top of page
  • emdhrorg

መጸዋዕታ ንኣምባሳደራት ቆንስላትን ስርዓት ኢሰያስ

ኣብዚ ኣማኢት ኤርትርአውያን መንእሰያት ዝቕዘፍሉ ዘለዉ፡ ህዝቢ ኤርትራውን ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ መሪር ሕሰምን ጭቆናን ዝሰሓገሉ ዘሎ እዋን፡ ኣምባሳደራትን ቆንስላትን ኤርትራ፡ ነዚ ህዝቢ ዘጽንትን ሃገርውን ዘዕኑ ዘሎ ገበነኛ ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ ከተገልግሉ ምምራጽኩም ዓቢ ሃገራዊን ክድዓት ምዃኑ ከነዘኻኽረኩም ንደሊ። ነቲ መብዛሕትኹም ዝተቓለስኩምሉ ህዝባውን ሃገራውን ዲሞክራስያዊ ራእይን ዕላማን ዕሽሽ ኢልኩም፡ ሕድሪ ስውኣት ብጾትኩም ጠሊምኩም፡ ብበለጽ ወይ ፍርሒ ዓይንኹም ዓሚትኩም ክትነብሩ ምውሳንኩም ክትገልጾ ዘጸግም ሞራላዊ ከሳራ እዩ።


ኣምባሳደራት ኩኑ ቆንስላት ኣብ ዘዝተመደብኩምሉ ሃገር ዲፕሎማሲያዊ ስራሕ እዩ ክትሰርሑ ዝግብኣኩም ነይሩ። የግዳስ ነቲ ስልጣን ክብሕት ምሉእ ሃገር ዝሕምሳ ዘሎን ፈላሊኻ ግዛእ ዝብል ሜላ ተጠቂሙ ህዝቢ ኣብ ምፍልላይን፤ ምትፍናንን ከም ቀንዲ ተልእኮ ወሲዱ ዝሰርሕ ዘሎ ውልቀ መላኺ ተገልግሉ ምህላውኩም ትዝንግዕዎ ኣይመስለናን። እዚ ሜላ’ዚ ህዝቢ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወቱ ኣዳኺምካን ሲዒርካን፡ ሃገርና ኤርትራ ናይ ሓደ ውልቀ መላኺ ናይ ብሕቲ ትካል ዝገብር እዩ። እዚ ጸረ-ሓድነት ህዝብን ጸረ-ዲሞክራስን ሰላምን ዝኾነ ኣተሓሳስባ እንዳረአኹም ከምዘይረአኹም፡ እንዳሰማዕኩም ከምዘይሰማዕኩም ኣጽቒጥኪም መጋበርያ ክትኮኑ ምሕራይኩም ድማ ኣትሪርና ንቃወም።


እዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣትይዎ ዘሎ ጸበባ ክርሁ እዩ፤ እቲ ክፉእ ምዕራፍ ናይ ታሪኽኩም ግን ካባኹም ሓሊፉ ንደቅኹምን ወለዶኹምን ብሕፍረት ክኸድን ምኻኑ ኣይትዘንግዐ። ስለዚ ምስ ሕልናኹም ተማኺርኩም ስቓይ ህዝብኹምን ህይወት መንእሰያት ሃገርኩምን ንምድሓን እዋናዊን ተባዕን ስጉምቲ ክትወስዱ ነተባባዓኩም። ንስኻትኩም ነዚ ሓደ ውልቀ መላኺ ክትርሕርህዎ ዝሓሸ ዕድል ኣለኩም። ኣብ ልብኹም ተመሊስኪም፡ መብጽዓ ሰማእታት ብጾትኩም አሓዲስኪም፡ ንፍትሒ፡ ናጽነት፡ ዲሞክራሲ፡ መሰል፡ ክብረት፡ ሰላምን ብልጽግናን ህዝብኹምን ሃገርኩምን ደው ክትብሉ እዋናውን ህጹጽን ጻዊዕትና ብስም ጭቁን ህዝብናን ነቕርበልኩም። ነዚ ፍትሓውን ሃገራውን ጻዊዒት ከተኽብርዎ ተስፋ እናገበርና፡ ግብራዊ መልስኹም ንጽበ።


ኤርትረዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ)

25 ሕዳር 2013

ደቡብ ኣፍሪቃ

1 view0 comments
bottom of page