top of page
  • emdhrorg

ስምምዕ-ሰላም ኢትዮጵያ

ኣብ ሞንጎ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ መንግስቲ ክልል ትግራይን ብኣላይነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክግበር ዝቀነየ ናይ ምቁራጽ ተጻብኦን፡ ስምምዕ ሰላምን፡ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ኩላትና ተኸታቲልናዮ ኣሎና። ካብዚ ስምምዕ ቀዳማይ ተረባሒ፡ ህዝብታት ኢትዮጵያን፡ ትግራይን፡ ኤርትራን እዮም። ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝበልናዮ፡ ውግእ ሕይወት ሰብ ዝበልዕ ኣራዊት ብምዃኑ። ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፡ ናይ ዝጠፍእ ህይወት ሰብ ጭቡጥ ኣሃዝ እኳ እንተዘየሎ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ክበጽሕ ከምዝኽእል ይግመት። እዚ ኣሃዝ እዚ ነቶም ሕልናኦም እንዳፈለጡ ዝዓጸዉ፡ ተራ ቁጽሪ እዩ። ንሕልና ዘለዎ ሰብን፡ ንስድራቤት መወትቲ ግና፡ ፍቁር ኣቦኦም፡ ሓዎም፡ ሓፍቶም፡ ወዶም እዮም ስኢኖም። ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቁጸሩ ድማ ኣደዳ ኣካላውንን ስነኣእምሮዊን ስንክልና ኰይኖም ኣለዉ። ስለዚ ኩሉ ወገን፡ እወ ንሰላም ክብል ይግባእ!


ኢሰያስ ኣብ 2018 ንወያነ ኣመልኪቱ - Game Over - ዝበሎ፡ ኣብ መደምደምታኡ ከምዘብጽሖ ከምዝንየት፡ እቶም ደገፍትን፡ ተደናገጽትን እቲ ስርዓት’ውን ከምዝሕጐሱን ንሕሱር ፕሮፓጋንዳኦም ክጥቀሙሉ ከምዝፍትኑ ዘጠራጥር ኣይኰነን።

ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት “ጸላኢና ወያነ ከሎ ሕቶ ምርጫ ግዚኡ ኣይኮነ” ተባሂሉ ተጐስጒሱሉ እዩ። ከምቲ እቲ ስርዓት ዝብሎ game over እንተዀይኑ፡ ሕጂ እምበኣር ዶብ ዝሕንጸጸሉ፡ ምጥያስ ሰራዊት ዝጅመረሉ፡ ዝተወንዘፈ ቅዋም ዝትግበረሉ፡ ፖለቲካዊ ብዙሕነት ዝፍቀደሉ፡ ምርጫ ዝግበረሉ፡ ናብ ቅዋማዊ ሰርዓት ንሰጋገረሉ መድረኽ ተበጺሑ ኣሎ ማለት እዩ። እቶም ነቲ ስርዓት ከማኻንይሉ ዝጸንሑ፡ ሕጂ እንታይ ይብሉ ይኾኑ፧


ኩናት ትግራይ፡ ንዓና ኤርትራውያን ምኽንያት መፈላለዩ ኴይኑና እዩ ጸኒሑ። ሕጂ ግና ናብቲ ቀንዲ ጉዳይና - ምትካል ሕግን ቅዋምን፡ ምእላይ ኢሰያስን - ክንምለስ ኣሎና። ብዓንተቡኡ’ውን፡ ውግእ ሕድሕድ ኢትዮጵያ ውግእና ኣይነበረን። ብሉጻት ደቅና ኣብ ዘይምልከቶም ክጠፍኡ ኣብ ምንቲ-ምንታይ፧


ሕጂ ኩናት ትግራይ ደው እንተበለ፡ ኩናት ኦሮሞ፡ ኣምሓራ፡ ሱዳን ክለዓል ይኽእል ይኸውን። ኢሰያስ ኣብ ሰላም ክነብር ስለዝይክእል፡ ባዕሉ ኩናት እንዳኣጎደ፡ ንኤርትራውያን ኣብ መጋርያ ኩናት ካብ ምጥባስ ድሕር ከምዘይብል እዩ። ካብ ናጽነት ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ኩናት ሱዳን፡ የመን፡ ጅቡቲ፡ ዲኣርሲ፡ ኢትዮጵያ ብምስታፍና ክቡር ህይወት ኣሽሓት ኤርትራውያን ጠፊኡ ኣሎ። ኢሰያስ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ፡ ኤርትራ ሰላም ክህልዋ ማለት ዘበት እዩ። ስለዚ ጉዳይና ንግበር፡ ንእሾኽና ባዕልና ንንቀስ!


ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ)፡ ካብ ሰላም ዝርከብ ረብሓ እምበር፡ ክሳራ ከምዘየሎ ብምእማን፡ እዚ ስምምዕ-ሰላም ኣብ ግብሪ ክውዕል፡ ኩሎም ወገናት ንምቁራጽ ተጻብኦን ኩናትን፡ ከም ቃሎም፡ ኣብ ግብሪ ከውዕሉ ይትስፎን ይጽውዕን።


ሰላም ንህዝብታት ኢትዮጵያን፡ ትግራይን፡ ኤርትራን!


ኤምዲሰመ

ሕዳር 2022

37 views0 comments
bottom of page