top of page
emdhrorg

መራሕቲ ሃይማኖታት ንሰላም ክጽውዑ ንጽውዕ

ንኣስታት ክልተ ዓመታት ቀጺሉ ዘሎ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።


ሂወት ዓሰርተታት ኣሽሓት ወይ’ውእን ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ዝቐዝፍ ዘሎ ህልቂት ምዃኑ ድማ ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን።


ሃገርና ኤርትራ’ውን፡ ፈጺሙ ኣብ ዘየድልያ ረጽሚ ተጸንቢራ፡ ካብ ስደትን ሞትን ዝተረፉ ዝርካቦም ዕሸላት፡ ኣቦታትን ኣቦሓጎታትን ትግብር ኣላ።


እዚ ግጭት’ዚ፡ ትርጉም ኣልቦን ንጥሙሕ ዘይሓላፍነታውያን መራሕቲ ተባሂሉ ዝካየድ’ዩ። ብዝኾነ መለክዒ ድማ ምኽኑይ ኣይኮነን።


መርኣያ ፍሽለት ብቕዓት መሪሕነት ምዃኑ ድማ ክንጸር ኣለዎ።


ዝኾነ ጉዳይ እንተሎ ብዲፕሎማስያዊ ኣገባብ ክፍታሕ ኣለዎ። ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘለዉ መራሕቲ እንተወሓደ ካብቲ ምዕቡል ያታት ኣፈታትሓ ግርጭታት ክመሃሩ ይግባእ።


ዘይክእልዎ እንተኾይኖም ህዝብታት ከየጽነቱ ካብ መዝነቶም ክወርዱ ይግባእ።


ኣብ ከምዚ ዝበለ ናይ ጥፍኣት እዋን፡ መራሕቲ ሃይማኖት ንሰላምን ልዝብን ተቢዖምን ተሪሮምን ዘይምጽውዖም ነቲ ዝመርሕዎ ህዝብታትን ዝጠፍእ ዘሎ ምእመንን ኣግዲዖሞ እንተበልና ምግናን ኣይኮነን። ነቶም ገለ ተበግሶታት ዝወሰዱ ዘለና ናእዳ እናገለጽና፡ ግና እኹል ኣይኮነን።


ስለዚ፡ ኩሎም መራሕቲ ሃይማኖታት ኣብዛ ወሳኒት ናይ ጥፍኣት መድረኽ፡ ሞራላውን መሪሕነታውን ተልእኮኦም ብምፍጻም፡ ነዚ ዝውሕዝ ዘሎ ደም ደው ንምባል ተባዕ ስጉምቲ ክወስዱ ንጽውዕ።


ህይወት ህዝብታቶም ካብ ፍጹም ብርሰት ንምድሓን፡ ነዞም መራሕቲ ኲናት ክምሕጸንዎምን ክግዝትዎምን ይግባእ።



ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስያ ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ)


04 ጥቀምቲ 2022

46 views0 comments

Comments


bottom of page