top of page
emdhrorg

ኣብ ግዜ ሓዘን ጓይላ: ዓገብ!

ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጠ ኣማኢት ኤርትራውያን ኣብ ሜዲተራንያን ከምዝሃለቁ ኣብማዕከናትዜና ተኸታቲልናዮ ኣሎና። እዚ ኣስቃቂ ተረኽቦ እዚ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ መንግስቲ ድማ ብፍላይ ንስድራ መወቲ ብግቡእ ክርድኡ፡ ደበስ ክድበሱ፡ሬሳ ደቆም ንቡር ቀብሪ ክረክብ: ሃገራዊ መዓልታት ሓዘን ክእውጅ ሓላፍነት ኣለዎ። ናይ ኤርትራ ግና በንጻሩ እዩ። ሬድዮን ቲቪን ኩሉ ዓለም ብዛዕባ እዚ ክዛረባ ከለዋ፡ሕልና ዘለዎም ዜታታት ኤውሮፓውያን ሃገራትውን መንግስታቶም ነዚ ህልቂት ደው ክብል ሰላማዊ ሰልፊ ክገብሩ ከለዉ፡ ቲቪ ኤረ ትኹን ድምጺ ሓፋሽ ግን ነዞም ኤርትራውያን ከም ዜጋታት ክእመናሎም ከማን ኣይደለያን። "ዘይሕጋውያን ስደተኛታት" ክብላ እየን ገሊጸንኦም። እዚ ድማ መርኣያ መንግስቲ ንዜጋታቱ ዘለዎ ክቱር ንዕቀት እዩ።


ንሕና ኤርትራውያን ክቡር ባህሊ ኣሎና። ጎረቤትና ክሓዝን ከሎ ሓቢርና ንሓዝን፡ መቅርብና ክሕጎስ ከሎ ድማ ሓቢርና ንሕጎስን ንዕልልንን። ኣማኢት ኤርትራውያን ስድራቤታት ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ከቢድ ሓዘን ይርከባ ኣለዋ። ኩሉ ኤርትራዊ ድማ ተሳታፊ ናይዚ ሓዘን ክኸውን ይግባእ።


ብምኽንያት ናጽነት ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ወጋሕ ትበል ለይቲ መደብ ተዳልዩ ከምዘሎ ሰሚዕናዮ ኣሎና። ናጽነት ኤርትራ ብኽቡር ብሕይወት ኣሽሓት ደቃ እያ ተረኺባ። እዚ መስዋእቲ ድማ ዜጋታታ እተኽብር ሃገር ንምህናጽ ድኣ እምበር ዜጋታታ እተሕስርን እተዋርድን ኤርትራ ንምትካል ኣይነበረን።

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ): ዝኾነ ኤርትራዊ ኣብዚ ተዳልዩ ዘሎ ጓይላ ከይሳተፍ ብትሕትና ይሓትት። እዋኑ እዋን ሓዘንን እህህታን እምበር፡ እዋን ሳዕስዒትን ዝላን ዳንኬራን ኣይኮነን።

ንስድራቤት መወቲ ድማ ጽንዓት ይሃብ!

ኤምዲሰመ 22 ግንቦት 2015

3 views0 comments

Comments


bottom of page