top of page
  • emdhrorg

ዝኽሪ 18 መስከረም

እዛ ጽሕፍቲ ኣብ 2019 ብዛዕባ ዝኽሪ መስከረም 18 ዝተጻሕፈት ዀይና፡ ሕጂ'ውን ነቲ ዝኽሪ ንምሕዳስ ከምብሓዲሽ ንጥቕዓ ኣሎና።



18 መስከረም: ኣብ 18 ዓመታ

ካብተን ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ብፍሉይ ክዝከራ ዝግብአን ዕለታት መስከረም 18 ሓንቲ እያ። ኣብ 2001 ቅድሚ 18 ዓመታት፡ መሰላት ዜጋታታ እተኽብር ብሕግን ስርዓትን እትግዛእ ኤርትራ ንምርኣይ ባህግን ተስፋን ኤርትራውያን ብዘየወላውል መንገዲ ዝቐሃመሉን ዝተደርቀመሉን ጸላም ሰሉስ እያ። እዚ ድማ ኣብ ሞንጎ ገለ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባርን ኣቶ ኢሰያስን ዳርጋ ንዓመት መመላእታ ክኸይድ ዝጸንሐ ዘይምርድዳእን ምፍሕፋሕን ብማእሰርቲ እቶም ሓለፍቲ ዝተደምደመሉ ዕለት እዩ ነይሩ። እዛ ዕለት እዚኣ ነቲ ብድሕሪኡ ኣብ ኤርትራ ዝተኸስተ ጸሊም ታሪኽ ዝፈለመት ብምዃና ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ፍሉይ ኣገዳስነት ኣለዋ። 18 ዓመታት ኣብ ታሪኽ ናይ ሓደ ሰብ ኣዝዩ ነዊሕ እዩ። ቆልዓ ተወሊዱ ዓቕሚ ኣዳም/ሄዋን ዝበጽሓሉ እዩ። ኤርትራ ኣብዚ ናይ ጸልማት ዘበን ብወግዒ ካብ ትኣቱ 18 ዓመታት ኣቑጺራ ኣላ። እንድዒ ብኸመይ ክትገልጾ ከምዝከኣል’ውን ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ከም ኤርትራውያን ብኸመይ ክንዝክሮ ክንግምግሞ ንኽእል፧ ኣብ ኣዘራርባ እንግሊዛውያን retrospective ዝበሃል ነገር ኣሎ። ነቲ ዝሓለፍካዮ ተሞክሮ ንድሕሪት ተመሊስካ ካብኡ እንታይ ዓይነት ኣወንታዊን ኣሉታውን ተሞክሮታት ቀሲምካ፡ ንዝመጽእከ ብኸመይ ክትጥቀመሉ ትኽእል ገምጋም ትገብረሉ ኣጋጣሚ እዩ። ንሕና ከኣ ከም ሃገር፡ ከም ህዝቢ እዚ ዝሓለፈ 18 ዓመታት ብግቡእ ህድእ ኢልና ክንግምግሞ ኣግዳሲ እዩ እብል። ንሎሚ ኣብዚ ክዝክሮ ደልየ ዘለኹ ሓደ ክልተ ካብቶም ናይዛ ዕለትን ኣብ ዝሰዓቡ ዓመታትን ግዳያት ናይ ዝኾኑ ኣብ መስመር ህይወተይ ዝተሓላለፍና ሓደ ክልተ ሰባት እዩ። ዶር ክፍሉ ገብረመስቀል


ዶር ክፍሉ ገብረመስቀል ኣብ 1991/92 ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ እየ ዝፈልጦ። ኣብ ዓውደ ትምህርቲ ቁጽሪ መምህረይ እዩ ነይሩ። ሽዑ ናይቲ ዲፓርትመንት ርእሰ-መምህር (Head of Department) ምንባሩ እዝክር። መብዛሕትኡ ናይ 2ይን 3ይን ዓመት ናይ ካልኩላስ (Calculas subjects) ንሱ እዩ ምሂሩና። ኣብ መጀመርያ ናጽነት እቶም ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን መምሃራን ናብ ኢትዮጵያ ብምምላሶም ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ናይ መምሃራን ሕጽረት ነይሩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኣብ ሓደ ዓውደ ትምህርቲ (Department) ካብ 4-5 ዝበዝሑ መማህራን ኣይነበሩን፡ ስለዚ እቶም መምሃራን ብዙሕ ተደጋጋሚ ኮርስ (Courses) ክምህሩና ናይ ግድን እዩ ነይሩ። እዚ ሕጽረት ናይ መማህራን ክፍታሕ ግዜን ጻዕርን ዝሓትት ምዃኑ’ውን ንኹሉ ርዱእ ብምንባሩ ኩሉ ሰብ ዓቕሊ ገይሩ ይኸይድ ነይሩ። ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ እንኮ ዩኒቨርሲቲ ኤርትራ ብምንባራ ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ ሰብ ወሳኒ ተራ ከምትጻወት ኣሽንባይ ዶ ንኣብ ሓላፍነት ዘሎ ንማንም ተራ ሰብውን ብሩህ እዩ። ሕጂ ንድሕሪት ተመሊስካ ክትርእዮ ከሎኻ ግና፡ ኢሰያስን መጋበርያ መሓውሩን ካብ ሽዑ ጀሚሮም ኣዒንቶም ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ኣቶኩሮም ብኸመይ ይቕጻጸርዋ ክትልሙ እዮም ጀሚሮም። ገለ ካብቲ ዝገበርዎ ነገራት ሓደ ክልተ ንምጥቃስ፡ ነታ ዝነበረት ማሕበር መምሃራን ዩኒቨርሲቲ ከፍርስዋ ወይ ከዳኽምዋ ዝገብርዎ ዝነበሩ ጻዕሪ፡ እቲ ዝነበረ ሕጽረት መምሃራን ኣብ ግምት ከየእተዉ ኣብ 1993 ብቕዓት የብሎምን ብዝብል ናይ ሓሶት ጠቐነ ንኸባቢ 30-40 ዝኾኑ መማህራን ምስጓጎም እዩ። ዶር ክፍሉውን ሓደ ካብቶም ዝተሰጐጉ መማህራን እዩ ነይሩ። ብቕዓት ናይ ዶር ክፍሉን ናይቶም ካልኦት ዝተሰጐጉ መምሃራን ኩሎም ተማሃሮኦም ዝነበሩ ክምስክርዎ ዝኽእሉ ሓቂ እዩ። ዶር ክፍሉ ካብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ድሕሪ ምውጻኡ ምሉእ ግዚኡ ኣብ ቤትክርስትያን ምሉእ ወንጌል ከም ፓስተር ኮይኑ ከገልግል ጀሚሩ። ናይ ጰንጠቆስታል ቤተክርስትያናት ብስርዓት ኢሰያስ ግዳያት ኮይነን ክዕጸዋ ምስ ጀመራ፡ ካብቶም ቀዳሞት ዝተኣስሩ ዶር ክፍሉ እዩ ነይሩ። ክሳብ ሕጂ ድማ ኣብ ማሕዩር ይርከብ። በዓልቲ ቤቱን ደቁን ናይ ቀረባ ኣዝማዱን ዝሓልፍዎ ዘለዉ ክትሓስቦ ከቢድ ዝኾነ መሪርን ናይ ጭንቐት ሕይወትን ኣብ ምንቲ ምንታይ ክበሃል ይከኣል፧ ዶር ክፍሉን ብጾቱ ኣመንቲ ጰንጠቆስታል ክርስትና ንሃገር ብኸመይ ናይ ጸጥታ ስግኣት ይኾኑ፧ ንኽንድዚ ዓመታት ብዘይ ፍርዲ ኣብ ማሕዩር ክበልዩ ከለዉ ኣረመንነት ኢሰያስ ብንጹር ዘጉልሕ እዩ። ኣማኑኤል ኣስራት


ኣማኑኤል ኣስራት ኣብ ቤትምህርቲ ሳንታ ኣና ኣብ 9ይ ክፍሊ ወዲ ክፍለይ ከሎ እየ ዝዝክሮ። ካብ ክፍልና 1ይ ብልጫ ምውሳዱው እዝክር። እቲ ቀንዲ ዝዝክሮ ግና፡ ኩሉ ግዜ ኣብቲ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ዘቕርቦ ዝነበረ ብማክሮፎን ናይቲ ቤትምህርቲ ዝቓላሕ ግጥሚታቱ እዩ። ድሕሪ ናጽነት ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቱ ዛዚሙ፡ በቲ ኣብ ስነጽሑፍ ዝነበሮ ሞያዊ ዝንባለን ኣበርክቶን ከኣ ካብ ኣዳለውቲ ጋዜጣ ዘመን ክኸውን በቒዑ። ኣብ 2001 ምስቶም ጋዜጠኛታት ተኣሲሩ ክሳብ ሕጂ ኣብ ማሕዩር ዝበሊ ዘሎ ንጹህ ኤርትራዊ እዩ። ኣብ ስነጽሑፍ ሃገርና ብዝያዳ ከበርክቶ ዝኽእል ዝነበረ ሃገርና ዝኸሰረቶ ዓቢ ዕድል ንጎድኒ ገዲፍካ፡ ብውልቁ ይኹን ስድራቤቱ ዝሓልፍዎ ዘለዉ ጸሊም መዋእል ምስ ምንታይ ይቑጸር፧ አረ እንታይ ኢልካኸ ክዝንቶ እዩ፧ ሕይወት ናይ ኤርትራውያን ስድራቤታት ብኸምኡ ክርመስ ዕጋበት ዝህቦ ኢሰያስ ኣራዊታዊ ባህርያቱ ዘጉልሕ ኣብነት እዩ። መድሃኔ ሃይለ


ካልእ ካብቶም ኣብ ማሕዩር ኢሰያስ ዝበልዩ ዘለዉ ኣብ ናይ ሕይወት መስመርና ዝተጋጠምና መድሃኔ ሃይለ እዩ። ንሱውን ኣብ ቤትምህርቲ ሳንታ ኣና ብሓደ ኢና ተማሂርና። ቀንዲ ዝዝክሮ ግና ኣብ 1989-90 ንኤርትራ ወኪሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝግበር ዝነበረ ናይ ፒንግ-ፖንግ (table tennis) ውድድር ክሳተፍ ዝኸደሉ እዩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ - 4 ኪሎ - ናይ ቀዳማይ ዓመት ተመሃራይ ከለኹ ንበዓል መድሃኔ ክንርእዮም ናብቲ ዝወዳደሩሉ ዝነበሩ ኣዳራሽ ኬድና ክንርእዮም ከለና ይዝከረኒ። ድሕሪ ናጽነት ናይ ሕጊ ትምህርቱ ዛዚሙ ካብቶም ናይ ጋዜጣ ቀስተ ደመና ኣዳለውቲ ብምንባሩ ከኣ ምስቶም ኣብ መስከረም 2001 ተኣርዮም ዝተኣስሩን ድሃይ ዘይብሎምን ጋዜጠኛታት እዩ። እቲ ጉድኣት እዞም ሓደ ክልተ ዝጠቐስክዎም ንጹሓት ኤርትራውያን ናይቶም ኣሽሓት ኣብ ጎዳጉዲን ኮንተይነራትን፡ ዝሳቐዩን ኣካሎም ዝስንከሉን፡ ዝቕዘፉን ዘለዉ ኤርትራውያን ገጽ እዮም። ክንደይ ስድርኦም ጥራሕ ዝፈልጥዎም ኣብ ማሕዩር ዝሓቐቑን ዝሓቑ ዘለዉን ኤርትራውያን ኣለዉ፧ ኢሰያስ ዋላ ሎሚ ካብ ስልጣኑ እንተኸደ፡ እቲ ጉድኣት ግና ድሮ ወሪዱ እዩ። ብኣሃዝ ክንድዚ ኢልካ ክትምኖውን ዝከኣል ኣይኮነን። ነታ ውልዶ ኤርትራ ሕቖኣ ሰይሩ ረሚስዋ እዩ። ኣብ ማሕበራዊ፡ ቑጠባዊ፡ ትሕተ ቕርጺ፡ ትምህርቲ፡ ስነኣእምሮዊ ኮታስ ኩሉ መዳይ ናይታ ሃገርን ሕብረተሰብን ዓንዩ፡ እታ ሃገር ከም ሃገር ክትህልው ድያ ዝብል ሕቶ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ስግኣት ኮይኑ ኣሎ። መን እዩ ተሓታቲ፧

እቲ ቀዳማይ ተሓታቲ ኢሰያስ እዩ። ካብኡ ብምቕጻል ከኣ እቶም መጋበርያኡ ኮይኖም ነቲ ዕንወት ዝፍጽሙ ዘለዉ መሳርሕቱ/ተለኣኣኽቱ ተሓተትቲ እዮም። እቶም “ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና” ዝብሉ ነቲ ዕንወት እንዳረኣዩ ንኸይርእዩ ኣዒንቶም ዝዓመቱን ኣእዛኖም ዝለኰቱን ድማ ብፍሉይ ተሓተትቲ እዮም። ኣብ መወዳእታ ከኣ ኩላትና ከም ህዝቢ ተሓተትቲ ኢና። እቶም ስቕታ ዝመረጽና፡ ዓገብ ብዘይምባልና ተሓተትቲ ይገብረና። ንኣብነት ሓደ ሰብ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ክቃጸል እንዳረኣናዮ፡ ስራሕ ናይ መጥፋእቲ ሓዊ እዩ፡ ኣነ እንታይ ገደሰኒ ብምባል ንምድሓኑ ዓቕምና ዘፍቕዶ፡ ማይ ዲና ከነቐብል፡ ኮበርታ፡ ሓመድ ወይውን ጃኬትና ኣውጺእና ነቲ ሓዊ ከነጥፍእ ወስ እንተዘይኢልና ተሓተትቲ ኢና። እቶም ደለይቲ ፍትሒ ንበሃልውን ተሓተትቲ ኢና። ነቲ ዝቓጸል ዘሎ ሰብ ንምድሓኑ ንቓለስ ኣሎና ንብል። የግዳስ እቲ ንምጥፋእ እንጥቐመሉ ማይ ካብ ሩባ ዶ ይምጻእ ካብ ፊስቶ፡ ጽሩይዶ ይኹን ዋላስ ረሳሕ ኣብ ዝብል ጓል መንገዲ ክንካታዕ እቲ ነቲ ሰብ ንምድሓን ክንጥቀመሉ ዝግብኣና ብሉጽ ግዜና ነጥፍእ። እቶም ገሌና ማይ ሓሬት እንተዀይኑ ነቲ ሓዊ ኣብ ምጥፋእ ክሕግዝ ስለዝኽእል ካብ ሩባ ይምጻእ ክንብል ከለና፡ እቶም ገሌና ከኣ፡ ማይ ሓሬት ጽቡቕ ኣይኮነ፡ ነቲ ናይ ሓዊ ቁስሊ መሊሱ ከየርክሶ ጽሩይ ናይ ቡንባ ማይ ንጠቐም ኣብ ዝብል ንምድሓን ናይቲ ዝቓጸለ ዘሎ ሰብ ዋላሓንቲ ዘይዓብስ ክትዕ ሸንኮለል ክንብል ዋላ ሓንቲ ስራሕ ከይገበርና እቲ ሰብ ነዲዱ ኣብ ሞት ክበጽሕ ንገድፎ ኣሎና። ማዕበል ይኣክል እዚ ኣብዚ ዓመት ዝተጎሃሃረ ማዕበል ይኣክል ሓዲስ ተስፋ ኣስኒቑና ይርከብ። ኤርትራውያን ድሕሪ 18 ዓመት ናብ ልብና ዝተመለስና ንመስል። እቲ ናይ ሃገር ዕንወት፡ ናይ ስድራቤት ዕንወት፡ ናይ ኣቦታት፡ ኣዴታት፡ መንእሰያት፡ ዕሸላት ዕንወት ይኣክል! ዝብል ማዕበል ተላዒሉ ኣሎ። ነዚ ማዕበል ኣብ ምዕዋቱ ናተይ ናትካ ናትኪ ተራኸ እንታይ እዩ ክኸውን፧ ሎሚኸ ከም ዓሚ እንታይ ገደሰኒ ዲና ክንብል ዋላስ ኣብ ሽንኮለል፡ ናተይ ናትካ፡ ክንበሃሃል ብሉጽ ግዜና ከነባኽን፧ ነዚ ብሉጽ ዕድል እዚ ከይነጥፍኦ ሓደራ። ኩላትና በብዓቕምና ጸጸር ንደርቢ፡ ኩላትና በብዓቕምና ታኒካ ማይ ነቐብል፡ እዚ እንተጌርና ነዛ ትቓጸል ዘላ ሃገር ከንድሕና ንክእል ኢና። ኣማንድላ…. ኣዌቱ… (Amandla… Awethu / Power to the people) ኢያሱ ዓንደማርያም 18 መስከረም 2019 ደቡብ ኣፍሪቃ

44 views0 comments
bottom of page