top of page
  • emdhrorg

ግዱድ ዕስክርና ደው ይበል!

ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ኤርትራውያን ተመሃሮ 11 ክፍሊ ናብ ሳዋ ክወርዱ ከም ዝጀመሩ ኣብ ማዕከናት ዜና ክቃላሕ ቀንዩ ኣሎ። እዚ ድማ ብጉልባብ ትምህርቲ ኩሎም ትምህርቶም ዝውድኡ ተመሃሮ ናብ ግዱድ ዕስክርና ዝኽተቡሉ መስርሕ እዩ። እዞም ዓቕሚ ኣዳምን ሄዋንን ዘይበጽሑ ዕሸላት መንእሰያት፡ ካብ ማሙቕ ገዝኦምን ካብ ሓለዋ ስድራቤቶምን ወለዶምን ተመንዚዖም ኣብ ትሕቲ ጽንኩርን ኩነታት ወተሃደራዊ ታዕሊም ክወስዱን፡ እሞ ከኣ ንብዙሓት ሕልናን ርህራሄን ዝጎደሎም ዓለምቲ ክቃልዑ ይግደዱ ኣለዉ። ብዙሓት ካብኣቶም ድማ ግዳያት ናይ ዝተፈላለየ ስነኣእምሮዊ፡ ኣካላዊን፡ ጾታዊ በሰላታትን ከምዝኾኑ ዝምስክርዎ ሓቂ እዩ። ሓንቲ ካብዞም ዕሸላት ጓል 17 ዓመት ኣባል 27 ዙርያ "ገንሸል ሳዋ" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ፈይስቡክ ዘውጽኣቶ ምስክርነት፡ ኣብ ሳዋ ብሓደ ኮነሬል ዘጋጠማ ምግሳስን፡ ዘጋጠማ ጥንስን፡ ምንጻል ጥንስን ንኹሉ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ልቢ ዝሰብር እዩ።


ተምሃሮ 11 ክፍሊ ናብ ሳዋ ክኸዱ ከለዉ ግዱድ ዕስክርና እዩ። በቲ ልክዕ ስሙ ክንጽውዖ ይግባእ። እወ ግዱድ ዕስክርና!!! የግዳስ ንሕና ኤርትራውያን ነቲ ዘይንቡር ከም ንቡር፡ ነቲ መሪር ከም መዓር፡  ለሚድናዮ ከም ቅቡል ጌርና ወሲድናዮ ስለዝኾና ክንቃወሞን ዓገብ ክንብሎን ከምዘሎና'ውን ሓሲብናሉ ኣይንፈልጥን። እዚ ድማ ኣእምሮና ክሳብ ክንደይ ደንቁሩን፡ ተዓንዚዙን ከምዘሎ መርኣያ እዩ።


እንታይ እዩ እቲ ጠቕሙ? እዚ ኣብ ስልጣን ተዀይጡ ዘሎ ስርዓት፡ ስልጣኑ ንኸናውሕ፡ ንዝኾነ ዓይነት ናይ ተማሃሮ ኣብያን ሾፐሮን ከየጋጥም ከመይ ጌሩ ነዞም ተመሃሮ ክቆጻጸሮምን፡ ምእዙዛት ክገብሮምን ዝመሃዞ ድኣ'ምበር ብዛዕባ እዞም ዕሸላት መንእሰያት ሓልዩ ኣይኮነን።


እዞም መዓንጣ ዘይቆጸሩ ንኣሽቱ ኣሕዋትናን፡ ኣሓትናን፡ ደቅናን፡ እሞ ከኣ ኣብቲ ምሕብሓብን ምእላይን ዘድልዮ ኣዝዩ ተነቃፊ ዕድመኦም ብዝኾነ ምኽንያት ካብ ስድርኦም ክፍለዩ ብፍጹም ኣይግባእን። ማትሪክ ንምድላው ድማ ኩሉ’ቲ ካብ ስድርኦምን ወለዶምን ክረኽብዎ ዝግብኦም ሓገዝን ደገፍን ተነፊግዎም ኣብ ህሮርማ ጸሓይ ሳዋ መጽናዕቶም ብግቡእ ከሰላስሉ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ጾር ከምዝኾኖም ኹሉ ሕልና ዘለዎ ሰብ ዝስሕቶ ኣይመስልን። ንሕና ዓገብ ብዘይምባልና እዮም ድማ ናብዚ ዝቃልዑ ዘለዉ። ስለዚ ድማ ካብዚ ኩነታት ክሃድሙ ኣደዳ ስደትን መከራን ሞትን ይኾኑ ኣለዉ።


ስለዚ ሎሚ ድምጽና ብዓውታ እነስምዓሉ ሰዓት ኣኺሉ እዩ። ይኣክል ሱቕታ! ይኣክል እንታይ ገደሰኒ! እዚ ግዱድ ዕስክርና ደው ክብል ኩላትና ዓቕምና ዘፍቅዶ ክንገብር ውዓል ሕደር ዘይበሃሎ እዩ። እምቢ ንግዱድ ዕስክርና! ኣነ እንተዘይተዛሪበ መን? ሎሚ እንተዘይተዛሪበ መዓስ?

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ)

21 ሓምለ 2017

ፕሪቶርያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ

4 views0 comments
bottom of page