top of page
  • emdhrorg

ዲሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ዘሎ ዕድላትን ብድሆታትን

ምኒስተር ምክልኻል ነበርን ኣባል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነን ኣቶ መስፍን ሓጎስ ብዕለት 22 መጋቢት ኣብ ከተማ ፕሪቶሪያ ደቡብ ኣፍሪቃ ንኹሉ ኤርትራዊ ክፉት ዝኾነ ሰሚናር ኣካይዱ። ኣቶ መስፍን ኣብ ኣስተምህሮኡ ፕለቲካዊ ናጽነት ናይ መወዳእታ ዓላማ ገድሊ ኤርትራ ከመ ዘይነበረ እንታይ ድኣ ዲሞክራሲ ንምርግጋጽ ከምዝነበረ ሓቢሩ። ሕጂውን እንተኾነ ኣብ ኤርትራዲሞክራሲያዊ ለውጢ ክረጋገጽ ልዑል ተክእሎ ኣሎ ብምባል ተስፋ ከይቆረጽና ምስ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ተሓባቢርና ክንሰርሕ ከምዘሎና ኣስሚርሉ፡፡ የግዳስ እዚ ቃልሲ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ብድሆታት ከም ዘለዎ ብምግንዛብ፡ ነዞም ብድሆታት ብኸመይ ንሰግሮም ኣብ ዝብል ሸውዓተ ነጥቢታት ዝሓዘ መፍትሒታቶም ዘርዚሩ። ጽሟቅ ትሕዝቶ ሰሚናር ኣቶ መስፍን ሓጎስ እንሆ።


ኣብ 40ታትን 50ታትን ዝነበረ ሰላማዊ ቃልሲ ይኹን፡ ኣብ 60ታት ዝጀመረ ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሃገራዊ ናጽነትን ልኡላውነትን እዉጅ ዕላማታቱ ነይሩ። ናጽነት፡ መጀመርታ ክረጋገጽ ካብ ዘለዎ ናይ ህዝቢታት መሰል ስለ ዝኾነ። እዚ ማለት ድማ፡ ፖለቲካዊ ናጽነት፡ መጀመርታ’ምበር መወዳእታ፡ ወይ ዕላማ፡ ቃልሲታት ህዝቢ ስለ ዘይኮነ። ዝሓለፈ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ቃልሲታት ከኣ ካብኡ ዝተፈለ ዕላማ ኣይነበሮን። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ዘካየዶ ቃልሲታት ኩሉ፡ ብትሕዝቶኡ፡ ዲሞክራሲ ንምርግጋጽ ነይሩ ማለት’ዩ። ብፍላይ ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ተጋድሎን ክቡር ዋጋ ምኽፋልን፡ ኣብ 1991 ክዛዘም ከሎ፡ ቀዳማይ ምዕራፉ፡ ማለት፡ ምእዋጅ ናጽነትን ልኡላውነትን ጥራይ ኢዩ ኣረጋግጹ።

ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብቲ ክሳብ ሪፈረንዱም ዝነበረ ክልተ ዓመታት ናይ መሰጋገሪ መድረኽ ጥራይ፡ ጉዳይ ዲሞክራሲን መሰል ተሳታፍነትን፡ እናተረስዐ ከይዱ። ንብዙሓት ረቛሒታት ኣብ ግምት ብምእታው ክርአ ከሎ፡ ብህዝቢ ይኹን ብተጋደልቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ መሰላት (እንኮላይ ዲሞክራሲያዊ)፡ ኣዕጋቢ ኣወንታዊ መልሲ ክረክብ ዝከኣል ኣይነበረን። ይኹን’ምበር፡ ይቐርብ ንዝነበረ ጠለባትን ምዕዝምዛማትን ጽን ኢልካ ሰሚዕካ ክንዲ ብልቦና መልሲ ምሃብ፡ ንኩሉ ዘዕዘምዝም፡ በልማማ፡ ኣንፈት ናይ ምስሓት/ምጥፋእ ተርእዮ ዝብል ሕላገት ጥራይ ተዋሂቡዎ። ኣብ ግዜ ቃልሲ ተለሚዱ ዝነበረ ተዛማዲ ሓሳባትካ ናይ ምግላጽ፡ ሓበሬታ ናይ ምርካብ፡ ኣብ ናይ ቀረባ ይኹን ናይ ርሑቕ መደባትን ዕማማትን ናይቲ ውድብ ምስታፍ፡ . . . ወዘተ፡ ተባሕጒጉን ቆላሕታ ስኢኑን።


ኩሉ፡ ወይ ዝበዝሐ፡ ኤርትራዊ ዝሰማምዓሉ፡ እወ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ዝብል ከም ዝኸውን ኣይጠራጠርንየ። ኣይፋል ዝብል እንተልዩ፡ እቲ፡ መሬት ኤርትራ ተጎቢጡ ከሎ ዲሞክራሲ ሕቶ ህዝቢ ኣይኮነን፡ ወይ፡ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ካብ ኣብ ዝኾነ ዓለም ዝርከብ ዝበለጸ ዲሞክራሲ ስለ ዘሎና፡ ብዛዕባ ዲሞክራሲ ምዝራብ’ውን ኣየድልን ዝብሉን እንተልዮም፡ ካብ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ተጠቀምቲን ናይቲ ስርዓት መሲሎም ክርኣዩ ዝደልዩን ጥራይ ኢዮም። እዚኦም ከኣ ብዙሕ ትርጉም ዘይብሉ፡ ንእሽቶ ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኢዮም። ስለዚ፡ እቲ ሕቶ ዲሞክራሲን ኣድላይነት ምትእትታዉ ወይ ምልዓሉ ኣብ ኤርትራን ኣድላይነት የብሉን ዝብል ምጕት ንርእሱ፡ ኣብዚ ምልዓሉ ኣድላይነት የብሉን (it is irrelevant)። ስለዚ ድማ፡ ክንዲ የድሊዶ ዝብል ሕቶ፡ ብኸመይ ይረጋገጽ ኣብ ዝብል ሕቶ ምትኳርን፡ ኣብ ቅጥዒን ኣገባብን ትግባረኡ ምድሃብን ናይ ዘሎናዮ ግዜ እዋናዊን ህጹጽን ሕቶዩ።


ብዝተፈላለየ ደረጃታት ይኹንምበር፡ ትግባረ ወይ ልምምድ ዲሞክራሲ፡ ካብ ኣብ መንጎ ኣባላት ናይ ሓደ ስድራ-ቤት ኣትሒዙ ዝጅምር ጉዳይ ኢዩ። ኣብ መንጎ ካብ ክልተ ንላዕሊ ቁጽሪ ዘለዎም፡ ብሓደ ዝነብሩ ደቂ ሰባት ዝጅምር’ዩ። ኣብ ኮማዊ ምትእኽኻባት፣ ማሕበራዊ ጉጅለታት፣ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፊታትን’ውን፡ ትሕቲኡ ካብ ዝርከብ ኣካላት ሕብረተሰብ፡ ብኣዝዩ ዝተሓላለኸ ቅጥዒታትን ምብልሓትን ተሰሪዑ ዝትግበር’ዩ። ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ክረጋገጽ ልዑል ተክእሎ ኣሎ፡፡ ከምኡ ስለ ንኣምን ከኣ ኢና፡ ምስ ኩሉ ድኻማትና፡ ዘሎ ተጻብኦታትን፡ ሕጽረታትን፡ ከይተሓለልና ንጋደል ዘሎና።


ብድሆታትናን ከመይ ንገጥሞምን

ከም ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ መጠን፡ ኣብ ቅድሜና ተገቲሮም ዕማማትና ከይነሰላስልን፡ ንቕድሚት ገጽና ምንቕ ከይንብልን፡ ዝዓግቱና ብዙሓት ዕንቅፋታት ኣለዉና። ክንብድሆም እንተኾና፡ እንኮ ፍታሕ፡ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ለውጢ ብሓባር ምስራሕ ኢዩ። ብሓባር ንምስራሕ ዝሕግዙ ረቛሒታት ምልላይን ንዕኦም ምትግባር ዘኽእል ቅጥዒ ምስኣልን ከኣ የድሊ።


1. ነፍሲ ወከፍ ሰልፊ/ውድብ/ሲቪካዊ ማሕበር/ምንቅስቓስ . . .ወዘተ፡ ዝለዓለ ፖለቲካዊ መደበይ ዝብሎ፡ ንድሕሪ ምልጋስ ህሉው ስርዓት ኣወንዚፉዎ ክጸንሕ፣ ዝለዓለ መደብ ማለት ፖለቲካዊ ፕሮግራም ናይቲ ዝተወደበ ኣካል ማለት’ዩ። ክሳብ እዚ ስርዓት ዘልግስን ኣብ ቦቱኡ ቅዋማዊ ስርዓት ዝምስረትን፡ እቲ ነናይ ውልቀ ውድብ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ንምትግባሩ ዕድል ኣይህሉን’ዩ። ብመሰረት እቲ ተነዲፉ ብህዝቢ (ብረፈረንዱም) ዝጸድቕ ቅዋም ኣብ ግብሪ ዝውዕል፡ እዚ ፕሮግራማት’ዚ ተቐሚጡ ይጸንሕ። ንናይ ውድባት/ሰልፊታት ዝለዓለ ፖለቲካዊ ፕሮግራማት ቅኑዓትን ኣይቅኑዓትን ኣብ ዝብል ምስሕሓብን ምትህልላኽን ግዜን ጸዓትን/ጉልበትን ምህላኽ ትርጉም-ኣልቦ ኢዩ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ፡ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ/ሰልፊ ዝለዓለ ፖለቲካዊ መደብ/ፕሮግራም ተባሂሉ ዝፍለጥ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ምስ ተተኽለ/ተመስረተ ዝውዕል ስለ ዝኾነ። ቅድሚ ከምዚ ዝኣመሰለ፡ ማለት ፖለቲካዊ ፕሮግራም ኣብ ግብሪ ንውዓል ዕድል ከይፈጠርካን፡ ኣብ ህዝቢ ዘለዎ ደረጃ ተቐባልነት ከየረጋገጽካን፡ ብሓባር ንምስራሕ ከም ዘየኽእል ረቛሒ ኮይኑ ከም ምስምስ ክቐርብ ምኽኑይ ኣይኮነን።


2. ኩሉ ብዝተወደበ ኣገባብ ይኹን ብውልቂ፡ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዝቃለስ ኤርትራዊ ኣካል፡ ሓደ ናይ ሓባር ዕላማ ክህሉዎን ከለልዮን ይግባእ፣ ትጽቢትና፡ ብደረጃ ሃገር ናይ ሓባር ዕላማ ሃልዩ፡ ንኩሉ ኤርትራዊ ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ሓይሊታት ብሓባር ዘቃልስ ክኸውን’ዩ። ስለዚ፡ እንታይ ኢዩ ንኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ለውጢ ናይ ሓባር ዕላማ ኮይኑ ብሓባር ዘቃልስ? ዝብል ሕቶ’ዩ ናይ ሓባር መልሲ ክረክብ ዘለዎ። ኣብዚ ናይ መጀመርታ መድረኽ ቃልሲና፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ቅዋምን ቅዋማዊ ዲሞክራሲን ከይህሉ ዓፊኑ ሒዙ ዘሎ ስርዓት ምልጋስ፡ ቀዳማይን በይኑን፡ ናይ ሓባር ዕላማ ኪኸውን ኣለዎ።


3. ቀዳምነታት ምስራዕ፣ ናይ ሓባር ቀዳምነታት ክልለዩ ክኽእሉ ኣለዎም፣ ብመሰረት ዝተለለየ ናይ ሓባር መቃለሲ ዕላማ፡ ንዕኡ ንምትግባር ዝድለዩን ዘኽእሉን ቀዳምነታት ኣለሊኻ ምስራዕ። ቀዳምነታት፡ ኩሉ ግዜ፡ ናይ ቃልሲታትና መወከሲን ሓባራዊ ስርሓትና መተሓታተቲን ኮይኖም ዘገልግሉና ኪኾኑ ይግባእ። ኣብዚ ንህሉው ስርዓት ንምልጋስ ንቃለሰሉ ዘሎና መድረኽ/stage፡ ብሓባር ንምቅላስ ናይ ሓባር ቀዳምነታትና ተባሂሎም ዝተሰርዑ ዕላማታትን፡ ሽቶታትና ንምውቃዕ ንኽተሎ ትልሚ ዝድርቱን፡ ንሓድሕዳዊ ቊጽጽርን ምትሕስሳብን የገልግሉ።


4. ዘሰማምዑን ዝፈላልዩን ጉዳያት ፈላሊኻ ምርኣይ፡ በቶም ዘሰማምዑ ብሓባር ምስራሕ፡ ነቶም ዝፈላልዩ ምውንዛፎም፡ በብቁሩብ ከኣ ንፍልልያት ምጽባብ፣ ሓባራዊ ዕላማታትናን ቀዳምነታትናን ከነለሊ እንተ ክኢልና፡ ቀጺሉ ዝስዕብ ዕማም፡ ንዕኦም ንምትግባር እንታይ ይገበር ዝብል ሕቶ መልሲ የድልዮ። ከም ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ድሕረ-ባይታ ዘሎና መጠን፡ ኣብ ናይ ሓዋሩ ድሌታትናን መደባትናን ፍልልይ ክህልወና ባህርያዊ ኢዩ። ኣብዚ፡ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን መደባትን ምህላው፡ ከም ነውሪን መርገምን ዘይኮነ፡ ከም ጸጋን ሓጋዚን ኮይኑ ክርአ ዘለዎ’ዩ። ስለዚ ነቲ ዝተሰማማዕናሉ ናይ ሓባር ዕላማን ቀዳምነታትን ንምትግባር ዝከኣል፡ በቶም ዘሰማምዑና ነጥቢታት ጥራይ ስለ ዝኾነ፡ ነዚኦም ብንጹር ምልላይ ኣገዳሲ ኢዩ። ኣብ መስርሕ ቃልሲ ንምልጋስ ህሉው ስርዓት ዕንቅፋት ኪኾኑ ዝኽእሉ ነጥቢታት እንተልዮም ምልላዮም’ውን ኣገዳሲ ይኸውን፡ እንተ ተኻኢሉ ይፍትሑ እንተ ዘይተኻኢሉ ድማ ብኸመይ ክትሓዙ ከም ዘለዎም ናይ ሓባር መረዳእታ ይብጽሓሎም። እቶም ካብ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ኣረኣእያታትን እምነታትን ዝብገሱ ፍልልያት ግን፡ ከምቲ ቀዲሙ ዝተገልጸ፡ ውንዙፋት ኮይኖም ይጸንሑ። ህሉው ስርዓት ተኣልዩ ቅዋማዊ ስርዓት ምስ ቆመ ድማ፡ ብመሰረት ቅዋም ዘፍቅዶ ቅጥዒ ኣብ ህዝቢ ወሪዶም ተቐባልነት መታን ክረኽቡ፡ ብሰላማዊን ዲሞክራሲያዊን ኣገባብ ንሓድሕዶም ይወዳደሩ።


5. ኣብ መስርሕ ቃልሲ ንምእላይ ህሉው ስርዓት፡ ተራ መንእሰይ ፍሉይ ኣቓልቦ ክወሃቦ፣ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ኣብዚ ናይዚ ዘሎናዮ እዋን ቃልሲ፡ ብዕትበትን ኣዕጋብነትን ተርኡ ተጻዊቱ ኣይብልን። ከምቲ ዝብሃልን ኩሉና ንኣምኖን፡ መንእሰይ ብምልኣት ዘይተሳተፎ መጻኢ ሃገርና፡ ንሃንቀውታ ህዝቢ ዘርዊ ኣይክኸውንን ኢዩ። መንእሰይ ኣብ ህሉው ኩነታትና ግቡእ ቦቱኡ ክሕዝ ኣለዎ። ክውደብን፡ ካብ ሕሉፍ ታሪኽ ህዝቢ ተማሂሩ ክጥቀመሉን ከማዕብሎን ክኽእል ይግባእ። ብኡ ጌሩ ድማ፡ ኣብ ቃልሲ ዝህሉዎ ናይ መሪሕ/vanguard ቦታን ተራን ክሕዝን ክጻወትን ይግባእ።


6. ህሉው ስርዓት ተኣልዩ፡ ኣብ ቦቱኡ ቀዋሚ ቅዋማዊ ስርዓት ክሳብ ዝምስረት ዝህሉ መሰጋገሪ ግዜ፡ ከም ካልኣይ ምዕራፍ ተወሲዱ፡ ንሱ ብከመይ ክስገር ከም ዘለዎ፡ ካብ ግዜ ቃልሲ ንምልጋስ ህሉው ስርዓት ኣትሒዙ ናይ ሓባር ስራሕን ምቅርራብን ክግበረሉ። እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ሓይሊ ዝተጸንበሮን፡ ተርኡ ብምልኣት ዝጻወተሉን መድረኽ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን፣ ምትእኽኻብን ብሓባር ምስራሕን ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ኣብ ምልጋስ ህሉው ስርዓት ጥራይ ዘድሃበን ብምልጋስ ናይዚ ስርዓት ዘብቅዕን ኪኸውን ዘለዎ ኣይኮነን። በይኑ ሕመረት ናይ’ዚ ቃልሲ’ዩ ኣይበሃልምበር ፡ ድሕሪ ምልጋስ ናይዚ ስርዓት ክጻወቶ ዘለዎ ተራ’ውን ኣለዎ። ኣብ ግዜ መሰጋገሪ እዋን። ዕድመ መሰጋገሪ እዋን ብዘየገድስ፡ ኣብቲ ግዜቲ ክሰላሰል ዘለዎ፡ ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ ዘስጋግር ቅጥዒ ናይ ምስኣልን፡ ብልሙጽ ኣገባብ ናይ ምሕላፉን ዕማም’ውን ኣሎ። ኣብ መሰጋገሪ እዋን፡ እዚ ሕጂ ብደምበ ተቓውሞ ዝፍለጥ በይኑ ኣይክኸውንን’ዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ናይቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝህሉ ተቓውሞ ኣካል ኮይኑ ክርአ እንተ ኮይኑ፡ ሓደ ክፋል ናይ መሰጋገሪ እዋን ተዋሳኢ ኢዩ ክኸውን። ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋን ተራን ብዘየገድስ፡ የድሊ ዝብሃል ምቅርራብ ጌሩ ክጸንሕ ግን ኣገዳሲ’ዩ። እዚ ማለት ከኣ፡ ከምቲ ኣብዚ ቀዳማይ ምዕራፍ ናይ ቃልሲ ክህልዉ ዘለዎም ናይ ሓባር ዕላማታትን ቀዳምነታትን ተባሂሉ ዝዝረበሎም ሕቶታት፡ ናይ መሰጋገሪ እዋን ዕላማታትን ቀዳምነታትንከ እንታይ ክኾኑ ኣለዎም ተባሂሉ፡ ክፍለጡን ክዝተየሎምን፡ ዝከኣል ምቅርራብ ተጌሩሎም ክጸንሕን ኣገዳሲ ኢዩ። ቅርጺን ትሕዝቶን ናይቲ ንጽበዮ ቅዋማዊ ስርዓት ኣብ ምውሳን፡ ኣብ መሰጋገሪ እዋን ብዝሰላሰሉ ዕማማትን ዝፍጠር ሓባራዊ ስኒትን ብዙሕ ክጽሎ ኢዩ።


7. ደምበ ኤርትራዊ ተቓውሞ ማለት፡ ኣብ ስደት ዝርከብ ተቓውሞ ማለት ጥራይ ከም ዘይኮነ ምእማን፣ ኣብ ደገ ዘሎ ደምበ ተቓውሞ፡ ኣካል ናይቲ ሰፊሕ ኤርትራዊ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣንጻር ህሉው ስርዓትዩ። ምስቲ ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ኣካል ኤርትራዊ ተቓውሞ ብምንጽጻር፡ ኣብ ምልጋስ ናይ ህሉው ስርዓት ዝነኣሰ ተራን ኣበርክቶን ዝህልዎ’ውን ኢዩ። ኣብ ደሞክራሲያዊ ዓለም ኮይኑ ተቓውሞኡ ዓው ኢሉ ክገልጽ ስለ ዝኽኣለ ከም በይኑ ጥራይ ተቓዋሚ ጌሩ ንርእሱ ናይ ምርኣይን ምግላጽን ግዜ ኣብቂዑ ኢዩ። ዝበዝሐን ኣጸቢቑ ኣድማዒ ኣበርክቶ ኣብ ምልጋስ ናይ ህሉው ስርዓትን ዝህሉዎ። እቲ ኣብ ውሽጢ ተዓፊኑ ዘሎ ተቓዋማይ ኢዩ። ሓቂ እዚ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ደገ ዝርከብ ደምበ ተቓውሞ፡ ምስ ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ኣካሉ፡ ናይ ምርኻብ፡ ናይ ምትሕግጋዝን፡ መደባት ናይ ምውህሃድን ዕማም፡ ሓደ ካብ ህጹጻት ቀዳምነታቱ ጌሩ ክሰርዖን ክሰርሓሉን ኣለዎ።




ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ)

Pretoria, South Africa

25 March 2014

13 views0 comments
bottom of page