መግለጺ ኤምዲሰመ ብምኽንያት ክቱር ጎንጺ ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያን
- emdhrorg
- Feb 25, 2024
- 1 min read
ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዝጀመረ፡ ኣብ ሞንጎ ገለ ደለይቲ ፍትሕን፡ ደገፍቲ ስርዓት ኢሰያስን፡ ክሳብ ሞትን፡ ስንክልናን ዘስዓበ ክቱር ጎንጺ፡ ናብ ኣሰካፊ ደረጃ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ሆላንድ ቅድሚ ሰሙን ዘጋጠመ ተረክቦ'ውን መቀጸልታ ናይቲ ጎንጺ እዩ። ጎነጽ፥ ጎነጽ እዩ ዝወልድ። ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያን ዝግበር ዝኾነ ዓይነት ጎንጺ ኩሉ ኤርትራዊ ክኹንኖ ይግባእ። ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ) ነዚ ዝኸይድ ዘሎ ጎነጽ ስክፍታኡ እንዳገለጸ፡ ኩሎም ኤርትራውያን ህድእ ክብሉን፡ ንሕይወት ካልኦት ኤርትራውያን ኣብ ሓደጋ ካብ ዘእቱ ጎነጽ ክቁጠቡን ምሕጽንትኡ የቕርብ። ነዞም ዝስዕቡ ገለ ነጥብታት ኣቓልቦ ክህቦም ብትሕትና ይጽውዕ።
ፈቲና ጸሊእና፡ እታ ሃገር ናይ ኩልና እያ። ፖለቲካዊ ኣረኣእያና ብዘየገድስ፡ ብሓንሳብ ንለምዕ፡ ብሓንሳብ ከኣ ንጸንት!
ነዛ ሃገር ዘጽንታ ዘሎ፡ ሓደ ናይ ሓባር ጸላኢ ኣሎና፡ ንሱ ድማ ኢሰያስን ስርዓቱን እዩ። ደገፍቲ እቲ ስርዓት ወይ'ውን ተቓወምቲ ኣይኮኑን ጸላእትና።
ከምቲ ኣነ መሰለይ ክኽበረለይ ዝደልን፡ ዝቃለስ፡ ንመሰል ካልኦት ከይግህስን ከኽብርን ይግባእ።
ንኻልኦት ነቲ ኣነ ዝኣምነሉ ዓላማ ብምእማንን ሕጋዊ ኣገባብ ምጥቃምን፡ ካብቲ ብሓይልን ብጎነጽን፡ ብምፍርራሕን ዝያዳ ዓወት ዘሕፍስ ሜላ ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ።
እቲ ስርዓት ዝጥቀመሉ ጎነጽ ክንጥቀም እንተጀሚርና፡ ናብቲ ናቱ ደረጃ ንወርድ፡ በዚ ድማ ሞራላዊ ጸብለልነትና ነጥፍእ፡ ተሰማዕነትና ይጎድል፡ ዘይሓሰብናዮም ጸላእቲ'ውን ነጥሪ።
ኤምዲሰመ



مرحبا، أنا من مستخدمي المنتديات وأحب مشاركة التجارب. عند اختيار نادي ألعاب أونلاين في المنطقة العربية، أركز على الشفافية وتنوع الألعاب وسياسات السحب. وجدت هذا الموقع الذي يحتوي على مراجعات مفيدة ساعدتني في فهم بعض الخيارات. الأفضل دائمًا قراءة تجارب اللاعبين وتجنب العروض التي تبدو مبالغًا فيها. اختيار المنصة المناسبة يعتمد على الثقة والخدمة وليس فقط العروض.