top of page
  • emdhrorg

ጋዜጣዊ መግለጺ

እቲ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ሓምለ ዝጀመረ ናይ ሰላም መስርሕ፡ ብድሕሪኡ ዝሰዓበ ምጅማር ቀጥታ በረራ ኣየርን፡ ናይ ቴሌፎን መስመራትን ንህዝብታት  ክልቲኦም ሃገራት ውሕስነት ዘለዎን ነባሪ ሰላም ክርእዩ ዘለዎም ባህጊ ዓቢ ተስፋ ዝሃበ እዩ። ስለዚ እዮም ድማ ዜጋታት ክልቲኦም ሃገራት ሓጎሶምን ደገፎምን ዝገለጹ። የግዳስ እቲ ንህዝቢ ትግራይ ኣዋሲንካ ብመራሕቲ ክልቲኡ ሃገራት ክግበር ዝጸንሐ ምቕርራብ ኣብ ርሑቕ ዘይጠመተን፡  መሰረት ኣልቦን ብምዃኑ ንኹሉ ደላዩ ሰላም ኣሰካፊ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ።

ኣብ ዕለት 11 መስከረም ብዛላምበሳን፡ ቡሬን ዝተጀመረ ምኽፋት ዶብ ግና ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ ክበሃል ይከኣል። ነቲ ንልዕሊ 20 ዓመታት ተፈላልዩ ዝጸንሐ ነበርቲ ጎደቦታት ዓድታትን ከተማታን ናይ ክልቲኡ ሃገራትን ህዝብታትን፡ ነቲ ንመዋእል ዝነበሮም ዝምድናታት ናብ ንቡር ክምለስ ዝሕግዝ ብምዃኑ ክድገፍ ይግብኦ።


ውሽጣዊ ሰላምን፡ ምርግጋእን፡ ፍትሕን ዝጎደላ ኤርትራ ግና ብመሰረቱ ምስ ጎረባብታ ነባሪ ሰላም ክትገብር ኣይትኽእልን እያ። ንዜጋታቱ መሰሎምን ሓርነቶም ዝነፈገ፡ ብሕግን ሕጋውነትን ዘይምእዘዝን ዘይቅየድን ስርዓት ኢሰያስ ኣፎወርቂ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብኸመይ ብሕጊን ዲፕሎማስን ክግዛእ ይኽእል። ኣብ ኣተሓሳስባ ኢሰያስ፡ ግዚያዊ ውልቃዊ ረብሓ እምበር ኣብ ነዊሕ ዝጠመተ ስትራተጂካዊ ናይ ሃገርን ህዝቢ ኤርትራን ረብሓ ቀዳምነት የብሉን። ነዚ ኣብነት ዝኾነና ምስ መራሕቲ ኳታር ዝነበሮ ጥቡቕ ዕርክነት ሎሚ ኣብ ከመይ ኩነታት ይርከብ ምርኣይ ጥራሕ ኣኻሊ እዩ።


ሚንስተር ብርሃነ ኣብርሀ ነዚ ቀይደ-በተኽ ናይ ኢሰያስ ኣካይዳ ከምቶም ጉጅለ 15ን፡ ብዓል ወዲ ዓሊን ኣብ ከብዲ ዓዲ ኮይኑ ተቓውሞኡ ብዓውታ ከስምዕ ተረኺቡ ኣሎ። ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ክድግፎ ይግባእ። ብፍላይ ድማ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሰበስልጣን ህግደፍን ንዝኾነ ኣብ ሕይወቱ ክስዕብ ዝኽእል ሓደጋ ክትከላኸልሉ፡ እቲ ሕቶኡ ድማ ሕቶ ኩሉ ተዓቢሱ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ክትግንዘቡ ሃገራዊ ሓላፍነትኩም ምዃኑ ከነዘኻክረኩም ንደሊ። ነዞም ዝስዕብ ነጥብታት ድማ ኣቃልቦ ክወሃቦም ንምሕጸን፡

  • ሕቶ ምሕንጻጽ ዶብ ሕጂ’ውን ከይተጎስየ፡ ንመጻኢ ወለዶታት ናይ ክልቲኡ ህዝቢ ንዳግማይ ምስሕሓብን ቅርሕንትን ባእስን ብዘይገድፍ ኣገባብ ሓንሳብን ንሓዋሩን ብመሰረት ውሳኔ ኮምሽን ዶብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ባይታ ብዝቐልጠፈ ክሕንጸጽ፡

  • እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ሰላም መስርሕ ተስፋ ዝህብ እኳ እንተኾነ፡ የግዳስ ከምቲ ጀነራል ቢትወደድ ኣብርሃ ዝበሎ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ልኡላውነት ዘለወን ሃገራት ክሳብ ዝኾና፡ ዝኾነ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ዝግበር ናይ ቁጠባ፡ ንግዲ፡ ኣገልግሎት ወደብ፡ ናይ ዜጋታትን ንብረትን ካብን-ናብን ምንቕስቓሳት ንዕኡ ዝመስል ስምምዓትን ከም ቃሕታ መራሕቲ ዝውሰን ዘይኮነ፡ ብፍሉጥ ተሓታትነት ብዘለዎ መስርሕን ሕጋውነትን ተኸቲሉ ክትግበር ንረብሓ ኽልቲኡ ህዝብታት ምዃኑ ተኣሚኑሉ ኣብ ግብሪ ክውዕል፡ ህዝብን ሰበስልጣን መንግስትን ድማ ንትግባሪኡ ብዕቱብ ክሓትሉ ነተባብዕ፡

  • ሚኒስተር ብርሃነ ኣብርሀ ዝጠለቦ ጠለብ ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ጠለብ ብምዃኑ፡ ኩሉ ህዝቢ ክድግፎ፡ ኣብ ሓላፍነትን መዝነትን ዘለኹምን ሰብ ሕልና ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ነዚ ብጻይኩምን ሓውኹምን ካብታ ገባሪት እከይ ዝኾነት ኢድ ኢሰያስ ክትሕልዎውን ክትኸላኸሉሉን ንምሕጸን።

  • ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብዘይ ውዓል ሕደር ካብ ስልጣኑ ክወርድ ድማ ንጽውዕ።

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!

ኤርትራዊ ምንቕስቃስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ)

14 መስከረም 2018

ፕሪቶርያ - ደቡብ ኣፍሪቃ

8 views0 comments
bottom of page