top of page
  • emdhrorg

ዝተግዝአ ኣተሓሳስባ

ህቡብ ደራፋይ ቦብ ማርሊ ሓንቲ ካብተን ፍልጥቲ ደርፍታቱ “Emanicipate yourself from mental slavery” ትብል እያ። እዚ ማለት “ነብስኻ ካብ ናይ ኣእምሮ ባርነት ሓራ ኣውጽእ”። ብዙሕ ግዜ ከይተረድኣና ከም ቅቡል ንወስዶ ኣተሓሳስባ ይኹን ኩነታት ኣሎ። ብፍላይ ከተኩረሉ ደልየ ዘለኹ ግና ናይ ዓድና፡ ከም ህዝቢ ተቐቢልናዮ ንኸዶ ዘሎና ዘይንቡር ኩነታት ገለ ኣብነታት ጠቂሰ ሓደ ክልተ ሓሳባት ወስ ከብለልኩም።


ንልዕሊ 48 ዓመት ኣብ ስልጣን

ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ ስልጣን ካብ ዝድይብ ልዕሊ 48 ዓመት ጌሩ ኣሎ። ህዝባዊ ሓይልታት ካብ ዝምስረት መጀመርያ 70ዓታት ከም ዋና ጸሓፊ ድሕሪ ናጽነት ድማ ከም መራሒ ሃገር ማለት እዩ። ኣብ ኣፍሪቃ ሪከርድ እዩ። ኢሰያስ መልዕልተ-ባህርያዊ (super natural) ሓይሊ ዘለዎ ሰብ ኣይኮነን። ወዲ ኣፎርቂ መሳርሕቲ ስኢኑ፡ በይኑ ኮይኑ፡ ዝብል ኣዘራርባ ዝንቡዕ እዩ። ሓደ ተራ ሰብ ንኽንድዚ ዝኣክል ዓመታት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ንቡር ኣይኮነን፡ ከም ህዝቢ ድማ ፍጹም ክንቅበሎ ኣይግባእን።


ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት

ኣብ 1994 ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክእወጅ ከሎ ብዙሕ ዝተቃወመ ኣይነበረን። ምኽንያቱ ብግቡእ እንተተግቢሩ ኣብ ውሕስና ምኽልኻል ሃገር ይኹን፡ ሓድነት ህዝቢ ኣብ ምድልዳል ዓቢ ተራ ክጻወት ይኽእል ነይሩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ኣድላይነቱ ተጸኒዑ ኣብ ብዙሓት ምዕቡላት ዝበሃላ ሃገራት ከይተረፈ ዝትግበር እዩ። ብውልቂ’ውን ገለ መንእሰያት ትምህርቶም ምስ ወድኡ ቅድሚ ዩኒቨርሲቲ ምእታዎም ንሓደ ዓመት ዝኸውን ግዜ ዝተፈላለየ ቦታ ኣብ ምዛርን፡ ወይ ስራሕን የሕልፍዎ። እዚ ነቲ ካብ ወለዶም ተፈልዮም ሓዲሽ ምዕራፍ ናይ ህይወቶም ቅድሚ ምጅማሮም ብዛዕባ ዓለምን ከባቢኦምን ዝሓሸ መረዳእታ ክህልዎምን ክበስሉን ንኽሕግዞም እዩ። ስለዚ እቲ ናይ ዓመትን ፈረቃን ውሱን ደረት ዝነበሮ ሃገራዊ ኣገልግሎት በዚ መንጽር እዚ ክርአ ከሎ ብዙሕ ረብሓ ነይርዎ። ሕጂ ንድሕሪት ተመሊስካ ክርአ ከሎ ምናልባት ኣብ 1994፡ ኢሰያስ ብሃታ-ሃታ ክጅምሮ ከሎ ካልእ ዓላማ ነይርዎ ዝብል ኣይስኣንን ይኸውን።

ብዝኹነ መለክዒታቱ ክርአ ከሎ፡ ደረት ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ግና ምኽኑይ ክኸውን ኣይክእልን። ከም ህዝቢ ድማ ክንቕበሎ ፍጹም ኣይግባእን።


ማትሪክ ኣብ ሳዋ

ካብ 2003 ኣቢሉ ናይ ማትሪክ ተመሃሮ ኣብ ሳዋ ወሪዶም ክመሃሩ ተገዲዶም። መብዛሕትኦም እቶም ናይ 12 ክፍሊ ተመሃሮ ደቂ 16-17 እዮም። ገና ትሕቲ ዕድመ ብምዃኖም፡ ብፍላይ ድማ ተነቃፊ ዕድመ ብምዃኑ ካብ ሓላፍነት ወለዶም ክውሰዱ ፍጹም ኣይግባእን። ብዝኾነ መለክዒታቱ ንቡር ኣይኮነን፡ ከም ህዝቢ ድማ ክንቅበሎ ፍጹም ኣይግባእን።

ምስኡ ዝተሓሓዝ፡ ወለዲ ደቕኹም ክትርእዩ ናብ ሳዋ ክትከዱ እንተደሊኹም ተባሂሎም ኣውቶቡሳትን፡ ሆቴላትን ኣዳልዮም ደቆም ካብ ሕቑፊኦም ተወሲዶም ከይኣክል መሊሶም ድማ ካብ ዘይብሎም ካብ መን ክሓምቕ፡ እንተዘይከይደ ወደይ/ጓለይከ እንታይ ክስምዖ/ዓ እንዳበሉ ከይፈተዉ ገንዘቦም ነቶም ጎሓላሉ ይኸፍሉ። ምስቲ ብግዜ ደርጊ ኣብ ግዜ ዕግርግር፡ ናይ ቀይሕ ሽብር  ዝነበረ ኩነታት፡ ስድራቤታት ደቆም ተረሺኖን ከይኣኽሎም ሬሳ ደቕኹም ከፊልኩም ውሰዱ ዝበልሃሉ ዝነበሩ ዝፍለ ኣይኮነን። እዚ ብፍጹም ከም ንቡር ክውሰድ ዝግባእ ኣይኮነን።

ክረምታዊ ማእቶት

ተመሃሮ ዓሰርተ ኣዋርሕ ተማሂሮም ክልተ ወርሒ ከዕርፉን ክዘናግዑን ንቡር እዩ። ገለ ንፉዓት ሰሪሖም ንመምሃሪኦም ዝኸውን ገለ ገንዘብ ዘዋህልሉል ግዜ እዩ። ኣብ ገጠራት ከኣ ኣብ ማሕረስን ጉስነትን ንስድርኦም ይሕግዙ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ግና ነዚ ንቡር ናይ ዕረፍቲ ጊዜ ተመሃሮ፡ ክረምታዊ ማእቶት ብምባል ዘሪግዎ ይርከብ። ዕሸላት መንእሰያት ድማ ንሕማቕ ኩነታት ይቃልዑ። ንሕና ከም ህዝቢ ነዚ ኩነታት ከም ንቡር ክንወስዶ ኣይግባእን።   


ወዲ 90ዓታ ኣብ ቤት ማሕቡስ ክሞቱ

ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓጂ ሙሳ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝሞቱ፡ ገበኖም ድማ ኣብ ብሕታዊት ቤትምህርትና ጣልቃ ኣይትእተውና ስለዝበሉ ጥራሕ ምዃኑ ዝዝከር እዩ። ኣብ ዝኾነ ንቡር ዓለም፡ ዝኾነ ዓቢ ገበን ዝገበረ ሰብ ዋላይኹን፡ ኣብ ቤት ማሕቡስ ብሕማም ክመውት ኣብ ዝቐረበሉ ሓካይም መርሚሮም ክመውት ቀሪቡ ኣሎ ኢሎም ምስ መስከርሉ፡ ምስ ስድራቤቱ ብሰላም ተፋንዩ ክዓርፍ ምእንቲ ምሕረት ይግበረሉ። ከም ኣብነት ክጥቀስ ዝከኣል ኣብ ሎከርቢ ብዝበሃል ነፋሪት ዘቃጸለ ሊብያዊ ንሕልፈት ተፈሪዱ ተኣሲሩሉ ካብ ዝነበረ ቤትማእሰርቲ ብሕማም ክመውት ኣብ ዝቀረበሉ ግዜ ተፈቲሑ ብሰላም ምስ ቤተሰቡ ክዓርፍ ዕድል ረኺቡ። እዚ ድማ መሰረታዊ ሰብኣውነትን ርሕራሔን ዘንጸባርቕ ምምሕዳር መንግስቲ እዩ። ናይ ዓድና ምምሕዳር ግና ዋላሓንቲ ገበን ዘይብሎም ወዲ 93 ዓመት ካብ ዝፈትውዎም ስድርኦም ተፈልዮም ንኽሞቱ ፈሪድዎም። እዚ ንቡር ኣይኮነን፡ ነቲ ኩነታት ክንቕይሮ ብዘይምኽኣልና ድማ ከም ህዝቢ ከሕፍረና ይግባእ።


ንሞት ከም ንቡር ምውሳድ

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተታ ዓመታት፡ ኤርትራዊ ኣብ ዝተፈላለየ ኩነታት ሞት ዕጭኡ ኮይኑ ይርከብ። ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብሰንኪ ሕማቕ ኣተሓሕዛን፡ ጉድለት ሕክምናን፡ ክንደይ ኣሽሓት መንእሰያት ህይወቶም ብኸንቱ ተቖጽዩ ተሪፉ። ሞት ናይ ሓደ መንእሰይ ድማ ኣብ ወለዱን፡ ቤተሰቡን ዘውርዶ ማሕበራዊ ይኹን ስነኣእምሮዊ በሰላ ብኣሃዝ ክንድዚ ኢልካ ክትጽብጽቦ ዝከኣል እኳ እንተዘይኮን ግና ከቢድ ምዃኑ ንስሕቶ ኣይብልን።

ኣብ 1997 ናይ ታዕሊም ተሃድሶ ተባሂልና ኣባላት ቀዳማይ ዙርያን ናይ ወጋሕታን ንታዕሊም ተጸዊዕና ነይርና። ካብ ኣስማጥ ናይ ሓደ ሰዓት ብመኪና ኣቢሉ ዝርሕቀቱ ሩባ ዛራ ኢና ተመዲብና ነይርና። ሓደ ብጻይና ውጽኣት ይሓምም እሞ፡ ካብ ቤትጽሕፈት ቦጦሎኒ ኣብ 4-5 መዓልታት ጥራሕ እየን መካይን ዝመጻና ነይረን። እዚ ወዲ ክሳብ ናብ ናይ ቦጦሎኒ ሕክምና ዝኸይድ 3-4 መዓልታት፡ ኣብ ሕክምና ቦጦሎኒ 3-4 መዓልታት ገይሩ ምስ ተወጽዐ ናብ ከረን ሕክምና እንዳኸደ ኣብ መንገዲ ዓሪፉ። ብተመሳሳሊ ካብቲ ካልእ ቦጦሎኒ 4-5 መንእሰያት ብሕማም ዓሶ ሞይቶም። እዚ ኣብ ውሽጢ ወርሕን ፈረቓን ኣቢሉ ዝኸውን ግዜ እዩ።

ኣብ 1999 ድሕሪ ካልኣይ ወራር ከቲትና ከሎና፡ ካብታ ዝነበርኩላ ቦጦሎኒ ሓደ መንእሰይ መርዕኡ ኣኺሉ ኣቦኡን ሓወቦኡን ከፍቅዱ ናብ ከባቢ ዓዲ ሃኪን ዝበሃል ቦታ ዝነበረ ግንባር ይመጹ እሞ፡ ኣዛዚ ብርጌድ ኣብ ተጠንቀቕ ስለዘሎና ከነፍቅደሉ ኣይንኽእልን ኢና ይብሎም። እቲ መንእሰይ ነቡኡን ሓወቦኡን ምስ ኣፋነዎም፡ ሞሊቑ ድድሕሪኦም ናብ ገዛ ይኸይድ። መርዓ ሓሊፉ መርዓት ኣብ ገዛ ትጸንሖ። ድሕሪ ገለ መዓልታት ሓደ ወዲ ከባቢኡ ዓዱ ዝፈልጥ ሰብ ከምጽኦ ይሰድሉ። ኣምጽኣዮ ኢሎም ልኢኾምኒ ኣለዉ ድሕሪ 3 መዓልቲ ክመጸካ እየ’ሞ ተቀሪብካ ጽንሓኒ ይብሎ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ድማ ተተሓሒዞም ናብ ኣሃዱኦም ይምለሱ። ነዚ ወዲ ተቐቢሎም፡ ኮብሊልካ ኢሎም ረሺኖሞ።

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስክዎ ካብቲ ኣነ ዝነበርክሉ ቦጦሎኒ ገለ ኣብነታት ንምጥቃስ እየ። እዚ ኣብ ምሉኡ ሰራዊት፡ እሞ ከኣ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ክባዛሕ ከሎ፡ ክንደይ መንእሰይ ብኸንቱ ተቐዚፉ ከምዘሎ ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን።

ኣብ ስግረ ዶብ ብጥይት ይኹን፡ ብጽምኢ ዝወደቀ፡ ኣብ እስርቤት ብሰንኪ ጥምየትን መሰረታዊ ጉድለት ሕክምናን ክንደይ ይኸዉን ዝሞተን ዝመውት ዘሎን፡ ዓይኑ ዝዓወረን፡ ዝሰንከለን? ኣብ ሲና፡ ሰሃራ፡ ባሕሪ ሜዲተራንያን ዝሃለቁ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከ?

እዚ ሞት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንቡር ኣይኮነን። እሞ ከም ህዝብን ሕብረተሰብን እኹል ግብረ-መልሲ ዶ ንህብ ኣሎና? እዚ ኩሉ ኣብ ቅድሚ ዓይንና እንዳረአና ከምዘይምልከተና ሱቕ ክንብል፡ እምበርዶ ኣእምሮናን ኣተሓሳስባናን ድሓን ኣሎ?


ክልተ ካብ ሚእቲ ምኽፋል

ብዘይካ ኣብ ሃገራት ኣዕራብን ኣፍሪቃን ብፖስፖርት ዝነብሩ ኤርትራውያን ገዲፍካ፡ ኣብ ኤውሮፓ ይኹን ኣሜሪካ ዝነብሩ ኤርትራውያን ክልተ ካብ ሚእቲ ክኸፍሉ ዘገድዶም ብቑዕ ምኽንያት ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ሓደ ብሕጊን ተሓታትነትን ዘይመሓደር ስርዓት ከመይ ገይርካ ገንዘብ ትኸፍሎ? ኣታዊታቱን ወጻኢታቱን ዘይፍለጥ፡ ባጀት ዘይብሉ መንግስቲ፡ ገንዘብካ ኣበይ ከምዘውዕሎ ዘይትፈልጥ፡ “ሰብ ናብ ማይ ዘለዎ ይኸይድ እምበር፡ ማይ ናብ ሰብ ኣይመጽእን” ኢሉ ብንዕቀት ኣፉ መሊኡ ዝዛረብ መራሒ፡ ባኒን መሰረታውያን ሃለኽቲ ነገራትን ክቕርብ ዘይክእል ስርዓት ዓይንኻ እንዳረኣየ ገንዘብ ካብ ምኽፋል፡ ዓድካን ስድራኻን ከይረአኻ ሱቕ ይሓይሽ። ነቲ ጨቐቕ ኢልካን ድፋጫኻ እንዳሰተኻ ዘዋህለልካዮ ገንዘብ ነዚ ስርዓት ምኽፋል ብዝኾነ ምኽንያት ቅቡል ክኸውን ኣይክእልን፡ ናይ ሚዛናዊ ኣእምሮ ኣተሓሳስባ’ውን ኣይኮነን።

እቲ ዝርዝር ዝውዳእ ኣይኮነን። ንሕና ኤርትራውያን ነዚ ዘይንቡር ኩነታት ከም ንቡር ወሲድና ክንከይድ ካብ ንጅምር ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ። ንሱ እዩ ድማ እምበርዶ ኣእምሮና ድሓን ኣሎ ኢልና ክንሓትት ዘድልየና። እዚ ኣተሓሳስባ ናይ ብነጻ ዝሓስብ፡ ንህሉው ኩነታት ብግቡእ ዘገናዝብ፡ ጥዑይ ኣእምሮ ኣይኮነ፡፡

ቅዋምን ሕግን ዘይብላ፡ ናይ እምነት፡ ምዝራብ፡ ሓሳብካ ምግላጽ፡ ምውዳብ፡ ምንቅስቓስ፡ መሰላት ዝጎደላ፡ ናይ ኣጽንሑለይ ማእሰርቲ፡ ሓንቲ ባኒ ንሓደ ሰብ ብሪጋ ዝዕደለላ፡ ክቱር ሕጽረት ኣባይቲ ኣብ ዘለዎ ገዛውቲ ዝፈርሰላ ሃገር፡ እቲ ዝርዝር ዝውዳእ ኣይኮነን።

እዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮም ዘይንቡር ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን፡ ንሕና ህዝቢ ኤርትራ ከም ንቡር ተቐቢልናዮም ንኸይድ ዘሎና ገለ ባሕሪ ብጭልፋ ንምጥቃስ ዝኣክል ጥራሕ እዩ።

እሞ እንታይ ንግበር?

ሓቂ እዩ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዝኸውን ዓመታት፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ነዚ ዘይንቡር ኩነታት ንምቕያር ተጠርኒፎምን ተወዲቦምን ክሰርሑ ከምዘለዎም ተረዲኦም ክጥርነፉን ሓቢሮም ክሰርሑን ብዙሕ ፈተነታት ገይሮምን ይገብሩ ኣለዉን። እዚ ንባዕሉ ሓደ ዓቢ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ። የግዳስ ዘይከም ትጽቢትናን ተስፋናን እዚ ናይ ለውጢ ምንቅስቓሳት ከምቲ ንደልዮ ፍረን ለውጢን ከምጽእ ኣይከኣለን ዘሎ። ብፍላይ ድማ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት እዚ ናይ ለውጢ ምንቅስቓሳት መኣዝኑ ጠፊእዎ ኣብ ስቕታን፡ ጓልመንገዲ ሸንኮለልን፡ ንሓድሕድካ ምትዃብን ተሸሚሙ ኣሎ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን።


ሓድነት

ብዙሕ ግዜ “እዞም ተቃወምቲ ሓድነት የብሎምን” ትብል ሓረግ ትደጋገም እያ። ባዕልና እቶም ደለይቲ ፍትሒ’ውን ሓድነት ከም ቅድመ ኩነት ወሲድና ክንሰምር ብዙሕ ግዜ ንፍትን ኢን። የግዳስ ከምቲ ዝበሃግናዮ ክንሰምር ኣይከኣልናን። መጀመርያ እንታይ ዓይነት ስምረት ወይ ሓድነት ከምዘድልየና’ውን ብንጹር ኣይተረዳእናዮን ዘሎና ንመስል። ብመጀመርያ ኩሉ ደላዩ ፍትሒ ኣብ ሓደ ዉደባ ክጥርነፍ ኣድላዩነት ኣለዎ ድዩ? ካልኣይ ከኣ፡ ይከኣል ድዩኸ? ዝብሉ መሰረታውያን ሕቶታት ክንሓትትን መልሲ ክንደየሎምን ኣገዳሲ እዩ።

ናይዚ ዝሓለፈ 10-15 ዓመታት ተሞክሮ እንተርኢና፡ ሓደ ምዃን ወይ’ውን ስምረት ዝከኣል ኣይመስልን። ብናተይ ርእይቶ ድማ ኣድላይነት የብሉን፡ ንመጻኢ’ውን ኣየርብሓናን እዩ በሃላይ እየ። ምኽንያቱ ካብ ናይ ብረታዊ ቃልሲ ተሞክሮና ክንመሃር እንተዀንና፡ ናይ ህዝባዊ ግንባር ኣብነት ዓቢ መምህርና እዩ። ከይንደግሞ ድማ ክንጥንቀቕ ይግባእ።


ዘዓውት ስትራተጂ

ካብዚ ናይዚ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ተሞክሮን፡ እቲ ዝሓሸ ነቲ ንደልዮ ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል ስትራተጂ እንታይ እዩ እንተበልና፡ ዝኾነ ደላዩ ለውጢ ኣብቲ ዝምእምኦን ዝረዓሞን ፖለቲካዊ ይኹን ሲቪካዊ ውድብ ይጠርነፍ። ብግሊ ዝደሊ ድማ ብግሊ ማለት እዩ። እዞም ግለሰባት ይኹኑ ፖለቲካያን ወይ’ውን ሲቪካውያን ውድባት ግና ሓቢሮም ክሰርሑሉ ዘኽእሎም፡ ኣብ ስራሕ ዘድሃበ መደባት ኣለልዮም፡ ሓቢሮም ተወሃሂዶም ክሰርሑ ይኽእሉ። ኣብ 2016፡ ናይ ጀነቫ ዓቢን ዕዉትን ሰላማዊ ሰልፊ ብሓደ ዓቢ ውድብ ወይ ምንቅስቓስ ዝተወደበ ኣይነበረን። ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ሓደ ዓላማ በብዓቕሞም ተሳቲፎም ተዓዊቶም ድማ። ሓደ መሪሕነት ዘለዎ ውድብ ወይ ምንቅስቓስ ክምስርቱ ከም ቅድመ-ኩነት ኣይወደስዎን። እቲ ኣውራ ዘድልየና፡ እቲ ክስራሕ ዘለዎ ነገር ኣለሊና፡ ንምትግባሩ ድማ ኩላትና ክንሳተፍ ንኽእል ማለት እዩ። እቲ ናይ ውድበይን ምንቅስቓሰይን ዝብል ስምዒታትን፡ ናይ ስልጣን ውድድር፡ ምትፍናንን ምትዕንቃፍን ድማ ክእለ ይኽእል።


እንታይ እዮም እቶም ክስርሑ ዝኽእሉ ስርሓት?

ከም ኣብነት ንምጥቃስ፡ ብዙሓት ናይ ደለይቲ ለውጢ ናይ ሳታላይት ሬድዮን መርበብ ሓበሬታን ኣለዋ። እዘን መራኸቢ ብዙሃን ዋላኳ ንሓድሕደን ዝወዳደራ እንተዀና፡ የግዳስ ንኹለን ዘሰማምዐን ሓደ ናይ ሓባር ዓላማ ኣለወን። ንሱ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ሓቀኛን፡ ርትዓዊ ሓበሬታ ኣብ ምስናቕን፡ መሰሉ ኣብ ምፍላጥን ምምሃርን ምጉስጓስን እዩ፡፡ ስለዚ ብኸመይ ነቲ ዘለዎም ድሩት ዓቕሚ ሰብን ንዋትን ኣወሃሂዶም ነዚ ሸቶኦም ይወቕዑ ናይ ሓባር መደብ ሰሪዖም ክሰርሑ ይኽእሉ። እዚ ድማ ሓደ ንኹላቶም ዝሰማምዕሉ ናይ ስራሕ ዕማም ኣውጺኦም ክሰርሑ ይኽእሉ። ምስ ሰባት ክትሰርሕ ቀሊል ዋላኳ እንተዘይኮነ፡ ግና ንዝያዳ ኣድማዒ ስራሕ ብልፍንቲ ምስራሕ ዝሓሸ ኣማራጺ ክኸዉን ይኽእል። ዋላ ኸማን ሓቢሮም ክሰርሑ ኹነታቶም እንተዘየፍቐደሎም፡ ሓበሬታን፡ ተሞኩሮን ክለዋወጡ ዘኽእሎም ሓደ መድረኽ ክፈጥሩ እንተኽኢሎም ዝያዳ ኣድማዒን ውጽኢት ዘለዎን ስራሕ ክሰርሑ ይሕግዞም።

ካልእ ኣብነት፡ ብዙሓት ኣብነታውያንን ዕዉት ስራሕ ዝሰርሑ ዘለዉ ተጣበቕቲ መሰላት ኣለዉ። መብሓትኦም ብበውልቆም እዮም ነዚ ዕውት ስራሕ ዝሰርሕዎ ዘለዉ። ብሕብረት ዝሰርሕዎ ገለ ፕሮጀክትታት እንተዝገብሩ ዝበለጸንን ዝተዓጻጸፈን ውጽኢት ምሓፈሱ ዝብል እምነት ኣሎኒ።

ኣብ ፍቐዶ መዓስከር ስደተኛታት ዘለዉ ጽጉማት ኣብ ምርዳእ ዝነጥፍ ሓደ ናይ ረድኤት ትካል እንተዝምስረት እቲ ብተናጸል ዝግበር ሓገዛት ብዝበለጸ ተወዲቡን ተወሃሂዱን፡ ኣብ ኩሉ ዓለም ዘሎ ኤርትራዊ ከከምዓቕሙ ክሳተፍ ኣፍደገ ምኸፈተ’ሞ ዝያዳ ፍረ ክህብ ዝኽእል ዕዉት ስራሕ ክስራሕ ምተኻእለ። ኣብ ክንዲ ብወለንታ  ዝሰርሑ ሰባት ጥራሕ ዝስራሕ፡ ሰብ ሞያ ቆጺርካ ከተካይዶ ዝሓሽ ውጽኢት ክህብ ምኸኣለ።  

ስነጥበብ ኣብ ናይ ፍትሒ ቃልሲ ዘለዎ ዓቢ ግደ ንኹላትና ብሩህ እዩ። ደረፍቲ፡ ሙዚቀኛታት፡ ገጠምቲ፡ ጸሓፍቲን፡ ሰኣልቲን ካልኦት ስነጥበባውያንን ነቲ ብውልቂ ዝገብርዎ ስርሓት፡ ሓቢሮም ክሰርሕሉ ዘኽእሎም መደባትን ፕሮጀክታትት ኣዳልዮም ክሰርሑ እንተዝኽእሉ ክንደይኾን ምጠዓመን ኣብ ህዝቢ ዓቢ ጽልዋ ምገበሩን።

ሓደ ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዝገበሮን ዝገብሮ ዘሎን ከቢድ ጉድኣት፡ ብዝተፈላለየ ሜላ ተጠቂምካ ሓድነት ህዝቢ ምልሕላሕ እዩ። ብዝተፈላለየ መልክዓቱ ኣብ ህዝቢ ፍልልይ ኣሎ። ነዚ ሓድነት ኣብ ምድልዳል ዝዕላምኡ ናይ ክፉት ዘተን ዕርቂን መደባት እትሰርዕን እተወሃህድን ብሰብ ሞያን፡ መራሕቲ ሃይማኖታትን ለባማት ዜጋታትን ዝኣባላታ ሓይሊ ዕማም ተመስሪታ ክትሰርሕ እንተትኽእል ጽቡቕ ምኾነ።

እዚ ገለ ገለ ኣብነታት ንምጥቃስ ዝኣክል ጥራሕ እዩ። እቲ ዋና ኣገዳሲ ነጥቢ ነቲ ንብህጎ ለውጢ እንታይ ሰሪሕና ኢና ከነምጽኦ ንኽእል ምልላይ የድልየና። ድሕሪኡ ድማ ብኸመይ ምስ ካልኦት ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ተሓባቢርና ነቲ ስራሕ ነዓውቶ መደብ ኣውጺእና ኣብ ስራሕ ዘተኮረ ውህደት ጌርና ንሰርሕ። ሓቢርና ክንሰርሕ ምስ ጀመርና፡ ሽዑ ክንፋለጥን፡ ክንተኣማመንን፡ ሓቀኛ መራሕቲ ከነለልን ክንክእል ኢና። ስምረት ድማ ውጽኢት ናይ ሓባር ስራሕ ክኾነልና እዩ።


መደምደምታ

ኩነታት ናይ ኤርትራን ህዝባን ብዙሕ ተስፋ ዝህብ ብዘይምዃኑ ተስፋ ክንቖርጽ ባህርያዊ እዩ። ስለዚ እዮም ድማ ብዙሓት ኤርትራውያ’ውን ሱቅታ መሪጾም ውራይ ናብራኦም ኣብ ምግባር ተጸሚዶም ዘለዉ። ገሊኦም’ውን ኣብታ ኣቦታትና ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያምን ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ዝሓለምዋ፡ ህዝባ ብሰላምን፡ ብፍትሕን፡ ብሓርነትን፡ ብኽብረትን ብብልጽግናን ዝነብረላ፡ ውልቀ-ሰብ ዘይኮነ ሕጊ ዝገዝኣ ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ከምዘይትኽእል ተስፋ ቆሪጾም ኣብ ኣንድነት ከማዕድዉ ይርኣዩ ኣለዉ። ግና ከምቲ ኔልሰን ማንዴላ ዝበሎ “Every thing seems impossible until it is done.” (ዝኾነ ነገር ክሳብ ዝኸውን ዘይከውን እዩ ዝመስል) ንሕና ኤርትራውያን ተስፋ ክንቆርጽ ምርጫ የብልናን። እዛ ንብህጋ ኤርትራ ድማ ክውንቲ ክትከውን ምዃና ዋላ ሓንቲ ዘጠራጥር የብልናን። እዚ ግና ካብቲ ኣእምሮና ኣሲሩ፡ ነቲ ዘይንቡር ከም ንቡር ክንቕበል ጌሩና ዘሎ ናይ ኣእምሮ ማእሰርቲ ገዛእ ርእስና ሓራ ምስ ነውጽእ እዩ። Amandla… Awethu… ስልጣን... ንህዝቢ!

ኢያሱ ዓንደማርያም

ደቡብ ኣፍሪቃ

4 views0 comments
bottom of page