top of page
  • emdhrorg

ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ - 26 ሰነ 2015

ኩላትና ከምዝተኸታተልናዮ ብዕለት 26 ሰነ 2015፡ ኣብ ከተማ ጀነቫ ሃገረ ስዊዘርላንድ፡ ብኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ዝተዳለወ ካብ ሃገራት ስዊድን፡ ኖርወይ፡ ጣልያን፡ እንግሊዝ፡ ጀርመን ዴንማርክን ካልኦት ሃገራት ኤውሮፓን፡ ገለ'ውን ራሕቂ ከይገደሶም ካብ ካናዳን ኣውስትራልያን ዝተሳተፍዎ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።


ኣብ ሃገራት እስራኤልን፡ ኢትዮጵያን ዝርከቡ ኤርትራውያን'ውን ተመሳሳሊ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። እዚ ሰላማዊ ሰልፊ መብዛሕቶም መንእሰያት ዝተሳተፍዎ፡ ካብ ኩሉ ጽላት ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘካተተ፡ ንፍናን ደለይቲ ለውጢ ሓፍ ዘበለን፡ ንስርዓት ህግደፍ ዘንቀጥቀጠን ዘበርገገን እዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። እዚ ሰልፊ እዚ ኣገዳስን ፍሉይን ዝገብርዎ ገለ ረቛሒታት ንምጥቃስ፡

- ፖለቲካዊ ሰልፊ፡ ምንቅስቓስ፡ ሃይማኖት፡ ኣውራጃ፡ ወገን ብዘየገድስ ኩሎም ኤርትራውያን ብሓደ ድምጺ፡ ኣብ ሓደ ዓላማ፡ ብሓድነት ከምቲ ቀደም ንናጽነት ሕጂ'ውን ንሓርነት ክሰርሑ ከምኽእሉ ዘነጸረን ዘረጋገጸን ብምዃኑ፡ - ንኹሎም ደለይቲ ለውጢ ሞራሎምን ፍናኖምን ሰማይ ዓሪጉ፡ ንምቅልጣፍ ለውጢ ከይተሓለሉ ብዝበለጸ ክሰርሑ መዳርግቲ ዘይርከቦ ውሽጣዊ ሓይሊ ዘስነቐ ብምዃኑ፡ - ነቲ ካብ ዓይኒን ኣድህቦን ማሕበረሰብ ዓለም ተገሊሉን፡ ተሸፊኑን ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ኤርትራ ዝግበር ዝጸንሐን፡ ዘሎን ጃምላዊ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ኣብ ኣጀንዳ ማሕበረሰብ ዓለም ብምምብጽኡን ክዛረበሉ ስለዝጀመረን፡ ብዝዓሞቐ ኽምርመር ይደፍእ ብምህላዉን፡ - ነቶም እንተስ ብፍርሒ፡ እንተስ ብእንታይ ገደሰኒ ክሳብ ሕጂ ክዛረቡ ዘይከኣሉ ዘለዉ ኤርትራውያን ዓቢ ድቃስ ዘይህብን ሕልና ዝቁስቑስን፡ መርገጺ ክወስዱ ዝድርኽን ብምዃኑ፡ - ናይዚ ኩሉ እኩብ ድምር ድማ ኣብ ኣእምሮ ጉጅለ ህግደፍ ዝፈጥሮ ስነ-ኣእምሮኣዊ ስዕረት ዓቢ ብምዃኑ።

እዚ ሰላማዊ ሰልፊ ልክዕ ከም ምድምሳስ ናደው ዕዝ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ፡ ከም ነጥበ መቀይሮ ኣብ ቃልሲ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ብፍሉይ ክዝከር ምዃኑ ዘየጠራጥር እዩ።

ሕጂ'ከ ናበይ? እዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ እቲ ኣብ ደንበ ደለይቲ ለውጢ ውሒዱ ዝጸንሐ ፍናንን፡ እምነትን ኣብ ኤርትራውነትን፡ ሓድነት ኣብ ናይ ሓባር ዓላማን ዳግም ኣበራቢሩ ኣሎ። ለውጢ፡ ብስራሕን ውዳበን ጥራሕ እዩ ክመጽእ ዝኽእል። ነዚ ተበራቢሩ ዘሎ መንፈስ ከየጥፋእካ ብኸመይ ብዝበለጸ ተወዲብናን ሰሪሕናን፡ ንምልኪ ስዒርና፡ ነታ ንደልያ፡ ሰላም፡ ቅሳነት፡ ፍትሒ፡ ነጻነት፡ ዝዓሰላ ብሕጊን ቅዋምን እትመሓደር ኤርትራ ጋህዲ ንገብር ዝብል ሕቶ ኩላትና ክንምልሶ ዘሎና ወሳኒ ሕቶ እዩ። ድምጺ ነፍሲወከፍና ከም ማዕበል ኰይኑ ነዚ ዘሎ ምልኪ ጸራሪግዎ ክኸይድን ነታ ንሓልማ ኤርትራ ጋህዲ ክትከውንን ዓቢ ተራ ከምዘለዎ ተገንዚብና ድምጽና ነስምዕ። ነፍሲወከፍና ስርሐይ ኢልና ሓደ ሰብ ናብ ደንበ ደለይቲ ለውቲ ከነምጽእ እንተኽኢልና ለውጢ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክረጋገጽ ምዃኑ ዘጠራጥር የብልናን።

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ደጊሙ ደጋጊሙ ዝብሎ እንተልዩ ናይ ኤርትራ ሕቶ ናይ ሞትን ሕይወትን፡ ከም ህዝብን ሃገርን ምህላውን ዘይምህላውን ሕቶ እዩ። ሕቶ ኤርትራ ናይ ሕግን ሕጋውነትን ፍትሕን ሕቶ እዩ። ሕቶ ኤርትራ ናይ መሰልን ሓርነትን ሕቶ እዩ። እሞ ኤርትራውያን ኩልና ነዚ ሕቶ እዚ ንምምላስ ዳግም ናይ ቃልሲ መንፈስና ነበራብር።

እወ ክወግሕ እዩ! እወ ንኽእል ኢና! ኤምዲሰመ 02 ሰነ 2015 ፕሪቶርያ

0 views0 comments
bottom of page