top of page
  • emdhrorg

መተሓሳሰቢ ንኹሉኹም ኤርትራውያን ሓተቲ ዕቑባ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ

ኩልና ከምንፈልጦ ብሰንኪ ጭቖናን ግፍዕታትን መንግስቲ ኤርትራ፡ ምስ ባርነት ዝዳረግ ደረት ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ንሱ ዘስዓቦ ናይ ስድራቤት ምብትታን፡ መወዳእታን ተስፋን ዘይብሉ ህይወትን፡ ኤርትራዊ ብኹሉ ሸነኻቱ መሰሉ ስለዝተጋህሰን፡ ካብ ኤርትራ ክስደድ ተገዲዱ፡ ኣብ ፍቀዶ ሃገር ፋሕ ኢሉ ይርከብ። ሃገርና ኻአ ብሰንኪ ብምኳር ሕጊ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ ትኸይድ ኣላ።

እቲ ሓቂ ከምዚ ክነሱ፡ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሃገርና ብሰንኪ ማዕቀብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሓደጋ ወዲቃ ስለ ዘላ፡ ሃገር ንምድሓን፡ ናይ ቁጠባ ስደተኛታት ኢና፡ ኣብ ሃገርና ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት የለን፡ ብፍቓድና ኢና ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንኸይድ፡ ምዕማጽ ደቀንስትዮ ብሓለፍቲ ኣይፍጸምን ኢዩ፡ ኣብ ሃገርና ኮብሊልኩም ወይ ስግረዶብ ፈቲንኩም ተባሂሎም ዝተቐትሉ የለዉን ኢልኩም ፈርሙ እንዳበለ ከተዓሻሹን ከፈራርህን ይርከብ ኣሎ። ከምኡ'ውን ኣብዚ ሃገር ዕቁባ ከትረኽቡ ዝሃብኩሞ ምኽንያት ጽሒፍኩም ሃቡና ኢሉ ይሓትት ኣሎ።


እዚ ንኹሉ ሓታቲ ዕቁባ ኤርትራዊ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ዕቁባ ዘኸልክልን ስለዝኾነ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ካብዚ ንሂወቱን ሂወት ኤርትራውያን ኣሕዋቱን ኣብ ሓደጋ ዘውድቅ ምሙላእ ፎርም ክቁጠብ ነተሓሳስብ። እቲ ትመልእዎ ፎርም ምስ ሙሉእ ሓበሬታኹም ተሰኒዱ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃን ካልኦት ዕቁባ ዝህባ ሃገራትን ተላኢኹ ከም ምስክርነት ኣንጻርኩም ክጥቀምሉ ከምዝኽእሉን ንኽትጥረዙ ዕድል ዝኸፍት ምዃኑ ክትፈልጡ ይግባእ።


እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ንህዝቢ ኤርትራ ዘይሓሊ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ታሪኹ መወዳድርቲ ብዘይርከቦ ሕሰምን፡ ጭቖናን፡ ምብትታንን፡ ውርደትን ሞትን ድፋጭኡ ዘስትዮ ዘሎ ምዃኑ ፈሊጡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ብዘይፍርሂ ከቃልዖ ድኣ እምበር ክሸፋፍኖ ፈጺሙ ኣይግባእን። እቶም ገበነኛታት ድማ ብሕጊ ክሕተቱ ዓቕሙ ዘፍቅዶ ምስክርነቱ ክህብ ብትብዓት ደው ክብል ዜግንነታዊ ሓላፍነት ኣለዎ።


ኤምዲሰመ

ጥሪ 2016

ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ

2 views0 comments
bottom of page