top of page
  • emdhrorg

ጋዜጣዊ መግለጺ ኤምዲሰመ ብምኽንያት ዕስራ ሰነ

ህዝቢ ኤርትራ ዓመት መጸ ንዕስራ ሰነ ብውልቂ ይኹን ብጥርኑፍ ክዝክራን ከኽብራን ከሎ እዛ ዕለት እዚኣ ብግሊ ስለትብጽሖ እዩ። እዚ ማለት ዳርጋ ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት ኤርትራ ንናጽነትን ንምክልኻል ሃገርን መዳርግቲ ዘይብሉ ክቡር ሕይወት ደቁ ስለዝወፈየ እዩ። ብመስዋእቲ ደቃ ትሕጐስ ስድራቤት የላን፡ እንታይ ድኣ ንዝዓበየ ዓላማ፡ ህዝቦም ክርህዎም ህይወቶም ከምዝወፈዩ ስለትርዳእ እዩ ነቲ መሪር መስዋእቲ ደቃ ትቕበሎ።


ኣብዚ ዝሓለፈ ገለ ዓመታት ግና ገለ ኤርትራውያን ካብ ተስፋ ቁርጸት ይኹን ካብ ግጉይ ርድኢት፡ ንመስዋእቲ ዘነኣእሱ ኣይተሳእኑን። ስዉኣት ግዳያት እዮም፡ ስለዚ ክብሪ ኣይግብኦምን ዘስምዕ ዘረባ ንስድራቤት ስውኣት ከመይ ከምዘሕዝኖም ክትግንዘቦ ብዙሕ ዘጸግም ኣይኮነን።


ስርዓት ኢሰያስ ብስም ስውኣት ክሽቅጥን ዜጋታት መሰሎም ከይሓቱ ከም መዕበሲ ኣፍ ይጥቀመሉ እዩ። ኢሰያስ ናይ ብሓቂ ሕይወት ስውኣት ዘሕምሞ እንተዝኸውን፡ መስዋእቲ መንእሰያት ኤርትራ ደው ክብል ምሰርሐ። በንጻሩ እኳ ድኣ ኣብዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ናጽነት፡ ካብቲ ንናጽነት ዝተኸፍለ ዘይውሕድ መስዋእቲ ተኸፊሉ ኣሎ። ኢሰያስ ንመንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዘየድሊ ኩናት እናጠበሰ፡ ንመስዋእቲ የቃልዖም ነይሩን ኣሎን። ናይዚ መርኣያ ከኣ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዘይምልከቶም ኩናት ትግራይ ዝጥበስዎ ዘለዉ እዩ። ሕጂኸ ኣደ መን እያ ሞት ወዳ/ጓላ ክትርዳእ፧


ሕይወት ሰብ ክቡር እዩ፡ ሓደ ሰብ'ውን ይኹን ብኸንቱ ክጠፍእ ኣይግባእን። ንህይወት ሰብ ከም ሕሱር ኣቕሓ ርእዩ ንመስዋእቲ ብቐሊል ዝቕበል ባህሊ ዘይኮነስ፡ ሕይወት ሓደ ሰብ ዘሕምሞ ሕብረተሰብን ባህልን ከነማዕብልን ኣተሓሳስባና ክንቕይርን ኣገዳሲ እዩ። ንመስዋእቲ ከም ሽልማት ዝገልጽ ባህሊ ናይ ምዕቡል ሕብረተሰብ ኣይኮነን። ብሽም ስውኣት ምሽቃጥ የብቕዕ፡ ብቀንዱ ድማ መስዋእቲ ኤርትራውያን መንእሰያት ደው ክብል፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ብዘይ ውዓል ሕደር ክወጹ ንጽውዕ።



መስዋእቲ መንእሰያት ኤርትራ የብቅዕ!

ሰላም ንህዝቢ ኤርትራ!

ሰላም ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ!


ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ)

ፕሪቶርያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ

19 ሰነ 2021


NB: Photo is from internet

113 views0 comments
bottom of page