top of page
  • emdhrorg

መግለጺ ኤምዲሰመ ብምኽንያት ክቱር ጎንጺ ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያን

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዝጀመረ፡ ኣብ ሞንጎ ገለ ደለይቲ ፍትሕን፡ ደገፍቲ ስርዓት ኢሰያስን፡ ክሳብ ሞትን፡ ስንክልናን ዘስዓበ ክቱር ጎንጺ፡ ናብ ኣሰካፊ ደረጃ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ሆላንድ ቅድሚ ሰሙን ዘጋጠመ ተረክቦ'ውን መቀጸልታ ናይቲ ጎንጺ እዩ። ጎነጽ፥ ጎነጽ እዩ ዝወልድ። ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያን ዝግበር ዝኾነ ዓይነት ጎንጺ ኩሉ ኤርትራዊ ክኹንኖ ይግባእ። ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ) ነዚ ዝኸይድ ዘሎ ጎነጽ ስክፍታኡ እንዳገለጸ፡ ኩሎም ኤርትራውያን ህድእ ክብሉን፡ ንሕይወት ካልኦት ኤርትራውያን ኣብ ሓደጋ ካብ ዘእቱ ጎነጽ ክቁጠቡን ምሕጽንትኡ የቕርብ። ነዞም ዝስዕቡ ገለ ነጥብታት ኣቓልቦ ክህቦም ብትሕትና ይጽውዕ።


  • ፈቲና ጸሊእና፡ እታ ሃገር ናይ ኩልና እያ። ፖለቲካዊ ኣረኣእያና ብዘየገድስ፡ ብሓንሳብ ንለምዕ፡ ብሓንሳብ ከኣ ንጸንት!

  • ነዛ ሃገር ዘጽንታ ዘሎ፡ ሓደ ናይ ሓባር ጸላኢ ኣሎና፡ ንሱ ድማ ኢሰያስን ስርዓቱን እዩ። ደገፍቲ እቲ ስርዓት ወይ'ውን ተቓወምቲ ኣይኮኑን ጸላእትና።

  • ከምቲ ኣነ መሰለይ ክኽበረለይ ዝደልን፡ ዝቃለስ፡ ንመሰል ካልኦት ከይግህስን ከኽብርን ይግባእ። 

  • ንኻልኦት ነቲ ኣነ ዝኣምነሉ ዓላማ ብምእማንን ሕጋዊ ኣገባብ ምጥቃምን፡ ካብቲ ብሓይልን ብጎነጽን፡ ብምፍርራሕን ዝያዳ ዓወት ዘሕፍስ ሜላ ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ።

  • እቲ ስርዓት ዝጥቀመሉ ጎነጽ ክንጥቀም እንተጀሚርና፡ ናብቲ ናቱ ደረጃ ንወርድ፡ በዚ ድማ ሞራላዊ ጸብለልነትና ነጥፍእ፡ ተሰማዕነትና ይጎድል፡ ዘይሓሰብናዮም ጸላእቲ'ውን ነጥሪ። 


ኤምዲሰመ


83 views0 comments

Recent Posts

See All
bottom of page