top of page
  • emdhrorg

ኤርትራውያን ናይ ሕልና እሱራት ይፈትሑ!

ዓሰርተው ሓደ ገዳይም ተጋደልትን ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲን ዝርከብዎም ኤርትራውያን፡ ብ18 መስከረም 2001 ሃገራውን፡ ኣህጉራውን፡ ዓለምለኻውን ሕጊ ብምጥሓስ ብዘይ ሕጊ ተሓይሮም።እዞም እሱራት፡ ኣብ ግንቦት 2001፡ ቅዋማዊ ምሕደራን ዲሞክራያዊ መንግስትን ክትከል ዝሕግዝ ክፉት ዝርርብ ክግበር እትጽውዕ፡ ንፖሊስታት መንግስቲ እትነቅፍ፡ ቅልዕቲ ደብዳቤ ዘርጊሖም። እዛ ደብዳቤ ንኹሎም ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ)፡ ነቲ ክታሞም ብምንባር ቅኑዕ እዩ ኢሎም ዝኣመኑሉ ኣብዛ ደብዳቤ ዝሰፈረ ዕላማን መትከላትን፡ ብሕጋውን ዲሞክራሲያውን ኣገባብ ሓሳቦም ክገልጹን፡ ክድግፍዎን ዝጽውዕ እዩ ነይሩ።

ግብረ መልሲ ናይ መንግስቲ ድማ ነዞም ነቀፌታ ዘቕረቡ ሰባት ንኽሕየሩ ዝሕግዝ መንገዲ ዘጣጥሕ እዩ ነይሩ። እዞም ሰባት ካብ ሕጊ ወጻኢ ይኸዱ ከምዘለዉ፡ ተግባራቶም ድማ ንድሕነት ሃገር ኣብ ሓደጋ የእቱ ከምዘሎ ዝገልጽ ኣዋጅ ኣዊጁ። ንኹሉ ህዝቢ ብዘስደመመ ኣገባብ፡ 11 ካብቶም 15 ድማ ተሓይሮም። ሰለስተ ካብኣቶም ኣብ ወጻኢ እዮም ነይሮም።


ዝኽሪ ኤርትራውያን ናይ ሕልና እሱራት ዓለም ብተረኽቦ መስከረም 11 መጥቃዕቲ ግብረ ሽበራ ኣብ ኣመሪካ ሰንቢዳ ከላ ኣብ ወጋሕታ መስከረም 18 2001፡ ፕረሲደንት ኢሰያስ ነቶም ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ነታ ቅልዕቲ ደብዳቤ ዝፈረሙ ብናይ ጸጥታ ኣባላት ጌሩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣትዉ ጌሩ። ጎድኒ ጎድኒ እዚ፡ ሸሞንተ ዝኾና ብሕታውያን ጋዜጣታት ተዓጽየን፡ ጋዜጠኛታተንን፡ ኣዳለውተን ከምዝዳጎኑ ተገይሩ። ካብ ዕለት ማእሰርቶም ጀሚሩ ድማ ቤተሰቦም፡ ጠበቃታት ኮነ ዓለምለኻውያን ናይ ግብረሰናይ ማሕበራት ኽሓቱሎም ኮነ ክበጽሕዎም ኣይተፈቕደሎምን። ኣበይ ከምዝተኣስሩ'ውን ዝፈልጥ ሰብ የለን። ጸብጻባት ካብ ውሽጢ ኤርትራ ከምዝሕብርዎ ግና ብኣሰቃቂ ኩነታት ተኣሲሮም ከምዘለዉ ገሊኦም'ውን ከምዝሓለፉ ይንገር።

ኤምዲሰመ፡ እዚ ብኽቱር ጽልኢን ጭካነን ዝቀርዓነ ኣገባብ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ናይ ሕብረተሰብናን ዓበይቲ ዓድናን ልቦና ዝዘርግን ዝብክልን ምዃኑ ይኣምን። ናይ ህግደፍ ኣረሜናዊ ኣተሓሳስባ ንሃገራውነት ስምዒት ዜጋታት ምምራዙ ከይኣክል፡ እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ንሓድሕዱ ኣብ ናይ ሞትን ሕይወትን ቃልሲ ከምዝጽመድ ገይርዎ ይርከብ። ህግደፍ ንናይ ሕብረተሰብና ሰብኣውነትን ምጽውዋርን ኣዕንዩ፡ በቲ ፈላላዪ ፖለቲካዊ ሸርሕታቱ ንናይ ሃገርና ዲሞክራሲያውን ሓርነታውን ምዕባለ ዓንቂጽዎ ይርከብ። ብዙሓc ጀጋኑ ተጋደልትን፡ ንጹሃት ዜጋታትን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ብምእሳሩ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዓይኒ ዜጋታቱ ዝነበሮ ተቐባልነትን ሕጋውነትን ስኢኑ ይርከብ። መርኣያ ናይቲ መንግስቲ ተቐባልነት ምስኣኑ ዝተራእዩ ምዕባለታት ገለ ንምጥቃስ፡ ናይ እምነት ምንቅስቓሳት ምዕጻዉ፡ ብሃገራዊ ኣገልግሎት ኣሳቢቡ ንኹሎም መንእሰያት ኣብ ገደብ ኣልቦ ባርነት ምቑራኑ፡ መፈንቅለ መንግስት ዘለዓዓለ መዘና ኣልቦ ጭቆና፡ ዝጸደቐ ቅዋም ንሓዋሩ ምእላዩን መወዳእታ ዘይብሉ ዋሕዚ መንእሰያት ናብ ስደትን ይርከብዎም። ኩሎም ናይ ሕልና እሱራት ክፍትሑ ደገፍ ኩሎም ፍትሒ ይሓትት:: ኤምዲሰመ ነዚ ምብኳር ፍትሒ ብምቅዋም ብተደጋጋሚ ድምጹ ኣስሚዑ እዩ። ክሳብ ፍትሒ ኣብ ሃገርና ዝረጋገጽ ድማ እዚ ጻውዒት ክቅጽሎ ምዃኑ ደጊሙ የዘኻኽር። እዚ ከኣ ምስቶም ዝተጨቆኑ፡ ዝተጋፍዑን፡ ድምጾም ዝተዓብሰን ደው ክንብል ግድነትን ሓላፍነትን ስለዘሎና እዩ።

ኩሎም ናይ ሕልና እሱራት ይፈትሑ! ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን 18 መስከረም 2015

1 view0 comments
bottom of page