top of page
  • emdhrorg

እዚ'ውን ክሓልፍ እዩ!

መእተዊ

ድሕሪ ኩናት ትግራይ ኣብ ሕዳር 2020 ምውልዑ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ፖለቲካውን፡ ማሕበራውን ኩነታት ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፍላይ፡ ኩነታት ናይቲ ዞባ ድማ ብሓፈሻ ዓቢ ለውጢ ተኸሲቱ ምህላዉ ኩላትና ንዕዘቦን ንከታተሎን ዘሎና እዩ። ካብ ትግራይ ዝወጽእ ዘሎ ፍጻሜታት ኣሰቓቂ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ገባሪኡ ብዘየገድስ፡ ንርግኣትን ነባሪ ሰላም ናይቲ ዞባን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዘእቱን፡ ሰብኣውነት ዝሰሓተን ብምዃኑን ብኹሉ ሕልና ዘለዎ ሰብ ክኹነን ይግብኦ። እዚ ኮይኑ ከብቕዕ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን መሃነንካ ዘጥፍእን ሕንፍሽፍሽ ዝእቱን ብኹሉ መኣዝን ዝመጽእ ብዙሕ ዝተጋነነ ናይ ፕሮፓጋንዳ ሃልክን፡ ጽልእን ቅርሕንትን ዘብእስ ዘረባታት ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ዝመዝን እዩ። ስለዚ ኣብ ከምዚ ሃዋህው፡ ከም ውልቀ-ሰባት፡ ማሕበራት ይኹን ሕብረተሰብ እንታይ እዩ እቲ ዝሓሽ ግብሪ-መልሲ ክኸውን ዘለዎ ዝብል ሕቶ ኣገዳሲ ይኸውን።


ኣሰቓቂ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት

ኣብ ትግራይ ብሰራዊት ፈደራል፡ ብሰራዊት ኤርትራ፡ ብሚልሻ ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ህዝቢ ትግራይ ይኹን ኣብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ፡ ቅትለት፡ ናይ ደቅንስትዮ ዓመጽ፡ ምዕናውን ራስያን ንብረት፡ ምጽናት ዓሌትን፡ ገበናት ኩናትን፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት፡ ዝፈጸመ ይፈጽሞ፡ ብትሪን ብዘይ ነግ-ፈረግን ክኹነን ይግባእ። ኩሎም በቲ ገበን ተሓተትቲ ከኣ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ግቡእ መቕጻዕቲ ክረኽቡ ንጽውዕ። እዚ ገበናት ኣብ ውሽጢ ዶባት ኢትዮጵያ ይፍጸም ብምህላዉ፡ ቀዳማይ ብሓላፍነት ዝሕተት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ እዩ። ምኽንያቱ ድማ ዝኾነ መንግስቲ ሓላፍነት ምውሓስ ጸጥታን ድሕነት ዜጋታትን ስለዘለዎ እዩ። ካብኡ ብምቕጻል ከኣ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ግቡእ ሓላፍነቶም ተረዲኦም ነዚ ተፈጺሙን ይፍጸም ኣሎን ዝበሃል ዘሎ ምግሃሰ ሰብኣዊ መሰላት ብህጹጽ ደው ክብል ጻዕሮም ብዝተዓጻጸፈ ከዛይዱ ይግባእ። ፕረሲደንት ኣሜርካ ጆ ባይደን ነዚ ገበናት ደው ክብል ዝሃቦ መግለጺታትን ዝወሰዶን ዝወስዶ ዘሎ ስጉምትታን ተስፋ ዝህብ ብምዃኑ፡ ክነኣድ ዝግብኦ እዩ።


ተፈጺሙ ዝበሃል ገበናት ብዘይሻራዊ ኣካል ምጽራይ

ኣብዚ ሓሶትን ምጽልላምን ፕሮፓጋንዳን ካብ ሓቂ ክትፈልየሉ ኣጸጋሚ ዝኾነሉ ኩነታት፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ህዝቢ ትግራይን፡ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ተፈጺሙን ይፍጸም ኣሎ ዝበሃል ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ገበናት ኩናትን ሻራ ብዘይብሉ ኣካል ክጻረ ኣዝዩ ኣገዳሲ ይኸውን። ነዚ ንምግባር መንግስቲ ፈደራል ኢትዮጵያ ምስ ኩሎም ዝምልከቶም ዓለምለኻውያን ውድባት ምሉእ ምትሕብባር ክገብርን ንስርሖም ዕንቅፋት ዝኸውን ክኣሊን ይግባእ። ሓቂ ብርእሳ እንተቐበርካያ ብእግራ ትወጽእ ከም ዝበሃል፡ ይንዋሕ ይሕጸር ሓቂ ተቐቢራ ክትተርፍ ኣይትኽእልን፡ ፈጸምቲ ገበን ከኣ ንዘልዓለም ክሕብኡ ኣይክእሉን። ነዚ ኣብነት ዝኾነና ናይ ናዚ ጀርመንን፡ ናይ ርዋንዳ ተሳተፍቲ ምጽናት ዓሌት ክሳብ ዕለተ ሎሚ ተሃዲኖም ኣብ ፍርዲ ይቐርቡ ምህላዎምን እዩ።


ጻውዒት ንኤርትራውያን

መብዛሕትኡ ኤርትራዊ በዚ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኩናት ዘይተሰምዖን ዘይሓዘነን ዳርጋ የሎን። የግዳስ ገለ ውሑዳት ብፕሮፓጋንዳ ስርዓት ኢሰያስ ዝዓወሩን፡ ገለ ተቓወምቲ ዝብሉ ነቲ "Game Over” ዝብል ብድዐን ትዕቢትን ዝመልኦን ዘረባ ኢሰያስ ክድግፉ ክትርኢ ዘሕዝን እዩ። ዓማጺ፡ ሰራቂ፡ ዋላ ሓውኻ ይኹን ዓማጺን ሰራቂን እዩ። እዚ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ በርጌሳውያን ተጌሩን ይግበርን ኣሎ ዝበሃል ዘሎ ዓመጽ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ከም ጎረቤት ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብዓይኒ ሰብኣውነት ጥራሕ ከማን ክኹንኖ ይግባእ።

ብኻልእ ሸነኽ ገለ ገርሀኛታት ኤርትራውያ ድማ፡ ናይዚ ገበን ተሓታቲ ስርዓት ኢሰያስ ጥራሕ እዩ ዝብሉ ኣይሰኣኑን። የግዳስ ኣብ ባህልና ከምንፈልጦ፡ ሓደ ርጉም ሓውኻ ሰብ እንተቐቲሉ፡ ኣብ ኩሉ እቲ ቤተሰብካ እዩ ደም ዝተኽለልካ። ዋላ ንስኻ ንጹህ ኩን እቶም ሓዎም ዝሞቶም ዕድል እንተረኺቦም ክቐትሉኻ ስለዝኽእሉ፡ ኣብ ዘይወዓልካዮ ደም ተሓታቲ ትኸውን ህይወትካ'ውን ኣብ ሓደጋ ትኣቱ። ብሰራዊት ኤርትራ ንዝግበር ዝኾነ ይኹን በደልን ዓመጽን ንጹሃት ከም ጲላጦስ ኢልና ኣይምልከተናን ክንብል ኣይንኽእልን። ንወለዶታት ዝኸይድ ደም ከይትከለልና ዓገብ! ክንብል ይግባእ።


ምኽሪ ንኣሕዋት ትግራዎት

ህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት ብዘየገድስ፡ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ጎረባብቲ እዮም ንመጻኢ'ውን ጎረባብቲ ኰይኖም ክቕጽሉ እዮም። እዚ ብሰራዊት ኤርትራ ይግበር ኣሎ ዝበሃል ዓመጽ፡ ቅትለት፡ ስርቂ፡ ኣዝዩ የሕዝነና። ዝፈጸመ ይፈጽሞ ብምሉእ ልብና ንኹንኖ። ዓገብ ድማ ንብል! ሓዘንኩም ሓዘንና፡ ጓሂኹም ጓሂና ምዃኑ ንገልጸልኩም። ቅዱስ ጽሑፍ "እዚ'ውን ይሓልፍ" ከምዝብሎ፡ እዚ ናይ ጸልማትን ጽልእን እዋን ክሓልፍ እዩ። እዚ ዝወርደኩም ዘሎ ኣደራዕ ክትርድኦን ክትቅበሎን ኣዝዩ ኣጸጋሚ እኳ እንተዀነ፡ ንጽልኢ ብጽልኢ፡ ንሓዊ ብሓዊ ከተጥፍኦ ኣይትኽእልን። ስለዚ ካብ ቂምን፡ ጽልእን፡ ሕነ ምፍዳይን ዝድርኽ ዘረባ፡ ንነዊሕ ሰላምን ጉርብትናን ዘደንፍዕ፡ ንዕርቅን ይቕረ ምብህሃልን ዝሕግዝ ህድእ ዝበለ ዘረባ ይምረጽ። ንህዝቢ ትግራይ'ውን ንሱ ይሕሾ። እዚ ተጌሩ ዝበሃል ዘሎ በደል ኣብ ሓፍትኻን ሓውኻን ገዛኻን ነብስኻን ምስበጽሓካ፡ ብሕርቃን ኣእምሮኻ ዘስሕት ምዃኑ ኣይንዝንግዖን። እንተዀነ ግና ህድእ ምባል ይሓይሽ ንብለኩም።


ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ

እዚ ኩናት ትግራይ ምስ ተወልዐ፡ ገለ ኤርትራውያን፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣትዩዶ ኣይኣተወን ዝብል ምጥርጣራት ከምዝነበሮም ዝዝከር እዩ። ኢሰያስ ኣቐዲሙ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት "ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድና ኣጣሚርና ኣይክንዕዘብን ኢና" ብዝበሎ ግና ኤርትራ ኣብዚ ዘይምልከታ ኩናት ክትኣቱ ከምትኽእል ርዱእ እዩ ነይሩ። ሕጂኸ ንረብሓ መን እዩ ህይወት ኤርትራውያን ብኸንቱ ክጠፍእ፧ ወዮ ድኣ ስድርኦም ዘይተረድኡ ኰይኖም እምበር ብኣሽሓት ዝግመቱ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ብኸንቱ ሃሊቆም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ኣይሰሓትን። ብዓይኒ ኢሰያስ፡ ህይወት ኤርትራውያን ተራ ኣሃዝ ድኣ እምበር ዋላሓንቲ ክብረት የብሉን። ከምኡ ስለዝኾነ እዮም ኣብ ዘዝመጸ ኩናት ዝጥጠቁ። ሕጂ'ውን ኣብ ዘይምልከቶም ኩናት ሱዳን ክሳተፉ ከምዝኽእሉ ኩሉ ሰብ ዝጽበዮ እዩ። እዚ ናይ መወዳእታ ጻውዒት ክተት ኢሰያስ'ውን ነዚ ዘጉልሕ እዩ።

ህላዌ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ንረብሓ ኤርትራ ስለዘይኮነ፡ ሕጂ'ውን ደጊምና ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ብዘይ ውዓል ሕደር ክወጽእ ንጸውዕ!


መደምደምታ

ውግእ ብዝኾነ መዓቀኒታቱ ጉድኣትን ጥፍኣትን ዕንወትን ህልቂት ናይ ሕይወትን ንብረትን ምዃኑ ብምግንዛብ፡ እዚ ውግእ ምስተወልዐ "ኣይፋል ንግውእ" ዝብል መጸዋዕታ ኣቕሪብና ነይርና። ሕጂ ብግብሪ ሳዕቤን ውግእ እዚ ኣብ ባይታ ንርእዮ ዘሎና ብርሰት እዩ። ተረካቢ ይዓድዮ ከምዝበሃል፡ ናይዚ ኩናት ቀንዲ ግዳያት፡ እቶም ነቲ ውግእ ዝውልዑን ዘሳውሩን መራሕቲ ዘይኮነስ፡ ህጻናትን ደቀንስትዮን ኣረጋውያን ሲቪል ሰባት እዮም። ብዓቢኡ ከኣ እቶም ኣብቲ ትርጉም ኣልቦ ውግእ ዝጠፍኡ ወተሃደራት እዮም። እዚ ውግእ ዝሓለፈ ኣሕሊፉ ክሓልፍ እዩ። ጨካናት መራሕቲ ንመናውሒ ስልጣኖም ዝገብርዎ ህዝቢ ዘህልቕን፡ ናብ ጸልማት ደልሃመት ዝሸምምን ኩሉ እኩይ ተግባራቶም ህዝቢ ክነቕሓሉን ፎእ ክብሎን፡ ኩሎም ብገበን ዝሕተቱ ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ክቐርቡን ክጽውዕ ይግባእ። ህዝብታት ኤርትራን፡ ትግራይን፡ ኢትዮጵያን ልቢ ኣዕቢዮም፡ ብሰላምን ብፍቕርን ዝነብሩሉ ናይ ይቕረ ምብህሃልን ሰላምን ሃዋህው ክፈጥሩ ድኣ'ምበር ንወለዶታት ዝኸይድ ቂምን በቐልን ዝዘርእ፡ ነቲ ኩነታት ከም ላምባ ኣብ ሓዊ ዝንስንስ ዘረባን ተግባርን ካብ ምግባር ክቑጠቡ ሓደራ። እዚ ተካል እዋን ክሓልፍ እዩ፡ ግና ዘይሓዊ ቁስሊ ከይገድፍ ኣዚና ንጠንቀቕ።


ሰላም ንህዝብታት ኤርትራ፡ ትግራይን፡ ኢትዮጵያን!

ሰላም ንህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ!


ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ)

መጋቢት 2021

ፕሪቶርያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ


መተሓሳሰቢ፡ እዚ ስእሊ ካብ ኢንተርነት ዝተረኽበ እዩ

34 views0 comments
bottom of page