top of page
  • emdhrorg

ሻዱሻይ ጉባኤ ዜጋታት ኣፍሪቃ ንኹነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ኣብ ኣጀንዳኡ ክሰርዖ ንሓድነት ኣፍሪቃ ተላብዩ

ብሓልዮት ማእከል ተሳትፎ ዜጋታት ኣብ ሓድነት ኣፍሪቃ (Centre for Citizens Participation in the African Union) ዝተጋብአ 6ይ ጉባኤ ዜጋታት ኣፍሪቃ ካብ ዕለት 21-23 ጥሪ ኣብ ዋና ከተማ ኢትዮጵያ: ኣዲስ ኣበባ "ዓመት ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪቃ: ብፍላይ ድማ ኣብ መሰላት ደቀንስትዮ" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ተጋቢኡ። ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ) ሓሙሽተ ኤርትራውያን ዝረከብዎ ተጣበቕቲ መሰላት ክሳተፉ ኣተሓባቢሩ።


እቲ ዋዕላ ብሰፊሕ ኣብ ኩነታት ምሕደራን ሰብኣዊ መሰላትን ኣፍሪቃ ዘትዩ። እቲ ቀንዲ ኣተኩሮ ድማ ኣፍሪቃ ኣብዚ ዓውዲ እዚ ንዘመዝገበቶ ዓወታትን፡ ዘጋጥማ ዘሎ ብድሆታት ዝብል እዩ። ገለ ካብቶም ብግብሪ ዝተመዝገቡ ዓወታት ድማ ምቛም ኣፍሪቃዊ ቻርተር ንሰብኣውን ህዝብታትን መሰል፡ ምቛምን ትግባረን ኮሚሽን ኣፍሪቃዊ ፖሊሲ ጥዕናን፡ ምቛም ኣፍሪቃዊ ቤትፍርዲ ፍትሒን ይርከብዎም። ንምሕደራ ብዝምልከት ድማ ኣፍሪቃዊ ህንጻ ምሕደራን ምስኡ ዝተሓሓዙ ትካላትን ሕጋዊ መጋበርያታትን፡ ከም ኣብነት ፓርላማ ፓን-ኣፍሪካ፡ ቻርተር ኣፍሪቃ ንዲሞክራስን፡ ምርጫን፡ ጽቡቕ ምሕደራን ብሓድነት ኣፍሪቃ ዝተበጽሑ ርኡያት ምዕባለታት እዮም። የግዳስ ነዞም ስምምዓት ፈልከት ከይበልካ ኣብ ምትግባሮም ሕጽረታት ከምዘሎ ኣገንዚቦም። ገለ ኣባላት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ነቲ ዝተሰማምዕሉ ውዕላት ከተግብርዎ ብዘይምኽኣሎም፡ ነቲ ኣብ ፕሮጀክት ኣፍሪቃ ዘለዎም ተገራጫዊ መርገጺ ዘብርህ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ነቲ ገኒኑ ዝርአ ጉድለት ምሕደራን ዘይተሓታትነት ክህሉ ዓቢ ተራ ይጻወት።


ከም ኣብነት ድማ፡ ንኹነታት ኤርትራን ብሩንዲን ተጋባእቲ ብፍሉይ ተዘራሪቦሙሉ። ብኤምዲሰመን ናይ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ሕብረት ሲቪላውያን ምንቅስቓሳት ዝተደገፈ ንህሉው ምግሃሰ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝድህስስ ጎድናዊ ዓውደ መጽናዕቲ ተኻይዱ። "ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ኣይተሰማዕናን" ብዝብል ቴማ ክልተ ኣስተምህሮታት ተዋሂቦም። ነቲ ብዝተወደበ ኣገባብ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝድህስስን ኣብ ህዝቢ ኤርትራን ኣብቲ ዞባን ዘለዎ ኣሉታዊ ጽልዋን ብዶ/ር በረኸት ብርሃነ ወልደኣብ ቀሪቡ። ምስ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ብምዝማድ ድማ ሓድነት ኣፍሪቃ ዋላሓንቲ ደገፍ ከምዘይገበረ ዘነጽር ትዕዝብቱ ኣቅሪቡ። እቲ ካልኣይ ኣስተምህሮ፡ ጓለንስተይቲ መንእሰይ ኣብዚ ቀረባ ህይወታ ኣብ ሓደጋ ኣእትያ ናብ ስደት ዘምርሐት እዩ ቀሪቡ። እታ መንእሰይ ነቲ በቲ ኣረሜናዊ ስርዓት ኣብ ህይወታ ዘጓነፋ ሕማቕ ተሞክሮ ብምዝንታው ንልቢ ተጋባእቲ ተንኪፋ። ከም ጓል ላዕለዋይ ሓላፊ ህግደፍ ዝነበረ ሕጂ ኣብዘይተፈልጠ ማሕዩር ዝማስን ዘሎ መጠን ድማ፡ እቲ ስርዓት ንኹሎም ቤተሰቡ ብሕሱም ብምክልባት፡ ኩሉ ንብረቶም ብምርሳይ ክነብርሉ ኣብዘይክእሉ ደርጃ ከም ዝደርበይዎም ገሊጻ። ንሳ ካብቲ ዲግሪ ንምሓዝ ትመሃረሉ ዝነበረት ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርታ ከም ዝተሰጕጕት ሓቢራ።


ኣብ ዛዛሚ መግለጺ 6ይ ጉባኤ ዜጋታት ኣፍሪቃ፡ ሲቪላዊ ምንቅስቓስ ኣፍሪቃ ዝኣመሞ ጉዳይ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ኣብ ኣጀንዳ ሕብረት ኣፍሪቃ ንዘተ ክተሓዝ፡ ንጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኤርትራ ክቕበሎ፡ ንጉዳይ ኤርትራ ኣብቲ ዝመጽእ ኣኼባ ኮምሽን ኣፍሪቃ ኮሚሽን ንሰባዊን ህዝባውን መሰላት (African Commission on Human and Peoples Rights – ACHPR) ናብ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪቃ ክመሓላልፎ ዝብሉ እማመታት ኣጽዲቑ። እቲ ኮንፈረንስ ብተወሳኺ ኩሎም ኣፍሪቃውያን ሲቪካዊ ምንቅስቃሳት ኣብ ኣፍሪቃ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ምሉእ ምትሕብባርንን ደገፍን ክገብሩሎም ኣተባቢዑ። ምስኡ ብዝተሓሓዝ ተሳተፍቲ ኮንፈረንስ ንተሳተፍቲ ሲቪካዊያን ማሕበራት ኣፍልጦ ኣፍሪቃውያን ብዛዕባ ጉዳይ ኤርትራ ክዓቢ ዘይሕለል ጻዕሪ ክገብሩ፡ ምስ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ መሰላት ብምውህሃድ ብዛዕባ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ መንግስቶም ኣፍልጦን ተገዳስነት ክዓቢ ዘይተሓለለ ጻዕሪ ክገብሩ ተማሕጺኑ።


ጉጅለ ኤርትራውያን ተሳተፍቲ ኮንፈረንስ ኣቶ በሺር ይስሓቅ ዓብደላ፡ ዶ/ር በረኸት ብርሃነ ወልደኣብ፡ ኣቶ ነስረዲን ኣሕመድ ዓሊ፡ ወይዘሮ ከድጃ ከሊፋ ማሕሙድ፡ ስደተኛ መንእሰይን፡ ዶ/ር ኣዳነ ገብረመቀልን እዮም።

ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ

24 ጥሪ - 2016

3 views0 comments
bottom of page