top of page
  • emdhrorg

ዕሸላት

ዕሸላት ወይጦት

ፍጹም ዕሸላት

ንዝሓሸ ስርዓት

ናብራ ሂወት

ኣዋልድ ኣወዳት

ክረኽቡ ማዕርነት

ናይ ሰብ ክብረት

ወትሩ ይጓዓዙ

ምንም ከይሓዙ


ነቲ ዝርሓቆም

ኣብ ገዛእ መሬቶም

ጉዕዞ ትምህርቶም

ጸወታ ንእስነቶም

ሃሰውሰው የናድዩ

መስገደል እንዳርኣዩ

ይብሉ ንሱ'ዩ

ምርሓቅ ምጥፋእ'ዩ

ምስጋር ባሕሪ'ዩ

ዝሓሸ ምንባር'ዩ


ካብ ምስ ቀተልቲ

ደም ሰብ ሰተይቲ

ጽልኢ ዘራእቲ

ፍቅሪ በተንቲ

ኣይክእል ክዝቲ!

ክበልዕ ክሰቲ

ኣድሚጾም ህጻውንቲ

ኣይመኸሩን ዓበይቲ

ከይሰምዑ ጎረባብቲ

ኣዳኖ መተዓብይቲ

ዝነበሩ መጻውቲ

ኩባዕ ሳልቫቲ


ምሉቅ ርሕቅ

ከይበሉ ብጭቅ

ምዕራብ ምብራቅ

ዘስካሕክሕ ዘሰቅቅ

ብዘይ ዘረባ

ሰጊሮም ኩርባ


ተሰምዮም ስደተኛታት

መሳኪን ጽጉማት

ቀይሮም ሃይማኖት

ኣብ ኩለን ሃገራት

ክረኽቡ መንነት

ሱዳን ኢትዮጵያውነት


ነዛ ንምንባር

ሂወት ምስትምቃር

ምስጓም ምስዳር

ዕቤት ምምጥጣር

ምሕባር ምትሕብባር

ኣሓት ምክብባር

ኣሕዋት ምጽውዋር

ዋላውን ሰብ ሓዳር

ተነፊግዎም ከምንቡር


ዕ ሸ ላ ት

Michael.w 15 ታሕሳስሥ 2013

6 views0 comments

Recent Posts

See All
bottom of page