top of page
  • emdhrorg

ቅልዕቲ ደብዳቤ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶር ኣብይ ኣሕመድ


ዝኸበርካ ዶር ኣብይ ኣሕመድ፡


ንሕና ኣባላት ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዴሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ) ኣብ ዝሓለፈ ጉባኤ ኢሂወደግ ዋና ጸሓፊ ኮይንካ ምስተመረጽካን፡ ብድሕሪኡ ኣብ መደረኻ ንውሳኔ ኮምሽን ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ-ኩነት ከምትቕበሎን ከም ተተግብሮን ምስ በልካን፡ ነቲ ንልዕሊ 20 ዓመታት ብኹናትን ብሳዕቤኑን ብኣካልን፡ መንፈስን፡ ስነ-ኣእምሮንኣዊ መጉዳእቲን እዚ ኢልካ ክግመት ዘይከኣል ዕንወትን፡ ምጉስቛልን ዝጸገበ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘይተጸበዮ ካብ ሰማይ ከምዝወረደ ትኣምራትን፡ ተስፋ ዘስነቐን እዩ ነይሩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን።


እቲ ብኽቱር ናህሪ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ከተተኣታትዎ ዝጀመርካ ናይ ፖሊሲ ለውጢ፡ ንዕርቅን ሰላምን መሰረታዊ ረቛሒ ዝኾነ ናይ ፖለቲካ እሱራት ምፍታሕ፡ ኣብ ስደት ዝነበሩ ናይ ተቓወምቲ ውድባት ናብ ዓዶም ተመሊሶም ብሰላም ኣብ ፖለቲካ ሃገሮም ክነጥፉ ብዘተባብዕካዮም መሰረት፡ ዕጥቆም ኣውሪዶም ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ ምስ ረኣና፡ ከም ደለይቲ ጽቡቕ ኢትዮጵያ ኣዚና ተሓጉስና፡ ብመንፈስ ኣብ ሓጎስኩም ተኻፈልቲ ነይርና። እዚ ድማ ካብ ጽቡቕ ድላይ ዝተበገሰ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ዝተረጋግአትን ሰላም ዘለዋን ኢትዮጵያ ንረብሓ ኤርትራ ብፍላይ፡ ንምርግጋእ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ድማ ብሓፈሻ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ስለ ንኣምን እዩ።  

እንተዀነ፡ እዚ ብጽቡቕ ዝጀመረ ናይ ሰላምን ተስፋን ሓድሽ ዘመን ንዓና ንኤርትራውያን ኣብ ከቢድ ሻቕሎትን ተስፋ ምቑራጽን ኣእትዩና ንርከብ። ትዝንግዖ እኳ እንተዘይበልና፡ ኤርትራውያን መንነቶምን ሃገሮምን ንምውሓስ ዝሓለፍዎ መስገደልን፡ ዝኸፈልዎ መስዋእትን እዚ ኢልካ ክትዝርዝሮን ክትጽብጽቦን ዝከኣል ኣይኮነን። ካብ 40ታት ክሳብ 50ታት ናይ ፖለቲካ ቁርቁስ፡ ካብ 60ታት ክሳብ 90ታት ድማ ከቢድ ደማዊ ኩናት ሰጊሮም፡ ኤርትራ ጋህዲ ክትከውን ጌሮም፡ ኣብ 1993 ብልዕሊ 98% ብድምጾም፡ ብረፈረንደም ኤርትራ ከም ሃገር ክትስራዕ ገይሮም። ኣብዚ ናይ ልዕሊ 50 ዓመታትት ገድሊ ብዙሓት ናይ ኢትዮጵያ ይኹኑ፡ ናይ ዓለም ሓያላት መራሕቲን ፖለቲከኛታት ናይ ናጽነት ድላይ ኤርትራውያን ግሂሶም ኣፎም ክዓብሱ እኳ እንተፈተኑ፡ የግዳስ ብሓይሊ ኣምላኽን፡ ብጻዕርን መስዋእትን ክቡራት ደቁን ኤርትራ ነጻነታ ረኺባ ተዓዊታ።


እዛ ብኸቢድ መስዋእቲ ዝተረኽበት ኤርትራ፡ ጽቡቕ ዕድል ኣይገበረትን በቶም ሓራ ዘውጽእዋ ደቃ ትግፋዕን ትቕጥቀጥን ኣላ። ህዝባ መሰረታዊ መሰሉ ተጋሂሱ፡ ኣብ ዓዱ ከም ዜጋ ዘይኮነስ ከም ባርያ ኮይኑ፡ ኣፉ ተዓቢሱ፡ ርእሱ ኣድኒኑን ተዋሪዱን ክነብር ተገዲዱ ኣሎ። ከምቲ ኣብ መደረታትካ ዝበልካዮ፡ ንዲሞክራሲያዊ ምሕደራን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ትጣበቕ እንተዀንካ፡ ብኸመይ ድኣ ምስቲ ንህዝቢ ኤርትራ ብጎሮርኡ ዓትዒቱ ምትንፋስ ከሊእዎ ዘሎ ጨቛኒን ቀታሊን ስርዓት ትመሓዞ? ከም ወካሊ ሃገር መጠን፡ ዲፕሎሲያዊ ዝምድና ክትገብር ርዱእ እኳ እንተዀነ፡ እዚ ትገብሮ ዘሎኻ ምሕዝነት ግን ደረቱ ዝሰሓተን ኣዝዩ ኣሰካፍን ኮይኑ ኣሎ። እዚ ድማ ነቲ መጀመርያ ኣብ ስልጣን ምስ መጻእካ ረኺብካዮ ዝነበርካ ጽቡቕ ምስሊ ደዊንዎ ይርከብ።


ከም ናይ ኢትዮጵያ መራሒ መጠን፡ ዋላኳ ብዛዕባ ፖለቲካዊ መርገጺታትካ ክንዛረበካ ናትና ሓላፍነት ኣይኹን፡ ትገብሮ ውሳነታት ንረብሓ ህዝብን ሉኣላውነት ሃገር ኤርትራ ዝግህስ ምስ ዝኸውን፡ ዓገብ! ትጋገ ኣሎኻ! ክንብለካ ሓላፍነት ኣሎና። ረብሓ ኤርትራን ህዝባን ናተይ ሓላፍነት ኣይኮነን ኣይግድሰንን እዩ፡ ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ረብሓ ጥራሕ እዩ ዝምልከተኒ ትብል ትህሉ፡ የግዳስ ነባሪ ረብሓ ኢትዮጵያ ዝኽበር፡ ረብሓ ኤርትራን ህዝባን ምስዝኸበር ጥራሕ ምዃኑ ኣይትዘንግዕ። ረብሓ ኤርትራውያን ምስ ዘየኽብር ስርዓት ብድሕሪ መጋረጃን ብስቱርን ትገብሮ ዝኾነ ውዕላት ንኢትዮጵያ’ውን ከምዘየርብሓ ኣይትረስዕ።


ኣብዚ ቀረባ እዋን ብመራኸቢ ብዙሓን ንከታተሎ ከምዘሎና፡ ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር ምዃና ንጎድኒ ጎሲኻ፡ ብዘይ ሕንከት ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝዝርጋሕ መንገዲ ባቡር ምስ መንግስቲ ጣልያን ከምዝተዛራረብካን፡ ሕጂ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ከኣ “እቶም ኣቐዲሞም ዝተነጸሉ መዓልቲ ይንዋሕ ይሕጸር ናብ ኢትዮጵያ ከምዝምለሱ ኣይጠራጠርን እየ” ክትብል ኣንዳዕዲዕካ ነቲ ናይ ኤርትራ ምድማር ሕልምኻ ጋህዲ ጌርካዮ ኣሎኻ።


ንሕና ኤርትራውያን ክንላበወካ ንደልዮ ነገር እንተልዩ፡ ንኢሰያስ ነቲ ትደልዮ ዘሎኻ ዓላማ (ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ምድማር) ንምዕዋት ከም መጋበሪ ክትጥቀመሉ ትሓስብ ትህሉ። ንሱ’ውን ንዓኻ ንናቱ ረብሓ ክጥቀመልካ ይሓስብ ይህሉ። የግዳስ ብሓዊ ምጽዋት ንዓኻ ኣብ ሓደጋ ዘእቱን፡ ምናልባት’ውን ክልክመካ ከምዝኽእል ኣይትዘንግዕ። ልዕሊ ኹሉ ከኣ ነቲ ኣማኢት ኣሽሓት ንጹሓት ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያን ዝቐዘፈ 30 ዓመታት ዝወሰደ ደማዊ ኩናት ክድገመሉ ዝኽእል ኩነታት ተመቻችእ ምህላውካ ኣይትዘንግዕ።


ሰላምን ምርግጋእን ዝዓሰላ፡ ሓያልን ብልጽግትን ኢትዮጵያ ንረብሓ ኤርትራ ምዃኑ ኩሎም ኤርትራውያን ክኣምኑን ንትግባሪኡ ክሰርሑን፡ ብተመሳሳሊ ድማ፡ መሰል ዜጋታታ እተኽብር፡ ብግሕን ፍትሕን እትግዛእ ሉኣላዊት ኤርትራ ንረብሓ ኢትዮጵያ ምዃኑ ኢትዮጵያውያን ኣሚኖም ጋህዲ ንምግባሩ ክጽዕቱ ብትሕትና ንጽውዕ። ንስኻ ድማ ከም መራሒ ሃገር መጠን ነዚ ንምትግባር ተሰካሚ ሓላፍነት ይገብረካ። ኤርትራውያን ኣብ ዓዶም ከም ባሮት ከለዉ፡ ምስቶም ገፋዕቶም ተመሓዚኻ ነባሪ ሰላም ክተምጽእ ግን ዘበት እዩ። ካብኡ ዝበኣስ ግና ኤርትራውያን ኣብ ዝደኸሙሉን ዝተበታተኑሉን ኢሰያስ “ካብ ሕጂ ንድሓር ንስኻ ኢኻ ትመርሓና ” ኣብ ዝበለሉ፡ ምቹእ ኩነታት ዝተፈጥረ መሲሉካ ንኤርትራን ህዝባን ምስ ኢትዮጵያ ክትድምር ሃንደፍደፍ ትብል እንተሊኻ፡ ትጋገ ኣሎኻ ናብ ልብኻ ተመለስ ንብለካ።

ሰላም ንውጹዕ ህዝቢታት ኤርትራን ኢትዮጵያን!

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ)

8 ለካቲት 2019

ፕሪቶርያ - ደቡብ ኣፍሪቃ


5 views0 comments
bottom of page