top of page
  • emdhrorg

ጋዜጣዊ መግለጺ ብዛዕባ መስርሕ ሰላም

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ሰሙናት ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጀመረ ናይ ሰላም ዝርርብ፡ ድሒሩ ዝሰዓበ ምብጻሕ ናይ ዶር ኣቢይ ናብ ኤርትራ፡ ዝተገብረሉ ኣቀባብላን፡ ናይ ኢሰያስ ኣፎወርቂ ናብ ኢትዮጵያ ምብጻሕን ኣብኡ ዘስምዖ መደረን፡ ኣሻብኦም ካብ ናይ ደም ጸላእቲ ናብ ሓደሽቲ ፍቑራትን፡ ህያብ ኣብ ምልውዋጥን በጺሖም፡ እንታይ እዩ ዝኽወኖ ዘሎ፡ እምበርዶ እዚ ኩነታት ረብሓ ኤርትራ ዘቐደመ እዩ፡ ዝኾነ ዝግበር ውዕላትከ ልዑላውነት ኤርትራ ዘኽብር ድዩ፡ ዝብል ሕቶታት ንብዙሓት ኤርትራውያን ኣጨኒቕዎም ይርከብ። እዚ ድማ ቕቡል ሻቕሎት እዩ። ልዕሊ ኩሉ ዘርእየና ድማ፡ ኤርትራዊ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ከም ዋና ዘይኮነስ ከም ጓና ብማዕዶ ክዕዘብ ስለ ዝተቀሰበ እዩ።


ሰላም ኩሉ ሰብ እዩ ዝብህጋ። ዝያዳ ድማ ብነዊሕን መሪርን ደማዊ ኩናት ዝሓለፈ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያ ሓለፋ ኩሉ ሃረር ይብላን ይደልያን። ጩራ ሰላም ክርኢ ከሎ ድማ ዝፈጥረሉ ባህታን ሓጎሰን መዳርግቲ የብሉን። ሐቐኛ ሰላም ግና ንኹሉ ህዝብን ወገንን ሓቛፊ ምስዝኸውን ጥራሕ እዩ ነባሪ ኽከውን ዝኽእል። ነቲ ብቀረባ መዳውብቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ኣዋሲንካን ምስ ካልኦት ብሄራት ኢትዮጵያ ተሻሪኽካ ዝግበር  ሰላም ድማ ነባርን ውሕስነትን ዘለዎ ክኸውን ኣይክእልን።

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ) ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ሰላም ሃዋህው ድጋፉ ደጊሙ ይገልጽ። ክዕወትን ኣብ ነዊሕ ዝጠመተ ውሑስ ሰላም ክሰፍን ድማ እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ኣቓልቦ ክወሃቦም ንምሕጸን፡

  • እቲ ዶብ ናይ ምሕንጻጽ መስርሕ ብቐዳምነት ተሰሪዑ፡ ንምትግባሩን ኣብ ባይታ ንምሕንጻጹን ምናልባት’ውን ንዝኾነ ዘድሊ ምዝርራብን ብሳልሳይ ኣካል ተሰንዩ ክግበርን፡ ተሓታትነት ዘለዎ መስርሕ ተኸቲሉ ክኸይድን፡

  • ሉዑላውነት ኤርትራ ብዓለምለኻዊ ሕጊን ሰርዓትን ዝጸደቐ ስለዝኾነ፡ ኢሰያስ ከምድላዩ ንኤርትራ ከምዝሸጣ ዝልውጣን ምስ ኢትዮጵያን ከምዝሕውሳ ጌርካ ምሕሳብን፡ መጠኑ ብዝሰሓተ ፍርሒ ኣእምሮና ከይተጨነቕና ብህድኣት ክንከታተሎ፡

  • ከምቲ ንዕዘቦ ዘሎና፡ ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውራዩ ከም ዘይምልከቶ ጎስዩ፡ ንስኻ ትፈልጦ የብልካን፡ ባዕልና ንፈልጠልካ ብዘስምዕ መንፈስ፡ ዝህቢ ከይሓተተ ንወለዶታት ዝኸይድ ውሳነ ክውስን ይሸባሸብ ኣሎ። ዎ ህዝቢ ኤርትራ፡ እዚ ጉዳይ’ዚ ጉዳይካ እዩ፡ ደቕኻ ዝኸፈልካሉ፡ ንወለዶታት ዝደኸምካሉን ዝጸዓርካሉን፡ ዝተኸላበትካሉን ጉዳይ ስለዝኾነ፡ ኣብ ቐራና መንገዲ ትርከብ። ኣብ ጉዳይ ሃገርካን ህዝብኻን ንዝግበር ውዕላትን ስምምዓትን፡ ድምጽኻ ከተስምዕን፡ ነቲ ኣብ ኮረሻ ተቐሚጡ ዘሎ እንታይ ኢና ንኸውን ዘሎና ኢልካ ክትሓትትን ግቡእካ ምዃኑ ኣይትዘንግዕ፡ ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ቀዳምነት ዘይህብ ዝኾነ ተረኽቦ የዒንትኻ ከፊትካ ክትከታተልን፡ ንዝድገፍ ክትድግፍ፡ ንኤርትራ ዘየርብሕ ኩነታት ክትኣሊ ዘድሊ ስጉምቲ ክትወስድ ብትብዓት ደው በል፡

  • እዚ ናይ ውግእ ሃዋህው ተኣልዩ፡ ዶብ ተሓንጺጹ፡ ምስ ኢትዮጵያ ብሰላማዊ ጉርብትናን፡ ቁጠባውን ኩሉ መዳያውን ምትሕግጋዝ ክነብር ኣድላዩን ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራን እዩ። ልዕሊ ኩሉ ግና፡ ህዝቢ ኤርትራ ፍትሒ ከይረኸበን፡ ልዕልና ሕጊ ከይነገሰን ኣብ ኤርትራ ሰላም ክህሉን፡ ህዝቢ ቀሲኑ ክነብርን ዘበት እዩ። በዚ ናይ ሰላም ፈንጠዝያ ከይተዘንጋዕካ ሕጊን ክብረትን ኣብ ሃገርካ ክነግስ፡ ቅዋም ክትከል ብኹሉ ዓቕምካ ክትጽዕር፡

  • ብጉልባብ ናይ ዶብ ውግእ ኣሳቢብካ፡ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ባርያ ንመራሕቲ እዚ ስርዓት ኣብ ምግልጋል ዝርከቡ መንእሰያት ናብ ንቡር ህይወት ክምለሱን፡ ክጣየሱን፡

  • ኣብ ፍቖዶ ማሕቡሳት ተዳጉኖም ዝማስኑ ዘለዉ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ብዘይ ቅድመ ኩነት ክፍትሑ፡

ሰላም ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ)

18 ሓምለ

ፕሪቶርያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ

4 views0 comments
bottom of page