top of page
  • emdhrorg

ኤርትራውያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓዘኖም ይገልጹ

ኣማኢት ኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማ ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍርቃ ነቲ ኣብ ላምፔዱሳ ዘጋጠመ ህልቂት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተሰመዖም መሪር ሓዘን ብናይ ሓድነትን ሕውነትን መንፈስ ገሊጾም። ኣብቲ ብዕለት 12 ጥቅምቲ 2013 ዝተኻየደ ናይ ጸሎትን ዝኽርን፡ ናይ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት መራሕቲ በቲ ዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ህልቂት ዘተሰመዖም ሓዘን ድሕሪ ምግላጽ ንስድራቤት ዝተጎድኡ ምጽንናዕ ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ካብቲ ኣትይዎ ዘሎ መከራ ክናገፉ ጸሎቶም ኣቕሪቦም። እቶም መራሕቲ ሃይማኖታት እዚ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ስቓይ “ሰለምንታይ ኢልና ክንሓትት ኣሎና” ብምባል ህዝብና ንነብሱ ክሓትት ድማ ተላብዮም።


ኣብ መኽፈቲ እቲ ናይ ሓዘን ስ-ስርዓት “ህልቂት ኤርትራውያን” እትብል ሓጻር ነቲ ኣብ ላምፐዱሳን፡ ምድረበዳ ሲናይን ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትና ዝወረደ ዘስካሕክሕ በደል እተርኢ ሓጻር ፌልም ተራእያ። ተሳታፌ ድማ ነቲ ዘራኣዩን ዝተሰምዖን ክጻወሮ ስለዘይከኣለ ብብኽያትን ንብዓትን ኣልቂሱ። ብፍላይ ደቂ ኣንስትዩ ኣሓት እቲ ስነ-ስርዓት ተጀሚሩ ክሳብ ዝውዳእ ከብድኻ ብዝበልዕ ብኽያትን ንብዓትን ሰለ ህዝብን ሓዚነንን ኣልቂሰንን። ካብ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝተወከሉ መዘምራን ድማ ናይ ምጽንናዕ መዝሙራት ብምዝማር ንተሳታፋኢ ኣበራቲዖምን ጸሊዮምን። ሓደ ካብ ተሳተፍቲውን ነታ ድሕሪ እቲ ሓደጋ ብግረማይ ምሑር ዝተደርሰት “ኣይተርድእዎ ነደይ” እትብል ንልቢ ኣማኢት ተሳተፍቲ ዝተንከፈት ግጥሚ ኣንቢቡ።

ኣቕዲሙ እውን ብዕለት 05 ጥቅምቲ፡ ብዙሓት መንእሰያት ብሽምኣ ዝተሰነየ ናይ ሕልና ጸሎት ኣብ ፕሪቶርያ ኣካይዶም ነይሮም። ኣብ ከተማ ደርባን እውን ብተመሳሳሊ ኩሎም ኤርትራውያን ብሕብራት ብምእካብ ሓዘኖም ገሊጾም። ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነብር ኤርትራዊ በቲ ዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ ኣብ መሪር ሓዘን ኣትዩ የርከብ።

ጽንዓት ንስድራቤታትን መላእ ህዝቢ ኤርትራን!

ኤርትራውያን ተቐማጦ ደቡብ ኣፍሪቃ

14 ጥቅምቲ 2013

8 views0 comments
bottom of page