top of page
  • emdhrorg

ኤምዲሰመ ጉባኤኡ ኣቃኒዑ

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ) ክልተ ዓመታዊ ጉባኤኡ ብዕለት 21 ግንቦት 2017 ኣብ ከተማ ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣቃኒዑ።

ተሳተፍቲ፡ ብዛዕባ ናይ ዝሓለፈ 26 ዓመታት ሃገራዊ ናጽነትን ህልው ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ብዑምቀት ብምዝታይ፥

  • ውልቀ-መላኺ ስርዓት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ይቕጽል ብምህላዉ፤ ቁጠባውን ባህላውን ጸጋታት ህዝብን ሃገርን የባድምን የባኽንን ምህላዉ፡ ልዑላውነት ሃገርና ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ከምዘእተወ ብምግምጋምን፥

  • ሃገር ዘጽንት ስደትን ምብትታን ስድራቤታትን፡ ኣሰካሕካሒ ሞት መንእሰያት ኣብ ምድረበዳን ማእከላይ ባሕርን፡ ሳዕቤን ናይ ተግባራት ውልቀ-መላኺ ስርዓት ክምዝኾነ ብምስማርን፥

  • ማሕበረሰብ ዓለም፡ እንተስ ነቲ ብዋሕዚ ስደተኛታት ዘጋጥም ዘሎ ፖለቲካውን ማሕበራውን ጸቕጢ ንምግታእ ኢሉ፡ እንተስ ብናይ ጂኦ-ፖለቲካዊ ረብሓታት ተደሪኹ፡ ምስ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ናይ ጽምዲ ስርሒት ክምዝጀመረ ብምግንዛብን፥

  • ተቓውሞ ህዝቢ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ደለይቲ ለውጢ ኣብ ወጻኢ፡ ዝተጓናጸፍዎ ዓወታት ብኣድንቖት ብምግላጽ፡ ናብቲ ዝደለ ናይ ሰርዓት ለውጢ ንምብጻሕ ግን፡ ብዙሓት ድኹማት ጎንታት ብምላላይን፥

ጉባኤ ኤምዲሰመ፡ ነዞም ዝስዕቡ ውሳኔታት ኣሕሊፉ፥

  • ድጋፍ ማሕበረሰብ ዓለም ኣወንታዊ ተራ እኳ እንተለዎ፡ ለውጢ ግና ብመሪሕ ተሳትፎ ኤርትራውያን ጥራሕ እዩ ክረጋገጽ ዝኽእል። ስለዚ ደለይቲ ለውጢ ኣብ ሓደ ከስርሖም ዝኽእል ናይ ሓባር ዓላማ ኣለልዮም ሸቶኦም ንምውቓ ብሓባር ክሰርሑን ንህዝቢ ከምቲ ዝድለ ከዕስሉን ጻዕሮም ብዝተዓጻጸፈ ክዛይዱ እንኮን ኣማራጺ ዘይብሉ መገዲ ምዃኑ ንኹሉ ኤርትራዊ ብምዝኽኻርን፡ ንትግባራውናቱ ከኣ ኤምድሰመ ብዘለዎ ዓቕሚ ብቕዳምነት ክስርሓሉ፥

  • ኣብዚ ቀረባ እዋናት ካብ ተስፋ ቁርጽት ዝተላዕለ ዝመስል፡ ገለ ደለይቲ ለውጢ ዝመስሉ ካብቲ ቀንዲ ዓላማኦም ስሒቶም ኣብ ፍረ ዘይብሉ ጓል መንገዲ ብምኻድ፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ብሉጻት ደቁ ዝኸፈለሉ ናጽነት ኤርትራ ዘቆናጽቡን፡ ገድሊ ድማ ከም ሽፍትነት ዝገልጹ ብጥብቂ ይኹንን፥

  • ልክዕ ከም ተሞኩሮ ናይ ካልኦት ህዝብታት፡ ኤርትራውያን’ውን ከም ህዝቢ፡ በቲ ሓደ መዳይ ብዙሕ ዘሕብንን ዘነይትን ዝሰራሕናዮ ታሪኽ ክህሉ ከሎ፡ በቲ ካልእ መዳይ ከኣ ምስ’ቲ ጽቡቕ ታሪኽና ዘይመጣጠን ግን ካኣ ብደማዊ ጎነጽ ዝተቕርጸ፡ ገዚፍ በሰላ ዝገደፈን ዝገድፍ ዘሎ ታሪኽ’ውን ከምእንውንን ተገንዚብና፡ በዚ ጸልማት ዘበን ከይጃጆና ንምቕያሩ እንታይ ገደሰኒ ዘይብሃሎ ዜጋዊን ትውልዳውን ሓላፍነት ከምዘሎና ንኹሉ ሃገራዊ የዘኻኽር፥

  • ንህዝቢ ኤርትራ ብትሕተ-ሃገራዊ ዝኾኑ ረቛሒት ክፈላልይዎን ጥምዙዝ ፍልስፈና ብምምጻእ ኤርትራውነት ከደብዝዙ ዝተበገሱ ዓገብ ብምባል፡ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ንኹሉ መንነታት ከከም ኣገባቡን ውድዓውነቱን ከንጸባርቕ ተኽእሎ ከምዘለዎ ብምእማን፡ ንዕኡ ንምስፋን ኣብ ዝግበር ሃገራዊ ቃልሲ ኣወንታዊ ኣበርክተኦም ክገብሩ ይጽውዕ

  • ኣብ መዛዘሚ ድማ፡ ኩነታት ሃገርና ተስፋ ዘይብሉ እኳ ይመስል እንተሎ፡ የግዳስ ከምቲ ፍሉጥ ተቓላሳይ ኔልሰን ማንዴላ ዝበሎ፡ “ኩሉ ነገር ክሳብ ዝኸውን፡ ዘይከውን እዩ ዝመስል”። ነታ ንብህጋ ብሕግን ቅዋምን እትግዛእ፡ መሰል ዜጋታታ እተኽብር፡ ብልጽግትን፡ ሰላም ዝዓሰላን፡ ኩሉ ዜጋ ቀሲኑ ናብርኡ ዝመርሓላ ኤርትራ ክውንቲ ንምግባር ናይ ነፍሲ ወከፍና ዜግንነታዊ ሓላፍነትና ምዃኑ ተገንዚብና ቃልስና ንምሕያል መብጽዓና ከነሓድስ ተላብዮም።

ኣብዚ መበል 26 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ኣብ ንዘክረሉ እዋን፡ 24 ግንቦት ፍረ ንዊሕ ቃልስን፡ ክቡር መስዋእትን ዝኾነ ሃገራዊ ናጽነት ዝተረጋግጸትላ ዕለት ሰለዝኾነት፡ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ፍሉይን ክቡርን ቦታ ኣለዋ። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ፡ እዛ ዕለት ትውክሎ ተወፋይነትን ትብዓትን ተስፋን ንብሩህ መጻኢ መስረት ብምግባር፡ ንምሉእ ሓርነትን ክብርን ኩሉና ኤርትራውያን ጻዕርና ከነሕይል ኤምድሰመ ይጽወዕ።


ሰላምን ሓርነትን ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!

ኤምዲሰመ

21 ግንቦት 2017

ፕሪቶርያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ

3 views0 comments
bottom of page