top of page
  • emdhrorg

መላኺዶ ጸላኢ?

ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ኣብ ኤርትራ በትረ ስልጣን ካብ ዝጭብጥ ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዘውረዶ ኣደራዕን ውርደትን፡ ስቓይን መከራን ብኣሃዝ ክንድዚ ኢልካ ክትዝርዝሮን ክትግምቶን ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ክውገድ ዝኽእል ዝነበረ ኩናት ዶብ 1998-2000 ምስ ኢትዮጵያ ጥራሕ፡ ክንደይ መንእሰያት ኤርትራ ህይወቶም ስኢኖን? ክንደይ ኣካሎም ጎዲሎም? ክንደይ ዝኣክል ንብረትን፡ ጥሪትን፡ ሕርሻን በሪሱ? ክንደይ ዝኣኽሉ ንጹሃት ዜጋታት ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ይበልዩ ኣለዉ? ብሰንኪ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ክንደይ ስድራቤታት ተበታቲነን ይርከባ? ክንደይ ህጻናት ብዘይ ኣቦ ይዓብዩ ኣለዉ? እዚ ምብትታን ዘስዓቦ ክንደይ ቆልዑ ካብ ሓዳር ወጻኢ ብወሰን ይውለዱ ኣለዉ? ክንደይ ኣሓትና ደቀንስትዮ ናይ መርዓ ዕድለን ባኺኑ ተሪፉ? ካብዚ ዘይንቡር ኩነታት ክሃድሙ፡ ክንደይ መንእሰያት ዶብ ክሰግሩ ኣብ በረኻታት ብድኻምን ጽምእን ሕይወቶም ስኢኖም? ክንደይ ዝኣኽሉ ግዳያት ኣሰጋገርቲ ደቂሰባትን ራሻይዳን፡ በደውንን ኮይኖም? ክንደይከ ዝኣኽሉ ተቐቲሎም? ክንደይ ዝኣክል ሚልዮናት ዶላራት ንመድሓኒ ነብሲ ኤርትራውያን ተኸፊሉ? ክንደይ ዝኣኽሉ ኣብ ሰሃራን፡ ሲናን፡ ሊብያን፡ ባሕሪ ሜዲተራንያንን ሕይወቶም ስኢኖም?


ንልዕሊ 20 ዓመታት ናይ ኤርትራ ናይ ምዕባለ ዕድላት ደው ኢሉ ጥራሕ ዘይኮነ፡ እቲ ዝነበረ ደረጃ ምዕባለ’ውን ንድሕሪት ንልዕሊ 20-30 ዓመታት እዩ ተመሊሱ፡ እዚ ማለት ኤርትራ ናይ ልዕሊ 40-50 ዓመታት ናይ ምዕባለ ዕድል ከሲራ ኣላ። ንኣብነት ናይ ከተማ ኣስመራ ቅድሚ 40 ዓመታት ዝነበረ ናይ ማይን ኤለትሪክን ቀረብን ናይ ሕጂን እንተወዳዲርናዮ ንጹር ስእሊ ክህበና ይኽእል እዩ። ልክዕ ብኸምኡ ናይ ቅድሚ 40 ዓመት ደረጃ ትምህርትን ናይ ሕጂን ከነወዳድሮ ንኽእል። ናይ ከተማ ኣስመራ ህንጻታት ስእሊ ናይ 1980ን ናይ 2018 እንተነወዳድሮም እንታይ ዓይነት ዕንወት መንጸባረቑልና?


ኢሰያስን ኤርትራውነትን

እዚ ኣብ ሓምለ 2018 ዝተጀመረ ናይ ኤርትራን-ኢትዮጵያን ናይ ሰላም መስርሕ፡ ካብቲ ሓደ ዘነጸሮ ነገር እንተልዩ፡ ኢሰያስ ንናጽነት ኤርትራ ብዙሕ ዋጋ ከምዘይህቦ እዩ። እዚ ድማ ካብ ቃላቱ ክንርድኦ ንኽእል። ካብቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኣስመራ ምብጻሕ ክገብር ከሎን ኢሰያስ ኢትዮጵያ ምስ ከደን ካብ ዝገበሮ መደረ፡ ካብ ቃላቱ ገለ ኣብነታት ምጥቃስ ይከኣል።


“ንልዕሊ 25 ዓመታት ከሲርና”

ኩናት ዶብ ኢትዮጵያ ካብ ዝውላዕ 20 ዓመታት ጥራሕ እዩ ገይሩ ዘሎ። ስለምንታይ 20 ዓመታት ከሲርና ኣብ ክንዲ ዝብል፡ ኢሰያስ 25 ዓመታት ከሲርና ዝብል ዘሎ። 25 ዓመታት ኤርትራ ብወግዒ ናጽነት ካብ ትረክብ፡ ካብ 1993 እዩ ኢሰያስ ዝጽብጽብ ዘሎ። እዚ ማለት ድማ፡ እቲ 30 ዓመት ዝወሰደ፡ ህይወት ኣሽሓት ዝተኸፍሎ፡ ናጽነት ኤርትራ ብዓይኒ  ኢሰያስ ዋጋ የብሉን። ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክትፍለ ኣይነበራን እዩ ዝብል ዘሎ። “…25 ዓመታት ዕድል ተፈጢሩልና፡ ኩነታት ተቐይሩልና፡ ናብ ዝሓሸ ምዕባለ ንኸይድ ኣሎና ኣብ ዝበልናሉ እቲ ዕድል ተዀሊፉና…” ይብል ኢሰያስ።

“ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልቡ ዝጸንሐ ስምዒቱ ብፍንው ገሊጹ”

እዚ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ንዶር ኣቢይ ንምቕባል ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ዝወጾ፡ ብዓይኒ ኢሰያስ ክርአ እንከሎ ‘ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ክሕወስ ድላይ ስለዘለዎ፡ ብኻልእ ኣዘራርባ ሓደ ህዝቢ ስለዝኾነ እዩ ነቲ ንልዕሊ 25 ዓመታት ተፈላልዩ ዝጸንሓሉ ሓጎሱ ዝገልጽ ዘሎ’ ዝብል ዘሎ።

መብዛሕትና ኤርትራውያን ከነንብቦ ከለና ግና ህዝቢ ኤርትራ ድላይን፡ ሃረርታን፡ ክቱር ጽምኢ ሰላም ስለዘለዎ እዩ፡ ምስ ኢትዮጵያ ሰላም ኰይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር መጺኡ ምስተባህለ፡ ሕጅስ እምበኣር ደቕና ካብ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክገላገሉ እዮም፡ ምጥፋእ መንእሰያትና ከብቕዕ እዩ፡ ምብትታን ስድራቤት ክውዳእ እዩ ካብ ዝብል ተስፋ ሓጎሱ ክገልጽ ንቡር ተርእዮ እዩ። (እዚ ነቲ ንዶር ኣቢይ ክቅበሉ ክወጹ ዝተገደድዎ ኣብ ግምት ከየእቶኻ ማለት’ዩ)። ብዓይኒ ኢሰያስ ግና ‘ኤርትራውያን ምስ ኢትዮጵያ (እናት ሃገር) ክድመሩ ድላይ ከም ዘለዎም’ ገይሩ እዩ ተርጐምዎ። ነዳይ ናይ ልቡ ይሓልም እዩ ነገሩ።


“ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ እዩ ኢሉ ዝዛረብ ድሕሪ ሕጂ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ ጥራሕ እዩ።”

እንታይ እዩ ዝብል ዘሎ ኢሰያስ ኢልና እንተሓቲትና፡ ኣብ 1993 ንናይ ኤርትራ ነጻነት ከይፈተወ እዩ ተቐቢልዎ ማለት እዩ። ሽዑ ንናይ ሕዝቢ ኤርትራ ድላይን ባህግን ነጻነት ክዓግቶ ዓቕሚ ስለዝሰኣነ ጥራሕ ከም ሕጉስ ኰይኑ ተቐቢልዎ። ኣቶ መስፍን ሓጎስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ከምዝገለጾ፡ ቀቅድሚ ናጽነት፡ ነቶም ላዕለዎት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ኣኪቡ “ምስ ኢትዮጵያ ናይ ሓባር መንግስቲ ከነቕውም ተሰማሚዕና ኣሎና” ኢሉና፡ ኣነ ብወገነይ ተቓዊመዮ፡ ብዝሕሪኡ እታ ዘረባ ቅሂማ ተሪፋ ይብል ኣቶ መስፍን ሓጎስ። እዚ ናይ ኣቶ መስፍን ሓጎስ ዘረባ ምስቲ ኢሰያስ ዝበሎ እንተ ደሚርናዮ ንጹር ስእሊ ይህበና።


“ዝኾነ ዝግበር ነገር እንተሎ ወኪል ንስኻ ኢኻ ትመርሓና፡ እዚ ንቐልዓለም ኢለ ኣይኮንኩን ዝብሎ ዘለኹ…ኣነ ናይ ኩሉ መሪሕነት ስልጣን ኣረኪበዮ እየ” (ኣብ ኣዋሳ ዝበሎ)

ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ይተሓጐስ፡ እንታይ ዓይነት መራሒ ሃገር እዩ ንኻልእ መራሒ ሃገር፡ ከምዚ ዝብል? ኢሰያስ እታ ኣብ 1993 ክገብራ ዘይከኣለ፡ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ምሕዋስ፡ ሕጂ ናይ ብሓቒ ዳግማይ ዕድል ከምዝተፈጥረትሉ ገይሩ ተረዲእዎ ኣሎ። ነዚ ክውን ንምግባር ድማ፡ ዋላ ከማን ስልጣኑ ንምርካብ ድሕር ዝብል ኣይመስልን።  


መላኺ

ኩሎም መለኽቲ ስርዓታት ገለ ዘመሳስሎም ባህርያት ኣለዎም። ንሱ ድማ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ፡ ብሕጊ ክግዝኡ ኣይደልዩን፡ ዝኾነ ዝቃወሞም ሰብ የርዕዱን፡ ይኣስሩ፡ ይቐትሉን፡ ሃብቲ ናይ ሃገር ድማ ብዘይ ዝኾነ ተሓታትትነ  ይግብቱን ይሰርቁን። እቲ ህዝቢ ሰሪሑ፡ ሓሪሱ፡ ነጊዱ ክበልዕ ግና ኣይክልክልዎን። ገሊኦም እሞ ከኣ ንህዝቦም ብቑጠባን ትምህርትን የማዕብልዎ። ካብ ከባቢና ብዙሕ ከይረሓቕና፡ ንኣብነት ናይ ሩዋንዳ መራሒ ፖል ካጋመ፡ ካብቶም ፍሉጣት መለኽቲ ስርዓታት እዩ። ንዝኾነ ዝቃወሞ ክቐትልን ከሕቕቅን ድሕር ኣይብልን። ርዋንዳ ግና ካብተን ብምዕባለ ዝውንጨፋ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብተን ቀዳሞት ተሰሪዓ ትርከብ። ዓሊ ዓበዲን ናይ ቱኒዝያ ስራሕ ዋላ ኣይፍጠረሎም፡ መንእሰያት ቱኒዝያ ግና ናይ ትምህርቲ ዕድል ከፊቱሎም፡ ክመሃሩ ክኢሎም እዮም። ናይ ሊብያ መራሒ ነበር ጋዳፊ፡ ህዝቡ ናይ ቑጠባ ሽግር ኣይነበሮምን። ርሑቕ ከይከድና፡ መለስ ዜናዊ ናይ ኢትዮጵያ መላኺ እኳ እንተዀነ፡ ንሱ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣብ ኢትዮጵያ ዘምጽኦ ምዕባለ ኣዝዩ ዝነኣድ እዩ። ክንደይ ዝኣክል ዩኒቨርሲታት፡ ፋብሪካታት፡ ሆስፒታላት፡ ናይ ኤለትሪክ መመንጨዊታት፡ ትሕተ ቅርጺ ተሃኒጹ ጥራሕ ምርኣይ ገለ ስእሊ ክህበና ይኽእል እዩ።


ንኢሰያስ ምስዞም መለኽቲ ስርዓታት ከነወዳድሮ ከለና ግና ፍልይ ዝበለ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣይ ካብ ቁጠባዊ ምዕባለ፡ ኣይ ካብ ትምህርቲ፡ ኣይ ካብ ሰላም፡ ካብ ኩሉ ተሪፍና ንርከብ። ነጋዶ እኽሊ ይኹን ሃለኽቲ ነገራት ካብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ዱባይ ኣምጺኦም ዕዳጋ እንተመልአ፡ ህዝቢ ጸጊቡ እንተሓደረ ኢሰያስ እንታይ ይጐድሎ? ኣብቲ ኣዝዩ ጽንኩር እዋን ደርጊ ከማን ነባሪ ኣስመራ ካልእ እንተጎደሎ፡ ባኒን ካልእ መሰረታዊ ሃለኽቲ ነገራትን እኹል ይረክብ ነይሩ።


ጸላኢ

እቲ ኹሉ ኢሰያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝገብሮ ዘሎ ካብ ምልካዊ ባህርያቱ ዝተበገሰ እዩ ዝብል እምነት ነይሩኒ። ሕጂ ግና ካብ ምልካውነትን ኣብ ስልጣን ምጽናሕን ሓሊፉ ብተወሳኺ ካብ ክቱር ጽልኢ ዝተበገስ እዩ ክብል እደፍር። ገለ ላዕለዎት ሰበስልጣን ንኢሰያስ ብቐረባ ዝፈልጥዎ ከምዝበልዎ፡ ኢሰያስ ክሰክር ከሎ ካብ ዝብሎ ‘ዓጋመ ኢልክን ከምትጸርፋኒ እፈልጥ እየ፡ ከርእየክን እየ”። “ነዛ ሃገር ባዕለይ እየ ኣምጽአያ፡ ከምድላየይ ክገብራ እየ፡” እንዳበለ ከምዝፍክር ይዛረቡ። እዚ ዘረባ እዚ ዋላ ሓቕነቱ ብመርትዖ ከነረጋግጾ እንተዘይከኣልና፡ ኣተና ኢሰያስን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ኣረኣእያን ብግብሪ ዘንጸባርቕ እዩ። 


ህዝቢ ብሓለንጊ ጥምየት እንዳተገርፈ ከሎ፡ ሓደ እዋን ኢሰያስ ብዛዕባ ኣብ መዓልቲ ዘድልየና ካሎሪ ኣስተምህሮ ክህብ ከሎ ካብ ንዕቀትን ብድዐን ጽልኢን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ኢልካ ክትርጐም ይከኣል? ናይ ሎሚ ናይ ኢሰያስ ድዃን ርትዒ (ግፍዒ) ድኣ ባኒ ምቕራብ ስኢነን ማለት ድዩ? መራሒ ሃገር ኣብ ውሽጢ ሃገር እኽሊ ከይንቀሳቐስ ክኽልክል ከሎ፡ እኽሊ ብብሑቕ ጌርኩም ከም ትወስድዎ ንፈልጥ ኢና ኢሉ ዝዛረብ መራሒ ሃገር እንታይ ይበሃል? ብዛዕባ ዋሕዲ ቀረብ ማይ ኣብ ኣስመራ ተሓቲቱ ክምልስ ከሎ “ሰብ ናብ ማይ ይኸይድ አምበር፡ ማይ ናብ ሰብ ኣይመጽእን” ዝበሎ ናይ ብድዐ ዘረባኸ ረሲዕናዮ ዲና? ኢሰያስ ብመደብ ህዝቢ ኤርትራ ክጠምን፡ ክጭነቕን፡ ክከላበትን ክርእዮ ከሎ ባህታ ዝፈጥረሉ ይመስል።


ደርጃ ትምህርቲ ናይ ሓንቲ ሃገር ናይ መጻኢ ተስፋኣን ምዕባለኣን መዓቀኒ እዩ። ኢሰያስ ግና ንደረጃ ትምህርቲ ኤርትራ ካብ ሱር መሰረቱ ባሕጐጉዎ ይርከብ። ንህዝቢ ኤርትራ ብሓለንጊ ጥምየት ዝገርፎ ከይኣክል፡ ዝገደደ ብሓለንጊ ድንቁርና ይገርፎ ኣሎ። ነታ ሓንቲ ብዓለም ተፈላጥነት ዝነበራ ዩኒቨርሲቲ ዓጽይዋ። ደረጃ ትምህርቲ ኤርትራ ኣብ ከመይ ኩነታት ኣሎ ኩላትና ንፈልጦ እዩ፡ ተምሃሮ ኣብ ሓደ ደረጃ መታን ከይተርፉ ዋላ ነጥቢ መሊእኩም ኣሕልፍዎም ክበሃሉ ከለዉ መማህራን እንታይ ይበሃል?

ቁጠባዊ ኩነታት ሃገርና ኣብ ከመይ ደረጃ ወዲቑ ይርከብ። ኣውፈርቲ ሰብ ርእሰ ማል ኣብ ዓዶም ምስራሕ ስለ ዝተነፍጎም ኣብ ካልኦት ሃገራት ከይዶም ርእሰ-ማሎም ከውፍሩ፡ ንናይ ካልኦት ሃገራት ህዝቢ ቀረብ ከቕርቡን ናይ ስራሕ ዕድል ክከፍቱን ምስ ምንታይ ይቑጸር?


ፖሊሲ መሬት ስርዓት ኢሰያስ ሽግር ኣባይቲ ዝፈትሕ ዘይኮነ መሊሱ ዘብእስ እዩ። እቲ ስርዓት መንበሪ ኣባይቲ ምስራሕ ይትረፎ፡ ነቲ ኤርትራውያን ብኽንደይ ጨቐቕ ኢሎም ዝሰርሕዎ ገዛውቲ፡ ብዶዞራት ከፍርሶ ከሎ፡ ስድራቤታት ካብ ማሙቕ ገዝኦም ከም ሕሱር ኣቕሓ ክድርበዩ ከለዉ ብዘይካ ክቱር ጽልኢ ኢሰያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ መመኽነይታ ክትህበሉ ይኽኣል?

ኣብ 2013 ልዕሊ 360 ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣብ ባሕሪ ሜዲተራንያን ምስ ጠሓሉ፡ ቲቪ ኤረ፡ መጀመርያ ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ክትብል ገሊጻቶም። ድሒራ ድማ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ምዃኖም ተኣሚና ከተብቅዕ፡ ጓና መንግስቲ ጥልያን ናይ ሰለስተ መዓልታት ሃገራዊ ናይ ሓዘን ግዜ ክእውጅ ከሎ፡ ስርዓት ኢሰያስ ግና ናይ ሓዘን መግለጺ ኣይሃበ፡ ስድራ ግዳያት ሬሳ ደቆም ክቐብሩ ሓገዝ ክገብር ይኹን ሬሳ ፍትዋቶም ደቆም ኣብ ዓዶም ክቐብሩ ፍቓድ ክህብ’ውን ኣይተረኽበን። እዝስ ናይ ምልኪ ባህሪ ጥራሕ እዩ ኢልካ ከተመኻንየሉ ኣይከኣልን። ክቱር ጽልኢ’ውን ኣለዎ።


ኣብ ዓሰብን ከባቢኡን ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ድማ ተወለድቲ ብሄር ዓፋር ኣብ ገዛእ ዓዶምን ባሕሮምን ከም ድላዮም ከይንቀሳቀሱን ዓሳ ከይገፉን ተኣጊዶም፡ መናሃርያ መራኽብን፡ ነፈርትን የዕራብ ክትኸውን ኢሰያስ ንወደብ ዓሰብ ብእደ ዋኒኑ ኣሕሊፉ ሂብዋ። ኢሰያስ ንህዝቢ ኤርትራ ብዶላራት ሃገራት ሱዕዲን፡ ኢማራትን ክሸጦ ዓይኑ ከምዘይሓሲ ዘርኢ ንጹር ኣብነት እዩ። እዚ ስስዐ ገንዘብ ጥራሕ ዘይኮነ ጽልኢ’ውን የንጸባርቕ።


ኢሰያስ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንኤርትራውያን ዘርእዮ ምጽዋግን፡ ጽልእን ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ምስከደ ዘርእዮ ሰሓቕን ፍሽኽታን፡ ፈጸግጸግን ክወዳደር ከሎ፡ ናይ ሰማይን ምድርን ፍልልይ ኣለዎ። ኣብ ኤርትራ ንኢትዮጵያውን ነጋዶ ዝወሃቦም ዘሎ ናይ ንግዲ ፍቓድን ዕድላትን ምስቲ ንኤርትራውያን ኣብ ገዛእ ዓዶም ዝንፈጎም ናይ ንግዲን፡ ስራሕን ዕድላትን ምስ ተወዳድሮ፡ ኣዝዩ የሰክፈካ።

እዚ ኣብ ሊዕሊ ዝተጠቅሰ ገለ ኣብነታት ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ጥራሕ እዩ። ብዙሕ ዘይተስምዐን ናብ ቃልዕ ዘይወጸን እቶም ዝበጽሖም ጥራሕ ዝፈልጥዎ ስቱር ነገራት ከም ዝህሉ ዘጠራጥር ኣይኮነን።


ብኤርትራውነት ምሕባእ የብቕዕ

ክሳብ ሕጂ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንኢሰያስ ከም ሃገራዊ፡ ንኤርትራውነት ክብል ህይወቱ ከም ዝወፈየ፡ ብኤርትራውነቱ ዘይጠራጠር ገይሩ እዩ ክሓስቦ ጸኒሑ። እዘን ዝሓለፋ ገለ ኣዋርሕ ዘነጸርኦ እንተልዩ ግና፡ ኢሰያስ ካብ መጀመርያ ኣትሒዙ ንኤርትራዊ መንነት ዋላ ግዲ ከምዘይብሉ፡ ሕጂ ድማ ብቓላቱ “ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ እዩ ኢሉ ዝዛረብ ድሕሪ ሕጂ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ ጥራሕ እዩ።”  ብምባል ኣብ ልቡ ዘሎ ከይተፈለጦ ዶርጐሕዎ ኣሎ። ኩሉ ዝገብሮ ዘሎ ስጉምታት ንኤርትራዊ መንነት ዘዳኽምን ዘላሕልሕን እዩ። ንናይ ኤርትራውያን ክቱር ስምዒትን ባህግን ኤርትራዊ መንነት መዝሚዙ፡ ንኤርትራን ህዝባን ከም ተሓላቒ መሲሉ ኣብ ምትላል ክሳብ ሕጂ ተዓዊቱ እዩ። ሕጂ ግና ጉልባቡ ተቐሊዑ እዩ።

ኣቦታት ክምስሉ፡ “በትሪ ኣብ ኢድካ፡ ተመን ኣብ እግርኻ፡ ድሕሪ’ዚ ድኣ እንታይ ምኽሪ ደሊኻ”። ህዝቢ ኤርትራ እቲ ተመን መን ምዃኑ ተነጺሩልና ኣሎ። እታ እትኾርዓላ ሃገርን፡ ኤርትራዊ መንነትን ሓንሳብን ንሓዋሩን ከም ጽላሎት ኣጋ  ምሸት ከይዓረባ ከለዋ እቲ እንኮ ምርጫ፡ ነቲ መንደላይ ተመን ጠፈቕ ጠፈቕ ኣቢልካ ካብ ዳግማይ መንከስቲ ምግልጋል እዩ። በትሪ ህዝቢ ከኣ ሓድነቱ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ቀዳማይ ጸላኢኡ ዝኾነ ስርዓት ኣብ ምእላይ ብሓድነት ክሰርሕ ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ እዋኑ ይጠልቦ ኣሎ።

ኢያሱ ዓንደማሪያም

ደቡብ ኣፍሪቃ

6 views0 comments
bottom of page