top of page
  • emdhrorg

ጽልዋ ኩናት ትግራይ ኣብ ኤርትራ

መእተዊ

ዓመቱ ዘሕለፈ ኩናት ትግራይ ካብ ዝውላዕ፡ ኩነታት ኢትዮጵያን፡ ትግራይን፡ ኤርትራን ብፍላይ፡ ኩነታት እቲ ዞባ ድማ ብሓፈሻ ኣብ ኣዝዩ ተኣፋፊ ደረጃ በጺሑ ይርከብ። ቅድሚ ምውዳቕ ደርጊ ዝተኣወጀ ‘ሁሉም ነገር ወደ ጦር ግንባር’ ዝብል ኣዋጅ ብዝመሳሰል ኩሉ ጠመተ ኢትዮጵያ ናብ ዓውደ ውግእ ኮይኑ ይርከብ። ሓይልታት ትግራይ ብሓይሊ ብረት ንኣብይ ኣሕመድ ካብ ስልጣኑ ክኣልይዎ እንተኽኢሎም፡ ኢትዮጵያ ከም ሃገርን ህዝብን ቀጻልነት ይህልዋ ዶ ወይስ ናይ ምብትታን ዕድል የጋጥማ ይኸውን፧ ከምቲ ኣብ ደርፍታቶም ዘስምዕዎ ዘለዉ፡ ሓይልታት ትግራይ ናብ ኤርትራ ገጾም ኣቕኒዖም ንኢሰያስ ካብ ስልጣን ንምእላይን ሕነ ንምፍዳይን ናብ ኤርትራ ክሰግሩ ይፍትኑ ዶ ይኾኑ፧ ከምኡ እንተጌሮም እንታይ ዓይነት ደማዊ ኩናት ክስዕብ ይኽእል ይኸውን፧ ህዝቢ ኤርትራኸ ምስ ኢሰያስ ወጊኑዶ ሉኣላውነት ሃገሩ ይከላኸል ይኸውን፡ ዋላስ ሰራዊት ትግራይ ንኢሰያስ ካብ ስልጣን ይእለይዎ ኣይእለይዎ ኣይግድሰንን ይብል ይኸውን፧ እዚ ሓዲሽ መድረኽ፡ ብዙሕ እንተታትን፡ ክምለሱ ዝግብኦም ሕቶታትን ኣብ ኣምሮኻ የምጽኣልካ። ከም ኤርትራውያን፡ እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሓዲሽ መድረኽ፡ ብግቡእ ተረዲእና፡ ህዝብን ሉኣላውነትን ኤርትራ ንምድሓን እንታይ ኣበርክቶ ክንገብር ንኽእል ዝብል ሕቶ ክንምልስ ኣገዳሲ ይኸውን።


ንኤርትራ ዘይምልከታ ኩናት

እዚ ኩናት ትግራይ ኣሽንኳይዶ ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትና ክሳተፍዎን ንኸንቱ ክሞቱን፡ ዝኾነ ጓና’ውን ክሳተፎ ኣይትብህግን። ኢሰያስ ብውልቃዊ ድልየቱ ንኤርትራ ኣብ ዘይምልከታን ዘየርብሓን ኩናት ብምእታው፡ ኣብ ንወለዶታት ክቅጽል ተኽእሎ ዘለዎ ናይ ደምን ሕነ ምፍድዳይን ዓዘቕቲ ሸሚሙዋ። ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘውረድዎ ራስያ ንብረትን ካልእ ኣደራዕን፡ ሰራዊትን ህዝብን ትግራይ ዕድልን፡ ሓይልን እንተረኺቡ ኣብ መጻኢ ተመሳሳሊ ኣደራዕ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከውርድ ምኽንያት ዝህብ እዩ። ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ) ነዚ ኩናት ትግራይ ካብ መጀመርያ ኮኒንዎን ሰራዊት ኤርትራ ከይሳተፉ ጻውዒት ገይሩን እዩ።


ንትግራዎት ዘሕበረ ኩናት

ኣብ ሕዳር 2020 ዝተባርዐ ኩናት ትግራይ ብኹሉ መለክዒታት ንህዝቢ ትግራይ ግዳይ ዝገብር እዩ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነ። እቲ ኩናት ከምቲ ኣቢይ ኣሕመድ ዝበሎ ካብ ሚእቲ ዘይበዝሑ መራሕቲ ሕወሓት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ዝብል ኣጀንዳ ከተግብር ዘይኮነስ፡ ንህዝቢ ትግራይ ንምንብርካኽ ዓላማ ዝነበሮ ይመስል። እዚ ድማ በቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝወረደ እዚ ዘይበሃል ናይ ንብረት ምርሳይ፡ ምዕናው፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝወረደ ናይ ጾታዊ ዓመጽን፡ ምቕታልን በደል ክትግምቶ ኣይትጽገምን። ከምቲ ኣቢይን መሻርኽቱን ዝሓሰብዎ ዘይኮነስ፡ በንጻሩ እኳ ድኣ ትግራዎት ዋላ ንሕወሓት ዘይድግፍዎን ዘይቅበልዎን ዝነበሩ ኣብ ጎድኒ ሕውሓት ደው ክብሉን፡ ድሕሪ እዚ እንታይ ክመጸና ብዝብል ክብረቶም ክመልሱ ንህላውነቶም ክኸቱን ዓቢ ምኽንያት ኮይንዎም። ስለዚ እቲ ውግእ ናይ ምንባርን ዘይምንባርን ሕቶ ስለዝኾነ፡ እንተወሓደ ብዓይኒ ትግራዎት፡ ናብ ፍትሓዊ ቃልሲ ተቐይሩ። ዝኾነ ፍትሓዊ ቃልሲ፡ ይንዋሕ ይሕጸር ክዕወት ዘለዎ ዕድል ዓቢ እዩ። መንእሰያት ትግራይ ናብ መሳርዕ ሓይልታት ትግራይ ብብዝሒ ክጽንበሩ ድርኺት ገይሩ። እዚ ምስቲ ብግዜ ደርጊ ኣብ ዕዳጋ ከሎ ብነፈርቲ ዝተደብደበ ሰላማዊ ህዝቢ ሓውዜን፡ ህዝቢ ትግራይ ብዝያዳ ንቃልሲ ህወሓት ክድግፉ ድርኺት ዝገበረ ይመስል። እዚ ኩናት ንትግራዎት ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ኣሕቢርዎም ክበሃል ይከኣል።


ንኤርትራውያን መሊሱ ዝፈላለየ ኩናት

ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ብሰንኪ እዚ ኩናት ትግራይ ኣብ ክልተ ተገሚዖም ነንሕድሕዶም ‘ህግደፍ’፡ ‘ወያነ’ ክበሃሃሉ ይውዕሉ ኣለዉ። ክልቲኡ ጫፋት ናብ ኣኽራርነት (Radicalism) ዝዛዘየ ኰይኑ ትረኽቦ።


ብሰንኪ እዚ ኩናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝወረደን ዝወርድ ዘሎን ኣደራዕ፡ ዝኾነ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ክኩንኖ ዝግብኦ እዩ። ንህዝቢ ትግራይ ከርዲንካ ዝኾነ ናይ ምግብን፡ ሕክምናን ረዲኤት ሓገዝ ከይረክብን፡ ብሓለንጊ ጥምየት ክትቀጽዖን ከተንበርክኾን ምፍታን ገበን እዩ። ደቀንስትዮ ክዕመጻ፡ ሰላማዊ ሰብ ብጭካነ ክቕተል፡ ንብረቱ ክዓኑን ክዝመትን፡ ኩሉ ደላዩ ፍትሒ ዓገብ ክብል ሞራላዊ ሓላፍነት ኣለዎ። ተጌሩ ዝበሃል ገበን ድማ ብነጻን ዘይሻራዊ ኣካል ተጻርዩ ገበነኛታት ግቡእ ፍርዶም ክቅበሉ ምሕታት ናይ ኩሉ ደላዩ ሰላም ጻዊዕት ክኸውን ይግባእ።


ከምዝተዓዘብናዮን፡ ንዕዘቦ ከምዘሎናን፡ ገለ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ‘ትግራይ ትስዕር’ እንዳበሉ፡ ካብ ትግራዎት ንላዕሊ ብዛዕባ ጉዳይ ትግራይ ክምጉቱ፡ ክጽሕፉ፡ ክዛረቡ ዓቕሞንን ግዚኦምን ከጥፍኡ ዝውዕሉ ኣለዉ። ክሳብ ኣብ ልዕሊ ንጹሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ናይ ሕነ ምፍዳይ ስጉምቲ ሓሶት እዩ ኢሎም ዝነጽጉን፡ ብዛዕብኡ ንዝተዛረበ ከም ምስ ህግደፍ ዝደናገጽ ዝገብርን ሚዛኑ ዝሰሓተ ኣተሓሳስባ ዝሓዙ ይተሳእኑን። ካብኡ ሓሊፎም ንሰራዊት ኤርትራ ግዳያት ናይቲ ስርዓት ምዃኖም ዘንጊዖም ልክዕ ከም ኣገላልጻ መራኸቢ ብዙሃን ህወሓት “ኣራዊት” እዩ ዝብሉ እዮም።


በንጻሩ ካብኡ ዘይፍለ ሸነኽ ከኣ፡ ወያነ ክትጠፍእ ኣለዋ ዝብል መርገጺ ዝሓዙ፡ ዳርጋ ንኢሰያስ ምስ ኣብይ ተሻሪኹ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈጸሞን ዝፍጽሞን ዘሎ በደል ‘ሕራይ ገበሮም’ ብዘስምዕ ቃና ዝድግፉ ንርኢ ኣሎና። ኢሰያስ ኩሉ ዝገብሮ ውሳነታት ንረብሓ ኤርትራ ኣብ ግምት ዘእተወ ከምዘይኮነ እንዳፈለጥካ ክትሽፍን ምፍታን ይመስል።


ብዓይኒ ሕልና ዘለዎ ሰብ፡ እዚ ውግእ ኣሽንኳይዶ ንሕዋትካን ንጎረቤትካ ዝልክም ምዃኑ እንዳረኣኻስ ይትረፍ፡ ንዘይትፈልጦ ጓና ከማን ኣይትምነየሉን። እዚ ውግእ ናይ ዕብለላን ስልጣንን ውድድር ዘበገሶ ብምዃኑ፡ ካብ መጀመርያ ኣብ ውግእ ከይተበጽሐ ብፖለቲካዊ ዝርርብ መዓልቦ ክርከቦ ይግባእ ነይሩ። ብውግእ ዝመጽእ ፍታሕ ዋላ ሓደ ስለዘየለ፡ እንትርፎ ዕንወትን ክሳራን። ናይቲ ውግእ ግዳያት ድማ ብኩሉ ሸነኽ ዘለዉ መሳኺን ዕድመ ዘይጸገቡ ዕሸላት መንእሰያትን ስድርኦምን እዮም።


ከም ኤርትራውያን እዚ ውግእ ክንኩንኖ ጥራሕ እዩ ዝግባእ። ምኽንያቱ ጽልውኡ ንዓና ከም ሃገርን ህዝብን ከቢድ ስለዝኾነ። ካብኡ ብዝተረፈ ከኣ፡ ዋላ ኣይንድለዮ ካብ ኮነ፡ ካብዞም ተቐናቐንቲ ወገናት መኖም እዩ እቲ ንረብሓን ሉኣላውነት ኤርትራ ዝያዳ ሓደገኛ ኢልካ ክትመዝን ትኽእል። ኢሰያስ ቀዳማይ ሓደጋ ንኤርትራ ምዃኑ ኩላትና ንግንዘቦ ንኸውን። ካብ ኣቢይ፡ ኣምሓራ፡ ትግራዎት፡ መኖም እዩ ንኤርትራ ዝያዳ ኣስጋኢ ሓይሊ ኢልና ካብ ስምዒት ወጺእና ክንግምግም ይግባእ። ነዚ ሓደጋ እዚ ብኸመይ ንኣልዮ ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ኢና ክንምልስ ዘሎና እምበር እዚ ኩናት ትግራይ ምኽንያት መታኾቢ ክኾነና ኣይግባእን።


ትግራዎት ንኤርትራውነት ብኸመይ ይጥምትዎ

ኩናት ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ 1998 ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ገለ ላዕለዎት መራሕቲ ሕወሓት በብግዚኡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ መንነት ዘነጻጸረ ንህዝቢ ትግራይ ዘለዓዕል ዘረባታት ከስምዑ ጸኒሖም እዮም። ሓደ ካብኦም ናይ ክልል ትግራይ ኣማሓዳሪ ዝነበረ ኣቶ ገብሩ ኣስራት ኤርትራውያን ንትግራዎት ይንዕቁኻ እዮም ብምባል ኣብ ኤርትራውያን ጽልኢ ከሕድሩ ዝጉስጉስ ዝመስል መደረ ኣስሚዑ ነይሩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ድማ ብብዙሓት ላዕለዎት ካድራትን ወተሃደራውያን መራሕትን ሕወሓት ንሉኣላውነት ኤርትራን፡ ኤርትራዊ መንነትን ዝዘርግ ዘረባታት ከስምዑ ንዕዘብ ኣሎና። ሓደ ካብኦም ጀነራል ጻድቃን “ዓሰብ ብውግእ ክሕዝዋ” ዝብል መርገጺ ከምዝነበሮ ቃለመሕትት ሂቡ ነይሩ። ብካልኦት ካድራት’ውን ኤርትራዊ መንነት ሓቐኛ መንነት ከምይዘይኮነን ንህላውነትን ቀጻልነትን ትግራይ ከም ሓደጋ ጌሮም ክግምግምዎ ንዕዘብ ኣሎና። ኣፍደገ ባሕሪ ዘለዋ ሃገረ ትግራይ ክትምስረት ዕድል ክህልዋ እንተዀይኑ ኤርትራ ክትከፋፈልን ክትዳኸምን ኣለዋ ዝብል ፖሊሲ ዝስርሕሉ ዘለዉ ይመስሉ።


እዚ መደረታት እዚ ንህዝቢ ትግራይ ዝውክል ድዩ፧ ንህወሓትከ፧ መርገጺ ሕወሓት ኣብ ሉኣላውነት ኤርትራ ኣብዚ ሕጂ እዋን እንታይ ይመስል፧ ኤርትራን ኤርትራውነትን ንትግራይ ከም ሓደጋ ድዮም ዝርእይዎ፡ ዋላስ ትግራይ ምስ ኤርትራ ብሰላም ናይ ምንባር ተኽእሎ ከምዘለዋ ይኣምኑን፡ ንረብሓ ክልቲኡ ህዝብታት ምዃኑን ይቕበሉን እዮም፧ ካብ መጀመርያ ህወሓት ክምስረት ከሎ፡ ንናጽነት ትግራይ ዝቃለስ ውድብ ከምዝነበረ፡ ድሓር ግን እቲ ናይ መጀመርያ ዓላማ ተመሓይሹ (ንግዚኡ ተወንዚፉ) ትግራይ ከም ኣካል ኢትዮጵያ ኰይና ክትቅጽል ተገይሩ። ሕጂ ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ክትፍለ እንተወሲና፡ ንሉኣላውነት ኤርትራ ተቐቢላ ድያ ዋላስ ከምዚ ገለ ናይ ትግራይ ፖለቲከኛታትን ምሁራትን ክዛረብዎ ንሰምዖ ዘሎና፡ “እንተስ ብሓይሊ ወይስ ብፍቶት፡ ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራ ይምልከተና እዩ” ዝብል መርገጺ እዩ ዘለዎም፧


ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ መንነት ዘነጻጸረ ዝተጸንዐን ዝተወሃሃደን ጎስጓሳት ካብ ዝግበር ሓጺር ኣይኮነን። ኤርትራዊ መንነት ዝበሃል የለን፡ ትግራዋይ መንነት ድኣ እምበር። ኤርትራዊ መንነት ጥልያን ዝሰርሖ መሰረት ዘይብሉ መንነት እዩ። ንውሑዳት ዘይበሃሉ ኤርትራውያን እዚ ነዊሕ ዝተሰርሓሉ ጎስጓሳት ኣደናጊርዎም ይርከብ። ንምንታይ እዩ ኤርትራውነት ብዓይኒ ገለ ሓይልታት ትግራይ ከም ሓደጋ ዝርአ ዝብል ሕቶ ምስዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣተሓሒዝካ ክምለስ ዘለዎ ሕቶ እዩ።


እዚ ኩሉ ዘይተመለሰ ሕቶታት ኤርትራውያን ብዕምቆት ክሓስቡሉን ክመያየጡሉን ይግባእ። ካብኡ ሓሊፎምውን፡ ምስ ትግራዎት ከም ኣሕዋትን፡ ዝተዛመዱን ናይ ቀረባ ጎረባብትን፡ ብኸመይ ብሰላም ክነብሩ ከምዝኽእሉ እሂን ምሂን ክበሃሃሉ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ይርኣየካ።


ህወሓት እሙን መሻርኽቲ ክኸውን ይኽእል ዶ፧

መልሲ እዛ ሕቶ ብቐንዱ ኣብቲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኤርትራውነት ዘለዎ ኣረኣእያን መርገጺን እያ ትምርኰስ። ኤርትራ ንትግራይ ሓደጋ ዲያ ዋላ ዕድሎት (Risk vs Opportunity)፧ እዚ ክልተ ጎረባብቲ ህዝብታት ብሰላም ብምክባባርን ብሓባራዊ ምትሕግጋዝን ሓቢሩ ክምዕብል ከምዝኽእል እንተኣሚኑ ንኢሰያስ ንምእላይ’ውን መሻርኽቲ ክኾኑ ምኸኣሉ። ካብ ናይ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ናይ ህውሓት ኣብ ስልጣን ከሎ ዝነበሮ ፖሊሲን፡ ሕጂ’ውን ካብ ኣሰካፊ መደረ ካድራቶምን፡ መሻርኽቲ ኰይንካ ክትሰርሕ እምነት ዝብህ ኣይኮነን። ገለ ኤርትራውያን ድሕሪ ወራር ኢሰያስ ፖሊሲ ህወሓት ተቐይሩ እዩ ዝብሉ ኣለዉ። እቲ ጭብጢ ግን በንጻሩ እዩ። ዝያዳ እኳ ድኣ ኢሰያስ ዘይኮነ፡ ኤርትራውነት ከም ንትግራይ ሓደጋ ምዃኑ ክዝረብ ንሰምዕ ኣሎና።


ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ረብሓን ሉኣላውነት ክልቲኡ ህዝብታት መሰረት ዝገበረ ምስ ህወሓት ዘተ ንምግባር ከም ፍንፉንን ዘፍርህን ክውሰድ የብሉን። የግዳስ ንኹሉ ደላዩ ለውጢ ዝውክል ኤርትራዊ ሓይሊ ኣብ ዘይብሉን፡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ተፈናጪሎምሉ ኣብ ዘለዉ ህሞት ዝያዳ ከቢድ ይገብሮ። ብኸምኡ እዩ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ህወሓት ሓቢርና ንሰርሕ ኣሎና ንዝብሉ ደለይቲ ፍትሒ ብዓይኒ ጥርጣረ ክጥምቶም ንዕዘብ። እዚ ድማ እታ ሓንቲ ከም ሉል ዓይኑ ዝጥምታ ሉኣላውነቱ ከይትጠፍኦ ስለዝሰግእ ጥራሕ እዩ።


ሳዕቤን ምእታው ሓይልታት ትግራይ ናብ ኤርትራ

ገለ ኤርትራውያን ወሸለ ሓይልታት ትግራይ ናብ ኤርትራ ኣትዮም ንኢሰያስ ካብ ስልጣን ኣልዮምልና ይብሉ እዮም። እንግሊዛውያን ክምስሉ ከለዉ፡ Be careful of what you wish for. ቅድሚ ምምናይካ ኣስተውዒልካ ሕሰብ ይብሉ። እዞም ንሓይልታት ትግራይ ኣብ ኤርትራ መጺኦም ንኢሰያስ ክኣልዩዎ ዝብህጉ፡ ነቲ ዝምነይዎ ዘለዉ ክሳብ ሕጂ ለውጢ ንምምጻእ ተስፋ ዝህብ ኤርትራዊ ሓይሊ ይርእዩ ስለዘየለዉ ካብ ዓቕሊ ጽበት ድኣ’ምበር ብግቡእ ኣመዛዚኖም ዝሓሰቡሉ ኣይመስልን። ገለ ካብቲ ዝብልዎ ንምጥቃስ

  • ሰራዊት ትግራይ ንኢሰያስ ካብ ስልጣን እንተኣልዩዎ፡ ንረብሓ ኤርትራን ትግራይን ስለዝኾነ ክንቃወሞ የብልናን፡ እኳ ድኣ ክንድግፎ ጥራሕ እዩ ዘሎና፡

  • ኢሰያስ ናይ ሓባር ጸላኢ እዩ፡

  • ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣትዩ ብዙሕ ዕንወትን ኣደራዕን ኣውሪዱ እዩ፡ ስለዚ ንሕና ንሰራዊት ትግራይ ኣብ ኤርትራ ኣይትእተዉ ክንብሎም ሞራላዊ መሰል የብልናን፡

  • ተዛሪብና ኣይተዛሪብና ነምጽኦ ለውጢ የለን

ንምንታይ ምእታው ሓይልታት ትግራይ ጉድኣትን፡ ዕንወትን ድኣ’ምበር ንኽልቲኡ ህዝብታት ዋላሓንቲ ረብሓ ከምዘይብሉ ንርአ።


ብይቅረታ ድኣ’ምበር ብሕነ ምፍዳይ ነባሪ ሰላም ኣይመጽእን

ኢሰያስ ምስ ኣቢይ ተመሻጢሩ ብውልቁ ብዝወሰኖ መሰረት፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣትዩ (ዋላ ከማን ተጋኒኑ እንተበልና) ብዙሕ ናይ ንብረት ምርሳይን፡ ምዕናውን፡ ቅትለትን ካልእ ሰብኣዊ ምግሃስን ከምዝገበረ ዝሕብሩ ጸብጻባት ኣለዉ። እዚ በደል እዚ ስምብራቱ ንነዊሕ ዝኸይድ እዩ ብቐሊል ክፍወስ ዝኽእል ኣይኮንን። ኩሉ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ድማ ክኹንኖ ይግባእ። እቶም ገበን ዝገበሩ ድማ ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ ክንጽውዕ ኣሎና።


ትግራዎት ኣሕዋትና ድማ ልቦና ከዕብዩ ይግባእ። ዝኾነ በደል ብሕነ ምፍዳይ ኣይፍወስን እዩ። እንታይ ድኣ ብይቕረታን፡ ዕርቅን፡ ካሕሳን ጥራሕ እዩ ክሓዊ ዝኽእል። ሕነ ምፍዳይ፡ ናብ ካልእ ናይ ሕነ ምፍድዳይ ዓንኬል ጥራሕ እዩ ከእትወና። ለባማት ኣቦታትና’ውን ነዚ ተረዲኦም፡ ንደም ብጋር ነፍሲ እዮም ክድብስዎ ዝፍትኑ፡ ምኽንያቱ እቲ ደም እንተዘይደቂሱ ዋላ እቶም ስድራ መዋቲ ሰላም የብሎምን።


ናይ ደገ ሓይሊ ምርግጋእ ከምጽእ ኣጸጋሚ እዩ

ካብ ናይ ኣሜሪካ ኣብ ሶማልያ፡ ዒራቕ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ምትእትታው ከምዝተመሃርናዮ፡ ኣሽሓት ህይወት ከፊሎምን፡ ቢልዮናት ዶላራት ኣፍሲሶምን፡ ኣብዘን ዝተጠቕሳ ሃገራት ዋላ ነቶም ጨቆንቲ ስርዓታት ክኣልዩዎም እንተኸኣሉ፡ ሰላምን ምርግጋእን ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ክተኽሉ ግና ኣይከኣሉን። ዋላ ከማን ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ንኢሰያስ ካብ ስልጣኑ ክኣልይዎ እንተኸኣሉ፡ ብድሕሪኡ ኣብ ኤርትራ ምርግጋእ ከስፍኑ ግና ብፍጹም ኣይክእሉን እዮም። ምኽንያቱ ናይ ደገ ሓይሊ ኩሉ ግዜ ከም ወራሪ ስለጥመት፡ እቲ ህዝቢ እምነት ከሕድረሉ ኣይክእልን እዩ፡ ስለዚ ድማ ዝፈሸለት ሃገር እዩ ውጽኢቱ።


ውግእ ለካሚ እዩ

ኣብዚ ኩናት ትግራይ፡ ክንደይ ዋላ ሓንቲ ዝፈልጥዎ ዘይብሎም ኢትዮጵያውያን፡ ተጋሩን፡ ኤርትራውያንን ተቐዚፎም ኣለዉ። ህወሓት ብሓይሊ ኣዲስ ኣበባ ክሳብ ዝኣትዉ ክንደይ መንሰያት ተጋሩ እዮም ክስውኡ፡ ክስንክሉ። ብዝኾነ መለክዒ ውግእ መፍትሒ ሽግር ኣይኮነን። ከምቲ ባዕላቶም ዝብልዎ “ፋሽሽቲ ኣቢይ” ካብ ስልጣን ክኣልዩ፡ ብኣሽሓት ዝግመቱ ኢትዮጵያውያንን ትግራዎትን ሃሊቆም እንተዀይኖም፡ ናብ ኤርትራ መጺኦምከ ተወሳኺ ክንደይ ክቡር ህወይት ትግራዎት ክኸፍሉ ድልዋት እዮም፧


ኢሰያስ ብውግእ ክሳብ ዝእለ፡ ማእለያ ዘይብሉ ኤርትራዊ ክሃልቅ እዩ

ሓደ ካብቶም ሓይልታት ትግራይ ንኢሰያስ ወሸለ ኣልዮምልና ዝብሉ ኤርትራውያን ዘቕርብዎ መጎተ፡ ካብ ኢሰያስ ዝከፍእ ዋላ ሓደ የለን። ኢሰያስ ጥራሕ ይትኣለ እምበር፡ ብድሕሪኡ ዝመጽእ ሓቢርና ንርእዮ። ሕልሚ ፈሪሕካ ከይደቀስካ ኣይሕደርን እዩ። እዚ ምጉት ብግቡእ ዘይመለሶ ሕቶ እንተልዩ፡ ክሳብ ሓይልታት ትግራይ ንኢሰያስ ብውግእ ዝኣልይዎ፡ ሞት ክንደይ ኤርትራዊ ክንቅበል ድልዋት ኢና፧ ሃገርን ህዝብን ባዲሙ ኢሰያስ እንተተኣልየ የርብሓና ዶ፧ ዝኾነ ውሳነ ክትገብር ከሎኻ፡ እቲ ሓደጋ (Risk) ብግቡእ ክትግምግሞ ኣሎካ። ንግዲ ክትጅምር እንተዀይንካ፡ መኽሰብካ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ክሳራ ከጋጥመካ ከምዝኽእል ኣብ ግምት ከተእቱ ኣሎካ።

ናይዚ ንጹር ኣብነት ኣሎና። ሓይልታት ትግራይ ንኣብይ ኣሕመድ ካብ ስልጣኑ ክኣልዩ ኣብ ዝግበር ዘሎ ውግእ፡ ክንደይ ትግራዎት፡ ኢትዮጵያውያን ተቀዚፎም ኣለዉ። ምናልባት ብዓይኒ ትግራዎት ኣማራጺ የብልና፡ ዝኸፈልና ከፊልና ክንኣልዮ ኣሎና ይብሉ ይኾኑ። ከም ኤርትራውያን ኰይንና ክንሓስቦ ከሎና ግና፡ ሓይልታት ትግራይ ናብ ኤርትራ እንተኣትዮም፡ መጀመርያ ሰራዊት ኤርትራ እዮም ክሃልቁ፡ ዓድታት ኤርትራ እየን ክዓንዋ፡ ኣዴታትና ንጾታዊ ዓመጽ እየን ክጋለጻ፡ ሰላማውያን ኤርትራውያን ንናይ ሞት ሓደጋ ክቃልዑ። እዚ ንብል ዘሎና፡ እቲ ውግእ ኣብ መሬት ኤርትራ ስለዝኸውን ማለት’ዩ።


እቲ ውግእ ናብ ፍትሓዊ ውግእ ክቕየር እዩ

ኣብዚ ሕጂ እዋን ትግራዎት ነቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ቃልሲ ፍትሓዊ እዩ ይብሉ። እዚ ድማ ንናይ ምንባር መሰልና፡ ንክብረትና፡ ንዓርሰ-ውሳኔ ንቃለስ ኣለና ስለዝብሉ ዘለዉ እዩ። ንሱ ድማ ካብ ፍጹም ከበባ ወጺኦም ናብ ኣዲስ ኣበባ ክሳብ ንምሓዝ ዝቀራረቡሉ ደረጃ ክበጽሑ ዓቢ ኣበርክቶ ኣለዎ ንብል። ሓይልታት ትግራይ ናብ ኤርትራ እንተኣትዮም፡ ብዓይኒ ኤርትራውያን ሉኣላውነት ኤርትራ ንምክልኻል እቲ ውግእ ናብ ፍትሓዊ ቃልሲ ዝቕይር እዩ። ኩሉ ኤርትራዊ ድማ ክሳተፎ እዩ። ንሓደ ፍትሓዊ ኩናት ዝቃለስ ህዝቢ ክትስዕሮ ኣዝዩ ከቢድን ጽንኩርን ይኸውን።


ኢሰያስ እዩ ዝዕወት

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ውሑዳት ገዲፍካ ንኢሰያስ ዝድግፍ ዳርጋ የሎን። እቲ ዝበዝሐ ሱቕ ኢሉ ዘሎ’ውን ዝርእዮ ዝሓሸ ኣማራጺ ስለዘየሎ እዩ’በር ንኢሰያስ ኣይደልዮን እዩ። ሓይልታት ትግራይ ናብ ኤርትራ እንተኣትዮም ግና፡ ኣማራጺ ስለዘይብሉ ኤርትራዊ ንሉኣላውነቱን መሬቱን ክብል ምስ ኢሰያስ ክኸትት እዩ። እዚ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ኩነታት ንጹር ኣብነት ኣሎና። ቅድሚ እዚ ኩነታት ኩሎም ትግራዎት ንህወሓት ይድግፉ ነይሮም ክንብል ኣይንኽእልን። ሕጂ ግና ኩሎም ኣብ ጎድኒ ህወሓት ተሰሊፎም ይዋግኡ ኣለዉ። እዚ ኣብ ኤርትራ ክድገም እዩ። ስለዚ ድማ፡ ኤርትራዊ ክመውትን፡ ክስንክልን፡ ክዋረድን እዩ። በንጻሩ ኢሰያስ ነቲ ኣጥፊእዎ ዘሎ ህቡብነት ክመልስ እዩ። ስለዚ ንሱ ጥራሕ እዩ ተዓዊቱ ዝወጽእ።


ደማዊ ኩናት

ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ክሳብ ደሴን ኮምቦልቻን በጺሖም ኣለዉ፡ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ክቅጽሉ ተኽእሎ ዘለዎም ይመስል። ብኸምኡ ይኾኑ ገለ ኤርትራውያን ንሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ንኢሰያስ ክኣልይዎ ከም ቀሊል ጌሮም ዝግምትዎ ዘለዉ። በዚ ኣብ ላዕሊ ዝበልናዮ ምኽንያት ግና፡ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኤርትራ እንተኣትዮም፡ እቲ ውግእ ንክልቲኡ ወገን ኣዝዩ ደማዊን፡ ብቐሊሉ ዝውዳእን’ውን ኣይክኸውንን እዩ።


ተዛሪብና ነምጽኦ ፍታሕ የለን

ካብዞም ንምክልኻል ሓይልታት ትግራይ ናብ ኤርትራ ክኣትዉ ዝድግፉ ኤርትራውያን ዝብልዎ ነገር፡ “ንሓይልታት ምኽልኻል ትግራይ ናብ ኤርትራ ኣይትእተዉ ኢልና ነምጽኦ ለውጢ የለን ይብሉ። እንተደልዮም ክመጹ እዮም።” እዚ ሞገተ ጊጉይ እዩ። ምኽንያቱ ተዛሪብና ነምጽኦ ለውጢ የለን ዝብሃል እንተዀይኑ፡ ብዘረባ ንኢሰያስ ምቅዋም’ውን ትርጉም የብሉን እዮም ዝብሉ ዘለዉ። ዝኾነ ነገር ግና ቅድሚ ኣብ ባይታ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ብሓሳብ እዩ ዝግለጽ። ሓሳብ ድማ ብዘረባ እዩ ናብቲ ሰማዒኡን ናይ ለውጢ ሓይልን ዝሰርጽ።


ንኢሰያስ ካብ ስልጣን ንምእላይ ሓይልታት ምክልካል ትግራይ ንኤርትራ እንተሰጊሮም ንክልቲኡ ህዝብታት ኣብ ዝገደደ ደልሃመት ውግእን መከራን፡ ዕንወትን፡ ንወለዶታት ዝቕጽል ቂምን ሕነ ምፍድዳይን ዝወስድ ብምዃኑ ዓው ኢልና ክንቃወሞን፡ ሓደጋ ምዃኑ ክንዛረበሉን ይግባእ። እዚ ድማ ንትግራዎትን፡ ነቶም ንዕኡ ዝድግፉ ኤርትራውያንን ኣይትጋገዩ ክንብሎም ሓላፍነት ኣሎና።


ኢሰያስ ቀዳማይ ጸላኢ

ኢሰያስ ቀዳማይ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራን፡ ንሉኣላውነት ኤርትራ ቀዳማይ ሓደጋን ምዃኑ ንኣምን። ስለዝኾነ ድማ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ተገንዚቡ ንምእላዩ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ዓቕሙ ኣወሃሂዱ ክሰርሕ ይግባእ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ’ውን ነዚ ኣብ ዘይምልከቶም ኩናት ዝጠብሶም ውልቀ መላኺ ኣብ ስልጣን ከሎ ደቂሶም ክሓድሩ ማለት ዘበት ምዃኑ ተረዲኦም ግብረ መልሲ ክህቡ ይግባእ።


ኢሰያስ ብህዝባዊ ማዕበል ክእለ ዝሓሸ ኣማራጺ እዩ


ኤሪካ ቸኖወት ዝተባህለት ናይ ሃርቫርድ ዩኒቨርሲት ፖለቲካ ሳይንስ ተመራማሪት ብመሰረት ካብ 1900 – 2006 ዓም ካብ ምሉእ ዓለም ዝኣከበቶ መጽናዕቲ ከም ትብሎ፡ ካብ ብጎነጽ፡ ብሰላማዊ ህዝባዊ ምልዕዓል ጨቆንቲ ስርዓታት ናይ ምእላይ ተኽእሎ ብክልተ ዕጽፊ ይዛይድ። በንጻሩ ብጎነጽ ዝግበር ቃልሲ ካብ ሰላማዊ ህዝባዊ ምልዕዓል ብሰለስተ ዕጽፊ ናይ ምፍሻል ተኽእሎ ኣለዎ። ዝኾነ ዝህባዊ ምልዕዓል ክዕወት 3.5% ናይቲ ህዝቢ ጥራሕ ክሳተፎ ኣለዎ። ብዘይጎነጻዊ ህዝባዊ ምልዕዓል ዝመጸ ለውጢ ካብ ብጎነጽ ዝመጽእ ለውጢ፡ ብዝያዳ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ናይ ምትካል ዕድል ኣለዎ።[Erica Chenoweth]



ኣብ ኤርትራ ህዝባዊ ምልዕዓል ተስፋ ከምዘይብሉን ከምዘይሰርሕን ጌርካ ዝግበር መጎተ እምበኣር ኣብ ሳይንሳዊ ጭብጢ ዝተመርኰሰ ኣይኮነን። ኣብ 2017 ኣብ ኣኽርያ ብጅግና ኣቦይ ሓጂ ሙሳ ዝተለዓዓለ ኣብያ፡ ኣብ ኤርትራ ህዝባዊ ምልዕዓል ክግበር ከምዝከኣል ንጹር ናይ ቀረባ ኣብነት እዩ። ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ናብ ኤርትራ ኣትዮም ንኢሰያስ ክኣልዩልና ከይተጸበና ብኹሉ ዓቕምና ህዝባዊ ማዕበል ኣብ ኤርትራ ክጐሃሃር እንተሰሪሕናሉ ክዕወት ዘይክእለሉ ኣብነት የሎን።


መደምደምታ

እዚ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ትግራይ ዝተባርዐ ኩናት ነቲ ዞባ ብምሉኡ ናብ ሓዲሽ ኣዝዩ ተኣፋፊ መድረኽ ኣሰጋጊርዎ ይርከብ። እዚ ኩናት ንተጋሩ ከሕብሮም ከሎ፡ ንኤርትራውያን ግና መሊሱ ምኽንያት መታዀቢ ኰይንዎም ኣሎ። ገለ ላዕለዎት ካድራት ህወሓት ብዛዕባ ኤርትራን ኤርትራውነትን ዝህብዎ ዘለዉ ቃለመሕትት ኣዝዩ ዘሰክፍ እዩ። ልዕሊ ኩሉ ግና፡ ገለ ኤርትራውያን ብናይ ኤርትራውያን ሓይሊ ለውጢ ክመጽእ ከምዘይክእል ተስፋ ዝቆረጹ ይመስሉ። ስለዚ ንሓደገኛነት ምእታው ሓይልታት ትግራይ ናብ ኤርትራ ከየስተባህሉ፡ ወሸለ መጺኦም ንኢሰያስ ኣልዮምልና ክብሉ ይስምዑ ኣለዉ። እዚ ኣዝዩ ዘስግእን ተኣፋፊ እዋንን እዩ። ኩሉ ነዚ ሓደጋ ክረኣዮ ዝኸኣለ ኤርትራዊ፡ ኣብ ኣደባባይ ወጺኡ ዓውውውው… ኢሉ ክዛረበሉ ይግባእ። ኤርትራውያን ብህዝባዊ ምልዕዓል ብዝወሓደ ክሳራን ዕንወትን፡ ብዘይ ናይ ደገ ሓይልታት ባርኾት ንኢሰያስ ክንኣልዮ ንኽእል ኢና።


Yes we can! Yes we can! Yes we can!

ሰላም ንህብታት ኤርትራ፡ ትግራይን ኢትዮጵያን!


ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ)

ታሕሳስ 2021

ደቡብ ኣፍሪቃ


Photographer: Yasuyoshi Chiba/AFP/Getty Images




768 views0 comments
bottom of page