top of page
  • emdhrorg

ኤርትራን ሶርያን

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ናይ ሶርያዊ ህጻን ኣይላን ኩርዲ ምስ ምዕባይ ሓዉን ኣዲኡን ኣብ ባሕሪ ምጥሓል ኣብ ማዕከናት ዜና ምስ ረአኹ፡ ናይቲ ኣብ 2013 ኣብ ላምፐዱሳ ዘጋጠመ ናይ ልዕሊ 360 ኤርትራውያን ሞት ብፍላይ ድማ ናይታ ክትመዉት ከላ ዝሓረሰት ኣደን ጸሓይ ዘይረኣየ ዕሸል ውላዳን ተዘኪሩኒ። ናይ ብሓቂ ልብኻ ዝስብር ስእሊ። ንብዓትካ ክትቆጻጸርውን የሸግረካ። እዚ ኩሉ ሓሳረ መከራሲ ኣብ ምንቲ ምንታይ ዝብል ሕቶ ቅጅል ይብለካ። እንታይ ዝገበሩ ህጻናት እዮም።


ሶርያውያንን ኤርትራውያን ከም ህዝቢ ገለ ዘመሳስልዶ ይህልወና ይኸውን ክብል ድማ ርእሰይ ሓቲተያ። እንተወሓደ ሓደ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘመሳስለና ነገር ኣሎ፡ ንሱ ከኣ ኣብ ኤውሮፓ ዑቕባ ብምሕታት ላዕለዋይ ደረጃ ሒዝና ምህላውና እዩ። ካብኡ ሓሊፍናከ እንታይ ዘመሳስል ነገር ኮን ይህልወና ይኸውን? ብዝርዝር ብዛዕባ እዚ ሓሳብ ብዙሕ ክዛረብ ኣይክእልን ምኽንያቱ ኣፍልጦይ ብዛዕባ ህዝቢ ሶርያ ኣዝዩ ድሩት ስለዝኾነ። እንተኾነ ገለ ሓሳባት ወስ ከብል።


እዞም ክልተ ሕዝብታት ዘመሳስሎም ኣገዳሲ ነገራት ኣሎ። ኣብ ሶርያ ሓደ መዕለቢ ዘይተረኽቦ ኩናት ሕድሕድ ክህሉ ከሎ ኣብ ኤርትራ ድማ መወዳእታ ዘይተረኽቦ ጭቆናን ባርነትን እዩ። ናይ ሶርያ ብሰንኪ ኣሳድ ክኸውን ከሎ፡ ናይ ኤርትራ ድማ ብሰንኪ ኢሰያስ እዩ። እዚ እዩ ድማ ሕዝብታት ናይዞም ክልተ ሃገራት ዝፈትዉዎ ዓዶም ገዲፎም ክስደዱን፡ ግዳያት ናይ መሰጋግርቲ ደቂሰባትን፡ ህልቂት ኣብ ባሕሪ ሜዲተራንያን ንቡር ዕጫኦም ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ።


ካብኡ ሓሊፍና ኣዕሚቍና ምስ ንጥምት ከኣ ካልእ ዘመሳስሎም ነገር ክህሉ ኣለዎ በሃላይ እየ። ምልካዊ ስርዓት ብኸምኡ ብሓደ ለይቲ ዝመጽእ ኣይኮነ። ቀስ ኢሉ ዝምዕብል ኩነት እዩ። ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ፕሮጀክት እዩ ክበሃል ይኽእል። ባህልን ፖለቲካዊ ንቅሓትን ናይቲ ሕዝቢ ድማ ዓቢ ተራ ይጻወት። ስለዚ ህዝብታት ኤርትራን ሶርያን ተዛማዲ ፖለቲካዊን ንቅሓትን፡ ምናልባት'ውን ባህሊ ክህልዎም ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ።


ብዛዕባ ኤርትራ ክንዛረብ ከሎና፡ ብዙሕ ግዜ ኢሰያስ ከምዚ ጌሩ ከምቲ ደጊሙ ኢና ንብል። ግና ናብ ነብስና ክንጥምት'ውን ኣገዳሲ እዩ። ኢሰያስ ከምኡ ክከውን ዝኸኣለ እቲ ሕዝቢ ብሓፈሻ፡ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ድማ ብፍላይ ሓላፍነቶም ስለዝዘንግዑ እዩ። ገለ ጉድለታት ንምጥቃስ፡ ዓቐኑ ዝሓለፎ እምነት ኣብ መራሕቲኻ፡ ፍርሂ፡ እንታይ ገደሰኒ፡ ቅዱም ኣይትኩን፡ ዝብሉ ኣተሓሳስባታትን ነዚኦም ዝመስሉን እዮም። ሕጂ'ውን ነዞም ጉድለታት ከም ሕዝቢ እንተዘይኣሪምናዮም ብድሕሪ ኢሰያስ ካልእ ምልካዊ ስርዓት ክመጽእ ዘሎ ተኽእሎ ዓቢ እዩ።


ስንኩላን ክርሸኑ ከለዉ እንታይ ጌርና? ኣመንቲ ጀሆቫ ክሳደዱ ከለዉ፡ ኣመንቲ ምስልምና፡ ጋዜጠኛታት፡ ፐንተኮስታል ክእሰሩ ከለዉ? ጋዜጣታት ክዕጸዋ ከለዋ? ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ክእሰሩ ከለዉኸ? እታ እንኮ ዩኒቨርሲቲ ክትዕጾ ከላ፡ ተመሃሮ 12 ክፍሊ ሳዋ ኢኹም ትመሃሩ ክበሃሉ ከለዉ፡ ወለዲ ደቅኹም ሃዲሞም ተባሂሎም 50 ሽሕ ክኸፍሉ ክግደዱ ከለዉ፡ እቲ ዝርዝር ዝውዳእ ኣይኮነን።

እቲ ቅዉም ነገር እንታይ እዩ እንተኢልና፡ ጽቡቕ ስርዓተ ምሕደራ ክህሉ ዝኽእል ሕዝቢ ንመንግስቲ ክፍርሆ ምስ ዝኽእል ጥራሕ እዩ። በንጻሩ እንተዀይኑ ግና እዚ ንርእዮ ዘሎና እዩ ትርፉ። መንግስቲ ንሕዝቢ ከገልግልን፡ ክከላኸልን እዩ ስልጣን ዝሕዝ። ሕዝቢ ድማ ብምንም ተኣምር ንዝኾነ መንግስቲ ክኣምኖ ኣይግባእን፡ ኩሉ ግዜ ክቆጻጸሮን ዓገብ ትጋገ ኣሎኻ ክብሎ ክደፍርን ክኽእል ኣለዎ።

ኣብ መወዳእታ ዜጋታት ናይዚ ክልተ ህዝቢታት ንኹሉ ዓይነት ምልኪን ጭቆና ወጊድ ብምባል ብሕግን ስርዓትን ዘመሓድር መንግስቲ ክተኽሉ እንተኽኢሎም ጥራሕ እዮም ክብረቶም ክምለስ ዝኽእልን፡ ኣብ ዓዶምን ዓውዶምን ብሰላምን እፎይ ኢሎም ንቡር ናብራ ክነብሩ ዝኽእሉ። እዚ ድማ ኣብ ኢዶም እዩ። የግዳስ ኣብ ኢዶም ምህላዉ ክግንዘቡ ነቲ ለውጢ ከምጽኡ ድማ ከይተሓለሉ ክሰርሑ ኣለዎም።


በዚ ኣጋጣሚ ነዞም ሓሳረ መከራ ዝጸግቡ ዘለዉ ክልተ ሕዝብታት ሶርያን ኤርትራ ሰላምን ራህዋን ቅሳነትን እምነየሎም።

ኢያሱ ዓንደማርያም

ደቡብ ኣፍሪቃ

2 views0 comments
bottom of page