ይኹን ከም ሕብረተሰብ ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኣብዚ ቃንዛ ኤርትራውያን ስድራቤታት ሓላፍነት ኣሎና። እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት፡ ዋላኳ ኢሰያስ ዝዝውሮ እንተዀነ፡ ብኢሰያስ ዝምርሑ ኣኣዳዎም ብደም ንጹሃት ዝጨቀወ መጋበርያታት’ውን ኣለውዎ።


ብኸመይ መጋበርያ ኢሰያስ ንኸውን ኣሎና

ብመጀመርያ ብሓላፍነት ዝሕተቱ እቶም ኣብ ሓላፍነት ዘለዉ፡ ናይቲ ስርዓት መጋበሪ ክኾኑ እንተስ ብፍቶት እንተስ ብፍርሒ ሕራይ ዝበሉ እዮም። ብምቕጻል ኩላትና እቶም ሃገር ካብ ስርዓት ክንፈሊ ዘይከኣልና፡ ነቲ ስርዓት ጌጋ ምባል ከም ክሕደት ሃገር ጌርና ንርዳእ፡ ወይውን ንሃገር ኣብ ሓደጋ ከም ዘእቱ ጌርና ብምሕሳብ፡ ኣብ ዝኾነ ናይቲ ስርዓት መደባትን ሸርሕታትን እንተስ ፈቲና፡ እንተስ ፈሪሕና፡ እንተስ ጥቕሚ ከይጎድለና እንሳተፍ ሓላፍነት ኣሎና። ነተን መሰረት ኤርትራ ዝኾና ስድራቤታት ኤርትራውያን ዘይሓሊ ስርዓት ከመይ ጌሩ ንሃገር ክሓሊ፧ እዚ ክልቲኡ ብፍጹም ዘይራከብን ዝገራጮን እዩ። ንስድራቤት ኤርትራ ዝሓሊ ስርዓት ጥራሕ እዩ ዘድልየና። መሰረት ክብረትን መንነትን ሕብረተሰብ ርትዕን፡ ፍትሕን’ዩ፡ ክጠሓስ ከሎ ስቕታ ምምራጽና ድማ ርእሱ ዝኸኣለ ‘ትራጀዲ’ እዩ።


በጊዕሲ ምስ ሓራዲኣ ትውዕል

ኤትራውያን እንታይ እዩ ወሪዱና ዘሎ፧ እቲ ንኤርትራውያን ስድራቤታት ዝሓርድን፡ ዘዘኽትምን፡ ንዓሰርታት ዓመታት ዝፈላሊን፡ ዝበታትንን እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት እንተ ዀይኑ፡ ከመይ ኢልና ድኣ ተመሊስና ኣብቲ መደባቱ ንሳተፍ፧ ኣብ ዳሱ ንስዕስዕ፧ በጊዕሲ ምስ ሓራዲኣ ትውዕል ዝብል ምስላ ንዓና ኤርትራውያን ዝገልጽ ይመስል። እዚ ግን ንቡር ምስልናን ክብርናን ኣይነበረን። ንፍትሒን ርትዕን ዝነበረና ክብሩ ናበይ ኣበለ፧ መሰል ሰብ ክግሃስ እንከሎ እንግትሮ ዝነበርና ናይ ተሓላቕነት ዋልታ መን ማረኾ፧ ትብዓትና ናበይ ተሰወረ፧


መደምደምታ

ኤርትራዊት ስድራቤት ብምፍራሳ፡ ኤርትራ ትፈርስን ትባድምን ኣላ። ናይዛ ኤርትራዊት ስድራ ምፍራስ ጠንቂ ከኣ እቲ ስርዓት (ኢሰያስ) ቀዳማይ ተሓታቲ እዩ። ነፍሲወከፍና ግና ሓላዊ ሓውና/ሓፍትና ብዘይምዃንና ተሓተቲ ኢና። ስርዓት ካብ ሃገር ፈላሊና ክንርኢ ኣዒንትና ንኽፈት። ብዓቢኡ ከኣ ነቲ ሓራዲና ዝኾነ ስርዓት ንርሓቆን ፎእ ንበሎን። ብምስምስ ሃገርን ስውኣትን ከታልለና ኣይነፍቅደሉ። ቀሚሽ ኣደይ ሓንኲሉኒ ብዝብል ምስምስ፡ ኣብ ሓራ ሃገር እንዳተቐመጥካ፡ ግዳይ ፍርሒ ኴንካ፡ ተጨቢጥካን ተኾርሚኻን ምንባር ፎእ ንበሎ። ፍርሒ ኣይናትና’ዩ! ከም በጊዕ ብዓመጽቲ ክንኩብኰብ ኣይመልክዓልናን’ዩ! ስለዚ። ስቓይና መወዳእታ ክንገብረሉ፡ ‘ንመሰልና ባዕልና!’ ኢልና ንለዓል!


ብድሆ ኣንጻር ኣተሓሳስባና!

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ)

ሰነ 2022


290 views0 comments
bottom of page