top of page
  • emdhrorg

ፌስቲቫላት ህግደፍ

መእተዊ

ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሃገራት ስካንዲናቪያ ዝተዳለወ ፈስቲቫል ኤርትራ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝተሳተፍዎ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ክጋዋሕ ቀንዩ ኣሎ። እቶም ነቲ ስርዓት ዝድግፉ ከም ዓቢ ዓወት ክሕበኑሉ ከለዉ፡ ገለ ደለይቲ ፍትሒ ከኣ ነቶም ኣብዚ ፈስቲቫል ዝተሳተፉ ከም በሃማት ክገልጽዎም ይስምዑ ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ጽንብል ናጽነት ኤርትራ’ውን ብተመሳሳሊ እቲ ብኤምባሲታት ኤርትራ ዝተወደብ ጽንብላት፡ ካብ ቅድሚ ቀረባ ዓመታት ዝነበረ፡ ብዝለዓለ ሰብ ዝተሳተፎ ምንባሩ ናይ ኩሉ ሰብ ትዕዝብቲ እዩ። ስለምንታይ ግና ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝተዓጻጸፈ ብብዝሒ ኤርትራውያን ነዚ ጽንብላትን ፈስቲቫላትን ክሳተፍዎ ክኢሎም ዝብል ሕቶ ክንሓትት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።


ጽልዋ ኩናት ትግራይ

እቲ ኣብ ሕዳር 2020 ዝተባርዐ ኩናት ትግራይ፡ ዕሸላት መንእሰያት ኤርትራ ዘህለቆ ከይኣክል፡ ምኽንያት መፈላለዩ ኤርትራውያን’ውን ኰይኑ እዩ። ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ክልተ ተመቒሎም፡ ገሊኦም “ትግራይ ትስዕር!” እንዳበሉ ምስ ትግራይ ወጊኖም፡ ሓይልታት ትግራይ ናብ ኤርትራ ሰጊሮም ንኢሰያስ ክኣልይዎ ንረብሓ ኤርትራ ምዃኑ ዝኣምኑ እዮም፡፡ ካብ ኢሰያስ ዝኸፍእ ዋላሓደ የለን ዝብሉ፡ ንሰራዊት ኤርትራ ከም “ኣራዊት” ጌሮም ዝገልጹን ክድምሰስ ዘለዎ ዕሱብ ሓይሊ ምዃኑን ዝኣምኑን’ውን ኣይተሳእኑን። ብኣንጻሩ በቲ ሓደ ወገን ከኣ “ወያነ ክትጠፍእ ኣለዋ!” እንዳበሉ ምስ ስርዓት ህግደፍ ዝደናገጹን፡ “ኣብ ጎድኒ ሰራዊትና ኣሎና” ዝብሉን እዮም።

መርገጺ እቶም ምስ ወያነ ክንሰርሕ ኣሎና ዝብሉ ደለይቲ ፍትሒ ጥራሕ ከይኣክል፡ ካብ ገለ ላዕለዎት ካድራት ህወሓትን፡ ምሁራት ትግራዎትን ክጉስጐሰሉ ዝሓገዩ፡ ንኤርትራዊ መንነት ከም ስኑዕ (fake) መንነት ዘጥቅዕ፡ ንነባሪ ሰላም ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ዝዘርግን፡ ነቲ ብስርዓት ኢሰያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝወረደ በደል ካብ ህዝቢ ኤርትራ ፈልዩ ዘይርእይን፡ ንዕርቅን ሰላምን ዘይዕድምን፡ ዶባት ትግራይ ክሳብ ቀይሕ ባሕሪ ምዃኑ ዝእምት መደረታት’ውን ንህዝቢ ኤርትራ ዘሰክፍን ዘቆጥዕን ተርእዮታት እዩ ነይሩ።

ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ድንግርግር (confusion) ወዲቑ ይርከብ። እዚ ድንግርግር ድማ፡ ገሊኡ ብስርዓት ኢሰያስ ዝተሰርሓሉ ክኸውን ከሎ፡ ገሊኡ ድማ ውጺት ናይቲ ወያነ ንነዊሕ እዋን ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ፕሮጀክት እዩ። ገለ ኤርትራውያን ጉጅለታት፡ ቃልሲ ኤርትራ ከም ሽፍትነት ዝገልጹ፡ ናጽነት ኤርትራ ዘይቅበሉ፡ ትግራይ ትግርኚ ዝብሉ፡ ኮታስ መን፡ መን ምዃኑ ኣብ ዘይትፈልጠሉ ደረጃ ኤርትራዊ ወዲቑ ይርከብ። እዞም ዘይደሞክራስያውያን ሓይልታት ፖለቲካዊ ህላዌኦም ኣብ ምድንጋርን ዕግርግርን ዝተመስረተ ምዃኑ ድማ ዘገርም ኣይኮነን።


ንኤርትራዊ፡ ናጽነቱ ብሌን ዓይኑ!

ኤርትራዊ፡ እታ ብኽቡር ኣሽሓት ሕይወት ደቁ ዝተረኽበት ናጽነት ኤርትራ ከም ብሌን ዓይኑ እዩ ዝጥምታ። ወያነ ኣብ ስልጣን ከለዉ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ነቲ ብስርዓት ኢሰያስ ዝፍኖ ዝነበረ “ኣይ ኣብ ኩናት፡ ኣይ ኣብ ሰላም ሃዋህው ስለዘሎና፡ ሕቶ ዲሞክራሲ ግዚኡ ኣይኮነን” ዝብል ፕሮፓጋንዳ ሰጋእ የብሎ ነይሩ እዩ። እዚ ድማ፡ እታ ኣዝዩ ዘፍቕራ ናጽነቱ ከይትጠፍኦ ስግኣት ስለዘለዎ እዩ። ድሕሪ ኣብ 2018 ዝተገብረ ናይ ኢሰያስን ኣብይን ውዕል ሰላምን ድሕሪኡ ዝሰዓበ “ኣይከሰርናን!”፡ “ካብ ሕጂ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና!”፡ “ብዘይምኽንያት ንሰለስተ ወለዶ ተፈላሊና ጸኒሕና!”… ወዘተ ዝብል ዘረባ ኢሰያስ፡ ንብዙሓት ሱቕ ኢሎም ዝነበሩን፡ ደገፍቲ እቲ ስርዓትን ኣቆጢዑ፡ ምንቅስቓስ ይኣክል ክለዓል ዓቢ ድፍኢት ዝገበረ እዩ። እዚ’ውን፡ ኢሰያስ ንሉኣላውነት ኤርትራት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከእትዎ ስለዝተዓዘቡ እዮም ኤርትራውያን “ይኣክል!” ክብሉ ዝገበሮም።

ኣብ ኣእምሮ ኩሉ ኤርትራዊ፡ ሉኣላውነት ኤርትራ ልዕሊ ኩሉ እዩ። ዝኾነ ነዛ ሉኣላውነት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ሰብ ይኹን ጉጅለ ከኣ ከም ቀዳማይ ጸላኢ እዩ ዝሰርዖ።


ኢሰያስ ናይ ዘበንና ተገላባጢ መራሒ

ኢሰያስ ናይ ዘበንና ተገላባጢ መራሒ እንተተባህለ ምግናን ኣይመስለናን። ኢሰያስ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ንሜዳ ክወጽእ ከሎ፡ ሓደ ኣጀንዳ ከምዝነበሮ ብግብሪን ቃልን ኣረጋጊጹልና’ዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ብግልጺ፡ ኣንዳዕዲዑ፡ ብኣፉ ከምዝነገረና እንተዀይኑ፡ ናጽነት ኤርትራ ኣጀንድኡ ከምዘይነበረ እዩ። ናጽነት ኤርትራ ነቲ ናይ መወዳእታ ኣጀንዳኡ ከም መጋበሪ ጥራሕ እዩ ዝጥቀመሉ ነይሩ። ከምቲ መስፍን ሓጎስ ኣብ ቃለ መሕተቱ፡ ኣብ ድሮ ናጽነት ኤርትራ፡ “ምስ ወያነ ናይ ሓባር መንግስቲ ከነቅውም ተረዳዲእና ኣሎና፡ ኢሉና” ዝበሎ፡ ናጽነት ኤርትራ ንኢሰያስ ትርጉም ከምዘይብሉ ብንጹር የረድኣካ።

ኣምሓሩ ክምስሉ ከለዉ፡ “የገበያ ግርግር፡ ለሌባ ይመቻል” (‘ናይ ዕዳጋ ሆይሆይታ፡ መፍቶ ሰራቒ’) ይብሉ። ኣብዚ ኤርትራውያን ነቲ ቀንዲ ጸላኢና ፈሊና ከነለልየሉ ኣብ ዘይንኽእለሉ ደረጃ ወዲቕናሉ ዘለና ህሞት፡ ገሊኡ ካብ ትግራዎት ንላዕሊ ትግራዋይ ዝኾነሉ እዋን፡ ገሊኡ ከኣ ነቲ ስድራቤት ኤርትራ ዘጽንትን፡ ዝውሕጥን ዘሎ ዓቢ ገበል ሸለል ኢሉ፡ ወያነ ከም ናይ ኩሉ ጸበባናን ሽግርናን ምንጪ ጌሩ ዝኣምንን ክጠፍኡ ኣለዎም ዝብልን፡ ኢሰያስን መጋበርያቱን፡ ኣይበልናኩምንዶ፡ እዞም ተቃወምቲ ሸየጥቲ ሃገር ምዃኖም፡ እንዳበሉ ንኩሉ ደላዩ ፍትሒ ብሓደ መልከዪ ጸለሎ ይለኽይዎም ኣለዉ። ብዙሕ ገርሂ ኤርትራዊ ድማ በዚ ሸፈጥ ክታለል ንዕዘብ ኣሎና። ስለዚ’ዩ ድማ ዳስ ህግደፍ ኣብ ጽንብል ናጽነትን፡ ሕጂ ድማ ፈስቲቫላትን ክመልእ ንርእዮ ዘሎና።


ምኽሪ የማነ ባርያ

ናይ የማነ ባርያ “የዋህ ኤርትራዊ ዘረባይ ስምዓኒ፡ ዓፍራ ከይትረግጽ መሲሉካ እምኒ” ዝበሎ ምኽሪ ነዚ ዘሎናዮ እዋን ዝተባህለ ይመስል። ሓንቲ ስድራቤት ኤርትራ ኣብ ዓሰርተታ ሃገራት ክትበታትን ዝገብር ዝሎ፡ ብስም ስውኣት እንዳሸቀጠ፡ ኣሽሓት መንእሰያት ኤርትራ ንመስዋእቲ ዘቃልዕ፡ ምስቶም ናጽነት ኤርትራ ዘይቅበሉ ኢትዮጵያውያን ጉጅለታት እንዳተሻረኸ፡ ንሉኣላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ፡ ብዘይ ሕግን ፍትሕን ንኤርትራውያን ዝረግጽ ዘሎ፡ ቀዳማይ ጸላኢ ኤርትራ ኢሰያስ ምዃኑ ሕጂ’ውን ክዝንጋዕ የብሉን። ስለዚ ብናይ ህግደፍ “ኩላትና ሓደ ኢና፡ በዓላትና ብሓደ ክንጽንብሎ ኣሎና” ዝብል ፕሮፓጋንዳ ክንታለል ኣይግባእን። እቲ ዘጽንተና፡ ስድራቤታትና ዘዘኽትምን ዝበታትንን፡ ስርዓት ኢሰያስ፡ ከመይ ገይሩ ተመሊሱ ሓደ ኢና ይብለና’ሞ ንሕና ከኣ ንኣምኖን ኣብ ዳሱ ንስዕስዕን፧ ሓደራ ኤርትራውያን ንለብም!


ረብሓ ኤርትራ

ኩሉ ደላዩ ፍትሒ፡ ‘ትግራይ ትስዕር!’ ዝብል ኣይኮነን። መብዛሕትኡ እኳ ድኣ ረብሓ ህዝብ ኤርትራ ዝብህግን፡ ሉኣላውነትን ኤርትራ፡ ብኢሰያስ ይኹን ብኣቢይ፡ ብናይ ኣምሓራ ይኹን ናይ ትግራይ ሓይልታት ክድፈር ዘይደልን፡ ኤርትራ ክትረብሕ ዝብህግ እዩ። እቶም “ትግራይ ትስዕር!” ዝብሉ’ውን እንተዀኑ፡ ኢሰያስ ብዓቕሚ ኤርትራውያን ክእለ ከምዝኽእል ዝርአ ተስፋ ብዘይምህላዉ፡ ዝገደደ ዕንወት ከየስዓበ ብምትሕግጋዝ ወያነ’ውን እንተኾነ ክእለ ኣለዎ ዝብሉ እዮም።

ሕጂ’ውን እንተዀነ፡ ረብሓ ኤርትራ ብኤርትራውያን ጥራሕ እዩ ዝረጋገጽ። ረብሓ ኤርትራ ዘረጋግጽ ለውጢ ከኣ ብኤርትራውያን ድኣ’ምበር ብናይ ግዳም ሓይልታት ክመጽእ ኣይክእልን፡ ክትኰበልና’ውን ኣይንጽበን። ኤርትራውያን ኣብ ገዛእ ርእስና ክንኣምን ይግባእ። እወ ለውጢ ብኤርትራውያን ክመጽእ ይኽእል እዩ!! ኤርትራውያን ንኢሰያስን መጋበርያታቱን ክኣልይዎም ምሉእ ዘይጉዱል ዓቕሚ ኣለዎም። እቲ ጐዲሉ ዘሎ፡ ነዚ ዓቕሚ ኣበራቢሩ፡ ኣብ ሓንቲ ዓላማ ዝረዓመ፡ ዓርሞሸሻዊ ማዕበል “ዳግማይ ይኣክል” ምፍጣር ጥራሕ እዩ።


ሕጂ ድኣ እንታይ ተረኽበ፧

ከም ንዕዘቦ ዘሎና፡ ገለ ደለይቲ ፍትሒ ዝነበሩ ውሑዳት “ተጋጊና” ብምባል ኣብ ዳስ ህግደፍ ክስዕስዑ ንዕዘብ ኣሎና። እቲ ቅጅል ዝብለካ ሕቶ ከኣ፡ እንድሕር ደለይቲ ፍትሒ ነይሮም ድኣ ሕጂ እንታይ ተረኽበ ንድሕሪት ዝምለሱ ዘለዉ? ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ይኹን ሕጊ ጌና ቦዂሩ እዩ ዘሎ። ገሊኦም’ውን ደለይቲ ፍትሒ ተመሲሎም ንደንበ ፍትሒ ክዘርጉ ዝጸንሑ ክዀኑ ይኽእሉ። እቲ ኮይኑ እቲ ከምዚኦም ዝበሉ ኣምሱሉታት ናብ ደንቢኦም ምምላሶም ንደምበ ፍትሒ ዓቢ ዕድል’ዩ። ገለ’ውን ኩሉ ደላዩ ፍትሒ ሸያጢ ሃገሩ እዩ ብዝብል ጸለመ ህግደፍ ተታሊሎም፡ “ካብ ዘይትፈልጦ መልኣኽ፡ ትፈልጦ ሰይጣን” ዝበሉ ይመስሉ። እዚ ግን ናይ ጥፍኣት መገዲ’ዩ። ክፈልጥዎ ዘለዎም፡ ሰይጣን ሰይጣን’ዩ፡ መልኣኽ ከኣ መልኣኽ!


ሸቶና ኣይንስሓት!

ንኤርትራ ኣብዚ ወሪዳቶ ዘላ ደልሃመት ክትወድቕ ዝገበረ፡ ምብኳር ሕጊ ጥራሕ እዩ። ኩሎም ኤርትራውያን ኣብ ሃገሮም ከም ባሮት ዘይኮነ ከም ዜጋታት ክነብሩ እንተኽኢሎም፡ ንኤርትራ ዘፍርሓ ናይ ግዳም ሓይሊ ዋላ ሓደ ኣይክህሉን እዩ። መሰሎምን ክብሮምን ዝተሓለወ ዜጋታት ጥራሕ እዮም ንኤርትራ ክከላኸሉላ ዝኽእሉ። ኢሰያስ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ፡ ኤርትራን ህዝባን ኣብ ቀጻሊ ሓደጋ ክህልዉ እዮም። ቀዳማይ ሸቶና እምበኣር ንኢሰያስ ምእላይ ክኸውን ኣለዎ።

ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ክፈልጦ ዝግባእ መሰረታውን ወሳንን ነገር፡ ነዚ ጠንቂ ሓደጋ ኤርትራዊ ሃገራዊ ልዑላውነት፡ መንነትን ምዕባለን ዝኾነ ብስጋን መንፈስን ዝኣረገ ቆራይን ልሙስን ስርዓት ብህጹጽ ንምውጋድ ካብ ካልእ ወልቀሰብ ይኹን ጉጅለ ክጽበ የብሉን። ብድምጹ ጥራይ፡ ነዚ ዝነደየን ናይ ድንቁርና፡ ድሕረትን ድኽነትን ስርዓት ሃዶሽ ከብሎ ከምዝኽእል ክተኣማመን ኣለዎ። እንተዘይኮነ፡ ካብዚ ኣትይዎ ዘሎ ዝኸፍአ ክስዕብ ከምዝኽእል ምስትውዓል ከድሊ’ዩ። እቲ ኩነታት ንህዝቢ ኤርትራ ናይ ህላወ ጉዳይ እዩ።


መደምደምታ

ኤርትራውያን ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ መሃነኖም ጠፊእዎም፡ መን መን ምዃኑ ክፈልጡሉ ኣብ ዘይክእሉ ደረጃ በጺሖም ይርከቡ። ኣብዚ ግዜ ሕንፍሽፍሽ ኢሰያስ ነቲ ሓቀኛ፡ ኣብ ኤርትራ ዘይኣምን፡ ባህርያቱ ሓቢኡ፡ “ዝብእስ ክሳብ ዝደልዎ ይሕንክስ” ከም ዝበሃል፡ ኩላትና ኤርትራውያን ብሓደ ሃገራዊ በዓላትና ክንጽንብል ኣሎና ብዝብል ምስምስ፡ ልኡኻት ኢሰያስ፡ ነቲ ፈጥፈጥ ኣቢልዎም ዝጸንሐ ናይ ለዉጢ ማዕበል ከቕህምዎ ይፍትኑ ኣለዉ። ኤርትራውያን በዚ ሽርሒ’ዚ ከይተሃመሉ፡ ሕጂ’ውን ቀዳማይ ጸላኢን ሓደጋን ኤርትራ ኢሰያስን መጋበርያታቱን ምዃኖም ተገንዚቦም፡ ናብ ዳስ ህግደፍ ከቋምቱ ዘይኮነስ፡ ንኹሎም ኤርትራውያን ብማዕረ እተጽልል፡ ናቶም "ዳስ ፍትሕን፡ ምትእምማን፡ ኤርትራውነትን” ክተኽሉ ይግባእ

“ኤርትራ መሬትዋ እንጂ ህዝባ ኣያስፈልገኝም“ ዝብል ብሂል ሃይለ ስላሴ ዝደግሙ፡ ንኤርትራን ባሕራን ዝብህጉ ብዙሓት እዮም። ኤርትራዊ ሓቢሩ ስለዝተቃለሰ ናጽነት ኣምጺኡ። ሕጂ’ውን እንተሓቢሩ ሃገሩን ሉኣላውነቱን ክከላኸል ኣይክጽገምን እዩ። ኤርትራውያን ንግዳም ዘይኮነስ፡ ናብ ውሽጢ ዓቕሞም ጠሚቶም፡ ለውጢ ከምጽኡ ከምዝኽእሉ ክተኣማመኑ ይግባእ።


እወ ንኽእል ኢና! YES WE CAN!


ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ)

10 ነሓሰ 2022 * ስእሊ ካብ ኢንተርነት ዝተረኽበ እዩ

561 views0 comments
bottom of page