top of page
  • emdhrorg

ኩሉ ኤርትራዊ ንዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ኣቡነ ፍቅረማርያም ሓጎስ ክቃወም ይግባእ

ብጹእ ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስ፡ ኣቡን ሰበኻ ሰገነይቲ፡ ብዕለት 15 ጥቅምቲ፡ ካብ መገሻኦም ክምለሱ ከለዉ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ፡ ብኣባላት ጸጥታ ከምዝተኣስሩ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን፡ ማዕከናት ዜናን ክቃላሕ ቀንዩ ኣሎ። ካልኦት ክልተ ካቶሊካውያን ካህናት’ውን ከምዝተኣስሩ ተሓቢሩ ኣሎ። እዚ ከኣ፡ መቀጸልታ ናይቲ ስርዓት ኢሰያስ ኣብ ልዕሊ ዝህቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ሃይማኖት ዘነጻጸረ ግብረ-ሽበራዊ ተግባራቱ እዩ። ዓላማኡ ከኣ ነቲ ህዝቢ ኣርዒድካ ንምንብርካኽ እዩ።

ስርዓት ኢሰያስ፡ ንካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ካብ ነዊሕ እዋን ዓላማ ከምዝገበራ ይፍለጥ። ነቲ ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝመሓደር ዝነበረ ናይ ረድኤት ትካላትን፡ ኣገልግሎት ጥዕናን፡ ኣብያተ-ትምህርትን ከምዝሃገረ ናይ ቀረባ እዋን ተዘክሮ እዩ።


ህዝቢ ኤርትራ ብሕሱም ጭቆና መሃነኑ ጠፊእዎ፡ ነንሕድሕዱ ምትእምማን ስኢኑሉን፡ ኣብ ጽንተት በጺሑሉን ዘሎ እዋን፡ እዞም መራሕቲ ሃይማኖት፡ ኣጆኻ ክወግሕ እዩ፡ ተስፋ ኣይትቁረጽ፡ ኣይትፈላለ፡ ኣበይ ኣሎ ሓውኻ፡ እግዚኣብሔር ነዛ ሃገር የፍቅራ እዩ፡ ዝብል ናይ ተስፋ ቃል ነቲ ህዝቢ ከስምዕዎ ከለዉ፡ ነቲ ስርዓት ክወሓጠሉ ኣይከኣለን። ምኽንያቱ ድማ ንጽንተት ህዝቢ ኤርትራ ይሰርሕ ብምህላዉ።

ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ተረዲኡ፡ ናይ እምነት መራሕቱ ክፍትሑ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ክጽውዕን፡ ኣብኡ ከይተሓጽረ ዜጋታታ ዝኸብሩላ፡ ሕግን ስርዓትን ዝነግሰላ፡ ውግእን ወረ ውግእን ዘይብላ፡ ዕሸላትን ሽማግለታትን ኣብ ኩናት ዘይጥበሱላ፡ ስድራቤታት ፋሕ ጭንግራሕ ዘይብላላ፡ ሰላምን ብልጽግናን ዝዓሰላ ኤርትራ ክውን ንምግባር፡ ሕጂ’ውን ይኣክል ኢሉ ክለዓል ንጽውዕ።


በዚ ኣጋጣሚ፡ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ) ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንኹሎም መራሕቲ እምነታት፡ ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስን ኩሎም ናይ ሕልና እሱራትን ብዘይውዓል ሕደር ክፍትሑ ክጽውዑ ንጽውዕ።

“ዘፍቅር ሰብ ብናጽነት ይነብር፡ ናይ ካልኦት ናጽነት ከኣ የኽብር” (ኣቡነ ፍቕረማርያም)


ፍትሒ ንኣቡነ ፍቕረማርያምን ኩሎም ናይ ሕልና እሱራትን!


ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ)

18 ጥቅምቲ 2022

65 views0 comments
bottom of page