top of page
emdhrorg

መኣዝንና ኣይነጥፍእ

መእተዊ

ኣብ መጀመርያ ሕዳር ኩናት ኣብ ሞንጎ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ፡ ኤርትራውያን ብፍሉዩ ተገዳስነት ነዚ ኩናት ይከታተልዎን ይትንትንዎን ከምዘለዉ ኩላትና ንዕዘቦ ዘሎና እዩ። እዚ ድማ እቲ ኩናት ንኤርትራውያን ብከቢድ ስለዝጸልወና እዩ። ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቁጸሩ ስደተኛታት ኣብ ትግራይ ተዓቑቦም ብምህላዎምን፡ ሕይወቶም ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ብምውዳቑን፡ ብዓቢኡ ድማ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዘይምልከቶም ኩናት ይጥበሱን ይሞቱን ብምህላዎምን እዩ። ምስኡ ብዝተሓሓዝ ከኣ፡ መወዳእታ ውጽኢት ናይዚ ኩናት፡ ንህዝቢ ኤርትራን፡ ሉኣላውነቱን ዓቢ ጽልዋ ክህልዎ ስለዝኽእል፡ ኩሉ ሰብ ሳላ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝረኸቦ ሓርነትን፡ ብቐሊሉ ንብዙሓት ሰባት ብቅጽበት ሓሳቡ ክገልጽ ብምኽኣሉን ከምድላዩ ይትንትን ኣሎ። ሓደ ካብቲ ኣሉታዊ ሳዕቤን ናይ መራኸቢ ብዙሓን፡ እቲ ጫውጫውታ በዚሑ፡ እቲ ሓሶት ካብ ሓቂ፡ እቲ ጸወታ ካብ ቅውምነገር፡ እቲ ገፈል ካብቲ እኽሊ ክትፈሊ ኣብ ዘይትኽእለሉ ደረጃ ምብጽሑ እዩ። እዚ ኩነታት ህድእ ኢልካ እንተዘይመርሚርካዮ መኣዝንካ ከተጥፍእ ዝገብረካ ሓደገኛ ኩነታት ክፈጥር ዝኽእል እዩ።


ደለይቲ ፍትሒ

በዚ ዝተኸስተ ሓዲሽ ናይ ውግእ ሃዋህዉ፡ እቶም ደለይቲ ፍትሒ ከይተረፈ ኣብ ክልተ ወገን ተኸፊሎም፡ ክሳብ ቆየቋን፡ ምውጥዋጥን ይበጹሕ ኣለዉ። እቶም ገሊኦም ናይ ኤርትራ ሉኣላውነት ህላውነትን ምስ ምስዓር ወያነ ከብቕዕ ይኽእል እዩ ዝብል ከቢድ ስክፍታ ዘለዎም ክኾኑ ከለዉ እቶም ሓደ ወገን ከኣ ወያነ ኣብ ስልጣን ከለዉ ንምድኻም ኤርትራን ምጽናት ሰብኣዊ ዓቕማን እዮም ክሰርሑ ጸኒሖም፡ ስለዚ ምጥፋእ ወያነ ንረብሓ ኤርትራ ምዃኑ ዝኣምኑ ብምዃኖም ዳርጋ ነቲ ብኣቢይን ኢሰያስን ዝተወልዐ ኩናት ብተዘዋዋሪ ዝድግፉ ኮይኖም ኣለዉ። እዚ ክልቲኡ መጎተታት ነናቱ ሓቕነታት ኣለዎ። እቲ ክኸውን ዘለዎ ደገፍቲ ናይዚ ክልቲኡ ሞጎተ ካብ ስምዒት ወጺኦም፡ ንረብሓ ኤርትራ እንታይ እዩ ዘዋጽእ፡ እንታይ ዓይነት ስትራተጂ ከስርሕ ይኽእል፡ እዚ ሓዲሽ ኩነታት እንታይ ዕድላት ፈጢሩልና ኣሎ፡ ኣብ ዝብል ክላዘቡ ዝያዳ ኣድማዒ ምኾነ።


መሃነንካ ዘጥፍእ ፕሮፓጋንዳ

ኣብዚ ክንዝንግዖ ዘይብልና፡ ኣሽንኳይዶ ንሕና ንቕሓትን ናይ ሓበሬታ ጉድለት ዘሎናን፡ ምስ ኩሉ ዘለዎም ክፉት መራኺቢ ብዙሓን፡ ኣሜሪካውያን ከይተረፉ ኣብ 2016 ብብዙሕ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ጎስጓሳት ተታሊሎም ክሳብ ብራሻውያን ኣብ ፈይስቡክ ዝተወደበ ንትራምፕ ዝድግፍ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ምስታፍ ተረኺቦም እዮም። እዚ ውግእ እዚ ኣብ ባይታ ብብረትን ሰራዊትን ዝግበር ጥራሕ ኣይኮነን፡ እንታይ ድኣ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን'ውን ዝተፈላለዩ ሜላታት እንዳተጠቕሙ ናብ ኤርትራውያን ዝቐንዐ፡ ንህዝቢ ኣብ ምድንጋርን፡ ጽልኢ ዝተኽሉን ዘሳውሩን፡ ሓቂ ካብ ሓሶት ሰብ ፈልዩ ከይፈልጥ ምርብራብ ይገብሩ ኣለዉ። እዚ ድማ ብኽልቲኦም ኣብዚ ውግእ ዝሳተፉ ዘለዉ ባእታትት ዝግበር እዩ። ኩሉ ኤርትራዊ ደጋፊ ይኹን ተቓዋሚ ክነቕሓሉ ዘለዎ ጉዳይ እዩ።


እንኮ ጸላኢ

ሕጂ'ውን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ቀዳማይን እንኮን ጸላኢ፡ ኢሰያስ እዩ። ኢሰያስ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ፡ ህዝብና ኣብ ውግእ ክጥበስ፡ ክስደድን ክበታተን፡ ህላውነት ኤርትራ ብዓቢኡ ኣብ ምልክት ሕቶ ክኣቱ እዩ። ኢሰያስ ናይ ኤርትራ ሕልሚ የብሉን፡ እዚ ክሳብ ዝኾነ ንኤርትራ ክቐድዋ ኣይክእልን ከጥፍኣ እንተዘይኰይኑ። ሕጂ'ውን ኩላትና ኤርትራውያን ጉዳይና ብኸመይ ንኢሰያስ ካብ ስልጣኑ ንኣልዮ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ጓል መንገዲ ዕንክሊል ካብ ምባል ነብስና ነውጽኣያ።


ሓደ ዓላማ

ብዙሕ ግዜ "ክንሓብር ኣሎና፡ ፍልልያትና ኣወጊድና ሓደ ክንከውን ኣሎና” ዝብል ኣበሃህላ ንሰምዕ ኢና። ሕጂውን ሓደ ምዃን ኣይክኣልን፡ ኣድላዩነት'ውን የብሉን። ነቲ ንደልዮ ሸቶ ክንወቕዕ ኣብ ሓደ ዝጥርንፈና ወይ ሓደ ዝገብረና ትካል (organization) ክንሃንጽ ናይ ግድን ኣይኮነን። እቲ ዘድልየና፡ ንጹር፡ ኩሉ ዝርድኦን ዝቕበሎን ናይ ሓባር ራእይን ዓላማን ጌርካ፡ ነዚ ሽቶ ንምህራም ዘድልዩ ንጥፈታት/ ስራሓት ኣለሊኻ፡ ነዞም ስራሓት/ዕማማት ዘወሃህዱ ሓይሊ ዕማማት ኣጣይስካ ናብ ስራሕ ምውፋር ካብዚ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ንርእዮ ዘሎና ቆየቛን፡ ጓል መንገዲን ከናግፈና ይኽእል እዩ። ከምቲ ፈረንጂ ክምስሉ ከለዉ፡ “An idle mind is the Devil’s workshop - ዝፈትሐ ኣእምሮ መጻወቲ ሰይጣን እዩ" ዝብልዎ፡ እጅገና ሰብሲብና ናብ ስራሕ ንጸመድ'ሞ ካብ ቆየቛ ክንድሕን ኢና። ምንቅስቓስ ይኣክል ነዚ ግብራዊ ንምግባር ህዝቢ ብምዕሳል ዝሓሸ ዕድል ፈጢሩ ነይሩ እዩ፡ ነዚ ዕድል ከይነጥፍኦ ክንጥንቀቕ ይግባእ።


እንታይ እዩ እቲ ዝስራሕ

እቲ ዝስራሕ ስራሕ ጥር ኢልና ዓቢ ስራሕ ክንሰርሕ ኣይንሕሰብ ብንእሽተይ ንጀምር። ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ብንኣሽቱ ዝፋለጡን፡ ዝተኣማመኑን ጉጅለታት እዩ ዝዕወት። ገዛ ብመሰረት እዩ ዝጅመር። ነቲ ንደልዮ ለውጢ ካብ ገዛእ ርእስናን፡ ገዛናን፡ የዕሩኽትናን፡ ከተማንና ንጀምር። ፖለቲካዊ ንቕሓት ዘለዎ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ጥራሕ እዩ ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል። ሓደ ካብቲ ስርዓት ኢሰያስ ኣብ ሕብረተሰብና ዝገበሮ ዕንወት ናይ ኣእምሮን ኣተሓሳስባን ድኽነትን ባርነትን እዩ። ኣተሓሳስባና ካብ ባርነት እንተ ገላጊልና ጥራሕ ኢና ድልዱል መሰረት ክንሃጽ ንኽእል።


ኣዕናውነት ኩናት

ብዝኾነ መለክዒ ኩናት መፍትሒ ኮይኑ ኣይፈልጥን። ብኹናት ብዘይካ ዕንወት ዝሕፈስ ዓወት የለን። ናይዚ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኩናት ድማ፡ ብመጀመርያ ንህዝቢ ትግራይ፡ ብምቕጻል ንህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ከቢድ ዋጋ የኽፍል ኣሎ። እዚ ውግእ ካብ ዝጅምር ንሰምዖ ዘሎና ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን፡ ሲቪላውያን ሰባትን፡ ዝግበር ኣሰቓቂ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ገበናት ኩናትን፡ ብዝኾነ ኣካል ይፈጸም፡ ብትሪ ክኹነን ይግባእ። ሕጂ'ውን ተጻባእቲ ወገናት ናብ ልቦም ተመሊሶም ፍልልያቶም ኣብ ጣውላ ክፈትሑ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይን ክወጹ፡ ኣብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ዝምታ ንብረት ደው ክብል ንጽውዕ። ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ንወለዶታት ዝኸይድ ጽልኢ ዘሳውሩ ከምዘለዉ ተገንዚብና፡ እዚ ግን ንረብሓ ክልቲኡ ህዝብታት ከም ዘይጠቕም ተረዲእና ብፍቕሪ ክንድብሶ ሓደራ ንብል።


መደምደምታ

ኣብ ዝኾነ ጉዕዞ ኣንፈት ምጥፋእ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ። ዕድለኛ እንተዀይንካ ነቲ ክትበጽሖ ዝሓሰብካዮ ኣዚኻ ደንጒኻ ትበጽሖ። እንተዘይኮነ ግን ኣብ ሸቶኻ ኣይትበጽሕን፡ ብዓቢኡ'ውን ንሕይወትካ ዝፈታትን ክኸውን ይኽእል። ኣብ ጉዕዞ ናይ ሓርነት ኣንፈት ምጥፋእ'ውን ብተመሳሳሊ ብቐሊል ዘይግመት ዕንወት ከስዕብ ዝኽእል ምዃኑ ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ። ኣንፈትና ክሓናኹሉን፡ እንተኽኢሎም'ውን ኣንፈትና ከነጥፍእ ክገብሩና ዝደልዩ፡ ደቂሶም ዘይሓድሩ እኩያት ጸላእቲ ከም ዘለዉና ንሓንቲ ካልኢት'ውን ትኹን ክንዝንግዕ የብልናን። ሽቶና ክንወቅዕ ንቅሓትን መኣዝንካ ምፍላጥን ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ሃየ'ምበኣር ኣንፈትና ኣይነጥፍእ! ንሓንቲ ካልኢት'ውን ትኹን ኣዕይንትና ካብቲ ቀንዲ ሸቶና ኣይንእለየን።


ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ)

ታሕሳስ 2020

ፕሪቶርያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ

72 views0 comments

Comments


bottom of page