top of page
  • emdhrorg

ምኹላዕ ዓቕሚ ኤርትራዊ መሪሕነት

Updated: Jul 18, 2021

ብናሆም ኪዳን

(ትርጉም - ኢያሱ ዓንደማሪያም)


“ኣበይ ኣለዉ መራሕትና፧” “እዚ ደንበ ተቓውሞ መራሕቲ የብሉን”፥ “ንኢሰያስ ኣይፈትዎን እየ’ሞ፡ እዞም ተቓወምቲ’ውን ካብኡ ኣይሕሹን እዮም”“መተካእታ ኢሰያስ ክኸውን ዝኽእል መን ኣሎ”፥ “በይኑ ዀይኑ”፥ እዚኦም ገለ ካብቲ ሰባት ብዛዕባ ጉድለት መሪሕነት ኣብ ደለይቲ ፍትሒ ክብልዎ ዝሰምዖም ኣበሃህላታት እዮም። ብርእይቶኦም፡ ደንበ ተቓውሞ ብጉድለት መሪሕነት ከምዝሳቐ ይገልጹ። ኣብዚ ጽሑፍ፡ ኣብ ነፍሲወከፍ ማሕበረኮማትና፡ ብብዙሓት ክመርሑ ዓቕሚ ዘለዎም ሰባት ተባሪኽና ኢና: ከምቲ ሉል ሓመዱ ተኣልዩ ዝኹላዕ፡ ነዞም መራሕቲ ኣለሊና ክንኹልዖም ኣሎና ዝብል ሞጎተ ከቕርብ ክፍትን እየ። እዞም ንዛረበሎም ዘሎና ሰባት ካብ ሰቦም ንላዕሊ ፈላጣት፡ ተባዓት፡ ተውህቦ ዘለዎም፡ ሓሳቦም ክገልጹ ድሕር ዘይብሉ፡ ኣይኮኑን። የግዳስ፡ ንናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ክመርሑ ወይ’ውን ኣብታ ድሕሪ ኢሰያስ ትፍጠር ኤርትራ፡ ፖለቲካውያን፡ ማሕበራውያን፡ ዓበይቲ ትካላት ክመርሑ ዘኽእሎም ባህርያት / ክብርታትን ክእለትን ስለዘንጸባርቑ እዮም። ነዞም ኣብ ሞንጎና ዘለዉ ሰባት ግና ነለልዮም ዶ፧ ናይ ንፉዕ መሪሕነት ባህርያት እንታይ ከም ዝመስል ነለሊ ዶ፧ ይገርመኩም እዩ፡ ካብ ናተይ ናይ ዝሓለፈ 2-3 ዓመት ናይ ደለይቲ-ፍትሒ ትዕዝብትታተይ፡ እቶም ነዚ ዝበልናዮ ናይ ዕዉት መሪሕነት ባህርያት ዘለዎም ሰባት፡ ንመሪሕነት ዕጥይጥይ ዝብሉ ኮይኖም ረኺበዮም። ሰብ ክርእየሎም ኣይኮኑን ዝሰርሑ፡ እንታይ ድኣ፡ ነቲ ናይ ህዝቦምን ሃገሮም ኩነታት ክቕይሩ ካብ ዘለዎም ጾር ተበጊሶም ጥራሕ እዮም ነቲ ናይ መሪሕነት ተራ ዝጻወትዎ። ብድሕሪ መጋረጃ ኰይኖም መደባት ክሰርዑን፡ ዕዮ ክዓዩን ብዝያዳ ይመርጹ። እዚ ናይ ትሕትና ባህርያቶም፡ ንቅድሚት ከይወጹን ብሰባት ከይፍለጡን፡ ነቲ ሲቪላዊ ይኹን፡ ፖለቲካዊ ናይ ለውጢ ምንቅስቓሳትና፡ ሸትኦም ክወቕዑ ከማእዝን ዝኽእል ኣገዳሲ ስትራተጂካዊ ጽልዋ ከይገብሩ ይድርቶም።


ብኸመይ ሓደ ንፉዕ መራሒ ይኸውን፧

“ነዊሕ፡ ጸሊም፡ ምልኩዕ፡ ሓያል፡ ዝምስጥ፡ ብኹሉ መምዘኒታት ዝተማልአ ናይ ዓለምና መራሒ”

“ኣብ ንኡስ ዕድሜኡ፡ ከም ናይ ሰውራ ኤርትራ መራሒ መጠን፡ ኣብ ኣፍልቡ ንኤርትራን ገድሊ ኤርትራ ትውክል E ትብል ውቃጦ ወቂጡ”

“ካብ ኩሎም ናይ ኣፍሪቃ መራሕቲ ንሱ ንበይኑ እዩ ብዘይ ዝኾነ ሓለዋ ኣብ ከተማ ከምድላዩ ዝንቀሳቐስ”


እዚኦም ገለ ካብቲ መራሒ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ እሞ ፕረሲደንት ዝኾነ፡ ድሒሩ ከኣ መላኺ ዝተቐየረ፡ ነዛ ሃገር ን30 ዓመታት ጅሆ ሒዝዋ ዝርከብ ኢሰያስ ንምግላጽ ዝዝውተሩ ኣበሃህላታት እዮም። እቶም ደገፍቱ፡ ነቲ ክቱር ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ድሕረት፡ ዓጸቦ፡ ድኽነትን ንውግእ ዝጓየ ባህርያቱ ዕሽሽ ብምባል፡ ነቲ ካኪ ክዳኑ፡ ዝወድዮ ሳንደል ሳእኑ፡ ዝኣረገ ቆብዑ ብምርኣይ፡ ኢሰያስ ከም ሓደ ክርአ ዘይደሊ፡ ከም ቡድሃ ብልሽውና ዘይትንክፎ፡ ‘ዕዙዝ ሰብ’፡ ብተፈጥሮኡ ንመሪሕነት ዝተዓደለ፡ ናይ ኤርትራ ሉኣላውነትን ክብርታትን ሓላዊ፡ ኢሎም ክገልጽዎ ይፍትኑ። እዚ ንኢሰያስ ጣኦት ዝገብር ኣበሃህላታት ኣብ ኤርትራ ጥራሕ ዝርአ ኣይኮነን። መሰረቱ ኣብ ጥንታውያን ግሪኽን ሮማ ኰይኑ፡ ‘ዕዙዝ ሰብ (great man)’ ስነ ሓሳብ መሪሕነት፡ ንመሪሕነት ምስቲ ኣእምሮዊን ጉልበታዊን ባህርያት ናይቲ ሰብ ይዛመድ። እዚ ስነሓሳብ እዚ፡ መራሕቲ ይውለዱ ድኣ’ምበር ኣይስርሑን ይብል። ታሪኽ ከኣ በዞም ካብ እግዚኣብሔር ብዝተዋህቦም ትዕድልቲ፡ ዓበይቲ ሰባት ወይ ጀጋኑ፡ ግኑን ጽልዋ ዘለዎም፡ ፍሉያት ፍጥረት ዝኾኑ ይግለጽን ይስራሕን።


እዚ ናይ ‘ዕዙዝ ሰብ’ ስነሓሳብ ምስቲ ነገስታት ንግዙኣቶም ክገዝኡ ካብ ኣምላኽ ዝተዋህቦም መለኮታዊ መሰል ከምዘለዎም ዝቕበል ኣተሓሳስባ ተመሳሳልነት ኣለዎ። ቀሊል ኣብነት ናይ ሃጸይ ሃይለስላሴ ንምሃብ፡ ብኸመይ ሓደ መሳጢ ታሪኽ ናይ ከምኦም ዝበሉ መራሕቲ፡ ነቲ ክውን ናይ መሪሕነት ታሪኾም ብምዝባዕ’ውን ይኹን፡ ካብቶም ከምኦም ዝበሉ ተራ ሰባት ኣውጺኡ ናብ መለኮታውያን ከምዝቕይሮም ክንግንዘብ ንኽእል። ከምቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ሃጸይ ሚኒሊክ 2ይ፡ ሃይለስላሴ ሓረግ ወለዶኡ ካብ ንጉስ ሰሎሙን ከምዝመጸ ዝገልጽ ታሪኽ እዩ ዝጋዋሕ ነይሩ። “ሞኣ ኣንበሳ፡ ዘእምነገደ ይሁዳ” - ካብ ዘርኢ ይሁዳ ዝኾነ ኣንበሳ መጸ ይብል። እዚ ናይ ሃይለስላሴ ጽውይ-ጽዋይ፡ ካብቲ ክብረ ነገስት ዝብል መጽሓፍ ዝመንጨወ እዩ። በዚ ክብረ-ነገስት ዝብል ጽሑፍ ተደጊፎም፡ መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ንዝተፈላለዩ ብሄራትን መሬቶምን ክገዝኡ ክኢሎም እዮም (Woldemariam, 2019)።


ኣብ 2013፡ ማእዶት እትበሃል ምስ ህግደፍ እትደናገጽ ዌብሳይት ብዛዕባ ኢሰያስ ዝበለቶ ንርአ፥ “ኢሰያስ ከምዞም ተራ መራሕቲ ኣይኮነን። ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ተቓሊሱ፡ ንህዝቡ ናብ ዓወት ዝመርሐ እዩ። ድሕሪ ናጽነት’ውን ንሃገሩ ናብ ዝበለጸ ቀይርዋ እዩ። ኣብ ውሽጢ 22 ዓመታት፡ ኤርትራ ካብ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ዝበለጸ ዓወታት ኣመዝጊባ እያ”


ንኽመርሕ መሰል ዝህቦ ዝኾነ ዲሞክራሲያዊ መስርሕ ከይተጠቕመ፡ ናይ ሶሎሙን ዘርኢ ኣለኒ’ውን ከይበለ፡ ብሰላሕ መላሕ፡ እቲ ነዊሕ፡ ምልኩዕ፡ ንኤርትራ ነጻ ዘውጽአ ጅግና፡ ህይወቱ ንቃልሲ ኤርትራ ዝወፈየ፡ ንሱ ጥራሕ እዩ ንኤርትራ ዘርብሓ ዝፈልጥ ዝብል ኣምልኾ ርእሱ ኣተኣታትዩ። እዞም ንኢሰያስ ዝገልጹ ጽውይ-ጽዋያት ወይ ዝተኣልሙ፡ ወይ ድማ ኣዝዮም ዝተዘናብዑ እዮም። ኣብ ሜዳ ከሎ፡ ኩሎም ላዕለዎት ሓለፍቲ ብዘይግቡእ ሓለፋታት ከምዝተበላሸዉ ሰቢኹ ካብቶም ተራ ብጾቶም ነጺሉ፡ ንወሳኒ ተርኦም ከምዝነኣኣስ ጌሩ እዩ። ስለዚ ክኸውን ይኽእል ድማ ነቶም ከም ቢትወደድ ኣብርሃ፡ ማሕሙድ ሸሪፎ፡ ጴጥሮስ ሰሎሙን፡ ሃይለ ድሩዕን ካልኦትን ዝኣመሰሉ ብጾቱ ምስ ኣጥፍኦም ብዙሕ ዝሓተሎም ሰብ ዘይረኸቡ። እኳ ድኣ እቶም በዚ ሃለውስያ ዝሰኸሩ ደገፍቱ፡ ኢሰያስ ኣብ ስልጣን ከሎ ኣብ ኤርትራ ዘጋጠመ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ ይኹን ኩሉመዳያዊ ዕንወት ኤርትራ እንዳረኣዩ ከምዘይረኣዩ፡ እንዳሰምዑ ከምዘይሰምዑ ዝኾኑ። ጌና ቅድሚ ውግእ ባድመ ምኽሳቱ፡ ኢሰያስ ኣብ ናይ ሰላም ሃዋህው ክመርሕ ከምዝኽእል ብጾቱ ከቢድ ምጥርጣር ነይርዎም እዩ (Wrong, 2005, p 375)።


ብተወሳኺ እቲ ብደገፍቲ ኢሰያስ ከም ሓደ ዕዙዝ ሰብ ምርኣዩ፡ ኣብ ሓይሊ ዝኣምን፡ ባህርያት መለኽቲ ወተሃደራውያ መራሕቲ ኣለዎ። ኣብ 2014 ዝተገብረ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፡ ካብቶም ሲቪላውያን መለኽቲ ንላዕሊ፡ ወተሃደራውያን መለኽቲ ኣብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ምትኹታኽ ውግኣት ዝያዳ ይሳተፉ (Geddes, Frantz and Wright, 2014)። ሓደ ካብቲ መሰረታዊ መለለዩ ባህርያት ናይ መለኽቲ፡ ናይ ግዳይ/ብዱል (victimhood) ኮይንካ ምቕራብ እዩ። ንርእሶም ከም ወከልቲ ህዝቢ ዘይኮነስ፡ ባዕሎም እቲ ህዝቢ ኮይኖም ይቐርቡ። (ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና)። ከምኡ ብምግባሮም፡ እቲ ህዝቢ ተሰካሚ ኹሉ ውድቀቶምን ውርደቶምን ይኸውን። ቤርሉስኮኒ፡ ትራምፕ፡ ኤርዶጋን ኩላቶም “ምህዳን ጠንቋሊት” (witch hunt) እንዳበሉ፡ ንናይ ባዕሎም ውድቀት ካብ ነብሶም ከርሕቕዎ ዝፍትኑሉ ሜላ ኮይኑ፡ ብእኡ ኣቢሎም ድማ ካብ ሓላፍነት ንምህዳምን ደገፍቶም ኩሉሳዕ ክከላኸሉሎም ዘለዓዕል ስምዒት ንምፍጣር እዩ። ማእዶት ኣብ ናይ 2013 ዘውጽኣቶ ጽሑፍ፡ ከምዚ ይብል፡ “ኢሰያስ ሓደ ካብቶም ክስይጥኑ ዝፍተኑ መራሕቲ ኣፍሪቃ እዩ።” ደገፍቲ ህግደፍ፡ መንግስቲ ካብ ሃገር ክፈላልዩ ኣብ ዘይክእሉሉ ድረጃ ከምዝወረዱ ትግንዘብ። እዚ ድማ ዝኾነ ንኢሰያስ ዝነቅፍ፡ ከም ንሃገርን ንሉኣላውነት ኤርትራን ዝደፍር ዘሎ ጌሮም ኩሉሳዕ ከቕርብዎ ይፍትኑ። በዚ ድማ ነቲ ሓደ እዋን ኢሰያስ “ህግደፍ ኤርትራ እያ፡ ኣነ ድማ ህግደፍ እየ” ዝበሎ ስምዒት የንጸባርቑ።


ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ባህርያት 157 መራሕቲ ሃገራት ኣተኩሮ ዝገበረ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፡ መለኽቲ ምስቶም ዘይመለኽቲ ክወዳደሩ ከለዉ ኣብ ምርድዳእን ስምዒቶም ምቁጽጻርን፡ ኣዝዩ ዝወሓደ ነጥቢ ኣመዝጊቦም። ብተወሳኺ፡ መለኽቲ ካብቶም ዘይመለኽቲ መዛኑኦም ብዝተዓጻጸፈ ናይ ነፍሰ-ፍትወትን (Narcissism)፡ ናይ ወፈፌ/ነውጺ (psychopath)፡ ሸቶኦም ንምህራም ዝኾነ ዓይነት ስጉምቲ (ዋላ ምትላል) ንምውሳድ ድሕር ዘይብሉ (Machivellian) ዓይነት ባህርያት የንጸባርቑ (Nai and Toros, 2020)። እዞም ዝተጠቕሱ ገለ ካብ መለለዩ ባህርያት ኢሰያስ ኮይኖም ንረኽቦም። ዓይነታት ሰብኣዊ መንነት (personality types) ናይ መራሕቲ ሃገራት፡ ዋላ’ኳ ብዙሕ መጽናዕቲ ዘይተገብሮ ዓውደ መጽናዕቲ እንተዀነ፡ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ እዩ፡ ምኽንያቱ ብመጀመርያ ሓደ ንመሪሕነት ዝሕጸ ሰብ ነቲ ክሕዞ ዝደሊ ዘሎ ቦታ ብቑዕ ድዩ ኣይኮነን ክንመሚ ሓጋዚ ስለዝኾነ፡ ብተወሳኺ ከኣ ኣብ መሪሕነት ምስ መጸ’ውን ባህሪያት ናይቲ መራሒን ውጽኢት ስርሑን ንምንጽጻር ኣገዳሲ ተራ ክጻወት ስለዝኽእል እዩ።


ብዙሕ ግዜ ሓደ መላኺ ካብ ስልጣን ምስ ተኣልየ፡ ዝተዳኸመ ሕብረተሰብን፡ ነዊሕ ግዜ ዝኸደ ኣካላዊ፡ ስነኣእምሮዊ፡ ሕብረተሰባዊ በሰላ ሓዲጉ እዩ ዝኸይድ። ዝተዳኸሙ ትካላት፡ ብኣመዛዚኖም ዘይሓስቡን ነቃጻትን ስምዒታውያንን ሰባት ዝምርሑ ይኾኑ፡ ክኢላታት ሰብ ሞያ ዝተባረሩላ ሃገር ትኸውን። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ እቲ መላኺ መራሒ ኣብ ስልጣን ከሎ ቀንዲ ኣቶኩሮኡ ብኸመይ ስልጣኑ የጣጥሕ ድኣ’ምበር ትካላት መንግስቲ ብከመይ ይሃንጽን፡ ናይ መጻኢ ተካእቲ መራሕቲ የሰናዱን ኣይእንታዩን እዩ። ናይዚ ኣብነት ድሕሪ ምውዳቕ ሕብረት ሶቭየት፡ መላእ ወለዶ ከምብሓድሽ ክስልጥን ግድን ነይሩ።


ናይ ‘ዕዙዝ ሰብ’ መሪሕነት ስነሓሳብ ብሞራል ይኹን በተሓሳስባ ዝንቡዕ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ባይታ ንዘሎ ኩነታት ዕሽሽ ኢሉ፡ ንታሪኽ ብመንጽር እቲ ‘ዕዙዝ ሰብ’ ዝገበሮን ወይ’ውን ዘይገበሮ ክነሱ ከምዝገበሮ ብምምሳል ክትርጉሞን ክሰርሖን ስለዝፍትን። ነዚ ንኽገብር ድማ ናይ ካልኦት ኣስተዋጽኦን፡ ንባዕሉ ናይቲ ታሪኽ ኣቀማምጣ፡ ናብ ናይ ታሪኽ ጉሓፍ እንዳደርበየ እዩ።


መለለዩ ጠባያት ዕውታት መራሕቲ

ብሰንኪ እቲ ዝንቡዕ ክልሰ ሓሳብ ናይ “ዕዙዝ ሰብ” ካልእ ኣብ ‘ጠባያት’ ናይቲ መራሒ ዝሙርኰስ ክልሰ ሓሳብ ክምዕብል ጀሚሩ። እዚ ኣቀራርባ እዚ ብፍላይ ወተሃደራውያን መራሕቲ ኣብ ምሻም ክጥቀሙሉ ጀሚሮም። ዋላ’ኳ ገለ ገለ ዕዉታት መራሕቲ ዘንጸባርቕዎም ከም ተዓጻጻፍነት፡ ዲፕሎማሲ፡ ወሳኒ ምዃን፡ ክእለት ውደባን ዝመስሉ ሓባራውያን ባህርያት እንተለዉ፡ ኣጠቓላሊ ጠባያት ምርካብ ግን ኣይተኻእለን (Stogdill, 1974)። ብኸመይ ‘ቅንዕና’፡ ‘ተኣማንነት’ ዓይነት ባህርያት ትመዝኖም / ትዕቅኖም ቀሊል ኣይነበረን።

ኣብ ጠባይ ናይ መራሒ ዝምርኰስ ክልሰ ሓሳብ፡ እቲ መራሒ ምስቶም ዝመርሖም ሰባት ዘለዎ ዝምድናን ምውሳእን ኣብ ግምት ኣእትዩ ኣብ ክንዲ ዝመዝን፡ ናይቲ መራሒ ጠባያት ብተናጸል ብምግምጋም ስለዝመዝን ካልእ ብድሆ እዩ። ንኣብነት፡ ገለ ኣዝዮም በላሕቲን፡ ተውህቦን፡ ክእለት ዘረባን ዘለዎም ንፈልጦም፡ ክገብርዎ ዝተመባጽዕዎ ኣብ ግብሪ ዘየውዕሉ ክኾኑ ይኽእሉ። ወይ’ውን ጽቡቕ ሓሳባት ዘፈልፍሉ፡ ኣብ ባይታ ምትግባሩ ግን ዘይክእሉ ክኾኑ ይኽእሉ። ወይ ድማ፡ ነቲ ሓሳባት ኣፈጸምቲ ዝኾኑ ጉጅለ ኣብ ምውዳብን ምምራሕን፡ ዓቕሊን ዘይምሕላልን ዝጎድሎም ክኾኑ ይኽእሉ። ብሰንኪ እዚ ዝተጠቕሰ ሕጽረታት ናይ ጠባይ መሪሕነት ክልሰ ሓሳብ፡ ናብ ካልኦት ናይ ባህርያት ክልሰ ሓሳባትን፡ ‘መራሕቲ እንታይ ይገብሩ’ ዝብል ሕቶ ድኣምበር ጠባዮም ወሳኒ ከምዘይኮነ ዝብል መረዳእታ መጺኡ (Mcgregor, 1960)።


እዚ ብመንጽር ኤርትራ ክንርእዮ ከለና፡ ገለ ሰባት በቲ ዝገበርዎ መደረ፡ በቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝጽሕፍዎ “ሓንቲ ኤርትራ”፡ “ሓድነት”፡ “ዲሞክራሲ”፡ “ፍትሒ” ዘጎልሕ ጭርሖታት፡ ንመሪሕነት ዓቕሚ ከምዘለዎም ሰባት ክዛረቡሎም እዕዘብ እየ። ዋላ’ኳ ጭርሖታት ንመሪሕነት ኣገዳሲ እንተዀነ፡ ክንደይ ካባና ኢና፡ ሕራይ ጭርሖኻ ጽቡቕ ይመስል ኣሎ፡ እዚ ጭርሖ ኣብ ባይታ ፍረ ክህብ ወይ ግብራዊ ንምግባር እንታይ ስራሕ ትሰርሕ ኣለኻ፧ ስትራተጂኻን ውጽኢት ስራሕካን ኣበይ ኣሎ፧ ኢልና ንሓትት፧ ንሓድነት ትሰብኽ እንተሊኻ፡ ብግብሪ ንሓድነት ትሰርሕ ዶ ኣለኻ፧ ብድሕሪ መጋረጃ ኰንካ ንህንጸት ጥሙርን ኣሳታፍን ደንበ ተቓውሞ ትጽዕት ዶ ኣለኻ፧ ሰብ ከከም ዓቕሙ ዝዋስኣሉን፡ ዓቕሚ ዘለዎምን ውጽኢት ከምጽኡልካ ዝኽእሉን ሰባት ኣለሊኻ ኣብ ኣገዳሲ ሓላፍነት እንዳቐመጥካ፡ ሓያልን ውዱብን ሲቪላዊ ትካላት ንምህናጽ ዝሕግዝ ተወፋይነት ዘለዎ ስራሕ ትሰርሕ ዶ ኣለኻ፧ ድሕሪ ኢሰያስ ከጋጥም ንዝኽእል ናይ መሰጋገሪ እዋን እንተታት ንምእላይ፡ ምስ ካልኦት ተሓባቢርካ ትሰርሕ ዶ ኣለኻ፡ ወይስ ብውልቕኻ ጥራሕ ኢኻ ትሰርሕ ዘሎኻ፧ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ደገ ንዘለዋ ኤርትራውያን ማሕበረኮማት ዘሓይል፡ ዓቕሊን፡ ዘይምሕላልን፡ ተወፋይነትን፡ ምትሕብባርን፡ ዘይተጓናደበ ኣተኩሮን ዝጠልብ ኣዝዩ ጽዑት ስራሕ ይሓትት። መራሕቲ እምበኣር ነዚ እዮም ዝሰርሑ፡ ናይ ዘረባ ዘይኮነ፡ ናይ ግብሪ ሰባት እዮም።


ናይ ሕዳሰ መሪሕነት

እቶም ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩ ናይ መሪሕነት ክልሰ-ሓሳባት፡ ኣተኩሮኦም እቲ ኣብ ሞንጎ መራሕቲን ሰዓብቶምን ዘሎ ምውሳእ ብምግባር፡ ንመሪሕነት ብመንጽርቲ ምውሳእ ይገልጽዎ። ናይ ሕዳሰ መራሕቲ ሓደ ዘተባብዕ ራእይ ብምምጻእ፡ ንሰዓብቶም በቲ ራእይ ንኽኣምኑ ብምትብባዕን ፍናን ብምስናቕን፡ እቲ ራእይ ተግባራዊ ክኸውን ንጹር ሸቶታት ብምንዳፍን፡ ንሰዓብቶም እቲ ዘይከኣል ዝመስልን ዓላማታት ክገብርዎ ከምዝኽእሉ ዘእምኑ እዮም (Bass, 1985)። ሓደ ናይ ሕዳሰ መራሒ ኣብ ተግባራውነት ዝኣምን፡ ነቲ ዕዮ ክፍጸም ዝድርኽ፡ ንስራሕ ናይቶም ሰዓብቱ ድጋፍ ዝህብን፡ ዝግምግምን፡ ምውህሃድ ናይቲ ፕሮጀት ዘረጋግጽን እዩ (Adair, 1973)።


ብናይተ ተሞኩሮ፡ ኩሎም ናይ ሕዳሰ መራሕቲ፡ ልዑል ደረጃ ተኣማንነት፡ ተደናጋጽነት፡ ሓሳቦም ናይ ምግላጽ ክእለት፡ ራእይ፡ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ክእለት፡ ማሕበራዊን ስምዒታዊን ኣስተውዕሎን (social and emotional intelligence) የንጸባርቑ። እዞም መራሕቲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ድላይ እንታይ ምዃኑ ይግንዘቡን ቀዳምነት ይህቡን፡ ዋላ’ውን ካብቲ ናይ ዝበዝሐ ህዝቢ ርእይቶ ዝፍለ እንተዀነ ኣብ መትከሎም ደው ንምባል ትብዓት ኣለዎም።


ኣገልጋሊ መሪሕነት

ከምቲ ናይ ሕዳሰ መሪሕነት፡ ‘ኣገልጋሊ መሪሕነት’፡ እምነት፡ ምትሕብባር፡ ምስማዕ፡ ስልጣን ብሓላፍነት ምጥቃምን፡ ንኻልኦት ሓላፍነት ምሃብን ዝብሉ ባህርያት የንጸባርቕ። ክልቲኦም ቅድታት መሪሕነት፡ ተራ ምኹስኳስን፡ ኣፍልጦ ምሃብን፡ ጽን ምባልን ነቶም ሰዓብቲ ኣብ ምሕያል ወሳኒ ግደ ከምዘለዎም ይግንዘቡ። ዕውታት መራሕቲ ይሓቱ እምበር ኣየገድዱን፡ ውክልና የተባብዑ፡ ተሓባቢርካ ምስራሕን፡ ካልኦት ክመርሑን ዕድል ይህቡ። ኣገልገልቲ መራሕቲ ንምሁራት / ሰብ ሞያ / ተሞክሮ ዘለዎም ንምስማዕ ትሑታት ኮይኖም፡ ንኩነታት ብሰፊሕ ብምጥማት ኣመዛዚኖም ንምሕሳብ ዓቕሚ’ውን ኣለዎም። ንኣብነት፡ ኣብ ኤርትራ ብጀነቲካዊ ኣገባብ ዝተመሓየሹ ኣእካል ምዝራእ የድሊ ዶ ንዝብል ሕቶ፡ ምናልባት ሳይንሳውያን “ከስዕብዎ ዝኽእሉ ሳዕቤናት ኣጽኒዕና፡ እወ ወይ ኣይፋል ክንብል ዝሕግዘና ኣገባብ ከነተኣታቱ ኣለና” ምበሉ፡ ናይ ቁጠባ ክኢላታት “እወ ቁጠባዊ ረብሓ ስለዘለዎ” ምበሉ፡ ሓረስቶት “ከመይድኣ፡ ምህርትና ስለዘኻዕብተልና” ምበሉ፡ ተጠቀምቲ ግና ዋላ ጠቕሙ እንተተረድኡ ኣብ ጥዕና ከስዕቦ ዝኽእል ጉድኣቱን ሞራላውነቱን ኣብ ግምት ብምእታው ሰጋእ ምበሉ። ሓደ ለባም መራሒ ግና ቅድሚ ምውሳኑ፡ ካብ ዝምልከቶም ሞያውያንን፡ ናይ ኢንዳስትሪ መራሕቲን፡ ናይ ተጠቀምቲ ጉጅለታት ምኽሪ ሓቲቱ፡ ንኹሉ ኣብ ግምት ዘእተወ ሚዛናውን፡ ተሓታትነት ዘለዎ ፖሊሲ መተግበረ።


ኣገልገልቲ መራሕቲ ስልጣን ወይ ሓላፍነት ዝሕዙ፡ ንህዝቦም ከገልግሉን ኩነታቶም ከመሓይሹን ካብ ዘለዎም ክቱር ጽምኢን ሃረርታን ድኣ እምበር ብውልቃዊ ረብሓ ተደሪኾም ኣይኮኑን።

“ኣገልጋሊ መራሒ፡ ብመጀመርያ ኣገልጋሊ እዩ… በቲ ንኸገልግል ዝስምዖ ባህርያዊ ድርኺት ይጅምር፡ መጀመርያ ንኸገልግል። ቀጺሉ፡ ብፍታዉ ናብ መሪሕነት ክመጽእ ይውስን። ምስቲ እንተስ ናይ ስልጣን ባህጊ ሃልይዎ፡ ወይ’ውን ንረብሓ ክብል መጀመርያ መራሒ ዝኾነ ሰብ ናይ ሰማይን ምድርን ፍልልይ ኣለዎ። ንኸምዚ ካልኣይ ዓይነት መራሒ፡ ምግልጋል ድሕሪ ስልጣን ምሓዙ ዝመጽእ ነገር እዩ። መጀመርያ-መራሕን፡ መጀመርያ-ኣገልጋሊን ዓይነት መሪሕነታት ኣዝዮም ዝተረሓሓቁ እዮም። ካብዞም ክልተ ዓሌት ተሓናፊጾም ከመጹ ዝኽእሉ መሪሕነታት፡ ልክዕ ከምቲ ፍልልይ ባህሪ ደቂሰባት መወዳእታ የብሎምን።” (Greenleaf, 1970)


መብዛሕትኡ እዋን፡ ንህዝብና ካብዚ ተኣሲሩሉ ዘሎ ሞቑሕ ጭቆና ዝገላግሎ ጀግና ብገለ ቦሎኽ ክብል ንጽበ ኢና። ግና እቲ ንጽበዮ ዘሎና መራሒ፡ ሓደ ምሳኻ ካፑቺኖ ዝሰቲ ተራ ሰብ ክኸውን ይኽእል እዩ። ምናልባት’ውን እቲ ንግሆ ንግሆ ኣብ መስትያት እትርእዮ ገጽ ክኸውን ይኽእል! መሪሕነት፡ ኣብቲ ናይቲ ሰብ ባህርያት ዝሙርኰስ ጥራሕ ኣይኮነን፡ እንታይ ድኣ፡ ብኸመይ ነቶም ባህርያት፡ ኣብቲ ንደለይቲ ፍትሒ ዝገጥሞም ጽንኩር ብድሆታት የንጸባርቖም እዩ። መደብ ይትልምዶ፧ ስትራተጂ ኣለዎ ዶ፧ ንኻልኦት ይውድብን የለዓዕልን ዶ፧ ትካላዊ ዓቕሚ የጎልብት ዶ፧ ንኻልኦት ብኣብነቱ የበራትዖም ዶ፧ ዝብሉ ኣገደስቲ ሕቶታት ኣብ ግምት ምእታው ኣገዳሲ እዩ።


እቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ዘይሕጋዊ መሪሕነት፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ ኤርትራ ተገቲሩ ዘሎ ማሕበራውን ቁጠባውን ገዘፍቲ ብድሆታት፡ ክገጥም ዝኽእል ቴክኒካውን ክእለታትን፡ ባህርያትን ክብርታትን ከምዘይውንን ኣመስኪሩ እዩ። ከም ሉኣላዊት ሃገር፡ ኤርትራ፡ ነዞም ብድሆታት ብካላሽን ዘይኮነ ብፒሮ ዝገጥም መራሒ የድልያ ኣሎ። ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝተጋገናዮ፡ ናብ ሓደ ሓያል/ዕዙዝ መራሒ ኣይነቛምት። እንታይ ድኣ ናብቶም ከንቀሳቕሱና ዝኽእሉ ኣገልገልቲ መራሕቲ ንጠምት፡ ነለልዮም፡ ምስ ኣለለናዮም ከኣ ነቲ ምንቅስቓስና ስትራተጂካዊ መኣዝን ክሕዝ ክድርኽዎ ናብ ዘኽእሎም ሓላፍነት ንኽመጹ ንደግፎምን ንከናኸኖምን። እዞም መራሕቲ እዚኦም ኣብ ሞንጎና ኣለዉ፡ ብድሕሪ መጋረጃ ኰይኖም ዕዙዝ ስራሕ የሰላስሉ ኣለዉ። ግና ከምቲ ዘይተዀልዐ ሉል፡ ንኸነለልዮም ኣተኲርና ክንጥምቶም ኣሎና።



1. Adair, J.E. (1973) Action-Centred Leadership. London: McGraw-Hill.

2. Bass, B. M. (1985) Leadership and performance beyond expectations. New York: Free Press.

3. Geddes, B; Wright, J. and Frantz, E. (2014) Autocratic breakdown and regime transitions: A new data set. Perspectives on politics [Online]. 12(2), pp.313-331. [Accessed 06 June 2021]

4. Greenleaf, R. K. (1970) The servant as leader. Cambridge, Mass: Center for Applied Studies.

5. McGregor, D. (1960) The human side of enterprise. New York: McGraw-Hill.

6. Nai, A and Toros, E. (2020) The peculiar personality of strongmen: comparing the big five and dark triad traits of autocrats and non-autocrats. Political Research Exchange [Online]. 2(1). [Accessed 06 June 2021]

7. Stogdill, R.M. (1974) Handbook of leadership: A survey of the literature. New York: Free Press

8. Woldemariam, Y. (2019) The romantic rewriting of Haile Selassie’s legacy must stop. LSE [blog]. 4 February. Available from: The romantic rewriting of Haile Selassie's legacy must stop | | Africa at LSE

9. Wrong, M. (2005) I didn’t do it for you. London: Harper Perennial


191 views0 comments
bottom of page