top of page
  • emdhrorg

ናይ ደገፍ መግለጺ

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ) ነቲ መርማሪት ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘውጽኣቶ ጸብጻብ ደገፍ ንምግላጽን፡ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ጃምላዊ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ንምቅዋምን ኣብ ዕለት 26 ሰነ 2015 ኣብ ጀነቫ ዝግበር ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ደገፉ ይገልጽ።

ንዓና ኤርትራውያን እዛ መርማሪት ኮሚሽን ዘውጽኣቶ ጸብጻብ ብኣካል ዘጋጥመና ዝነበረን ዘሎን ብምዃኑ ሓድሽ ዜና ኣይኮነን። የግዳስ ብዓለምለኻዊ ውድብ ዝተመዘዘ ኣካል ዝተዳለወ ናይ መጀመርያ ጸብጻብ ብምዃኑ ዓቢ ኣገዳስነት ኣለዎ። እዚ ተዳልዩ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ድማ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ብዝበለጸ ኣቃልቦ ክረክብ ዕዙዝ ተራ ስለዝጻወት ብውልቂ ይኹን ብማሕበር ኩሉ ኤርትራዊ ክሳተፎ ዓቕሙ ዘፍቅዶ ክገብር ኤምዲሰመ ብትሕትና ይምሕጸን።

ልዕሊ ኹሉ ድማ ኤርትራውያን ነቲ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝግበር ቃልሲ ናህሪን ድርኺትን ዝውስኽ ጽቡቕ ዕድል እዚ ተጠቒሞም ብዝበለጸ ክጥርነፉን ክውደቡን ይጽውዕ። ማሕበረሰብ ዓለም ደጋፊ ተራ ጥራሕ እዩ ክጻወት ዝኽእል፡ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ምምጻእ ግና ሓላፍነት ኤርትራውያን እዩ። ስለዚ ነዚ ተገንዚቦም ኤርትራውያን ደረኽቲ ለውጢ ክኾኑ ዜግነታዊ ሓላፍነቶም ክስከሙ ኤምዲሰመ ጻውዒቱ የቅርብ።

19 ሰነ 2015 ፕሪቶርያ - ደቡብ ኣፍሪቃ

1 view0 comments
bottom of page