top of page
emdhrorg

ትርጉም ናጻ ፕረስ

Updated: Nov 25, 2020

(ንዝኽሪ እሱራት ጋዜጠኛታትናን ጋዜጣታትን)


መለኸት ብሩህ ተስፋ መቓልሕ

መኣዲ ዘተ ትምህር ተብልሕ

ፈልፋሊት ሓሳባት ከም ማይ ጃሕጃሕ

ማቴዎስ ዳዊት ሰላምይንገስ ተሓሊኾም ብሞቑሕ

ብመግረፍቲ ይነብዑ ዝርንዛሕ

እዚ ለይትስ ደቀይ ክንደይኮን ይነውሕ

ንገሩኒ'ባ መዓስ'ዩ ዝወግሕ?

ክሓተኪ'የ ኣነ መልስለይ ዘመን

ብቕኒት የማነ ባርያ ሜሎዲ ናይሓዘን

ኣበይ ኣቢልክዮም ኤማን ፍጹምን

ሓሪምክዮም ብርዕን ቀለምን

መጢኽዮም ንዒራዒሮ ተስፍኦም ክምህምን

ኔው በልዮ ዜና ዕረፍቶምሲ ኣይግድን

ቀውዒ ኣውጅሎም ጮራ ትስፍው እዋን!

ኣበይ ኣሎኺ በኹሪ ገዛ ሃገራዊት ሰቲት

ድምጺ ህዝቢ ናይ ፍትሒ ነጋሪት

ሰንድዮ ቃላት ናይ ጆሽዋ ናይ ዳዊት

ፈለግ ሓሳባቶም ኣይተጻዕደን ብሰንሰለት

እንተኸሓድዎም ናይ እከይ ሃዋርያት

ጥልመት 'ዚኣመሎም ሰብ ነውሪ በሃማት

ዝኽሮም ክነብር'ዩ ምሳና ንዘንትእለት

ትንግርቲዶ ክብሎ እዚ ናትክስ ጽጌናይ

ጽፈ ፊደላት ቃላትኪ ይርኣየኒ ኣብ ዓይነይ

ዘኪረዮ ከም ንህቢ ክዓስለኪ ዓሚልኪ ነባባይ

ንገርኒ ሰብ ኪዳንኪ ስኢነሎም ደሃይ

ዮሱፍ ፡ዘመንፈስ፡ ገብሪሂወት ኢልኪ ስመይለይ

ኢልክዮም' መስለኒ ውረስዎ ስመይ

ትሕቲ ምድሪ ክነብሩ ብዘይ ብርሃን ጽሓይ

ሓባሪት ኣኸዛ ግርማዊት ቀስተ-ደበና

ከምቀደምኪ ኩኒ ወረ ሃብና ወረ ፍልፍል ሰለሙና

ከመይ ኣለዉ በዓል መዳ ተሜ መተዓብይትና

ሓደራኺ መንፈሶም ከይስበር ከይደክም ሕልና

ዘይነጽፍ ንብዓቶም ሓንስስልና ቁስሎም ዘንንልና

ሃምን ሰርብን ይኹን ድምጺ ነጎዳ ኣስምዕና

መልሲ ምህለላና ብስራት ሒዝኪ ኣክል በልና

ፍቕርን ሰላምን'ዩ ዊንታና

መሰልን ፍትሕን'ዩ ሃረርታና

ባዕሉ ፈጣሪ ምስ ዓለምና ዝዓደለና

ዲሞክራሲ'ዩ ልዕልና ሕጊ ዋሕስና

ጋዜጠኛታትና ፈቲሕኩም ክንዛረብ ክንካታዕ ግደፉና

ክንከውን ወነንቲ ሓሳብናን ምርጫናን ባዕልና

ክንነብር ብናጽነት ክብረት ኣብ ሃገርና

ተስፋኣለም

17 views0 comments

Recent Posts

See All

Comments


bottom of page