top of page
  • emdhrorg

“ሱቕ ኢልካ ቢዝነስካ ጥራይ ግበር”

እቲ ዝገርመኩም ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ለይቲ ሰዓት 3:30 ካብ ምዉቕ ድቃሰይ ተበራቢረ እየ ዝጽሕፋ ዘለኹ፡ ቅድሚ ነዛ ጽሑፍ ምጽሓፈይ ግን ኩባያ ሻሂ ክሰቲ ስለ ዝነበረኒ ሻሂ ኣፍሊሐ፡ ወረቐተይን ብርዐይን ኣዋዲደ ነቲ ሻሂ ጥዕም ምስኣበልክዎ መልሓሰይ ጨው ጥዒሙኒ። ምኽንያቱ እቲ ሽኮርን፡ ጨውን ዘቕምጠሉ ጎማታት ሕብሩ ሓደ ስለ ዝኾነ ከይተፈለጠኒ ነቲ ኩባያ ሻሂ ሽኮር መሲሉኒ ጨው እየ ደርጊመሉ።


“ኣየ ኣነ! ስቕ ኢለ ግዳ ናይ ድቃስ ቢዝነሰይ ዘይቅጽል ዝነበርኩ” እና በልኩ ድማ ኣማሪረ። እወ ኣብዛ ጽሕፍቲ ከመሓላልፋ ዝደሊ እንኮ ሓሳብ ንስኻ ኮነ ንስኺ ስቕ ኢልኩም ድኣ ቢዚነስኩም ግበሩ እምበር ኣብ ፖለቲካ ወዲ ፖለቲካ ኢድኩም ኣይትምለሱ ሓደራ እትብል እያ። ልክዕ’ዩ፡ “ኣብ ኣንጎላ ዘለዉ ኤርትራውያን ብሚልዮናት ዶላራት እዮም ዝዛረቡ”“ ኣብ እስራኤል ዘለዉ ኤርትራውያን ዶላራት ከም ሓመድ እዮም ዝሓፍሱ”“ ኣብ ካናዳ ናቶም ሆቴላትን፡ ሬስቶራንትን ዝውንኑ ኤርትራውያን” ብዙሓት እዮም እናተባህለ እንከሎ ሃገርና ብሕጽረት ኤለትሪክ ክትሳቐ ከላ ዘተሓሳስብ እዩ። ኮዩኑ ግን እዚ ንዓኻ ዝምልከት ኣይኮነን፡ ንስኻ ስቕ ኢልካ ጥራይ ቢዝነስካ ግበር።


እቶም ብ1994 ብሽም ሃገራዊ ኣግልግሎት ካብ ገዝኦም ዝወጹ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ክሳብ ’ዛለይቲ እዚኣ (ን19 ዓመታት መመላእታ) ካብ ዓደስን፡ መሪር መግዛእቲ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ክገላገልሉ ኣይክኣሉን። እዚ ግን ንዓኻ ካብ ቢዝነስካ ከባኹረካ የብሉን። ምኽንያቱ ንስኻ ነብስኻ ኣድሒንካ ኣለኻ፡ ነቶም ብድሕሪት ዝገድፍካዮም የሕዋትካ ድማ ኣዴታታቶም ይጨነቓሎምከ። ኣብዚ ቀረባ እዋን “ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል” ብዝተባህለ ተጣባቒ መሰል ደቂ ሰባት ዝወጸ ጽሑፍ፡ ሓንቲ ኤርትራዊት ሓፍትኺ/ሓፍትኻ ብዝሃበቶ ቃል፡ “ሓደ ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት ምሳይ እንድሕር ዘይደቀስኪ ኣብ ጽም ዝበለ በረኻ ክምድበኪ እየ ኢሉ ድሕሪ ምፍርርሑን እቲ ዝፈከሮ ድሕሪ ምትግባሩን ሓደ መዓልቲ ብሃንደበት ናብቲ ዝተመደብክሉ በረኻ መጺኡ ሽጉጥ ኣብ እዝነይ ብምግባር ሓሳብኪ እንድሕር ዘይቀይርኪ ክቐትለኪ እየ” ከም ዝበላ ሓቢራ ኣላ። እዚ ግን ኣብ ናትካ ቢዝነስ ዘምጽኦ መኽሰብ ኮይኑ ክሳራ ስለዘየሎ ከም ኤርትራዊ ሓውኻ መጠን ሱቕ ኢልካ ቢዝነስካ ክትቕጽል እየ ዘማኽረካ።


ካልእ ኣብዚ እዋን ብተደጋጋሚ ዝስማዕ ኩሊት የሕዋትካ ኣብ በረኻታት ሲናይ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዶላራት ናብ ዋጋ ዕዳጋ ቀሪቡ ከም ዘሎን፡ ደቂ ኣንስትዮ የሕዋትካውን ይድፍራን፡ ካብ ዘይፈልጥኦም ሰብኡት “ኣቦ ዘይብሎም ቆሉዑት” ይወልዳን ምህላወን እዩ። ኮዩኑ ግን ምናልባሽ እቲ ጉዳይ ኣብ ኣዝማድካ እንድሕር ኣጋጢሙ ላዕልን ታሕትን ኢልካ ፍታሕ ከተመጽእ ባህርያዊ እዃ እንተኾነ፡ ኣንጻርቲ መበቖል ናይቲ ጸገም ዝኾነ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ዝግበር ቃልሲ ግን ሓንቲ እምኒ ከማን ከይትድርቢ የጠንቅቐካ። ምኽንያቱ ንስኻ ከተተኩር ዘለካ ኣብ ቢዝነስካ ጥራይ ስለዝኾነ።


እቶም ንስኻ/ንስኺ ትርጉም ናይ ፕረስ ምእንቲ ከተስተማቕር/ሪ ኣብ ቀስተ ደበና፡ ኣድማስ፡ ዘመን፡ መቓልሕ፡ ጽጌናይን ዊንታናን ዝጽሕፉ ዝነበሩ ጋዜጠኛታትና፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦትን ካብ ዕለት 18 መስከረም 2001 ጀሚሮም ከምዝተኣስሩ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ከም ዘይቀረቡ፡ ገለ ካብኣቶም ብሕማም ከም ዝሞቱ፡ ገለን ሂወቶም ከምዘጥፍኡ፡ ገለን ድማ ከምዝተጸለሉ ይግለጽ እዃ እንተሎ፡ ነዞም ሰባት እዚኦም እዚ ግፍዕ’ዚ ክወድቖም ዝኣዘዝካ ንስኻ ስለዘይኮንካ ብዛዕቡኡ ብዙሕ ኣይትገደስ። ሓንቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብወረ ዝሰማዕናያ ጉዳይ ኣላ። ሓደ ኣርባዕተ ደቆም ኣብቲ ንሓርነት ኤርትራ ዝተገብረ ቃልሲ ዝተሰውእዎምን ኣጋጣሚ ኮይኑ ሰበይቶም ብሂወት ስለዘየለዋ ደበስ ናይ ኣርባዕተ ደቆም 20,000 (ዕስራ ሽሕ) ናቕፋ ጥራይ ዝተወሃቡን ኣቦ፡ እቲ ብወፍሪ ግዱድ ዕስክርና ብህግደፍ ተገዲዱ ናብ ሳዋ ዘምርሐ ወዶም ሃገሩ ገዲፉ ምስ ተሰደደ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቶም ኣቦ ወድኹም ‘ስግረዶብ” ዝተባህለ ወንጀል ስለ ዝፈጸመ 50,000 ናቕፋ ክፈሉ ምስተባህሉ “ኣርባዕተ ህይወቶም በጃ ሃገሮም ዘሕለፉ ደቀይ ብ20,000 ናቕፋ ተገሚቶምሲ ሓደ ባዕልኹም ዝወሰድኩሞ ወደይ ናብ ስደት ስለዘምርሐ 50,000 ናቕፋ ክፈል ክትብሉኒ” ኢሎም ከምዘማረሩ ሰሚዕኩም ትኾኑ። ሓደ ካብዚ እንምሃሮ ጉዳይ እንተሃልዩ ድማ ስቕ ኢልካ ቢዝነስካ ምግባር ዝመስልዎ ነገር ዘይምህላዉ እዩ። ኣብዚ ምናልባሽ ክመጽእ ዝኽእል ሕቶ ንምንታይ እዩ ህዝበይ እና ተገፍዐ ኣነ ኣብ ቢዝነሰይ ጥራይ ዘተኩር ዝብል እዩ። መልሱ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።


እቲ ቀዳማይ ምኽንያት፡ ዋላ’ኳ ናብ ኤርትራ ኣቲኻ ክትዛወር ከምኡ’ውን ገንዘብካ ንኸተዋፍርን ዝቐርበልካ ዘሎ ከም መዓር ዝመቐረ ጻዊዒት ብምሉእ ልብኻን ኽትቅበሎ ጸጊምካ እንተሎ፡ ሓደ መዓልቲ ግን ነዚ ኣብ ስደት ዝኣከብካዮ ገንዘብ ‘‘እተጥፍኣሉ” መገዲ ህግደፍ ባዕሉ መገዲ ክኸፍተልካ ስለ ዝኽእል ነቲ ስርዓት ምቅዋም ንዮቦሎ።

እቲ ዝዓበየ ምኽንያት ግን ንስኻ ከም ስደተኛ ኣብ ስደት ክትህሉ እትኽእል እቲ ስርዓት ናይ ምልካውነት ቢዝነሱ ስቕ ኢሉ ምስ ዝቕጽል እዩ። እንድሕር ድኣ ስቕ ኢልካ ቢዝነስካ ዘይጌርካን ኣንጻር ምልካውነት ተቓሊስካ ግን እቲ ስርዓት ካብ ሱሩ ስለ ዝምሖ ንስኻ ኣብ ስደት ዘለካ ናይ ስደተኛ መሰል ክሕረመካ እዩ ማለት እዩ። ስለዚ ኣብ ስደት ኮሪዕካን ደረትካ ነፊሕካን ምእንቲ ክትበልን እቲ ስርዓት ዕምሩ ምእንቲ ክነውሕን፡ ነቲ ስርዓት ብገንዘብን ብሞራልን ሓግዝ እምበር ኣንጻር ቲስርዓት ኣብ ምቅላስ ግዜኻ ኣይተጥፍእ ሓደራ ሓደራ ሓደራ እብለካ።

ሓውኻ/ሓውኺ ተስፋጋብር በርሀ ተስፉ (ጆርጅ)

ደርባን / ደቡብ ኣፍሪቓ


44 views0 comments

Recent Posts

See All
bottom of page