top of page
emdhrorg

መስከረም 18

ሰሉስ መስከረም 18 2001፡ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ዓባይ ነጥበ መቐይሮ እያ። ጩራ ተስፋ ዲሞክራሲ ቅሂሙ፡ ምልካዊ ስርዓት ብወግዒ ዝተኣወጀላ ጸላም ዕለት እያ። እቶም ንምልካዊ ኣካይዳ ኢሰያስ ብትብዓት ዝተቓወሙ ላዕለዎት ሰብ-መዚን፡ ተጋደልቲን፡ ጋዜጠኛታትን ዝተኣስሩላ፡ ነቲ ብድሕሪኡ ዝሰዓበ ምጽናት ህዝብን፡ ምግሃስ መሰረታዊ መሰላትን ሓርነታትን ዜጋታት፡ ዝፈለመት ዕለት እያ።

እዞም ብሉጽ ዕድመ ንእስነቶም ንስለ ኤርትራ ዝወፈዩ ጀጋኑ ኤርትራውያን ዝሓተትዎ ሕቶ፡ ናብ ግዝኣተ ሕጊ ንመለስ ትብል እያ ነይራ።


ድሕሪ 19 ዓመት፡ ሕቶ ልዕልና ሕግን ዲሞክራስን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ሉኣላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ኣትዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምጽናት ይርከብ። ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ድንግርግር ኢልዎ ዘሎ እዋን፡ ሎሚ’ውን ኣንፈትና ከየጥፋእና፡ እዛ ሕቶ እዚኣ ሕቶ ኩላትና ክትከውን ይግባእ። ልዕልና ሕጊ ቦኺሩ ከሎ፡ ኣብ ውሽጥናን፡ ምስ ጎረባብትናን፡ ሰላምን ርግኣትን ክህልወና ኣበደን። ናይዚ ኩሉ ጠንቂ ድማ ኢሰያስን ስርዓቱን ምዃኑ ህዝቢ ኤርትራ ኣለልዩ፡ ብዓቕሙ ክኣልዮ ከምዝክእል’ውን ተኣማሚኑ፡ ንምእላዩ ኢደይ ኢድካ ክብል ንጽውዕ!


ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ)

መስከረም 18፡ 2022

35 views0 comments

Kommentare


bottom of page