top of page
  • emdhrorg

18 መስከረም፡ 'መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ'

ህዝቢ ኤርትራ መሰሉ ከም ሃገርን ህዝብን ንኸረጋግጽ ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ’ዩ። ብመስዋእቱ መሬታዊ ልዕላውነት ክረጋግጽ እኳ እንተኻኣለ፡ ሰብኣዊ መሰሉን፡ ህዝብዊ ሓርነቱን ከረጋግጽ ግን ገና ኣብ ትጽቢቱ ዘይነበረ ከቢድ መስዋእቲ ዳግማይ እንዳኽፈለ ይርክብ። ነዚ ሰብኣውነቱን ብቐንዱ`ውን ከም ህዝብን ከም ሃገርን ህላውነቱ ዝፈታትን ኩነታት ብሓድነት መኪቱ፡ መሰላቱን ሰብኣዊ ኽብሩን ከምዘረጋግጾ ፍጹም ዘየማትእ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ናይ ሓጺር ግዜ ሕቶ ምዃኑ እምነትን መረዳእታን ክህልወና ይግባእ።

ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣምታትን፡ ብዝተፈላለየ ኣገባባትን  ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክወርድ ዝጸነሐን ዝቕጽል ዘሎን ግህሰት ሰብኣዊ መስላትን ክብርታትን ተገሊጾምን ተሰኒዶምን እዮም። መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጸም ዘሎ ግህስት ሜላውን ብፍላጥን ከምዝኾነን፡ መጠኑ ከኣ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ኢሉ ገምጊምዎ እዩ። ነዚ መጠነ ዓለም-ለኻዊ ኩነነ፡ ስርዓት ህግደፍ ብወግዓዊ ኣገባብ መግለጺ ብዙሕ ዋጋ ኣይሃቦን። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ፡ ህግደፍ ዝብከል ጽቡቕ ሽም ስለዘይብሉ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ነቲ ጉዳይ ኣብ ክንዲ ብዕቱብ መገዲ ምእራም ዝፍትን፡ ከም ባህርያቱ ልዕላውነት ህዝብን ሃገርን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ብምእታውን፡ ሕሱር ፖለቲካዊ ሽቐጥ ብዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ምስ ዘራይ ዝኾነኦ ሃገራት ብምክያድ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝዘነበ ክሲ ንግዜኡ ከዝሕሎ ይሰርሕ  ኣሎ።

እዚ ካብ ቀንዲ ጉዳይ ምህዳም ዝገርም ተርእዮ ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ቀንዲ መርእያ ባህሪ ስርዓት ህግደፍ ስለዝኾነ። ነዚ ንምብራህ ቁሩብ ምልስ ኢልና ሰነዳት ክንርኢ ሓጋዚ ይኸውን።

ብቕዳምነት፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንምርግጋጽ መሰል ርእሰ-ውሳኒኡ ንልዕሊ ኣርባዓ ዓመታት ብፖለቲካውን ጎነጻውን መንገዲ ዘካየዶ ፍትሓዊ ቃልሲ ጨውይዎን ገቢትዎን`ዩ። እዚ ኻኣ፡ ብዓይኒ ሞራልን ሕልናን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብዓይኒ እቲ ህግደፍ ንነብሶም ከም መቐጸልትኡን ወራሲ ታርኹን ጌሩ ዝርእዮ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህ/ግ) እውን እንተኾነ፡ ዓቢ ክሕደትን ጥልመትን ከምዘተፈጸመ እዩ ክግምገም ዝካኣል። ህ/ግ ኣብ 1987 ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ፕርግራሞ፡ ንህዝባዊ ደምክራስያዊ መንግስቲ ምትካል ዝምልከት ከምዚ ክብል ንህዝቢ ኤርትራ መብጽዓ  ኣትዩ ኔሩ፥

"ብደሞክራስያዊ መንገዲ ካብዚ ተመርሐ ናጻ ናይ ህዝቢ ወኪላት ምርጫ ህዝባዊ ባይቶ ምቛም፡እዚ ህዝባዊ ባይቶ'ዚ ቅዋም ይሕንጽጽ ፡ሕጊታት ይሕግግ፡ ኣብ እትፈላለየ ሜዳታት ሜላታት ይሕንጽጽ፡ሓድሽ ውዕላት የጽድቕን፡ ህዝባዊ ፈጻሚን ፍርዳዊን ኣካላት ይመርጽን"።

ቀጺሉ ንመሰል ምዝራብን ምጽሓፍን ዝምልከት'ውን ብኸምዚ ዝስዕብ ገሊጽዎ፡

"ናይ ርእይቶ፡ ናይ ጋዜጣን ጽሑፍን፡ ናይ ኣኼባ፡ ናይ እምነትን ናይ ሰላማዊ ሰልፍን ድሞክራስያዊ መሰላትን ምሕላው፡ ሃገራዊን ናይ ፖለቲካ ስልፍታትን ሃገራዊያን ናይ ሸቃሎን ሓረስቶትን ደቀኣንስትዮን ተማሃሮን መንእስያትን ናይ ሞያን ማሕበራትን መስላት ምሕላው።”[1]

ነዚ መብጽዓ'ውን ኣብ ሳልሳይ ሃገራዊ ጉባኤ ህ/ግ ናብ ህግደፍ ኣብ ዝተቐየረሉ ብኸምዚ ክብል ደጊምዎ'ዩ፥

“ኣብ ናጻ ኤርትራ፡ ሕግን ስርዓትን ዘሕብር፡ ሓድነትን ሰላምን ዝሕሉ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ካብ ፍርሕን ጭቆናን ሓራ ኮይኑ፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላቱ ተሓልይሉ፡ ህይወቱ ብቕሳነትን ሓጎስን ንምቕጻልን ንምምሕያሽን ዝኽእል ርጉእ ፖለቲካዊ ስርዓት ክህነጽ መሰረታዊ ድልየትና እዩ። እዚ ዕላማታት`ዚ ከኣ፡ እንትርፎ ንዕኡ ብዘገልግል ሕግታትን ብሕጊ ዝቆመ ትካላትን ብካልእ ክረጋገጽ ስለዝይክእል፡ ኣብ ኤርትራ ቅዋማዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ክንምስርት ኣሎና።”[2]

እዚ ህግደፍ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ብመብጽዕዑ ዝኣትዎ ማሕበራዊ ውዕል (social contract) ከም ዝጣሓሶን ከም ዝኻሓዶን ህልው ኩነታትና ባዕሉ መስካሪ’ዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ እቲ ብመሰረት እቲ ውዕል ክትግበር ዝነበሮ ብ1997 ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋም ስለዘየተግበሮ፡ እንተዋሓደ ነዘን ዝሓለፋ ዕስራ ዓመታት ህግደፍ ገቢትዎ ዘሎ ስልጣነ መንግስቲ ንቡር ዕላውነትን ሕጋውነትን ከምዘይብሉ እዩ ክፍለጥ ዝካኣል።

ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘበን ብገዚፍ መስዋእቲ ናጽነቱ ዘረጋገጸ ህዝቢ ነቲ መስረታዊ መሰልን ልኡላውነትን ዲሞክራስያዊ መሰላት ነፊግካ፡ ብፍላይ ከኣ ብደሞክራስያዊ ምርጫ ዘይተቐበልካዮ በትረ-ስልጣን ምጥቃም፡ ዕልዋ ኣብ ልዕሊ ልዕላውነት ህዝቢ`ዩ። ስለ'ዚ ከኣ ስርዓት ህግድፍ ዘይሕጋውን፡ ዘይዕላውን፡ ዓማጽን ስርዓት ምኻኑ እዩ ዘረጋግጸልና።

ከምዚ ዓይነት መንግስቲ፡ ኣብ ህዝቢ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ኣጸቢቑ ሰለዝርዳእ፡ ዕድሚኡ ኣብ ስልጣን ንምንዋሕ ኩለእንትናዊ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ፍርሕን ራዕድን ከም ቀንዲ መሳርሒ እዩ ዝጥቀመሉ። ኸም`ዚ ዝኣመስለ ዘይሕጋዊን ህዝቢ ቆጽሊ ዘየውደቕሉ በትረ-ስልጣን ዝሓዘ መንግስቲ፡ ነብሰ-ተኣማንነት ስለዘይብሉ፡ ኩሉ ዓቕምታቱ ኣብ ስለያን ጎነጽን እዩ ዘውዕሎ። ከም ባህርያቱ ከኣ፡ ዝኾነ ንዕኡን ንተግባራቱን ኣብ ሕቶ ዘእቱን፡ ምሉእ ተማእዛዝንት የብሉን ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ዜጋ፡ ክእስርን ክቕጥቀጥን ከሳቐን ክሽረብን ንቡር ጌሩ እዩ ዝወስዶ። ብዕለት 18 መስከረም 2001 ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሓለፍቲ ግንባርን መንግስትን፡ ከምኡ`ውን ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታትን ዝተወስደ ስጉምቲ፡ ሓደ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተታት ኣሻሓት ዜጋታት ዝወረደ ከምዃኑ መጠን፡ ግሁድ መርኣያ ስርዓት ህግደፍ`ዩ።

ኣብ ከምዚ ባህርያት ስርዓት ህግደፍ፡ ቀዳመይቲ ግዳይ ትኸውን ግዝኣተ-ሕጊ እያ። ምኽንያቱ፡ ንኣታሓሳስባን ተግባራትን ዕላውነት ዘይብሉ ስልጣን ዝገበተ ህግደፍ፡ መወክሲኡ ሕጊ፡ ህዝባዊ ክብርታት ዝሓዘ ባህሊ፡ ስነ-ምግባር ወይ ብሓፈሻ ስብኣውነት ኣይንታዩን`ዩ። እቲ ብመርማሪት ኮምሽን ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ መርትዖታት እውን ነዚ እዩ ዘንጸባርቕ። እቲ ቐንዲ መወከሲኡ፡ ዘይረዊ ሸውሃት ስልጣን ዓመጽን ምስኡ ዝኸይድ ትሑት ነብሰ-ተኣማንነት ዘምጽኦ ፍርሕን`ዩ። ልዕላውነት ሃገር ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ምእታውን፡ ብስቓይ ህልቂትን መንእሰያት ኤርትራውያን ስደታኛታት ምብጫው፡ ቀንዲ “ዘይስንኻ ሑጻ ቆርጥመሉ” ዘስምዕ ባህሪ ህግደፍ`ዩ።

ስለዚ ነዚ መፍትሒኡ  እንታይ`ዩ፡ ተባሂሉ ክሕተት ባህርያዊ እዩ። ሽሕ እኳ እቲ ክኸይድ ዝጽንሐን ዘሎን ምቅላዕ ኩነታት ስብኣዊ መስላት ኣብ ኤርትራ ኣገዳሲ ውጽኢት እንተኣምጽአ፡ ነቶም ዓሰርተታት ኣሻሓት ግዳያት ናይ`ዚ ኣረሜናዊ ስርዓት ዝኾኑ ዜጋታትን፡ ንምንቁልቋል ክብርን ህላውነትን ሃገርና ኤርትራ ኣብ ምግታእ ግን ውጺኢቱ ውሱንዩ። እዚ ዝገብሮ ቀንዲ ምኽንያት ከም ህዝቢ ብዝሓየለ ደረጃ ኣገባብ ቃልስና ወዲብና ክንገትኦ ስለ ዘይበቓዕና እዩ። ማሕበረሰብ ዓለም ሓጋዚ ተራ የብሉን'ኳ እንተዘይተባህለ፡ እቲ ዓብላሊ ሓቂ ኣብ ክንዲ ብመትከልን ብኽብርታትን፡ ብጥቕሚ ስለዝግዛእ ንጉዳይና ኣብ ክንዳና ክኸውን ዝኽእል መተካእታ ሓይሊ የልቦን። ኩልና ከም ንግንዘቦ ግዳያት ግህሰት ስብኣዊ መሰላት፡ ግዳያት ዝኾኑሉ ቀንዲ ምኽንያት መሰል ሰለዘይብሎም ኣይኮነን፥ ንመሰሎም ከውሕሱ ዘኽእሎም ሓይሊ (power) ስለዘይበሎም ጥራሕ`ዩ። ንሕና ኤርትራውያን'ውን ክንስማዕ፡ ኣውንታዊ ሓይሊ ክህልወና ኣለዎ። እዚ ሓይሊ ምንጩ ከኣ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ወይ ፈሉያት ሃገራት፡ ወይ ምዕራባውያን ዘይመንገስታውያን ማሕበራት ኣይኮናን። ምንጪ ሓይልና ኣብ ውሽጥና ኣብ ሓያል ውዳበ ህዝብና እዩ ዘሎ። ብውዳበ ህዝብና ብንቕሓትን ኣስተምህሮን ዝተሰነየ፡ መሰልን ሓላፍነትን ብማዕረ ዝሰርዐ ክኸውን ኣለዎ። በዚ ዝፍጠር ዓርሞሸሻዊ ሓይሊ ልዕላውነት ህዝቢ ክነግስን፡ ንዝተጠልመ መብጻዓ ክመልስ፡ መሰልን ክብርን ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ከውሕስ ዝኽእል።

ነዚ ሓያል ህዝባዊ ውዳበ መሰረት፡ ኣብ ክብርታትን ህዝቢ ዝርዓመ ስጡም ሃገርዊ ራኢይ ምህላው እዩ። ስጡም ሃገራዊ ራኢይ ንኽፍጠር፡ ደለይቲ ፍትሒ ዘለዎም ዘይቃዶ ኣተሓሳስባ ገዲፎም፡ ልቦና ብዝመልኦ ሓቛፊን ኣሳታፍን መስርሕ ሃገራዊ ዘተ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ሕብረተሰብና ብዘተፈላላየ መንገድታት ከሰላስሉ ኣገዳሲ እዩ። ኸምዚ ዓይነት ኣብ ህዝብና ዘድሃበ ናይ ዘተ መስርሕ፡ ነቲ ድሮ ኣብ ኣስካፊ ኩነታት በጺሑ ዘሎ ካብ ተስፋ ምቑራጽ ዝተበገሰ፡ ምቑንጸብ ክብርን ታሪኽን ህዝቢ፡ ኣዕናዊ ምምቕቓልን ወገንነትን፡ ክግታእን፡ ህዝብና ኣብ ሕብረት ዘሎ ሓይሊ ዳግማይ ከግንዘብ የኽእል።

እዚ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ጎረቤት ሃገር ወይ ኣዕሩኽ በርገሳውያን ማሕበራት ክገብራልና ዘይክእላ፡ ናህና ናይ ሃገራውያን  ዕማምን ሓላፍነትን ጥራሕ እዩ። ኣብዚ መስርሕ እምባኣር፡ ንጡፋት ሃገራውያን ልቢ-ንልቢ ተራኺብና፡ እንኮ መንገድና ብሓባር ምስራሕ፡ እንኮ ተልእኾና ከኣ ምሕያል ህዝብና፡ እንኮ ዕላማና ከኣ ምውሓስ ክብርን መሰልን ህዝብና ምዃኑ ንእመን። ኣብዚ ናይ ሓባር ዕማም፡ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምድስመ) ዘለዎ ሓይሉን ዓቕሙን ከይቆጠበ ከወፊ በዚ ኣጋጣሚ ዳግማይ የረጋግጽ።

18 መስከረም 2017

ኤምዲሰመ

ፕሪቶርያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ

[1] ህዝባዊ ግንባር ሓርንት ኤርትራ፣ ሰነዳት ጉባኤ፡ ኣብ ካላኣይ ሓድነታዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤትራራን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን - ማእከላይ መሪሕነት ካብ 12-19.03.1987 ዝጸደቐ። ገጽ 110.

[2] ህ.ግ.ሓ.ኤ. ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ፡ ምእምቲ ደሞክራሲ፡ ፍትሕን ራህዋን ዝሰፈኖ መጻኢ፡ ኣብ 3ይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ዝጸድቐ፡ ናቕፋ 10-16 ለካቲት 1994.

6 views0 comments
bottom of page