top of page
  • emdhrorg

ናይ ሓዘን መግለጺ

ኣብ ዕለት 24 ጥሪ 2024፡ መርድእ ናይ ኣቶ ተስፋልደት ኣለም መሓረና ምስ ተቓልሐ፡ ኣብ ዲያስፖራ ዝርከብ ደላዩ ጽቡቕ ኤርትራ፡ ስንባድኡን፡ ሓዘኑን፡ ኣድናቆቱን ኣብ ምግላጽ ይርከብ። ኣባላት ኤርትራዊ ምንቅስቃስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ

መሰላትን (ኤምዲሰመ) ብሞት ኣቶ ተስፋልደት ዝተሰምዓና መሪር ሓዘን እንዳገለጽና፡ ንስድራቤትን መቅርብን ጽንዓት፡ ንዓቢ

ሓውና፡ ተስፋልደት ከኣ መንግስተሰማይ ይሃብ ንብል።


ነቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንማህደረ ትምህርቲ ብዝመጹ ተመሃሮን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝቕመጡ ዝነበሩን ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ 2003 ዝተበገሰ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕጊ ኣልቦ ስርዓት ዝቃወምን፡ ኤርትራ ናብ ሕጋውነትን ቅዋማውነት ክትምለስ ዝጉስጉስን፡ ንመሰል ኤርትራውያን ዝጣበቕን፡ መሰሎም ክፈልጡ ዝምህርን ምንቅስቓስ ምስ ተመስረተ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ዓቢ ፍናን ዘስነቀ እዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ ብዙሓት ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብሞራልን ብንዋትን ደገፎም ክገልጹ ተረኺቦም።


ኣቶ ተስፋልደት ግና ብማዕዶ ደገፍ ምግላጽ እኹል ከምዘይኮነ ተገንዚቡ፡ ብኣካል ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምምጻእ፡ ምስ ኣባላት

ኤምዲሰመ ብምርኻብን ምልዛብን፡ ነታ ንሱ ጀሚርዋ ዝነበረ ሳታላይት ሬድዮ ደሊና፡ ካብ ሕጂ ንድሓር ንስኻትኩም

ከተካይድዋ ኣለኩም ብምባል፡ ሓዲስ ስም ‘መሰልና-ደሊና’ ብምጥማቕ፡ ንኤምዲሰመ ምስ ሳታላይት ሬድዮ ዘላለየን፡ ዓቢ ናይ ሬድዮ መድረኽ ዝከፈተን፡ ብምኽርን ንዋትን ኣብ ጎድኒ ኤምዲሰመ ደው ዝበለን፡ ናይ ብሓቂ ንኤርትራ ዓቢ ራእይ ዝነበሮ፡ ውሉድ ማህጸናን እዩ።


ሞት ናይ ዓቢ ሓውና ተስፋልደት፡ ንኤርትራ ዓቢ ክሳራ እዩ። ሓደ ካብቶም ደመቕቲ ከዋኽብትና ወዲቁ ኣሎ። ነታ ብሕግን ቅዋም

እትመሓደር፡ ንዜጋታት እተኽብር፡ ምስ ርእሳን ጎረባብታን ሰላም ዝዓሰላ፡ ብልጽግቲ ኤርትራ ምርኣይ ዝነበሮ ሕልምን ራእይን፡

ጋህዲ ክሳብ ዝኸውን፡ ዓቕምና ብዘፍቕዶ ክንቅጽሎ ምዃንና በዚ ኣጋጣሚ መብጽዓና ዳግም ንሕድስ።


ንስድራቤትን መቕርብን ጽንዓት ይሃብ

ንሓውና ተስፋልደት ከኣ መንግስተሰማይ የዋርስ



ኤምዲሰመ

29 ጥሪ 2024

ፕሪቶርያ - ደቡብ ኣፍሪቃ

71 views0 comments
bottom of page