top of page
emdhrorg

ድሕሪ ጀነቫ ናበይ?

ኩላትና ከምዝተኸታተልናዮ፡ እታ ኣብ ሰነ 2014 ብመሰረት ጉባኤ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UN Human Rights Council) ተመዚዛ ዝቖመት ኮሚሽን፡ ናይ ክልተ ዓመት ጸብጻባ ኣብ ሰነ 21 ኣቕሪባ። ጀነቫ ድማ ነቲ ጸብጻብ ብዝድግፉን፡ ዝቃወሙን ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝመጹ ኤርትራውያን ኣዕለቕሊቓ ወሪሓ። ደለይቲ ለውጢ ነቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ብቀጥታ ናብ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት ክሰጋገር፡ ልኡኻት ስርዓት ህግደፍ ድማ እቲ ጸብጻብ ክንጸግ ናይ ዲፕሎማሲ ኩናት ኣብ ምክያድ ተጸሚዶም ወሪሖም። ኣብ ዕለት 1 ሓምለ 2016 ድማ፡ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት (UN Human Rights Council) ብምሉእ ስምምዕ እቲ ጸብጻብ ናብ ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UN General Assembly) ክምራሕ፡ እቲ ባይቶ ድማ ይሓይሽ ከምዝበሎ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት እንኮላይ ባይቶ ጸጥታ ክመርሖ ዝብል ውሳኔ ኣመሓላሊፉ። ብፍላይ ድማ ሕብረት ኣፍሪቃ ነዚ ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ብዕቱብ ክሕዞን ነቶም ገበነኛታት ድማ ኣብ ፍርዲ ዝቐርብሉ፡ ውጹዓት ድማ ፍትሒ ዝረኽቡሉን ዝከሓሱሉን መንገዲ ከናዲ ተላብዮም።

ጀነቫ ድምጺ እቶም ብጭካነ ዝተቐዝፉን ኣብ ጎዳጎዲ፡ ሻላታትን ኮንተይነራትን ተሓይሮም ኣረሚናዊ ስቓይ ዝወርዶም ዘሎ ንጹሃት ዜጋታት ዘቃለሐት ታሪኻዊት ከተማ ኮይና ኣላ። ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ድማ ጸብጻብ ስቓይ ጭቆናን ወጽዓን ህዝቢ ኤርትራ እዩ። በቲ ካልእ ገጽ ድማ ኣረሚንነትን ጭካነን እቲ ኣሽሓት ንጹሃት ዜጋታት ብግፍዒ ዝረሸነን ኣብ ልዕሊ መሳኪን ደቂ ኣንስትዮ ጃምላዊ ዓመጽ ዝፈጸመ: ንፍርቂ ሚልዮን መንእሰያት ኤርትራ መሰሎም ገፊፉ: ተስፍኦም ኣማህሚኑ ብግዱድ ዕስክርናን ግዱድ ስራሕን ናብ ገላዩ ዝቐየሮም ስርዓት ንዓለም ብንጹር ዘቃለዐ እዩ ነይሩ። እዚ ብኣፍ ተባዓት ግዳያት ዝተዘንተወ ሰነድ ድማ ሕላገት ዓመጽ ናይዚ ኣረሚናዊ ስርዓት ኮይኑ ክነብር’ዩ ።

ብዓይኒ ደለይቲ ፍትሒ፡ ኣብቲ ፍትሕን ሕግን ኣብ ኤርትራ ንምንጋስ ዝግበር ቃልሲ፡ እዚ ተበጺሑ ዘሎ ዓወት ከም ምውዳቅ ናደው እዝ ኣብ ቃልሲ ኤርትራ ዓቢ ነጥበ መቐይሮ‘ዩ ክበሃል ይከኣል። እዚ ድማ ብኽልተ መዳይ ክርአ ይከኣል። በቲ ሓደ ወገን ማሕበረሰብ ዓለም ንመጀመርያ ግዜ እቲ ኩላትና ኤርትራውያን ንፈልጦ፡ ኣብ ኤርትራ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ምህላዉ ዓው ኢሉ ብምምስካሩ ኣብቲ ሰርዓት ዝፈጠሮ ራዕዲን ዲፕሎማስያዊ ስዕረትን ክኸውን ከሎ፡ በቲ ኻልእ ወገን ድማ ኤርትራውያን ንመሰሎምን ሓርነቶምን ብሓደ ዀይኖም ድምጾም ብትብዓት ከስምዑን፡ ገበነኛታት ኣብ ፍርዲ ቀሪቦም፡ ኤርትራውያን ኣብ ሃገሮም ከም ዜጋታት ብዘይ ፍርሒ መሰሎም ተኸቢሩ፡ ብሕጊን ቅዋምን ክመሓደሩ፡ "እምቢ ንባርነት፡ እወ ንሓርነት" ዝበሉሉ ታሪኻዊ ዕለት ስለዝኾነ እዩ። ጀነቫ ሰነ 2016 ብኹሉ መለክዒታት፡ ብሞራል ይኹን ብዝሒ ሰብ፡ ሚዛን ሓይሊ ንረብሓ ደለይቲ ለውጢ ዝዛዘየሉ እዩ እንተተባህለ ኸኣ ካብ ሓቂ ምርሓቕ ኣይኮነን።

ድሕሪ ጀነቫ ናበይ?

ከምዚ ኣቀድም ኣቢልና ዝጠቐስናዮ፡ ጀነቫ ብመንጽር ደለይቲ ፍትሒ ሓደ ዓቢ ዝላ ንቕድሚት እዩ። ብዙሓት ኤርትራውያን ድሕሪ ጀነቫ እንታይ ክመጽእ እዩ? እንታይ እንተተገብረ ይሓይሽ ኣብ ምባል ይርከቡ። እዚ ድማ ኣዝዩ ኣገዳሲ ብምዃኑ ዕቱብ ኣቃልቦ ክወሃቦ ዝግባእ ሕቶ እዩ። ኩላትና ኣብ ግምት ከንእትዎም ዝግብኣና ክልተ ኣገደስቲ ነጥብታት ኣለዉ።

ቀዳማይ - ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ክረጋገጽ ኣወንታዊ ተራ ክጻወት ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ኣጀንዳኦም ብኣገዳስነት ተሰሪዑ ብቀጻሊ ክዛረቡሉን ዕቱብ ስጉምቲ ክወስዱን ጸቕጢ ኣብ ምግባር ኩሉ ደላዩ ፍትሒ ብኹሉ መኣዝን ጻዕሩ ከዛይድ ይግባእ። እዚ ናይ ጀነቫ ዓወት ብውሑዳት በላሕቲ ደለይቲ ፍትሒ ቅድሚ ገለ ዓመታት ዝተጀመረ ጎስጓስን ስራሕን ፍረ ምሃቡ መርኣያ ኣገዳስነት ምድንጋጽ ማሕበረሰብ ዓለም እዩ። እቶም ኣብዚ ጉዳይ ብመሪሕ ዝተዋስኡ ኣሕዋትን ኣሓትን ድማ ከነሞጉሶምን ከነኽብሮምን ይግባእ። ሰስኑ በርትዑ ፍትሓውያንን ሰብ ሕልና በሃራት ደቂ ሃገር ንብሎም።

እንተኾነ ግን ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ኮታስ ማሕበረሰብ ዓለም ብሓፈሻ ንጉዳይና ኣብ ምፍታሕ ሓጋዚ ተራ ጥራሕ ክጻወት ከምዝኽእል ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ። መጀመርያ በቲ ዘገምታዊ ኣካያይዳ ማሕበረሰብ ዓለም ኢሰያስን መሳርሕቱን ብገበን ተኸሲሶም ገበነኛታት ምዃኖም ኣብ ፍርዲ ክረጋገጽ ነዊሕ ዓመታት ዝወሰድ መስርሕ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን። ብድሕሪኡ ድማ ክሳብ ኣብ ስልጣን ዝሃለዉ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ውሳኔ ከተግብሮ ዘኽእሎ መጋበሪ ድሩት ብምዃኑ ንሱ'ውን ካልእ ርእሱ ዝኸኣለ ብድሆ እዩ። እዚ ክበሃል ከሎ ግና ነቲ ናይ ማሕበረሰብ ዓለም ተራ ንምንእኣስ ዘይኮነ እንታይ ድኣ ሚዛኑ ዘይሓለወ ትጽቢት መታን ከይህልወና ካብ ዝብል ሓሳብ ኢዩ።

ካልኣይ - ሕጂ’ውን ኩላትና ክንዝንግዖ ዘይብልና ኣገዳሲ ነገር እንተልዩ፡ እቲ ንብህጎ ለውጢ ብኣና ብኤርትራውያን ጥራሕ ኢዩ ጋህዲ ክኸውን ዝኽእል። ተራ ህዝቢ ኤርትራ ወሳኒ እዩ። ጀነቫ ዝመሃረትና ነገር እንተልዩ፡ ኤርትራ ተስፋ ከምዘለዋ እዩ። መንእሰያት ኤርትራ ብሓደ መንፈስ፡ እምቢ ንምልኪ ዝበሉሉ ህሞት እዩ። ኣገናዕ መንእሰያት ኤርትራ! እዚ ናይ ጀነቫ መንፈስን ናይ ለውጢ ድልየትን ብኸመይ ናህሪ ወሲኹ መሊሱ ይዛይድን ይሕይልን፡ ክሕስበሉን ክንመያየጠሉን ዘሎና ኣገዳሲ ነገር እዩ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ብኸመይ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ይልሕምን ይጉሃሃርን ብዕቱብ ክንሰርሓሉ ይግባእ። እቲ ቅድሚ 4/5 ዓመት ብውሑድ ዓቕሚ ተጀሚሩ ዝነበረ ከም በዓል ዓርቢ ሓርነት ፕሮጀክት፡ ናይ ቴሌፎን መልእኽትታ ብኸመይ ብዝሓየለን ብዝዓበየን ናብ ውሽጢ ኤርትራ ይልሑኽ፡ እተን ናብ ኤርትራ ዝፍነዋ ሬድዮታት ብኸመይ መልእኽታተን ኣወሃሂደን ይዝርግሓ ዝብሉን ካልኦትን ኣገደስቲ ሓሳባትን ክሕሰበሉ ይግባእ።

ጸብጻብ ኮምሽን ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ እቲ ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ዲፕሎማሲ ዘውረደሉ ማህሰይቲ ብዝያዳ እቲ ቀንዲ ዘበርከቶ ነገር እንተልዩ፡ እቲ ካብ ነዊሕ እዋን እንብህጎ ዝነበርና ዓቢ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ክልዓል ዕድል ምፍጣሩ እዩ። ንመጀመርያ ግዜ ብምኽንያት እዚ ጽብጻብ፡ ኤርትራውያን ናይ ቅድሚ ሕጂ ፖለቲካዊ ይኹን ሲቪካዊ ጥርናፈኦም ብዘየገድስ ኣብ ሓደ ሓሳብን ኣብ ሓደ ዓላማን ክዓስሉ ኣኽኢልዎም እዩ። ብኸመይ እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ምንቅስቓስ ሓይሉ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝባርዓሉ ባይታ ይጣጣሕ እዚ ሓዲሽ መድረኽ ዝፈጠሮ ብድሆ ደለይቲ ለውጢ እዩ። ነዚ ብድሆ ኣዕጋቢ መልሲ እንተረኺብናሉ ድማ እቲ ንብህጎን ንምነዮን ህዝቢ ዝሰረቱ ዝሓሸ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ጋህዲ ዝኾነሉ፡ እዋን ርሑቕ ኣይኽኸውንን እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ስለቲ ዘይሕለል መንፈሶምን ተወፋይነቶምን እናሞጎስና ነቶም ጸግዖም ሒዞም ዝዕዘቡ ዘለው ድማ ኣብ ጎኒ ፍትሕን ስርዓተ-ሕግን ተሰሊፎም ድምጾም ከስምዑ ጻውዒትና ነቕርብ። ማዕበል ህዝቢ ዓጋቲ የብሉን!

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ)

14 ሓምለ 2016

ፕሪቶርያ

3 views0 comments

Comments


bottom of page