top of page
  • emdhrorg

መግለጺ ብምኽንያት ሓደ መስከረም

ከምዝፍለጥ፡ ባሕቲ መስከረም ቃልሲ ንናጽነትን ሓርነትን ኤርትራ ዘቦከረት ዕለት እያ። እዛ ዕለት እዚኣ፡ ብዘይ ናጽነትን ሓርነትን ክብረት የለን ብምባል ንኹሎም እቶም ብሉጽ ህይወቶም ከይበቀቑ ንኤርትራን ህዝባን ዝወፈዩ እንዝክረላ ክብርቲ ዕለት እያ።

እዚ ባህጊ ናጽነት ኣብ 1991 ተጋሂዱ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብሓባር ዓሊሉን ዘሊሉን። እንተኾነ ግና ህዝቢ ኤርትራ ዘይተጸበዮ ሓደጋ ረኺቡ፡ ብሸፋቱ ተኸቲሩ፡ ሓርነቱን ክብረቱን ተመንዚዑ፡ ኣብ ሃገሩ ከም ባርያ ጥራሕ ዘይኮነ ካብ እንስሳ ንታሕቲ ሓሲሩ ይርከብ። ስለዝኾነ ድማ ዓዱ ገዲፉ ካብ ተስፋ ዘይብሉ ጸልማት ሕይወት ንምውጻእ ናብ ፍቀዶ ሃገራት ክስደድ ተቀሲቡ ይርከብ ኣሎ።

ስደት ግና ነባሪ መፍትሒ ኣይኮነን። እቲ እንኮ ፍታሕ፡ ኣብ ሃገርና ምልክን ዓመጽን፡ ሕጊ ኣልቦነትን ኣሊና፡ ብሕግን ቅዋምን እትግዛእ፡ መሰል ዜጋታታ እተኽብርን እትከናኸንን፡ ዜጋታት ዝሓልሙላን ሕልሞም ጋህዲ ክገብሩ እተኽእሎምን፡ ሰላም ዝዓሰላ ኤርትራ ምትካል እዩ።

እሞ ነዛ ንብህጋን ንሓልማን ኤርትራ መን እዩ ጋህዲ ዝገብራ? ናተይ፡ ናትካ፡ ናትኪ እወ ናይ ኩላትና ኤርትራውያን ሓላፍነት እዩ። ኤርትራ ትጸንት እያ ዘላ! ኣታ ደቂስካ ዘሎኻ ተበራበር! ኣቲ ደቂስኪ ዘሎኺ ተበራበሪ! ንምልኪ፡ ንመግዛእቲ፡ ንባርነት፡ ንማእሰርቲ፡ ንጭቆና፡ ንምብትታን፡ ንስደት፡ ንዘይንቡር ሞት ይኣክል ንበል።


ኔልሰን ማንዴላ ከምዝበሎ "ኩሉ ነገር ክሳብ ዝኸውን፡ ዘይከውን እዩ ዝመስል።'' ንሕና ድማ ብኹነታት ተስፋ ከይቆረጽና፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ክንርእዮ እንብህግ ለውጢ ንምምጻእ፡ ቃልስና ነጐሃህርን መብጽዓና ንሓድስን። ባሕቲ መስከረም ድማ በዚ መንፈስ እዚ ክንጽንብላን ክንዝክራን ሓደራ።

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ)

1 መስከረም 2015

ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ

1 view0 comments
bottom of page